ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ?

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ?

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ኢዮም ዝኣምኑ ?

“ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ኸም ዚጻረሩ : ንፈልጥ ኢና እሞ : እቲ ንስኻ እትሐስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ አሎና ።” (ግብሪ ሃዋርያት 28 : 22) እዞም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ዓበይቲ ዓዲ ሰናይ ኣብነት እዮም ገዲፎም ። ካብቶም ብደገ ኰይኖም ዝጻረሩ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ምንጪ ክሰምዑ ደልዮም ነበሩ ።

ብተመሳሳሊ ሎሚውን ኣንጻር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዙሕ ኢዩ ዝዝረብ ። ስለዚ ካብቶም ኣባታቶም ዘይምኽንያታዊ ጽልኢ ዘለዎም ምንጭታት ብዛዕባኦም ሓቂ ክትፈልጥ ምጽባይ ጌጋ ኢዩ ። በዚ ኸኣ ገለ ካብቲ ቀንዲ እምነትና እንታይ ምዃኑ ክንገልጸልኩም የሐጕሰና ኢዩ ።

መጽሐፍ ቅዱስ : የሱስ ክርስቶስን አምላኽን

‘ኵሉ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን’ ከም ዝኾነ ንኣምን ኢና ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 16) ሽሕኳ ገሊኦም ሰባት ናይ ሓቂ ክርስቲያን ኣይኮኑን እንተበሉና እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን” ኢሉ ዝመስከሮ ቃል ብምሉእ ልብና ንድግፎ ኢና ። — ግብሪ ሃዋርያት 4 : 12

ይኹን እምበር የሱስ ባዕሉ ንሱ “ወዲ ኣምላኽ” ምዃኑ ስለ ዝገለጸን ካብ ኣቦይ ተላኢኸ እየ መጺአ ስለ ዝበለን : ናይ የሆዋ መሰኻኽር : ኣምላኽ ካብ የሱስ ከም ዝዓቢ ኢዮም ዝኣምኑ ። (ዮሃንስ 10 : 36 ፣ 6 : 57) የሱስ ባዕሉ “ካባይ ኣቦይ ይዐቢ” ብምባል ኣፍልጦ ሃበ ። (ዮሃንስ 14 : 28 ፣ 8 : 28) ስለዚ ከምቲ ትምህርተ ስላሴ ዝብሎ የሱስ ማዕረ ኣቦ ኢዩ ኢልና ኣይንኣምንን ኢና ። ኣብ ክንድኡስ ብኣምላኽ ከም ዝተፈጥረን ካብኡ ከም ዝትሕትን ኢና እንኣምን ። — ቆሎሴ 1 : 15 ፣ 1 ቈረንቶስ 11 : 3

ብቋንቋ እንግሊዝኛ ስም ኣምላኽ ጂሆቫ ክኸውን ከሎ ብቋንቋ ትግርኛ ኸኣ የሆዋ ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል “ብስመይ የሆዋ አይተፈለጥኩሎምን።” (ዘጸኣት 6 : 3 ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ 1879 ትርጉም) ምስ እዚ ብምስምማዕ የሱስ ኣብ ስም ኣምላኽ ዓብዪ ኣቓልቦ ብምግባር ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና : ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ክጽልዩ መሃሮም ። ባዕሉውን ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ “ነዞም . . . ዝሀብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም” በለ ። — ማቴዎስ 6 : 9 ፣ ዮሃንስ 17 : 6

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ናይ የሱስ ብምስዓብ ስም አምላኽን ዕላምኡን ንኻልኦት ከፍልጡ ከም ዘለዎም ኢዮም ዝኣምኑ ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ወሲድና ዘሎና ኣብነት ናይ የሱስ ንኽተል ስለ ዝኾንና ኢዩ ። ንሱ ኸኣ እቲ “እሙን ምስክር” ኢዩ ። (ራእይ 1 : 5 ፣ 3 : 14) ምስ እዚ ብምስምማዕ ኢሳይያስ 43 : 10 ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ዝውክሉ ህዝቢ “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር [የሆዋ ትሓዓ]” ይብል ።

