ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም

ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም

ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም

መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ: “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ብምባል ተስፋ ይህበና እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13

“ሓድሽ ሰማያት” እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማያት ምስ ምምሕዳር እዩ ዜተኣሳስሮ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:49) እቲ “ሓድሽ ሰማያት” እታ ንምድርና እትገዝእ ሓዳስ መንግስቲ እያ። ሓዳስ እተባህለትሉ ምኽንያት ድማ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ኣጥፊኣ ዕላማ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ስለ እትገብር እዩ። እዚኣ እታ የሱስ ክርስቶስ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ እያ። (ማቴዎስ 6:10) ካብቲ ኣብ ሰማይ ዚነብር ኣምላኽ ዝመነጨት ብምዃና እዛ መንግስቲ እዚኣ “መንግስተ ሰማያት” ተባሂላ ትጽዋዕ።—ማቴዎስ 7:21

“ሓድሽ ምድሪ” እንታይ ማለት እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ እዛ እንነብረላ ዘላ ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ስለ ዚገልጽ: ንምድርና እትትክእ ካልእ ሓዳስ ምድሪ ኽትመጽእ ማለት ኣይኰነን። እቲ “ሓድሽ ምድሪ” ሓድሽ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ማለት እዩ። እዚ ድማ ሓድሽ እዩ ኪኸውን: ምኽንያቱ እቶም እኩያት ሰባት ካብ ምድሪ ኺጸንቱ እዮም። (ምሳሌ 2:21, 22) ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብሩ ዅሎም ሰባት ንፈጣሪ ኬኽብርዎን ኪእዘዝዎን ምስቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ኪመላለሱን እዮም። (መዝሙር 22:27) ሕጂ ዅሎም ኣህዛብ ንስርዓታት ኣምላኽ ኪመሃሩን ኣነባብራኦም ምስዚ ስርዓታት እዚ ኼሰማምዑን ይዕደሙ ኣለዉ። ከምዚ ትገብርዶ ኣሎኻ፧

ኣብታ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣኽብሮት ኬርኢ እዩ። ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ትእዛዛቱ ንኽትሕሉ የለዓዕለካ ድዩ፧ (1 ዮሃንስ 5:3) ኣብ ገዛኻ: ኣብ ስራሕካ: ኣብ ቤት ትምህርትኻ ዀታስ ኣብ ኵሉ መዓልታዊ መነባብሮኻ ንስርዓት ኣምላኽ ከም እትእዘዝ ብንጹር ተርኢዶ ኢኻ፧

ኣብ ሓዳስ ዓለም: ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሓቢሩ ኼምልኽ እዩ። ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ዲኻ እተምልኽ፧ ኣምልኾኻ ብሓቂ ምስቶም ካብ ብዘሎ ሃገራትን: ዓሌታትን: ቋንቋታትን ዚመጹ ኣምለኽቲ ዜሕብረካዶ እዩ፧—መዝሙር 86:9, 10፣ ኢሳይያስ 2:2-4፣ ጸፎንያስ 3:9

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ሳጹን]

እቲ ነዚ ነገራት እዚ እተመባጽዐ ኣምላኽ

እቲ ነዚ ነገራት እዚ እተመባጽዐ ኣምላኽ: እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ እዩ። ንሱ እቲ የሱስ ክርስቶስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ [ኢኻ]” ብምባል ዝጸወዖ ኣምላኽ እዩ።—ዮሃንስ 17:3

መብዛሕትኦም ደቅሰብ ባዕላቶም ዜቘምዎም ኣማልኽቲ እዮም ዜምልኹ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸኣ ህይወት ንዘይብሉ ስእልን ምስልን ይሰግዱ ወይ ይሳለሙ። ገሊኣቶም ድማ ንሰብኣዊ ትካላት: ኣብ ስጋዊ ኣተሓሳስባ ንእተመስረተ ፍልስፍና: ወይ ከኣ ንናይ ገዛእ ርእሶም ባህግታት የኽብሩ። እቶም ‘መጽሓፍ ቅዱስ ነኽብር ኢና’ ዚብሉ እውን ከይተረፉ ንስም እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ሓቂ” ብምባል ዚጽውዖ ኣምላኽ ኣየኽብርዎን እዮም።—ኤርምያስ 10:10

ፈጣሪ ብዛዕባ ርእሱ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] እየ: ስመይ እዚኣ እያ” በለ። (ኢሳይያስ 42:5, 8) እዚ ስም እዚ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ተጠቒሱ ኣሎ። የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም።—ማቴዎስ 6:9

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ባህርያት እዩ ዘለዎ፧ ንሱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “መሓርን ጸጋውን . . . ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን” ምዃኑ: ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ትእዛዛቱ ዚጥሕሱ ግን ከይቀጽዐ ኸም ዘይሓድጎም ይገልጽ። (ዘጸኣት 34:6, 7) እቲ ዛጊት ምስ ደቅሰብ ኪገብሮ ዝጸንሐ ርክብ ንሓቅነት እዚ ቓላት እዚ የረጋግጽ።

ስም ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ ንባዕሉ ኣምላኽ እውን ኪቕደስ ኣለዎ። ፈጣርን ልዑልን ብምዃኑ ኽንእዘዞን ከነምልኾን ይግብኣና። ንስኻኸ ኸምኡዶ ትገብር ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ከመይ ዝበለ ለውጥታት እዩ ኼምጽእ፧

ምድሪ ናብ ገነት ትልወጥ ኢሳይያስ 35:1, 2

ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ዮሃንስ 13:35፣ እተዋጽኡ ሰባት ብፍቕሪ ሓቢሮም ሓደ ዓለምለኻዊ ራእይ 7:9, 10

ሕብረተሰብ ኬቝሙ እዮም

ዓለምለኻዊ ሰላምን ናይ መዝሙር 37:10,11፣ ሓቂ ድሕንነትን ይህሉ ሚክያስ 4:3, 4

ዜዕግብ ስራሕን ኣኽል-ታርፍ ኢሳይያስ 25:6፣ 65:17, 21-23

ምግብን ይህሉ

ሕማም: ሓዘን: ሞት የልግስ ኢሳይያስ 25:8፣ ራእይ 21:1, 4 ኣብ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ራእይ 15:3, 4

ኣምላኽ ዝሓበረት ዓለም

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ካብ መብጽዓታት ኣምላኽ ክትጥቀምዶ ኢኻ፧

ኣምላኽ ኣይሕሱን እዩ!—ቲቶስ 1:2

የሆዋ “ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ኣዊጁ እዩ።—ኢሳይያስ 55:11

የሆዋ ዛጊት ነቲ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ከቚሞ ጀሚሩ ኣሎ። ከመይሲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ድሮ ኣብ ሰማይ ትገዝእ ኣላ። መሰረት እቲ ‘ሓድሽ ምድሪ’ እውን ድሮ ተነቢሩ ኣሎ።

መጽሓፍ ራእይ ንገለ ኻብቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ንምምጻእ ዚፍጽሞ ኣደነቕቲ ነገራት ድሕሪ ምግላጻ: እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ ኣምላኽ: “እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ. . . እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ” ዝበሎ ነገራት መዝጊባ ትርከብ።—ራእይ 21:1, 5

እቲ ኣገዳሲ ሕቶ: ‘ብቑዓት ኣባላት እቲ ኣብ ትሕቲ እቲ “ሓድሽ ሰማያት” ዚመሓደር “ሓድሽ ምድሪ” ዄንና ምእንቲ ኽንቍጸር ኣድላዪ ምትዕርራይ ንገብርዶ ኣሎና፧’ ዚብል እዩ።