ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ቅድሚ ዅሉ . . . ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም”

“ቅድሚ ዅሉ . . . ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም”

“ቅድሚ ዅሉ . . . ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም”

“መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። . . . ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 4:7, 8

 የሱስ እተን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሒደት ሰዓታት ክቡራት ምዃነን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እንታይ ይጽበዮም ከም ዝነበረ እውን ይግንዘብ ነይሩ እዩ። ብዙሕ ዚዕመም ዕዮ እኳ እንተ ነበሮም: ከምቲ ንዕኡ ዚበጽሖ ኺጽልኡን ኪስጐጉን ነበሮም። (ዮሃንስ 15:18-20) ኣብታ ብሓንሳእ ዝነበሩላ ናይ መወዳእታ ምሸት: ‘ንሓድሕዶም ኪፋቐሩ’ ከም ዘለዎም ብተደጋጋሚ ኣዘኻኸሮም።—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:12, 13, 17

2 እቲ ኣብታ ምሸት እቲኣ ብኣካል ተረኺቡ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣድላይነት እቲ የሱስ ዝሃቦም መዘኻኸሪ ተረዲእዎ ነበረ። ዓመታት ጸኒሑ ቀቅድሚ ምዕናው የሩሳሌም መልእኽቲ ኺጽሕፍ ከሎ: ነዚ ናይ ፍቕሪ ኣድላይነት ኣጕሊሕዎ ኣሎ። ንክርስትያናት “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። . . . ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” ኢሉ መዓዶም። (1 ጴጥሮስ 4:7, 8) ቃላት ጴጥሮስ ነዞም “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ኣገባብ እዚ እንነብር ሰባት ብዙሕ ትርጕም እዩ ዘለወን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) “ሃልሃል እትብል ፍቕሪ” እንታይ እያ፧ ንኻልኦት ብኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኼነፍቅሮም ኣድላዪ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኸም ዘላትና ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

“ሃልሃል እትብል ፍቕሪ” እንታይ እያ፧

3 ብዙሓት ሰባት ንፍቕሪ ኸም ሓንቲ ብባህርያዊ መገዲ እትመጽእ ስምዒት ገይሮም እዮም ዚሓስብዋ። እንተዀነ ግን: ጴጥሮስ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዓይነት ፍቕሪ ዘይኰነስ ብዛዕባ ሓንቲ ብልጽቲ ዝዓይነታ ፍቕሪ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እታ ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:8 “ፍቕሪ” ተባሂላ ዘላ ቓል: ካብታ ኣጋፐ እትብሃል ናይ ግሪኽ ቃል እያ ተተርጕማ። እታ ስያመ ንሓንቲ ብስርዓት እትምራሕ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ እያ እተመልክት። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ “ኣጋፐ ዝዓይነታ ፍቕሪ እዝዝቲ እያ: ምኽንያቱ ብስምዒት ጥራይ እትምራሕ ዘይኰነትስ ናብ ተግባር ዚመርሕ ድሌት ምሕዳር እውን ማለት እያ” ይብል። ሓጥእ ዝዀነ ናይ ስስዐ ዝንባለ ስለ ዝወረስና: ብስርዓታት ኣምላኽ ተመሪሕና ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ኸነርኢ መዘኻኸሪታት የድልየና እዩ።—ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 5:12

4 እዚ ግን ግዴታ ዀይኑ ስለ እተሰምዓና ጥራይ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ኣጋፐ ስምዒት ዘይብላ ኣይኰነትን። ጴጥሮስ “ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል [ቃል ንቓሉ “እትዝርጋሕ:” ኪንግደም ኢንተርሊንያር] ፍቕሪ ትሀሉኹም” በለ። a ይኹን እምበር: ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ንምርኣይ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ሓደ ምሁር ብዛዕባ እታ “ሃልሃል እትብል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ኣመልኪቱ “ከም ንሓደ ኣብ ናይ መወዳእታ ቕድድም ጭዋዳታቱ ገቲሩ ዘለዎ ዅሉ ሓይሉ ብምውጻእ ንዚወዳደር ተቐዳዳማይ እትገልጽ ቃል እያ” ይብል።