መንግስቲ ኣምላኽ

የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ክጽልዩ መሃሮም ። እታ ቀንዲ ናይ ትምህርቱ ኣርእስቲ ኸኣ እታ መንግስቲ ኢያ ነይራ ። (ማቴዎስ 6 : 10 ፣ ሉቃስ 4 : 43) ናይ የሆዋ መሰኻኽር እታ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ ናይ ሓቂ መንግስቲ ከም ዝኾነትን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክትገዝእ ከም ዝኾነትን የሱስ ክርስቶስ ድማ እቲ ብዓይኒ ዘይርአ ንጉስ ክኸውን ዝተሾመ ምዃኑን ይኣምኑ እዮም ። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ።” ከምኡውን “ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ይብለና ። — ኢሳይያስ 9 : 6, 7

ዝኾነ ኾይኑ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ንበይኑ ኣይኰነን ንጉስ ዝኸውን ። ኣብ ሰማይ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ዝነግሱ ክህልውዎ እዮም ። ሃዋርያ ጳውሎስ “እንተ ተዓገስና : ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና” ኢሉ ጸሓፈ ። (2 ጢሞቴዎስ 2 : 12) መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክነግሱ ዝትንስኡ ደቂሰብ ቍጽሮም “ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ” ዝተወሰኑ ከም ዝኾኑ ይሕብር ። — ራእይ 14 : 1, 3

ርግጽ ኢዩ ዝኾነት ትኹን መንግስቲ ተገዛእቲ ዘይብላ የላን ። ስለዚ ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘይካ እቶም ሰማያውያን ገዛእቲ ካልኦት ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክቕበሉ ምዃኖም ይኣምኑ ኢዮም ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እዛ ምድሪ ናብ ሓንቲ ምልክዕቲ ገነት ምስ ተለወጠት በዞም ንግዝኣት የሱስ ክርስቶስን መጋዝእቱን ትሕት ኢሎም ዝእዘዙ ብቑዓት ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመልእ ኢያ ። ስለዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዛ ምድሪ እዚኣ ፈጺማ ከም ዘይትጠፍእን እቲ “ጻድቃን ንሃገር [ንምድሪ ትሓዓ] ኪወርስዋ ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ክፍጸም ከም ዘለዎን ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘለዎም ። — መዝሙር 37 : 29 ፣ 104 : 5

ግናኸ ከመይ ኢላ ኢያ መንግስቲ ኣምላኽ እትመጽእ ? ኵሎም ህዝብታት ብፍታዎም ንግዝኣት ኣምላኽ ትሕት ኢሎም ብምግዝኦም ድዩ ? ብኣንጻሩ እኳ ደኣ : ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምምጻእ : ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቂ ሰብ ብቐጥታ ኢዱ ከእቱ ከም ዝኾነ ኢዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣግሂዱ ዝገልጸልና:- “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንኹለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ : ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” — ዳንኤል 2 : 44

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ኢያ እትመጽእ ? ብመሰረት እቲ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ጊዜ ከም እትመጽእ ኢዮም ዝኣምኑ : ንገለ ካብቲ ብዛዕባ እዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ እኩይ ስርዓት ዝገልጽ ትንቢታዊ ምልክታት ክትምርምርዎ ንዕድመኩም ኣሎና ። ንሱ ድማ ኣብ ማቴዎስ 24 : 3 – 14 ፣ ሉቃስ 21 : 7 – 13, 25 – 31 ከምኡውን 2 ጢሞቴዎስ 3 : 1 – 5 ተመዝጊቡ ኣሎ ።

