ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ናብ ፈተና ምእንቲ ኸይትኣትዉ’

‘ናብ ፈተና ምእንቲ ኸይትኣትዉ’

‘ናብ ፈተና ምእንቲ ኸይትኣትዉ’

“ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን።”ማቴዎስ 26:41

 እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዘጋጠሞ ጸቕጢ ኻብቲ ኣቐዲሙ እተመኰሮ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ኸም ዚእሰርን ንሞት ኣሕሊፎም ከም ዚህብዎን ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ኸም ዚስቀልን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዚገብሮ ውሳነታትን ዚወስዶ ስጕምትታትን ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ ንስም ኣቡኡ ኸም ዚጸልዎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ተስፋ ህይወት ደቅሰብ እውን ኣብቲ ንሱ ዚገብሮ ውሳነ ተንጠልጢሉ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እዚ ዅሉ ጸቕጥታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: እንታይ እዩ ዝገበረ፧

2 የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ኸደ። እዚኣ እታ የሱስ ዚፈትዋ ቦታ እያ ነይራ። ካብ ደቀ መዛሙርቱ ቕሩብ ርሕቕ ኢሉ ኸደ። ብሕት ኢሉ ድማ ሰለስተ ግዜ ሓይሊ ምእንቲ ኽህቦ ናብቲ ሰማያዊ ኣቡኡ ልባዊ ጸሎት ኣቕረበ። የሱስ ዋላ እኳ ፍጹም እንተ ነበረ: ነቲ ዚወርዶ ዝነበረ ጸቕጥታት በይኑ ኺጋጠሞ ዚኽእል ኰይኑ ኣይተሰምዖን።—ማቴዎስ 26:36-44

3 ሎሚውን ንሕና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኢና ዘሎና። ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ኣቐድም ኣቢልና ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እዚ እኩይ ኣገባብ ከም ዘሎና ዚገልጽ መርትዖታት ርኢና ኔርና። ፈተናታትን ጸቕጥታትን እዛ ናይ ሰይጣን ዓለም እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኢና እነገልግል እንብል ኵልና እንገብሮ ውሳነታትን ተግባራትን ንስም ኣምላኽ ይትንክፎ ነቲ ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ንምእታው ዘሎና ብሕታዊ ተስፋ እውን ይጸልዎ እዩ። ንየሆዋ ነፍቅሮ ኢና። ‘ክሳዕ መወዳእታ’ ማለት ክሳዕ መወዳእታ ህይወትና ወይ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ‘ክንዕገስ’ ኢና እንደሊ። (ማቴዎስ 24:13) እንተዀነ ግን: ከመይ ጌርና ኢና ነቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ኽንዕቅብን ክንነቅሕን እንኽእል፧

4 የሱስ እቶም ቀዳሞትን እዞም ኣብዚ ግዜ እዚ ዘለዉን ደቀ መዛሙርቱ ጸቕጥታት ከም ዜጋጥሞም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ “ናብ ፈተና ኸይትአትዉስ ንቕሑን ጸልዩን” ብምባል ተማሕጸኖም። (ማቴዎስ 26:41) ሎሚ እዘን ቃላት እዚኣተን ንዓና እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧ ከመይ ዝበለ ፈተናታት እዩ ብብሕትኻ ዜጋጥመካ፧ ብኸመይ ኢኻኸ ‘ክትነቅሕ’ እትኽእል፧

እንታይ ንኽንገብር ኢና እንፍተን፧

5 ኵልና ናብ “መፈንጠራ ድያብሎስ” ኬእትወና ዚኽእል ፈተና ኣብ መመዓልቲ የጋጠመና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:26) መጽሓፍ ቅዱስ: ሰይጣን ብፍላይ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዒላማኡ ኸም ዚገብሮም የጠንቅቐና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:8፣ ራእይ 12:12, 17) ሸቶኡ እንታይ እዩ፧ ንዓና ምቕታል ብዙሕ ኣየገድሶን እዩ። ንኣምላኽ እሙናት ኴንና እንተደኣ ሞይትና ንዕኡ ፍሽለት እዩ። የሆዋ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ነቶም ዝሞቱ ኻብ ሞት ብምትንሳእ ናብ ህይወት ኪመልሶም ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።—ሉቃስ 20:37, 38

