ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“እታ ዚፈርደላ ጊዜ” በጺሓ እያ

“እታ ዚፈርደላ ጊዜ” በጺሓ እያ

“እታ ዚፈርደላ ጊዜ” በጺሓ እያ

እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወዳእታ መጽሓፍ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ: ብዛዕባ ሓደ ኣብ ማእከል ሰማይ ኰይኑ ዚዝንቢ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ዘለዎ መልኣኽ ትነግረና። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ: “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ይብል። (ራእይ 14:6, 7) እታ “ዚፈርደላ ጊዜ” ተባሂላ ዘላ ኣዋጅን መለኮታዊ ፍርዲ ምውራድን እተጠቓልል እያ። እቲ ፍርዲ ዚወሃበሉ ግዜ ድማ ኣብ መፈጸምታ እዘን እንነብረለን ዘሎና “ዳሕሮት መዓልትታት” እዩ ዚፍጸም።—2 ጢሞቴዎስ 3:1

“እታ ዚፈርደላ ጊዜ” ነቶም ካብ ኵሎም ህዝብታት ዚመጹ ኣፍቀርቲ ጽድቂ ብስራት እዩ። ኣምላኽ ነቶም በዚ ዓመጻ ዝመልኦን ፍቕሪ ዘይብሉን ስሱዕን ኣገባብ ዚሳቐዩ ኣገልገልቱ ዕረፍቲ ዜምጽኣሎም ግዜ እዩ።

ኣብዚ ግዜ እዚ: እታ ኣምላኽ “ዚፈርደላ ግዜ” ብጥፍኣት እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቕድሚ ምዝዛማ: “ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዚብል ምሕጽንታ ቐሪቡልና ኣሎ። ከምዚ ትገብርዶ ኣሎኻ፧ እዚ “ኣብ ኣምላኽ እኣምን እየ” ካብ ምባል ንላዕሊ ዜጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 7:21-23፣ ያእቆብ 2:19, 20) ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ግቡእ ፍርሂ ኣኽብሮት ንኸነርእዮ ኺድርኸና ይግብኦ። ካብ ክፉእ ከም እንርሕቕ እውን ኪገብረና ኣለዎ። (ምሳሌ 8:13) እከይ ክንጸልእ ሰናይ ከኣ ከነፍቅር ኪሕግዘና ኣለዎ። (ኣሞጽ 5:14, 15) ንኣምላኽ ነኽብሮ እንተደኣ ዄንና ብጥንቃቐ ጽን ኢልና ኢና እንሰምዖ። ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ግዜ ኽሳዕ እንስእን ብዋኒናትና ትሑዛት ኣይንኸውንን ኢና። ሳሕቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ ግዜ ብምሉእ ልብና ኣብኡ ኽንውከል ኢና። (መዝሙር 62:8፣ ምሳሌ 3:5, 6) እቶም ብሓቂ ዜኽብርዎ ሰባት: ንሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠረን ልዑላዊ ጐይታ ምዃኑን ኣፍልጦ ብምሃብ: ከም ናይ ህይወቶም ልዑላዊ ገዛኢ መጠን ብፍቕሪ ናብኡ እተወፈዩ እዮም። ነዞም ጕዳያት እዚኣቶም ልዑል ኣቓልቦ ኽንገብረሎም ከም ዚግብኣና እንተደኣ ፈሊጥና: ከምዚ ንምግባር ክንደናጐ የብልናን።

እቲ መልኣኽ ዝጠቐሳ እዋን ፍርዲ “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ። ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ጥንታዊት የሩሳሌም ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ: ነቲ የሆዋ ብነብያቱ ኣቢሉ ዝሃቦም መጠንቀቕታታት ስለ ዘይሰዓብዎ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት “መዓልቲ” ወሪዳቶም እያ። ንመዓልቲ የሆዋ ብኣእምሮኦም ኣርሒቘም ብምሕሳብ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእተውዋ። የሆዋ: እታ መዓልቲ “ቀሪባ እያ: ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ አላ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም እዩ። (ጸፎንያስ 1:14) ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ድማ ካልእ “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ኣብ ልዕሊ ጥንታዊት ባቢሎን ወረደት። (ኢሳይያስ 13:1, 6) ባቢሎናውያን ኣብ ዕርድታቶምን ኣማልኽቶምን ብምውካል ነቲ የሆዋ በቶም ኣብ ማእከሎም ዝነበሩ ነብያቱ ገይሩ ዝሃቦም መጠንቀቕታታት ነጸግዎ። ብሓንቲ ለይቲ ድማ እታ ዓባይ ዝነበረት ባቢሎን ኣብ ኢድ ሜዶንን ፋርስን ወደቐት።

