ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧

ከበድቲ ጸገማትን ዜርዕድ ፍጻመታትን ኣብ መላእ ዓለም ልሙድ ተርእዮ እዩ ዀይኑ ዘሎ! እዚ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ዜስግእ ኵነታት:- ቦምባታት ኣብ ዕዳጋታት ይፍንጀሩ። መምህራንን ተመሃሮን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይቕተሉ። ህጻናት ወለዶም ኣብ ዘየለውሉ እዋን ይጭወዩ። ኣንስትን ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባትን ቀትሪ ምድሪ ይዝረፉ።

ሃይማኖታዊ ዅነታት:- ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ውግእ ንተቓወምቲ ጕጅለታት ደገፈን ይህባ። ካህናት ኣብ ጃምላዊ ቕትለት ኢድ ነይርኩም ተባሂሎም ይኽሰሱ። ኣቕሽሽቲ ኣብ ልዕሊ ቘልዑ ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ: ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ ነዚ ይዓባብጣኦ። ናብ ቤተ-ክርስትያን ዚኸዱ ሰባት እናወሓዱ ይኸዱ ኣለዉ፣ ህንጻታት ኣብያተ-ክርስትያን ድማ ይሽየጥ ኣሎ።

ኣከባቢ:- ጫካታት ንንግዳዊ ስራሓት ተባሂሉ ይበርስ። ድኻታት ሰባት ንሓዊ ዚኸውን ዕንጨይቲ ደልዮም ነቲ ኣግራብ ዚርከቦ ቦታታት የባድምዎ። ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዚርከብ ማይ ብምብካሉ ንኽትሰትዮ ዜስግእ ኰይኑ ኣሎ። ኢንዱስትርያዊ ጕሓፍን ዘመናዊ ሜላ ምግፋፍ ዓሳን ኣብ ዓሳታት ከቢድ ጕድኣት የስዕብ። ብከላ ኣየር ናይ ምስትንፋስ ጸገማት የስዕብ።

ንመነባብሮ ዜድሊ ነገራት ምምእራር:- ኣብተን ደቡብ ካብ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ዚርከብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓመታዊ እቶቱ ኣስታት 480 ዶላር ኣመሪካ ይበጽሕ። ናይ ዓበይቲ ትካላት ኣካየድቲ ስራሕ ብዘርእይዎ ስስዐ: ንግዳዊ ትካላት ይጥፍሻ: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ከኣ ብዘይ ስራሕ ይተርፉ። ኣውፈርቲ ብሰንኪ ምትላል ምሉእ ህይወቶም ዘጥረይዎ ገንዘብ ይስእኑ ኣለዉ።

ሕጽረት ምግቢ:- ኣብ ብዘላ ዓለም ኣስታት 800 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ወትሩ ብጥሙይ ከብዶም ይሓድሩ።

ውግእ:- ብሰንኪ እቲ ኣብ መበል 20 ዘመን እተኻየደ ውግኣት ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ሞይቶም። ንወዲ ሰብ ብተደጋጋሚ ኼጽንት ዚኽእል ኑክሌራዊ ኣጽዋር ተኸዚኑ ኣሎ። ውግእ ሓድሕድ ይካየድ ኣሎ። ግብረ-ሽበራ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ብምብጽሑ ንብዘላ ዓለም ይጸልዋ ኣሎ።

ፌራን ካልእ ሕማማትን:- ካብ 1918 ኣትሒዙ ናይ ስጳኛ ኢንፍልወንዛ 21 ሚልዮን ሰባት ቀተለ። ሎሚውን ኤይድስ “ኣብ ታሪኽ እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ለበዳ ሕማም” ኰይኑ ኣሎ። ሕማም ልብን መንሽሮን ኣብ ብዘላ ዓለም ስቓይ የስዕብ ኣሎ።

ኣብ ሓንቲ ንጽል ጸብጻብ ጥራይ ኣይተተኵር። እዚ ዝረአናዮ ፍጻመታት ሓንሳእ ጥራይ ተፈጺሙ ዜብቅዐ ድዩ፧ ወይስ ክፍሊ እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ወትሩ ዚፍጸም ዘሎ ሓለፍ ዝበለ ትርጕም ዘለዎ ዅነታት እዩ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ እዩ፧

ብዙሓት ሰባት ዜርዕድ ፍጻመታት ወይውን ከቢድ ብሕታዊ ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም: ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ደው ንምባል ስለምንታይ ኢዱ ኸም ዘየእቱ ይገርሞም እዩ።

ኣምላኽ ብሓቂ ይግደስ እዩ። ኣምላኽ ኣብዚ ግዜ እዚ ዜተኣማምን መምርሕን ናይ ሓቂ ዕረፍትን ይህበና እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ንዓመጽን ሕማምን ሞትን ንሓዋሩ መወዳእታ ኺገብረሉ ምድላዋት ገይሩ ኣሎ። እዚ ምድላዋት እዚ: ኣምላኽ ብዛዕባ ሓደ ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ ዅሎም ህዝብታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን ከም ዚግደስ እዩ ዜርኢ።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

ንሕናኸ ብዛዕባ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢና እንግደስ፧ ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ትፈልጦዶ፧ ስሙ መን እዩ፧ ዕላማኡኸ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ሕቶታት እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መሊስዎ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዓመጽን ሕማምን ሞትን ንምጥፋእ እንታይ ስጕምትታት ይወስድ ከም ዘሎ ይነግረና። ካብዚ ምእንቲ ኽንጥቀም: ካባና ዚድለ ነገራት እንታይ እዩ፧ ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማታቱን ክንመሃር የድልየና። ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምድላዋት እምንቶ እንተ ዘየሕዲርና ግን ከመይ ገይርና ኢና እሞ ኻብቲ ናይ ኣምላኽ ምድላዋት ክንጥቀም ኢልና ትጽቢት እንገብር፧ (ዮሃንስ 3:16፣ እብራውያን 11:6) ትእዛዛቱ ምሕላው እውን ኣድላዪ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ትእዛዛት ኣምላኽ ክትሕሉ ብሓቂ ትደሊዶ፧

ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኪቕጽል ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶ ኽንፈልጥ እንተደኣ ደሊና: ኣቐዲምና ክንርድኦ ዘሎና ሓደ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ይገልጸልና። ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣብ ገጽ 15: እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ምዃኑ ኽትመሃር ትኽእል ኢኻ።