ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዓለምለኻዊ ምሕደራኦምን ዕዮኦምን

ዓለምለኻዊ ምሕደራኦምን ዕዮኦምን

ዓለምለኻዊ ምሕደራኦምን ዕዮኦምን

ነቲ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚግበር ዕዮ ምስክርነት ንምክያድ ዜኽእል እተፈላለየ ናይ ምሕደራ ኣገባባት ኣሎ። ሓፈሻዊ መምርሒ ኻብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ ዚመጽእ። ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ንተወከልቲ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ንምምኻር: ተወከልቱ ይሰድድ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዘን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት እዚኣተን: ካብ ሰለስተ ኽሳዕ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዋ ኮሚተ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣላ። እዛ ኮሚተ እዚኣ ኸኣ ነቲ ኣብ ትሕቲኣ ኣብ ዘሎ ሃገር ወይ ሃገራት ዚካየድ ዕዮ ተመሓድር። ገሊአን ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ኣለወን: ገሊኣተን ድማ ልዑል ቅልጣፈ ዘለወን ሓተምቲ ኣለወን። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እትመሓደር ሃገር ወይ ከባቢ ኣብ ኣውራጃታት እተመቓቐለት ኰይና: እተን ኣውራጃታት ድማ ብግዲአን ኣብ ወረዳታት እተመቓቐላ እየን። ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ኣስታት 20 ጉባኤታት ዝሓቘፈት እያ። ናይ ኣውራጃ ተዓዛቢ ነተን ኣብ ኣውራጃኡ ዚርከባ ወረዳታት በብተራ ይበጽሐን። ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ኣብ ዓመት ክልተ ዓበይቲ ኣኼባታት ተካይድ። ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዚበሃል እውን ኣሎ። ንሱ ድማ ነተን ኣብ ወረዳኡ ዚርከባ ጉባኤታት ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ብምብጻሕ: ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ እተመደበሎም ዞባ ብስራት ብዚግባእ ተወዲቦም ኪሰብኩ ይሕግዞም።

እቲ ብስራት ኣብ ከባቢኻ ንዘለዉ ሰባት ንምንጋር: እታ ኣብ ከባቢኻ እትርከብ ጉባኤን እቲ ዚእከብሉ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ከም ቀንዲ ማእከል ኰይኑ እዩ ዜገልግል። ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዚርከብ ከባቢ ብካርታ ጌርካ ኣብ ንኣሽቱ ዞባታት እተኸፋፈለ እዩ። እዚ ዞባታት እዚ: ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ኣብ ቤቶም ከይዶም ኬዘራርብዎም ዚጽዕሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይወሃቦም። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ: ክሳዕ 200 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሕዝ ትኽእል እያ: ነቲ ኣብ ውሽጣ ዚካየድ ንጥፈታት ዚዕዘቡ ሽማግለታት ድማ ኣለዉዋ። ነፍሲ ወከፍ ነቲ ብስራት ዚእውጅ ውልቀ⁠-​ሰብ ኣብ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ። ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት: ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት: ወይውን ኣብ ጉባኤታት የገልግል ብዘየገድስ: መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ናይ ምንጋር ሓላፍነት ኣለዎ።

ጸብጻብ እቲ ዝገበርዎ ንጥፈታት ናብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ይለኣኽ እሞ: ኣብ መወዳእታ ዅሉ ተጠርኒፉ ኣብ ዓመታዊ ናይ ዓመት መጽሓፍ ይሕተም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ: ኣብ ናይ 1 ለካቲት (ቀደም ኣብ ናይ 1 ጥሪ) ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ሰሌዳ ይዳሎ። እዘን ክልተ ጽሑፋት እዚኣተን: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቱን ንምምስካር እተገብረ ንጥፈታት ብዝርዝር ጸብጻብ የቕርባ። ኣብዚ ቐረባ ዓመት ልዕሊ 16,500,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ተገደስቲ ሰባትን ኣብቲ ዓመታዊ ዚግበር በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ተረኺቦም ነይሮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዓመት ነቲ ብስራት ኣብ ምእዋጅ ልዕሊ 1,000,000,000 ሰዓት የሕልፉ: ልዕሊ 250,000 ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት ድማ ይጥመቑ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር ጽሑፋት ድማ ይዕደል።