ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብምቕላቦም ህይወቶም ኣድሓኑ

ብምቕላቦም ህይወቶም ኣድሓኑ

ብምቕላቦም ህይወቶም ኣድሓኑ

የሱስ ክርስቶስ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዝመደበሩ ናይ ኣይሁድ ኣገባብ ኬብቅዕ ምዃኑ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ሂቡ ነበረ። መዓስ ከም ዚፍጸም ግን ፍሉይ ግዜ ኣይሓበረን። ናብቲ ጥፍኣት እቲ ዚመርሕ እንታይ ፍጻመታት ከም ዚህሉ ግን ገሊጹ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ነቒሖም ኪከታተሉን ካብቲ ሓደገኛ ቦታ ኬልግሱን ተማሕጸኖም።

የሱስ “የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም: ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ” ብምባል ተነበየ። ወሲኹ እውን “እቲ . . . ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም: . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” በለ። የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ ስጋዊ ጥሪቶም ኬድሕኑ ኺብሉ ናብ የሩሳሌም ከይምለሱ ኣጠንቀቖም። ህይወቶም ንኼድሕኑ ብህጹጽ ኪሃድሙ ነበሮም።—ሉቃስ 21:20, 21፣ ማቴዎስ 24:15, 16

ሰስትየስ ጋለስ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ዝቐጸለ ዕልዋ ንምጭፍላቕ ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ንሰራዊት ሮሜ መሪሑ ኣንጻር የሩሳሌም ወፍሪ ጀመረ። ናብታ ኸተማ ብምእታው ነታ ቤት መቕደስ ከበብዋ። እታ ኸተማ ብዕግርግር መልአት። እቶም ነቒሖም ዚከታተሉ ዝነበሩ ጥፍኣት ኣንጠልጢሉ ምንባሩ ኺግንዘቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እንተዀነ ግን: ምህዳም ዚከኣል ድዩ ነይሩ፧ ሰስትየስ ጋለስ ብሃንደበት ሰራዊቱ ኣንሰሓበ። ኣይሁዳውያን ተዋጋእቲ ኸኣ ደድሕሪኦም ሰዓቡ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ እዩ ኻብ የሩሳሌምን መላእ ይሁዳን ንምህዳም ኣጋጣሚ እተኸፍተ!

ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ሰራዊት ሮሜ ብመሪሕነት ቨስፓስያንን ወዱ ቲቶስን ተመልሱ። እታ ሃገር ብምልእታ ኣብ ውግእ ኣተወት። ኣብ መጀመርታ ናይ 70 ከ.ኣ.ዘ. ሮማውያን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ በላሕቲ ኣዕጻው እተሰርሐ ዕርዲ ሃነጹ። መህደሚ ኪኸውን ዚኽእል ዘበለ ቦታ ተዓጽወ። (ሉቃስ 19:43, 44) ተጻባእቲ ጕጅለታት ኣብታ ኸተማ ንሓድሕዶም ተቓተሉ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ገሊኦም ብሮማውያን ተቐትሉ: ገሊኦም ከኣ ናብ ባርነት ተወስዱ። የሩሳሌምን ቤት መቐደሳን ምሉእ ብምሉእ ጠፍኣ። ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብር ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፈስ ከኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣይሁድ ተሳቕዮምን ሞይቶምን እዮም። እታ ቤት መቕደስ እውን ዳግማይ ኣይተሃንጸትን።

እቶም ክርስትያናት ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም እንተ ዚጸንሑ ነይሮም: ከምቶም ካልኦት ምተቐትሉ ወይውን ንባርነት ምተወስዱ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ናይ ጥንቲ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዝገለጽዎ: እቶም ኣብ የሩሳሌምን መላእ ይሁዳን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ መለኮታዊ መጠንቀቕታ ብምቕላብ ናብቲ ብወገን ምብራቕ ሩባ ዮርዳኖስ ዘሎ ኣኽራን ሃዲሞም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ጴርያ እትርከብ ፔላ ሰፈሩ። ንይሁዳ ገዲፎምዋ ወጹ ናብኣውን ፈጺሞም ኣይተመልሱን። ነቲ የሱስ ዝሃቦም መጠንቀቕታ ብምቕላቦም ህይወቶም ኣድሓኑ።

ካብ እሙን ምንጭታት ንእተረኽበ መጠንቀቕታ ብዕቱብ ተቕልበሉዶ ኢኻ፧

ብዙሓት ሰባት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ሰሚዖም ፍጻሜኡ ስለ ዘይርእዩ: ንዝዀነ ይኹን መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ ይህብዎ። እንተዀነ ግን: ንዚሰማዕካዮ መጠንቀቕታታት ምቕላብ ህይወትካ ዜድሕን ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ 1975 ኣብ ቻይና ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸም ዜጋጥም መጠንቀቕታ ተዋህበ። ሰበ-ስልጣናት ኣድላዪ ስጕምቲ ወሰዱ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ነቲ መጠንቀቕታ ግቡእ መልሲ ሃቡ። ህይወት ኣሽሓት ሰባት ከኣ ደሓነ።

ኣብ ሚያዝያ 1991 ኣብ ፊሊፕንስ ኣብ ትሕቲ ኸረን ፒናቱቦ ዚርከቡ ተቐማጦ: እቲ ኸረን ሃፋን ሓሙኽሽትን ይተፍእ ከም ዝነበረ ሓበሩ። ኣብ ፊሊፕንስ ዚርከብ ብዛዕባ እሳተ-ጎመራን ምንቅጥቃጥ ምድርን መጽናዕቲ ዜካይድ ትካል: ነቲ ዅነታት ንኽልተ ወርሒ ዚኣክል ድሕሪ ምክትታል ሓደጋ ኣንጠልጢሉ ኸም ዘሎ መጠንቀቕታ ሃበ። ብኡንብኡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ገዓዙ። ብ15 ሰነ ንግሆ ብብርቱዕ ነታጒ እተሰነየ ልዕሊ 8 ኲቢክ ኪሎ ሜተር ዝዓቐኑ ደቀቕቲ ነገራት ናብ ሰማይ ተተኲሱ ናብተን ኣብቲ ኸባቢ ዝነበራ ገጠራት ተፈናጠቐ። ነቲ መጠንቀቕታ ብምቕላቦም ህይወት ኣሽሓት ሰባት ድሒኑ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ የጠንቅቕ እዩ። ሎሚ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢና እንነብር ዘሎና። መወዳእታ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ ንቑሕ ኴንካ ትከታተልዶ ኣሎኻ፧ ካብቲ ሓደገኛ ቦታታት ንምርሓቕ ስጕምትታት ትወስድዶ ኣሎኻ፧ ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኺወስዱ ተጠንቅቕዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሓያሎ ሰባት ንእተዋህቦም መጠንቀቕታ ብምቕላቦም ከረን ፒናቱቦ እሳተ-ጎመራ ኽተፍእ ኸሎ ህይወቶም ከድሕኑ ኽኢሎም እዮም

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ክትጠፍእ ከላ እቶም ነቲ የሱስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ዘቕለቡሉ ክርስትያናት ድሒኖም እዮም