6 እቲ ተጻራሪና: ካብዚ ሕጂ ዘሎና ህይወት ኣዝዩ ዚኸብር ነገር ኬጥፍኣልና እዩ ዚደሊ: እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ዘሎና ንጽህና እዩ። ሰይጣን ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ንድሕሪት ኺመልሰና ኸም ዚኽእል ኬርኢ ኣጸቢቑ እዩ ዚህንጠ። ንየሆዋ ዘይእሙናት ክንከውን እንተደኣ ጀሚርና: ማለት ነቲ ብስራት ካብ ምስባኽ እንተደኣ ኣቋሪጽናን ክርስትያናዊ ስርዓታት ሸለል እንተደኣ ኢልናን እዚ ንሰይጣን ዓብዪ ዓወት እዩ። (ኤፌሶን 6:11-13) ስለዚ ኸኣ እዩ “እቲ ፈታኒ” ኣብ ቅድሜና ፈተናታት ዜንብር።—ማቴዎስ 4:3

7 “ፍሕሶ” ሰይጣን እተፈላለየ መልክዕ እዩ ዘለዎ። (ኤፌሶን 6:11) ምናልባት ብፍቕረ-ንዋይ: ፍርሂ: ጥርጣረ: ወይውን ብተድላ ምድላይ ይፍትነና ይኸውን። እንተዀነ ግን: እታ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ውጽኢታውያን ዝዀና ሜላታቱ ተስፋ ኸም እንቘርጽ ምግባር እያ። እዚ እኩይ ተበላጺ እዚ: ተስፋ ምቝራጽ ንመንፈሳውነትና ኣዳኺሙ ንውዲታቱ ኸቃልዓና ኸም ዝኽእል ኣንዳዕዲኡ ይፈልጥ እዩ። (ምሳሌ 24:10) ስለዚ ብፍላይ ብስምዒታዊ መገዲ ኣብ ‘እተቐጥቀጥናሉ’ እዋን: ኢድና ኸም እንህብ ኪገብረና እዩ ዚጓየ።—መዝሙር 38:8

8 ናብ መወዳእታ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ኣዚና እናቐረብና ብዝኸድና መጠን: ተስፋ ንኽንቈርጽ ምኽንያት ዚዀነና ነገራት እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ እዩ ዚመስል: ንሕና እውን ካብቲ ዜስዕቦ ጽልዋ ሓራ ኽንከውን ኣይንኽእልን ኢና። (ነታ “ገለ ኻብቲ ተስፋ ኬቝርጸና ዚኽእል ነገራት” እትብል ሳጹን ተመልከት።) ብዝዀነ ይኹን ምኽንያት ዜጋጥም ተስፋ ምቝራጽ ንሓይልና የድክሞ እዩ። ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ስምዒታውን መዳይ እንተደኣ ደኺምና: እቲ ‘ግዜ ዓዲግና’ ኽንገብሮ ዚግብኣና ማለት መጽናዕቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ: ከምኡውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምክፋል ዜጠቓልል መንፈሳዊ ግዴታታትና: ብድሆ ክዀነና ይኽእል እዩ። (ኤፌሶን 5:15, 16) እቲ ፈታኒ ኼሐልለና ኸም ዚደሊ ኣይንረስዕ። እንተዀነ ግን: እዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ እንዝሕለሉ ወይ እቲ ዝነበረና ናይ ህጹጽነት ስምዒት እነጥፍኣሉ ግዜ ኣይኰነን! (ሉቃስ 21:34-36) ንፈተናታት ክንቃወሞን ንቑሓት ክንከውንን እንኽእል ከመይ ኢልና ኢና፧ ኣርባዕተ ሓገዝቲ ዝዀኑ ሓሳባት እስከ ንርአ።

ከየባተኽና ‘ንጸሊ’