ሎሚ ኸመይ ዝበለ ብድሆ እዩ ዜጋጥመና ዘሎ፧ ካልእ ዝዓበየት “መዓልቲ እግዚኣብሄር” እያ እትጽበየና ዘላ። (2 ጴጥሮስ 3:11-14) ‘ንዓባይ ባቢሎን’ ፍርዲ ኣምላኽ ተኣዊጁላ ኣሎ። ኣብ ራእይ 14:8 ሓደ ሰማያዊ መልኣኽ: “ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ” ኢሉ ይእውጅ። እዚ ድሮ ተፈጺሙ እዩ። ድሕሪ ደጊም ንኣምለኽቲ የሆዋ ደው ከተብሎም ኣይትኽእልን እያ። ብልሽውናኣን ኣብ ውግእ ጣልቃ ምእታዋን ተቓሊዑ እዩ። ሕጂ እቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣታ ቐሪቡ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ቕድሚ ምፍጻሙ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዚርከቡ ሰባት ከምዚ ብምባል ይምሕጸኖም:- “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ [ካብ ዓባይ ባቢሎን] ውጹ።”—ራእይ 18:4, 5

ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ፧ ምስታ ጥንታዊት ባቢሎን ምምስሳል ዘለዋ ዓለምለኻዊት ናይ ሃይማኖት ኣገባብ እያ። (ራእይ ምዕራፍ 17ን 18ን) ገለ ኻብቲ ምምስሳላት እስከ ንርአ:-

እቶም ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን ዝነበሩ ካህናት ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ናይታ ሃገር ፖለቲካዊ ጕዳያት ዝጠሓሉ እዮም ነይሮም። ሎሚ ዘለዋ መብዛሕትአን ሃይማኖታት እውን ከምኡ እየን ዚገብራ ዘለዋ።

ካህናት ባቢሎን ነቲ እታ ሃገር እትገብሮ ዝነበረት ውግእ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕላቶም እዮም ዚውድብዎ ነይሮም። ኣብዚ ግዜና ዚርከባ ሃይማኖታት እውን ሃገራት ኪዋግኣ ኸለዋ ነቶም ወተሃደራት ብምብራኽ መብዛሕትኡ ግዜ ግምባር ቀደም ኰይነን ይሳተፋ እየን።

እቲ ናይ ጥንታዊት ባቢሎን ትምህርትታትን ተግባራትን ነቶም ተቐማጦኣ ናብ ብዕሉግ ዝዀነ ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ መርሖም። ሎሚውን መራሕቲ ሃይማኖት ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ብምባሎም: ዘይስነ-ምግባራውነት ኣብ መንጎ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ኣስፋሕፊሑ ይርከብ። ከነስተውዕለሉ ዘሎና ነገር ድማ ዓባይ ባቢሎን ምስ ዓለምን ምስ ፖለቲካዊ ስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣን ብምምንዛራ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ራእይ ዮሃንስ ኣመንዝራ ኢሉ ይጽውዓ።

መጽሓፍ ቅዱስ: ዓባይ ባቢሎን ‘ብሕንቃቐ’ ከም እትነብር እውን ይዛረብ እዩ። ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን: እቲ ናይ ቤት መቕደስ ምምሕዳር ሰፊሕ መሬት ሒዙን እቶም ካህናታ ድማ ብንግዳዊ ንጥፈታት በልጺጎምን ነበሩ። ሎሚ ዓባይ ባቢሎን ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ኣምልኾ ቦታታት: ዓብዪ ንግዳዊ ሃብቲ ኣለዋ። ትምህርትታታን በዓላታን ንገዛእ ርእሳን ነቶም ኣብ ንግዲ ዓለም ዘለዉ ኻልኦት ሰባትን ዓብዪ ሃብቲ የምጽኣሎም።