5 ስለዚ: ፍቕርና ኣብቲ ዚጥዕመና ግዜ ጥራይ ወይ ንሒደት እተመርጹ ሰባት ጥራይ ከነርኢ የብልናን። ክርስትያናዊት ፍቕሪ ልብና ‘ኸነግፍሕን’ ኣብቲ በዳሂ ዝዀነሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኸነርእን እትሓትት እያ። (2 ቈረንቶስ 6:11-13) ልክዕ ከምቲ ሓደ ተቐዳዳማይ ክእለቱ ንኼመሓይሽ ኪለማመድን ኣበርቲዑ ኺሰርሕን ዘለዎ: እታ ኸነማዕብላን ክንዓየላን እንደሊ ፍቕሪውን ከምዚኣ ዝዓይነታ ምዃና ንጹር እዩ። ኣብ ንሓድሕድና ኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኽትህልወና ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ እንተ ወሓደ ሰለስተ ምኽንያታት ኣሎና።

ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ቀዳማይ: “ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነት እዩ። (1 ዮሃንስ 4:7) እቲ ምንጪ እዛ ተፈታዊት ባህሪ እዚኣ ዝዀነ የሆዋ ቐዲሙ ኣፍቀረና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ: ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ: እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:9) ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኰይኑ ኣገልግሎቱ ኺፍጽምን ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኺመውትን ‘እተላእከ’ “ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር” ተባሂሉ እዩ። ነዚ ዓብዪ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ኢና ኽንምልሰሉ ዚግብኣና፧ ዮሃንስ “ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ: ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 4:11) ዮሃንስ “ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ” ደኣ እምበር ካብ ኣፍቀረካ ጥራይ ኢሉ ኸም ዘይጸሓፈ ኣስተብህል። ኣምላኽ ንክርስትያን ብጾትና የፍቅሮም ካብ ኰነ ንሕና እውን ከነፍቅሮም ከም ዘሎና ንጹር እዩ።

7 ካልኣይ: ኣብዚ ግዜ እዚ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ስለ ዘሎ ነቶም እተሸገሩ ኣሕዋትና ምእንቲ ኽንሕግዞም ኣብ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:7) ኣብ “ክፉእ ዘመን” ኢና እንነብር ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኵነታት ዓለም: ባህርያዊ ሓደጋታት: ምጽራር ብዙሕ ሽግራት የስዕበልና እዩ። ኣብዚ ፈታኒ ዝዀነ ዅነታት: ኣብ ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኽንቀራረብ የድልየና። ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ንሓድሕድና ኸተሕብረናን ኣብ ‘ንሓድሕድና ሓልዮት ኪህልወና’ ከተለዓዕለናን እያ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26

8 ሳልሳይ: ‘ድያብሎስ’ ምእንቲ ኸይብለጸልና ‘ስፍራ ኽንህቦ’ ስለ ዘይንደሊ ኣብ ንሓድሕድና ኽንፋቐር ኣሎና። (ኤፌሶን 4:27) ሰይጣን ንዘይፍጽምና ክርስትያናት ብጾትና: ንድኻማቶም: ጕድለታቶም ከምኡውን ጌጋታቶም ከም መዓንቀፊ ንኺጥቀመሉ ውዓል ሕደር ኣይብልን እዩ። ክርስትያናት ብጾትና ኸይተፈለጦም ብቃላቶም ይኹን ብተግባሮም ምስ ዚሃስዩና: ካብ ጉባኤ ኸም እንርሕቕ ይገብረናዶ እዩ፧ (ምሳሌ 12:18) ኣብ ንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ምስ እትህልወና ኸም እንርሕቕ ኣይገብረናን እዩ! ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ሰላምና ኽንዕቅብን ‘ሓቢርና’ ንኣምላኽ ከነገልግሎን ክትሕግዘና እያ።—ጸፎንያስ 3:9

ንኻልኦት ተፍቅር ምዃንካ እትገልጸሉ መገዲ

9 ፍቕሪ ምርኣይ ካብ ገዛና ኽጅምር ኣለዎ። የሱስ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ በታ ኣብ ንሓድሕዶም ዘላቶም ፍቕሪ ኺልለዩ ምዃኖም ተዛረበ። (ዮሃንስ 13:34, 35) ፍቕሪ ኣብ ጉባኤ ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ስድራቤት ማለት ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ከምኡውን ኣብ መንጎ ወለድን ውሉዳትን እውን ክትግለጽ ኣለዋ። ኣብ ኣባላት ስድራቤትና ፍቕሪ ኺስምዓና ጥራይ እኹል ኣይኰነን: የግዳስ ሃናጺ ብዝዀነ መገዲ ኽንገልጻ ኣሎና።