9 ብጸሎት ኣቢልካ ኣብ የሆዋ ተወከል። ነቲ የሱስ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ ዝገደፎ ኣብነት ዘክሮ። ሓያል ስምዒታዊ ጸቕጢ እኳ ይወርዶ እንተ ነበረ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ሓገዝ ደልዩ ናብ የሆዋ እዩ ጠሚቱ: ልባዊ ጸሎት ኬቕርብ ከሎ “ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ።” (ሉቃስ 22:44) ሕስብ እሞ ኣብሎ። የሱስ ንሰይጣን ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዚፈልጦ። ኣብ ሰማይ ከሎ ኣትሒዙ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምፍንጣር ዚጥቀመሉ ፈተናታት ተዓዚብዎ እዩ። እንተዀነ ግን: የሱስ እቲ ፈታኒ ንዕኡ ንምፍታን ኢሉ ዜምጽኦ ዝዀነ ይኹን መሰናኽል ብቐሊሉ ኸም ዚሰግሮ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። እቲ ፍጹም ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እኳ መለኮታዊ ሓገዝን ሓይልን ደልዩ ኻብ ጸለየ: ንሕናኸ ዝያዳኡ ኽንጽልይዶ ኣይግብኣናን!—1 ጴጥሮስ 2:21

10 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸየባተኹ ‘ኺጽልዩ’ ምስ ተላበዎም: ቀጺሉውን “መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 26:41) የሱስ ንናይ መን ስጋ ኣመልኪቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ንናይ ገዛእ ርእሱ ኸም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ: እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብኣዊ ስጋኡ ዋላ ሓንቲ ድኻም ኣይነበሮን። (1 ጴጥሮስ 2:22) ናይ ደቀ መዛሙርቱ ዅነታት ግን እተፈልየ እዩ ነይሩ። ብምኽንያት እቲ ዝወረስዎ ዘይፍጽምናን ሓጥእ ዝዀነ ዝንባለታትን ንዝወርዶም ፈተና ንኽጻወርዎ ፍሉይ ዝዀነ ሓገዝ የድልዮም ነበረ። (ሮሜ 7:21-24) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱን ነቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ንፈተናታት ብዓወት ምእንቲ ኽዋጽእሉ ሓገዝ ንምርካብ ኪጽልዩ ዜተባበዖም። (ማቴዎስ 6:13) የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ይምልሰሉ እዩ። (መዝሙር 65:2) ብኸመይ፧ እንተ ወሓደ ብኽልተ መገድታት።

11 ቀዳማይ: ኣምላኽ ንፈተናታት ከነለልዮ ይሕግዘና እዩ። ናይ ሰይጣን ፈተናታት ከም ኣብ ጸልማት መገዲ እተዋደደ መፈንጠራታት እዩ። እንተደኣ ዘየስተባሂልካሉ: ክትፍንጠር ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ብመጽሓፍ ቅዱስን በቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረቱ ጽሑፋትን ኣቢሉ ኣብቲ ናይ ሰይጣን መፈንጠራታት ዘለዎ መገዲ ብርሃኑ ብምስዳድ ኣብ ፈተናታት ካብ ምውዳቕ የዕቝበና። ንሓያሎ ዓመታት ዚኣክል ብጽሑፋትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ገይሩ ፍርሂ ሰብን ጾታዊ ርኽሰትን ፍቕረ-ንዋይን ካልእ ናይ ሰይጣን ፈተናታትን እንታይ ሓደጋ ኼስዕብ ከም ዚኽእል ብተደጋጋሚ ኼጠንቅቐና ጸኒሑ እዩ። (ምሳሌ 29:25፣ 1 ቈረንቶስ 10:8-11፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) የሆዋ ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ውዲታት ከምዚ ገይሩ ብምጥንቃቑስ ከተመስግኖዶ ኣይግብኣካን፧ (2 ቈረንቶስ 2:11) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታታት መልሲ እቲ ንፈተናታት ንኽትዋጽኣሉ ሓገዝ ኪወሃበካ ዝገበርካዮ ጸሎት ምዃኑ ኣይትረስዕ።