ምስሊ: ጥንቆላ: ከምኡውን ኣስማት ምጥቃም ከምቲ ሎሚ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዘሎ ኣብ ጥንታዊት ባቢሎን እውን ልሙድ እዩ ነይሩ። ሞት ናብ ካልእ ዓይነት ህይወት ከም መሰጋገሪ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። ባቢሎን ንኽብሪ ኣማልኽታ ተባሂሉ ብኣብያተ-መቕደስን ኣብያተ-ጸሎትን ዝመልአት ክንሳ: እቶም ተቐማጦኣ ግና ንኣምለኽቲ የሆዋ ይጻረርዎም ነበሩ። ዓባይ ባቢሎን ምስ እዚ ብዚመሳሰል እምነታትን ተግባራትን እያ እትልለ።

ኣብ ግዜ ጥንቲ: የሆዋ ነቶም ንዕኡን ንፍቓዱን ሸለል ዝበሉ ሰባት ንምቕጻዕ ሓያላት ፖለቲካውያን ከምኡውን ወተሃደራውያን መንግስታት ተጠቒሙ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ሰማርያ ብ740 ቅ.ኣ.ዘ. ብኣሶራውያን ተደምሰሰት። የሩሳሌም ድማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን ከምኡውን ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ብሮማውያን ዓነወት። ባቢሎን እውን ብግዲኣ ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ብሜዶንን ፋርስን ተወረረት። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና ኺንበ ኸሎ እቶም ብኣራዊት ተመሲሎም ዘለዉ ፖለቲካውያን መንግስታት “ነታ ኣመንዝራ” ኪስልበጥዋን ነቲ ናይ ሓቂ ተግባራታ ብምቅላዕ ጥራያ ኺገብርዋን ምዃኖም ይገልጸልና እዩ። እወ: ምሉእ ብምሉእ ኬጥፍእዋ እዮም።—ራእይ 17:16

እዞም ናይ ዓለም መንግስታት ብሓቂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኪገብሩ ድዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓሳብ እዚ ‘ኣምላኽ: ኣብ ልቦም ከእቱ እዩ’ ይብል። (ራእይ 17:17) እዚ ድማ ኪግመት ዘይከኣል ሃንደበት ዚፍጸም ዜገርምን ዜደንጹን ብቕልጡፍ ዜጋጥምን ፍጻመ ኪኸውን እዩ።

እንታይ ስጕምቲ ኽትወስድ እዩ ዜድልየካ፧ ንገዛእ ርእስኻ ‘ምስ ሓንቲ ብናይ ዓባይ ባቢሎን ትምህትታትን ተግባራትን እተበከለት ሃይማኖታዊት ማሕበር ጠቢቐ ድየ ዝመላለስ ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት። ዋላውን ኣባላ እንተ ዘይኰንካ ንርእስኻ ‘ናይ ዓባይ ባቢሎን መንፈስ ኪጸልወኒ አፍቅደሉ ድየ፧’ ኢልካ ሕተት። እንታይ ዓይነት መንፈስ፧ ንቀይዲ-በተኽ ስነ-ምግባር ናይ ምጽዋር: ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንስጋዊ ጥሪትን ተድላን ናይ ምፍቃር: ወይውን ንቓል ኣምላኽ (ኣብ ንኣሽቱ መሲሎም ዚረኣዩ ነገራት እውን ከይተረፈ) ደይመደይ ኢልካ ሸለል ናይ ምባል መንፈስ እዩ። ብዛዕባ እቲ እትህቦ መልሲ ተጠንቂቕካ ሕሰብ።

ሞገስ የሆዋ ንምርካብ ብሓቂ ኽፍሊ ዓባይ ባቢሎን ከም ዘይኰንና ብተግባራትናን ብልባዊ ባህግታትናን መርትዖ ኸነቕርብ ኣሎና። ነዚ ንምግባር ክንደናጐ የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ መወዳእታ ብሃንደበት ከም ዚመጽእ ኬጠንቅቐና ኸሎ “ባቢሎን: እታ ዓባይ ከተማ: ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ: ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ” ይብል።—ራእይ 18:21