10 ሰብ ሓዳር ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ናይ ሓቂ ዜፍቅራ እንተደኣ ዀይኑ: ብቓላቱን ብተግባሩን ኣብ ቅድሚ ሰባት ይኹን ኣብ በይኖም የኽብራ ምዃኑ ኸም እትፈልጥ እዩ ዚገብር። ኽብራ ይሕልወላ ኸምኡውን ብዛዕባ ኣተሓሳስባኣን ኣረኣእያኣን ስምዒታታን ይግደስ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ንድሌታታ ቕድሚ ናቱ ይሰርዖ: ከምኡውን ብስጋውን መንፈሳውን ስምዒታውን ዜድልያ ንምምላእ ዚከኣሎ ዘበለ ይገብር። (ኤፌሶን 5:25, 28) ንሰብኣያ ናይ ብሓቂ እተፍቅር ሰበይቲ ድማ ዋላውን ሓድሓደ ግዜ ኸምቲ ንሳ እትደልዮ ምስ ዘይገብር ‘ትፈርሆ’ እያ። (ኤፌሶን 5:22, 33) ንመጻምድታ ደጋፊትን እዝዝትን እያ: በዓል ቤታ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኵሮ ንምግባር ኪጽዕር ከሎ ትሕግዞ ደኣ እምበር ምኽንያታዊ ዘይኰነ ትጽቢታት ኣይትገብርን እያ።—ዘፍጥረት 2:18፣ ማቴዎስ 6:33

11 ወለዲኸ: ንውሉዳትኩም ከመይ ጌርኩም ፍቕሪ ኸተርእይዎም ትኽእሉ፧ ስጋዊ ነገራት ምእንቲ ኸተማልኡሎም ኢልኩም ፍቓደኛታት ኴንኩም ላዕልን ታሕትን ምባልኩም ከም እተፍቅርዎም እዩ ዘርኢ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር: ውሉዳት ምግቢ: ክዳን ከምኡውን መጽለሊ ጥራይ ኣይኰነን ዜድልዮም። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ኺዓብን ንዕኡ ኼገልግሉን እንተደኣ ዀይኖም: መንፈሳዊ ልምምድ የድልዮም እዩ። (ምሳሌ 22:6) እዚ ድማ ብስድራቤት ደረጃ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ: ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል: ከምኡውን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምእካብ ግዜ ኽትምድቡ ኣለኩም ማለት እዩ። (ዘዳግም 6:4-7) ብፍላይ ኣብዘን ጽንኩራት መዓልትታት እዚኣተን ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንጥፈታት ስርዓታዊ ዄንካ ንኽትቅጽል ብዙሕ መስዋእቲ ምኽፋል ዚሓትት እዩ። ውሉዳትካ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኣብ ምሕላይ እተርእዮ ተገዳስነትን ጻዕርን መግለጺ ፍቕርኻ እዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ብናይ ውሉዳትካ ዘለኣለማዊ ድሕንነት ከም እትግደስ ተርኢ።—ዮሃንስ 17:3

12 ወለዲ ናይ ደቆም ስምዒታዊ ድሌታት ብምምላእውን ፍቕሮም ኬርእዩ ኣገዳሲ እዩ። ቈልዑ ተኣፈፍቲ ስለ ዝዀኑ: ከም እተፍቅሮም ከተረጋግጸሎም የድሊ። ከም እተፍቅሮም ንገሮም: ከም እትፈትዎም ብብዙሕ መገድታት ግለጸሎም: ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ተፈተውትን ክቡራትን ምዃኖም እዩ ዜረጋግጸሎም። ንጻዕርታቶም ተስተብህለሉን ኣኽቢርካ ድማ ትርእዮን ምዃንካ ምእንቲ ኺፈልጡ ምዉቕን ናይ ሓቅን ናእዳ ሃቦም። ብፍቕሪ ምስ እትግስጾም ከኣ ንመጻኢ እንታይ ዓይነት ሰብ ኪዀኑ ኸም እትደልዮም እዩ ዚሕብሮም። (ኤፌሶን 6:4) እዚ ዅሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፍቕሪ መግለጺታት ነዚ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚመጽእ ጸቕጥታት ንምጽዋሩ ድልውቲ ዝዀነት ንሓድሕዳ እትደጋገፍን ሕጕስትን ስድራቤት ክትሃንጽ ይሕግዝ።