12 ካልኣይ: የሆዋ ፈተና ንኽንጻወር ሓይሊ ብምሃብ ነቲ ዝገበርናዮ ጸሎት ይምልሰልና እዩ። እቲ ቓሉ “ኣምላኽ . . . ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 10:13) የሆዋ ኣብኡ እንተደኣ ተወኪልና መንፈሳዊ ብርታዐ ስኢንና ኽሳዕ እንወድቕ ብፈተና ኽንዕብለል ኣየፍቅድን እዩ። ‘መውጽኢ ገይሩልና’ ዘሎ ግን ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ‘ነቶም ዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚሑ ይህቦም እዩ።’ (ሉቃስ 11:13) እቲ መንፈስ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንዝክር እሞ ቕኑዕ ዘበለ ነገር ንኽንገብርን ጥበባዊ ውሳነታት ክንውስንን ይሕግዘና። (ዮሃንስ 14:26፣ ያእቆብ 1:5, 6) ሓጥእ ዝንባለታት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽርና ምእንቲ ኸነእትዎ ኣድላዪ ባህርያት ንኸነንጸባርቕ እውን ይሕግዘና እዩ። (ገላትያ 5:22, 23) መንፈስ ኣምላኽ: ንክርስትያናት ብጾትና እውን ከይተረፈ ‘ንምጽንናዕ ኪዀኑና’ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ። (ቈሎሴ 4:11) የሆዋ ነቲ ንኺሕግዘካ ዘቕረብካዮ ጸሎት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራዊ መገድታት ዚምልሰልካ ብምዃኑስ ከተማስወሉዶ ኣይግብኣካን፧

ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃልወና

13 ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ንኽንነቅሕ ይሕግዘና። ኵልና ብምኽንያት እቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸቕጥታት ሓድሓደ ግዜ ንሕለል ኢና። እንተዀነ ግን: ኣምላኽ ኣብዚ ኣረጊት ኣገባብ እዚ ኻብ ግድላት ናጻ ዝዀነ ህይወት ከነሕልፍ ከም ዘይተመባጽዓልና ኽንዝክር ኣሎና። ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ስደት: ድኽነት: ጭንቀት: ሕማም ዝኣመሰሉ መከራታት ኣሕሊፎም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 8:1፣ 2 ቈረንቶስ 8:1, 2፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23

14 ሎሚ እውን ንሕና ሽግራት ኣሎና። ምናልባት ብስደት: ምስ ቍጠባዊ ዅነታት ብእተተሓሓዘ ዓቕሊ ጽበት: ብመንፈስ ጭንቀት: ብሕማም ከምኡውን ብኻልእ መገድታት ስቓይ ነሕልፍ ንህሉ። የሆዋ ኻብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሽግራት ብተኣምራዊ መገዲ ዜዕቍበና እንተደኣ ዀይኑስ: ሰይጣን ንየሆዋ ንኽጸርፎ መሰረት ዜንብረሉዶ ኸይኰነ፧ (ምሳሌ 27:11) የሆዋ ኣገልገልቱ ኺፍተኑ የፍቅድ እዩ: ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት ብኢድ ተጻረርቶም ኣብ ሰዊት ዕድሜኦም ኪቕተሉ እውን ከይተረፈ የፍቅድ እዩ።—ዮሃንስ 16:2

15 የሆዋ ደኣ እሞ እንታይ እዩ ተመባጺዑልና፧ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ: ምሉእ ብምሉእ ኣብኡ ኽሳዕ እተወከልና: ነቲ ዜጋጥመና ፈተና ምጽዋሩ ምእንቲ ኽንክእል ሓይሊ ኸም ዚህበና ተመባጺዑልና እዩ። (ምሳሌ 3:5, 6) ብቓሉ: ብመንፈሱ: ከምኡውን ብማሕበሩ ኣቢሉ ብመንፈሳዊ መገዲ የዕቍበና: ነቲ ምስኡ ዘሎና ጥብቂ ርክብ ንኽንዕቅብ እውን ይሕግዘና። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽቡቕ ዝምድና እንተደኣ ሃልዩና: ዋላውን እንተ ሞትና ተዓዊትና ኢና። ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቦም ንኽህቦም ሞት እውን ከይተረፈ ኺዓግቶ ኣይክእልን እዩ። (እብራውያን 11:6) የሆዋ ኣብታ ቐሪባ ዘላ ሓዳስ ዓለም ነቶም ዜፍቅርዎ ኺባርኾም ምዃኑ ኣትይዎ ዘሎ መብጽዓ ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ።—መዝሙር 145:16