ካልእ ዚፍጸም ፍጻመታት እውን ኣሎ። ኣብ ካልእ መዳይ እታ “ዚፈርደላ ጊዜ”: የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ዓለምለኻዊ ፖለቲካዊ ስርዓትን ገዛእቱን ከምኡውን ንዅሎም እቶም በታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ ሰማያዊት መንግስቱ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ዚነጽጉ ሰባትን ኪፈርዶም እዩ። (ራእይ 13:1, 2፣ 19:19-21) እቲ ኣብ ዳንኤል 2:20-45 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢታዊ ራእይ: ነቲ ኻብ ጥንታዊት ባቢሎን ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜና ዘሎ ፖለቲካዊ ግዝኣት ብወርቂ: ብሩር: ኣስራዚ: ሓጺን ከምኡውን መሬት እተሰርሐ ዓብዪ ምስሊ ገይሩ ገሊጽዎ ይርከብ። እቲ ትንቢት ብዛዕባ ግዜና ኣመልኪቱ: “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ . . . መንግስቲ ኼተንስእ እዩ” ኢሉ ይንበ። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ እታ መንግስቲ ኣብታ የሆዋ “ዚፈርደላ ጊዜ” እንታይ ክትገብር ምዃና ኺገልጽ ከሎ “ንዅለን እዘን [ብሰብ ዚቘማ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢሉ ይእውጅ።—ዳንኤል 2:44

መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ንዓለም ኰነ “ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ” ማለት ካብቲ ኣምላኽ ሓቂ ዝረሓቐ ናይ ዓለም ኣነባብራ ኸየፍቅሩ የጠንቅቖም። (1 ዮሃንስ 2:15-17) ውሳኔታትካን ተግባራትካን ምሉእ ብምሉእ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትሰማማዕ ዜርኢ ድዩ፧ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ዲኻ እትህባ፧—ማቴዎስ 6:33፣ ዮሃንስ 17:16, 17

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

መዓስ እያ እትመጽእ፧

“ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዋ ጊዜ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:44

“እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ: ንቕሑ።”—ማቴዎስ 25:13

‘ኣይኪድንጕን እዩ።’—ኣንባቆም 2:3

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ሳጹን]

መወዳእታ መዓስ ከም ዚመጽእ እንተ ትፈልጥ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ምሃለዎዶ፧

እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ መለኮታዊ ፍርዲ ንሒደት ዓመታት ከም ዘይመጽእ ኣርጊጽካ እንተ ትፈልጥ ኔርካ: ንኣነባብራ ህይወትካ ምለወጦዶ፧ መወዳእታ እዚ ኣረጊት ኣገባብ ካብቲ እተጸበኻዮ ንላዕሊ ምስ ዝድንጒ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም እትዝሕል ንኺገብረካ መፍቀድካሉዶ፧—እብራውያን 10:36-38

እቲ ልክዕ ግዜ ብዘይ ምፍላጥና: ንኣምላኽ ብንጹህ ድራኸ ተላዒልና ንኸነገልግሎ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና። እቶም ንየሆዋ ዚፈልጥዎ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን እተርእዮ ቕንኢ ነቲ ልቢ ዝምርምር ኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ይፈልጡ እዮም።—ኤርምያስ 17:10፣ እብራውያን 4:13

እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ሰባት: ኵሉ ግዜ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ እዮም ዚህብዎ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምቶም ካልኦት ሰባት ዓለማዊ ስራሕ ኣለዎም። ይኹን እምበር: ዕላማኦም ንኺህብትሙ ዘይኰነስ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ንምምእራርን ንኻልኦት ዜካፍልዎ ሒደት ነገራት ንምርካብን እዩ። (ኤፌሶን 4:28፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:7-12) ጥዑይ መዘናግዒታትን ንኣእምሮኦም ዜሐድስ ንጥፈታትን ዜስተማቕሩ እኳ እንተዀኑ ድሌቶም ንምዝንጋዕ ደኣ እምበር ካልኦት ሰባት ገበርዎ ኢሎም ኣይኰኑን ዚገብርዎ። (ማርቆስ 6:31፣ ሮሜ 12:2) ከም የሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ባህጊ ኣለዎም።—መዝሙር 37:4፣ 40:8