‘ንየሆዋ ኣምላኽና ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ስለ እነፍቅሮ ከምኡውን ንብጻይና ከም ነፍስና ስለ እነፍቅር’ ብሃገር : ብዓሌትን ብማሕበራዊ ኣነባብራን ኣይንመቓቐልን ኢና ። (ማርቆስ 12 : 30, 31) በቲ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ኵለን ሃገራት ዘለዉ ክርስቲያናት ኣሕዋትና ዝንጸባርቕ ፍቕሪ ኣብ ኵሉ ዝተፈለጥና ኢና ። (ዮሃንስ 13 : 35 ፣ 1 ዮሃንስ 3 : 10 – 12) ስለዚ ኸኣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጕዳያት ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ገለልተኛ መርገጽ ኢና እንሕዝ ። ከምቶም የሱስ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ : ንሳቶምውን ካብ ዓለም አይኰኑን” ኢሉ ዝተዛረበሎም ቀዳሞት ደቀመዛሙርቱ ክንከውን ኢና እንጽዕር ። (ዮሃንስ 17 : 16) ካብ ዓለም ምፍላይ ማለት ካብቲ ሎሚ ኣብ ኵሉ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ከም እኒ ሓሶት : ስርቂ : ምንዝር : ዝሙት ግብረሰዶም : ደም ኣብ ዘይመዓልኡ ምውዓል : ኣምልኾ ጣኦት ዝኣመሰለ ብዕሉግ ጠባያትን ካልእ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተኾነነ ነገራትን ምርሓቕ ማለት ከም ዝኾነ ኢና እንኣምን ። — 1 ቈረንቶስ 6 : 9 – 11 ፣ ኤፌሶን 5 : 3–5 ፣ ግብሪ ሃዋርያት 15 : 28, 29

መጻኢ ተስፋ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ሕጂ ኣብዛ ዓለም እዚኣ እነሕልፎ ዘሎና ህይወት ኣኺልዎ ንሱ ጥራይ ከም ዘይኰነ እዮም ዝኣምኑ ። ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽድቃዊ ኣቕዋም ሒዞም ኣብቲ ሓድሽ ስርዓት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ የሆዋ ንየሱስ ህይወቱ በጃ ክህብ ከም ዝለኣኾ ንኣምን ። ከምቲ ሓደ ሃዋርያ ናይ የሱስ ዝበሎ ‘ብደሙ ኢና ጸዲቕና’ (ሮሜ 5 : 9 ፣ ማቴዎስ 20 : 28) ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ በጅነት ምኽንያት መጻኢ ህይወት ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ስለ ዝገበረ ንኣምላኽን ወዱን ዓሚቍ ምስጋና ኢዩ ዘለዎም ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጻኢ ግዜ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምዉታት ተንሲእካ ህይወት ከም ዘሎ ምሉእ እምነት ኢዩ ዘለዎም ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህሮ ሰብ ምስ ሞተ ህላዌኡ ፈጺሙ ከም ዘቋርጽን “በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ [ሓሳባቱ ትሓዓ] ይጠፍእ” ምዃኑን ኢና እንኣምን ። (መዝሙር 146 : 3, 4 ፣ ህዝቅኤል 18 : 4 ፣ መክብብ 9 : 5) እወ እቶም ምውታት እንደገና ንዝመጽእ ብህይወት ክነብሩ ዝኽእሉስ ኣምላኽ ብትንሳኤ ምስ ዘከሮም ኢዩ ። — ዮሃንስ 5 : 28, 29

ዝኾነ ኰይኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር : ብዙሓት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ መንግስቲ ኣምላኽ ነዘን ሕጂ ዘለዋ መንግስታት መወዳእታ ክትገብረለን ከላ ከምቲ ኖህን ስድራቤቱን ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ ብህይወት ብምስጋር ንዘለኣለም ብህይወት ክነብሩ ምዃኖም ይኣምኑ ኢዮም ። (ማቴዎስ 24 : 36 – 39 ፣ 2 ጴጥሮስ 3 : 5 – 7, 13) ይኹን እምበር ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሓልፍ እያ . . . እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝብሎ ድሕነት ፍቓድ የሆዋ ኣብ ምግባር ዝተመክሐ ምዃኑ ንኣምን ኢና ። — 1 ዮሃንስ 2 : 17 ፣ መዝሙር 37 : 11 ፣ ራእይ 7 : 9, 13 – 15 ፣ 21 : 1 – 5

ርግጽ ኢዩ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣምንዎ እምነት ብምሉኡ ኣብዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ እዚኣ ከተቕርቦ ዘይክኣል ኢዩ ። ይኹን እምበር ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ንዕድመኩም ኣሎና ።

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ወሲድና ዘሎና ኣብነት ናይ የሱስ ንኽተል ስለ ዝኾንና ኢዩ