13 ፍቕሪ ንጕድለታት ካልኦት ሸለል ኢልና ኸም እንሓልፎ ትገብረና። ጴጥሮስ ነቶም መልእኽቱ ዝጸሓፈሎም ሰባት “ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም” ኢሉ ኺምዕዶም ከሎ: ከምዚ ምግባር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት “ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ” ብምባል ከም ዝገለጸ ዘክር። (1 ጴጥሮስ 4:8) ፍቕሪ ሓጢኣት ‘ትኸድን’ እያ ኺበሃል ከሎ: ከቢድ ሓጢኣት ‘ትኽውል’ እያ ማለት ኣይኰነን። ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚፍጸም ነቲ ኣብታ ጉባኤ ዚርከብ ዚምልከቶ ኣካል ብግቡእ ይንገር: እቲ ጕዳይ ድማ በቲ ዚምልከቶ አካል ይተሓዝ። (ዘሌዋውያን 5:1፣ ምሳሌ 29:24) እቶም ከቢድ ሓጢኣት ዚፍጽሙ ሰባት ነቶም ንጹሃት ኪጐድኡን ግዳያቶም ኪገብርዎምን ምፍቃድ ዘይፍቕራውን ዘይቅዱስ ጽሑፋውን እዩ።—1 ቈረንቶስ 5:9-13

14 መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣመንቲ ብጾት ዚፍጽምዎ ጌጋታትን ጕድለታትን ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ዅልና ብቓል ወይ ተግባር ስሒትና ንሓድሕድና ንኰራረን ንተሓራረቕን ኢና። (ያእቆብ 3:2) እሞኸ ንጕድለታት ካልኦት ንምቅላዕ ክንጓየ ይግብኣናዶ፧ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብታ ጉባኤ ምስሕሓብ ጥራይ እዩ ዚፈጥር። (ኤፌሶን 4:1-3) ብፍቕሪ ንምራሕ እንተደኣ ዄንና: ንኣማኒ ብጻይና ‘ኣይከነነውሮን’ ኢና። (መዝሙር 50:20) ልክዕ ከምቲ መንደቕ ምስ ዚልመጽን ዚልቕለቕን ኣበሩ ዚሽፈን: ፍቕሪ ድማ ንናይ ካልኦት ሰባት ኣበር ወይ ዘይፍጽምና ትሽፍን።—ምሳሌ 17:9

15 ፍቕሪ ነቶም ናይ ሓቂ ሓገዝ ዜድልዮም ሰባት ከም እንሕግዝ ትገብረና። ኵነታት እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እናኸፍአ ኣብዚ ዚኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣመንቲ ብጾትና ንዋታዊ ወይውን ስጋዊ ሓገዝ ዚደልይሉ እዋናት ይህሉ ይኸውን። (1 ዮሃንስ 3:17, 18) ንኣብነት: ኣብ ጉባኤና ኸቢድ ቁጠባዊ ጸገምን ስእነት ስራሕን ዘለዎ ኣሎዶ፧ ስለዚ ዅነታትና ኸም ዘፍቅዶ ብስጋዊ መገዲ ኽንሕግዞ ንኽእል ንኸውን። (ምሳሌ 3:27, 28፣ ያእቆብ 2:14-17) ምጽጋን ዜድልዮ ገዛ ዘለዋ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ሓብትና ኣላዶ፧ ግቡእ ተበግሶ ወሲድና ምናልባት ገለ ነገራት ኣብ ምጽጋን ክንሕግዝ ንኽእል ኢና።—ያእቆብ 1:27

16 ንኻልኦት እነርእዮ ፍቕሪ ኣብቶም ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ኣይኰነን። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ካልእ ዓድታት ዚነብሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ግዳያት ብርቱዕ ህቦብላ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ ወይውን ግዳያት ህዝባዊ ናዕቢ ኸም ዝዀኑ ዚገልጽ ጸብጻባት ንሰምዕ ኢና። ምግብን ክዳንን ካልእ ነገራትን ብሓቂ የድልዮም ይኸውን። ካብ ካልእ ዓሌት ወይ ቀቢላ ምዃኖም ኣየገድስን እዩ። ‘ሕውነት እነፍቅር’ ሰባት ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:17) ስለዚ: ከምተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት: ነቲ ሓገዝ ንምቕራብ ዚግበር ናይ ረድኤት ጻዕርታት ደገፍና ንኸነርኢ ቕሩባት ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30፣ ሮሜ 15:26) በዚ ዅሉ መገድታት እዚ ጌርና ፍቕርና ምስ እነርኢ: ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ዜሕብረና ማእሰር ነደልድሎ ኢና።—ቈሎሴ 3:14