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንየሆዋ ንዘለኣለም እናገልገልዎ ኺነብሩ እዮም ዚደልዩ። እዚ ተስፋ እዚ ኻብቲ ገሊኣቶም እተጸበይዎ ግዜ ደንጕዩ ዚመጽእ እኳ እንተዀነ መመዛዝንቲ ግን የብሉን።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይ ልዑላውነት ጕዳይ

ኣምላኽ ስለምንታይ ብዙሕ ስቓይ ኪህሉ ኸም ዘፍቀደ ንኽንርዳእ: ነቲ ናይ ልዑላውነት ጕዳይ ክንርድኦ ኼድልየና እዩ። ልዑላውነት እንታይ ማለት እዩ፧ ልዑላውነት: እቲ ዝለዓለ: ስልጣኑ ድማ ወሰን ዘይብሉ ምዃን ማለት እዩ።

የሆዋ: ፈጣሪ ስለ ዝዀነ: ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩን ናይ ምግዛእ መሰል ኣለዎ። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ: ናይ የሆዋ ልዑላውነት ኣብ ሕቶ ኸም ዚኣተወ ይገልጽ። ሰይጣን ድያብሎስ: ‘የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ሕጊ ኣምላኽ ምስ ዚጥሕሱን ብገዛእ ርእሶም ምስ ዚምርሑን ብዛዕባ ኼጋጥሞም ዘለዎ ነገራት ብምሕባእ ዘይግቡእ ቀይዲ ገይሩሎም እዩ: ካብ ኣምላኽ ተፈልዮም ብገዛእ ርእሶም እናተመሓደሩ እንተ ዚነብሩ ኸኣ ዝሓሸ እዩ’ ዚብል ክሲ ኣቕረበ።—ዘፍጥረት ምዕራፍ 2ን ምዕራፍ 3ን

ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት ብኡንብኡ እንተ ዜጥፍኦም: ሓያል ምዃኑ ደኣ መርኣየ እምበር ነቲ እተላዕለ ጕዳይሲ ኣይመደቀሶን። የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብቕጽበት ኣብ ክንዲ ዜጥፍኦም: ኵሎም ኬስተውዕሉ ዚኽእሉ ፍጥረታቱ ነቲ ኻብ ዕልወት ዚርከብ ውጽኢት ኪርእዩ ኣፍቀደ። እዚ ስቓይ እኳ እንተ ኣስዓበ: ንሕና ንኽንውለድ እውን ኣጋጣሚ ኸፊቱ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ የሆዋ ኽቡር መስዋእቲ እውን ዚሓቶ እንተዀነ: ብፍቕሪ ተደሪኹ እቶም ንዕኡ ዚእዘዝዎን ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ወዱ እምነት ዘርእዩን ሰባት: ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ናጻ ዚገብሮምን ኣብ ገነት ኪነብሩ ዜኽእልን ምድላዋት ገበረ። ኣድላዪ ምስ ዚኸውን እዚ ምድላዋት እዚ ብመገዲ ትንሳኤ እውን ኪፍጸም ዚከኣል እዩ።

የሆዋ እቲ ጕዳይ ኪድቅስ ግዜ ምፍቃዱ ኣገልገልቱ ንዕኡ ዘለዎም ፍቕርን ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ድማ ንጽህናኦም ሓልዮም ከም ዚኸዱን ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። እቲ ናይ ልዑላውነት ክርክርን ምስኡ ዚተኣሳሰር ጕዳይ ንጽህና ሰባትን ምድቃሱ: ነቲ ኣብ መላእ ኣድማስ ዚርከብ ሕጊ ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዚወሃቦ ዚገብር እዩ። ነቲ ኣብ መላእ ኣድማስ ዚርከብ ሕጊ ግቡእ ኣኽብሮት ምስ ዘይወሃቦ: ናይ ሓቂ ሰላም ፈጺሙ ኺህሉ ኣይክእልን እዩ። a

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ክርክርን ትርጉሙን ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ብሰፊሕ ተገሊጹ ይርከብ።

[ስእሊ]

ዓለምለኻዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ምምሕዳር ኪጠፍእ እዩ