ነቲ ኽርክር ኣይንረስዓዮ

16 ክሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኽንዕገስ: ነቲ ኣምላኽ እከይ ንኽህሉ ዝፈቐደሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኽርክር ክንዝክር ይግባእ። ሓድሓደ ግዜ ብሽግር እተዋሓጥና ዀይኑ ምስ ዚስመዓናን ዕዮና ኸነቋርጽ ምስ እንፍተንን: ነቲ ሰይጣን ብዛዕባ እቲ ጽድቃዊ ልዑላውነት የሆዋ ዜቕረቦ ብድሆ ኽንዝክር ይግባእ። እዚ መታለሊ ዝዀነ ሰይጣን ነቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ተወፋይነትን ንጽህናን እውን ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። (እዮብ 1:8-11፣ 2:3, 4) እዚ ኽርክራት እዝን እቲ ኣምላኽ ነዚ ኽርክራት እዚ ንኸደቅሶ ዝመረጾ መገድን ካብ ህይወት ነፍሲ ወከፍና ንላዕሊ ዝዓበየ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብኸመይ፧

17 ኣምላኽ ጸገማት ንግዜኡ ኽህሉ ብምፍቃዱ: ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ሓቂ ኪቕበሉ እኽኢልዎም እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: የሱስ ንሕና ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ ኢሉ ተሳቕዩ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ነዝስ ኣይነማስወሉንዶ ኢና፧ ኣድላዪ እንተደኣ ዀይኑ: ካልኦት ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡ ንቕሩብ ግዜ ጸገማት ክንጽመም ፍቓደኛታት ዲና፧ ክሳዕ መወዳእታ ምእንቲ ኽንዕገስ: ጥበብ የሆዋ ኻብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ሓለፍ ዝበለት ምዃና ኣፍልጦ ኽንህብ ይግባእ። (ኢሳይያስ 55:9) ኣምላኽ እቲ ኽርክር ዘለኣለማዊ መዕለቢኡ ረኺቡ ንዓና ንዘለኣለም ኪጠቕመና ኣብ ዚኽእለሉ ዅነታት ምስ በጽሐ: መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ካልእ ኣማራጺ ኸኣ የለን። ኣብ ኣምላኽ ዓመጻ የልቦን!—ሮሜ 9:14-24

“ንኣምላኽ ቅረብዎ”

18 ነቲ ዘሎና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ምእንቲ ኽንዕቅብ: ናብ የሆዋ ኽንቀርብ ከድልየና እዩ። ሰይጣን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ኬበላሽዎ ኣበርቲዑ ኸም ዚጽዕር ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ሰይጣን ‘መወዳእታ ፈጺሙ ኣይክመጽእን እዩ: እዛ እክይቲ ዓለም ከምዚ ኢላ ንዘለኣለም ክትቅጽል እያ: ከምኡውን ነቲ ብስራት ምስባኽን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዐቀኒታት ምንባርን ምንም ትርጕም የብሉን’ ዚብል እምነት ኬሕድረልና እዩ ዚደሊ። እንተዀነ ግን: ንሱ “ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።” (ዮሃንስ 8:44) ‘ንድያብሎስ ክንጻረሮ’ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ፈጺምና ኣቕሊልና ኽንርእዮ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ፍቕራዊ ዕድመ የቕርበልና። (ያእቆብ 4:7, 8) ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧

19 ጸሎትን ምስትንታንን ኣገዳሲ እዩ። በቲ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸቕጥታት እተዋሓጥና ዀይኑ ምስ ዚስምዓና: ልብና ንየሆዋ ኸነፍስሰሉ ኣሎና። ኣብ ጸሎትካ ነቲ እትደልዮ ነገር ፈሊኻ ትጠቅስ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ የሆዋ ዚህበካ መልሲ ብግልጺ ኢኻ እትርእዮ። እቲ መልሲ ዅሉ ግዜ ልክዕ ከምቲ ብኣእምሮኻ እትሓስቦ ኸይከውን ይኽእል እዩ: ባህግኻ ንየሆዋ ኸተኽብርን ንጽህናኻ ኽትሕሉን እንተደኣ ዀይኑ ግን: ነቲ ፈተና ብዓወት ንምስጋር ኺሕግዘካ ዚኽእል ሓይሊ ኺህበካ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:14) መምርሒኡ ኣብ ህይወትካ ትጥቀመሉ እንተደኣ ዄንካ: ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትቀርብ ኢኻ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ባህርያት የሆዋን መገድታቱን ምንባብን ምንጽብራቕን እውን ኣድላዪ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ንኣምላኽ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ይሕግዘካ: ንልብኻ የለዓዕሎ: ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ እውን ይዓሙቝ። (መዝሙር 19:14) እዛ ፍቕሪ እዚኣ ድማ እያ ኻብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ነቲ ዚወርደካ ፈተናታት ንኽትጻወሮን ንቑሕ ንኽትከውንን ክትሕግዘካ እትኽእል።—1 ዮሃንስ 5:3

20 ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንተደኣ ዄንና: ምስ ኣመንቲ ብጾትና ምጥባቕ እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ኣብ መወዳእታ ኽፋል እዛ ብሮሹር እዚኣ ኽንርእዮ ኢና።

ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት

• የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ብርቱዕ ጸቕጢ ምስ ወረዶ እንታይ እዩ ዝገበረ: ንደቀ መዛሙርቱኸ እንታይ ክገብሩ እዩ ዜተባብዖም፧ (ቍጽሪ 1-4)

• ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ዒላማኡ ዚገብሮም ስለምንታይ እዩ: ብኸመይ ዝበለ መገድታት እዩኸ ዚፍትኖም፧ (ቍጽሪ 5-8)

• ንፈተናታት ምእንቲ ኽንጻወሮ: ከየባተኽና ኽንጽሊ (ቍጽሪ 9-12): ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ (ቍጽሪ 13-15): ነቲ ኽርክር ክንዝክር (ቍጽሪ 16-17): ከምኡውን ‘ንኣምላኽ ክንቀርቦ’ (ቍጽሪ 18-20) ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ገለ ኻብቲ ተስፋ ኬቝርጸና ዚኽእል ነገራት

ጥዕና/ዕድመ:- ብሕዱር ሕማም ንሳቐ እንተደኣ ሃሊና ወይውን ብዕድመ ምድፋእ ዓቕምና እንተደኣ ተደሪቱ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ዝያዳ ኽንዓዪ ብዘይ ምኽኣልና ጭንቀት ኪስምዓና ይኽእል እዩ።—እብራውያን 6:10

ምሕላል:- ቃል ኣምላኽ ክንሰብኽ ከሎና ኣወንታዊ ምላሽ ምስ ዘይንረክብ ተስፋ ከቝርጸና ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 13:12

ዋጋ ዘይብልካ ዀይኑ ዝስምዓካ ስምዒት:- ሓደ ሰብ ብምኽንያት እቲ ንዓመታት ዚኣክል ዘጋጠሞ ግፍዒ ብየሆዋ እውን ከይተረፈ ከም ዘይፍቀር ኰይኑ ኺስምዖ ይኽእል እዩ።—1 ዮሃንስ 3:19, 20

ስምዒታዊ መጕዳእቲ:- ሓደ ሰብ ብሓደ ክርስትያን ብጻዩ እንተደኣ ተቐይሙ: ኣብ ኣኼባታት ምክፋልን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስታፍን ክሳዕ ዜቋርጽ ክበሳጮ ይኽእል እዩ።—ሉቃስ 17:1

ስደት:- ከም ናትካ ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ይጻረሩኻ: የሳጕጉኻ: ወይ እውን የላግጹልካ ይዀኑ።—2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ 2 ጴጥሮስ 3:3, 4

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንፈተናታት ምቅላሱ ምእንቲ ኽንክእል ኸየባተኽና ‘ኽንጽሊ’ ኣተባብዓና