17 ፍቕሪ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ሰባት ንኸነካፍል ተለዓዕለና። ኣብነት የሱስ እስከ ንርአ። ዚሰብኽን ዚምህርን ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ብምኽንያት እቲ ዝነበሮም ዜሕዝን መንፈሳዊ ዅነታት ነቶም ብዙሓት ህዝቢ “ደንገጸሎም።” (ማርቆስ 6:34) በቶም መንፈሳዊ ሓቂ ኺምህርዎምን ተስፋ ኪህብዎምን ዝነበሮም ጓሶት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተነጺጎምን ተታሊሎምን ነበሩ። በዚ ኸምዚ ድማ እዩ የሱስ ካብ ዓሚቝን ልባውን ዝዀነ ፍቕርን ድንጋጽን ተላዒሉ ነቶም ህዝቢ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ብምስባኽ ዜጸናንዖም።—ሉቃስ 4:16-21, 43

18 ሎሚውን ብዙሓት ሰባት ብመንፈሳዊ መገዲ ተነጺጎምን ተታሊሎምን ብዘይ ተስፋ ተሪፎምን እዮም። ልክዕ ከም የሱስ: ንሕና እውን ነቶም ዛጊት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘይፈለጥዎ ሰባት መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ነስተብህል እንተደኣ ዄንና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኸነካፍሎም ብፍቕርን ድንጋጽን ክንለዓዓል ኢና። (ማቴዎስ 6:9, 10፣ 24:14) ተሪፉና ዘሎ ግዜ ሓጺር ብምዃኑ: እዚ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ብፍላይ ሎሚ ብህጹጽ ኪስበኽ ኣለዎ።—1 ጢሞቴዎስ 4:16

“መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ”

19 ጴጥሮስ ኣብ ንሓድሕድና ፍቕሪ ኺህልወና ኺምዕድ ከሎ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ” ብምባል ዘረባኡ ኸም ዝጀመረ ዘክር። (1 ጴጥሮስ 4:7) ድሕሪ ቐረባ ግዜ እዛ እክይቲ ዓለም በታ ጽድቃዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ክትትካእ እያ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ስለዚ እምበኣር ሎሚ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኰነን። የሱስ “እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ” ብምባል የጠንቅቐና።—ሉቃስ 21:34, 35

20 እምበኣርከስ: ኣበየናይ እዋን ከም ዘለና ፈሊጥና ብዅሉ መዳይ ‘ንንቃሕ።’ (ማቴዎስ 24:42) ካብቲ ኣቓልቦና ኽሰርቕ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ናይ ሰይጣን ፈተናታት ንተሓሎ። እዛ ሕያውነትን ፍቕርን ዘይብላ ዓለም ፍቕርና ንኻልኦት ካብ ምግላጽ ክትዓግተና ኣይነፍቅደላ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣጸቢቕና ንቕረብ: ድሕሪ ቐረባ ግዜ እታ መሲሓዊት መንግስቱ መጺኣ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዜደንቕ ዕላማ ኽትፍጽሞ እያ።—ራእይ 21:4, 5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:8 ኣብ ንሓድሕድና “ናይ ሓቂ”: “ዓማቝ” ወይውን “ልባዊት” ፍቕሪ ኽትህልወና ኣለዋ ይብል።

ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት

• የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰናበቶም ከሎ እንታይ ማዕዳ እዩ ዝሃቦም: ጴጥሮስከ ነዚ ኸም እተረድኦ ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ቍጽሪ 1-2)

• “ሃልሃል እትብል ፍቕሪ” እንታይ እያ፧ (ቍጽሪ 3-5)

• ንሓድሕድና ኽንፋቐር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ቍጽሪ 6-8)

• ንኻልኦት ተፍቅር ምዃንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ (ቍጽሪ 9-18)

• ሎሚ እንዛነየሉ ግዜ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ: እንታይ ንምግባር ኢናኸ ቘራጽነት ክንገብር ዘሎና፧ (ቍጽሪ 19-20)

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንሓድሕዳ እትደጋገፍ ስድራቤት ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚመጽእ ጸቕጥታት ክትዋጽኣሉ ድልውቲ እያ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ፍቕሪ ነቶም ናይ ሓቂ ሓገዝ ዜድልዮም ንኽንሕግዞም ተለዓዕለና

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ምክፋል መግለጺ ፍቕሪ እዩ