ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ኵሉ እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

የሱስ ክርስቶስ: ‘መወዳእታ ዓለም’ ብውግእ: ጥሜት: ፌራ: ከምኡውን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኺልለ ምዃኑ ተዛረበ።—ማቴዎስ 24:1-8፣ ሉቃስ 21:10, 11

ካብ 1914 ኣትሒዙ መብዛሕትኡ ግዜ ብሰንኪ እቲ ሃይማኖታት ንፖለቲካውያን ባእታታት ብምልዕዓለን ወይ ብምድጋፈን ኣብ መንጎ ሃገራትን ቀቢላታትን ዝሰዓበ ውግእን ኣብዚ ግዜ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታትን ህይወት ብዙሓት ሰባት ይጠፍእ ኣሎ።

ስነ-ፍልጠታዊ ምዕባለ ኣብ ምህርቲ ወሰኽ እኳ እንተ ኣርኣየ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ህዝብታት ምድርና ግን ብዋሕዲ ምግቢ ይሳቐዩ ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት ምግቢ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ይሞቱ።

ፌራ ወይ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ ተመሓላላፊ ሕማም እውን ክፍሊ እቲ የሱስ ዝሃቦ ምልክት እዩ። ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ ሕማም ኢንፍሉወንዛ ልዕሊ 21 ሚልዮን ዚኸውን ህይወት ሰባት ቀዚፉ እዩ። እዚ ሕማም እዚ ኸምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ዚወቅዕ ዝነበረ መቕዘፍቲ ዘይኰነስ: ኣብ ብዘላ ዓለም ኣብ ዚርከባ ሃገራትን ምሕድግ ዝበላ ደሴታታን እውን ከይተረፈ ልሒሙ እዩ። ሎሚ እውን ኤይድስ ንዓለምና ብኣልማማ እዩ ዜጥቅዓ ዘሎ: ከም ዓባይ ሰዓል: ዓሶን ዑረት ዓይንን ዝኣመሰለ ሕማማት እውን ነተን ኣብ ምምዕባል ዚርከባ ሃገራት ብተደጋጋሚ የጥቅዐን ኣሎ።

ከምቲ ጸብጻባት ዜመልክቶ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር እተፈላለየ ዓቐን ዘለዎ ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም እዩ። ምዕቡል ናይ ምዕቃንን ምጽብጻብን ኣገባባት እኳ እንተ ሃለወ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ሃገራት ዜጋጥም ዕንወት: ኣብ ዜና ብተደጋጋሚ እዩ ዚቐርብ።

መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ: ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ኣብቲ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ምህላውናስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ሰባት ክሳዕ ክንደይ ፈተውቲ ርእሶም: ፈተውቲ ገንዘብ: ተፈኽነንቲ ምዃኖምሲ ተዓዚብካዶ፧

መን እዩ እሞ ሎሚ ዓለምና በቶም ንዓይ ይጥዓመኒ ዚብሉን ዘየማስዉን ከምኡውን ተቐየምትን ርኹሳትን ዝዀኑ ሰባት መሊኣ ምህላዋ ዚኽሕዶ፧

ሎሚ ንወለዶም ዘይእዘዙ: ፍቕሪ ንስድራቤቶም ዘይብሎም ሰባት ኣብ ውሑድ ቦታታት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ብዘላ ዓለም እናበዝሑ ይኸዱ ምህላዎምሲ ትፈልጥዶ፧

ሎሚ ኣብዛ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ: ሰናይ ግን ዘይፈትዉ ሰባት ዘለዉዋ ዓለም ንነብር ምህላውና ኸም እትሰማምዓሉ ፍሉጥ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንዝህሉ ባህርያት ሰባት ብኸምዚ ኣገባብ እዩ ዚገልጾ።

ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜ ንምልላይ ካልእ ተወሳኺ መርትዖ የድልየናዶ እዩ፧ ኣቐዲሙ የሱስ ኣብዚ ግዜ እዚ እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብምልእቲ እዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ኺስበኽ ምዃኑ ወሲኹ ተዛሪቡ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚኸ ፍጻሜኡ ይረክብዶ ኣሎ፧

እታ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ተባሂላ እትዳሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኻብ ካልኦት ጽሑፋት ንላዕሊ ኣዘውቲራ ብኣዝዩ ብዙሕ ቋንቋታት እትሕተም ጽሕፍቲ እያ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩሎም ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ሰዓታት የሕልፉ እዮም።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርድኦ ኺሕግዘካ ዚኽእል ጽሑፋት ብኣስታት 400 ቋንቋታት: ኣብተን ምሕድግ ዝበላን ንኣሽቱን ኣቝሻት እውን ከይተረፈ ዚበጽሕ ጽሑፋት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ይሕተም እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ኵለን ሃገራት የብጽሕዎ ኣለዉ: ከምኡውን ኣብ ደሴታትን ኣብተን ብፖለቲካዊ ዓይኒ ኣብ ግምት ዘይኣትዋ ንኣሽቱ ዞባታትን እውን ከይተረፈ ይሰብኩ ኣለዉ። ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት እውን ስሩዕ ዝዀነ ሰፊሕ ፕሮግራም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዜካይዱ።

ብርግጽ: እቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ እዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ይስበኽ ኣሎ: እቲ ዚግበር ዕዮ ዕላማኡ ንምስክርነት ደኣ እምበር ንዓለም ንምቕያር ኣይኰነን። ኣብ እተፈላለየ ቦታ ዚርከቡ ሰባት ኣብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ተገዳስነት ንኼሕድሩ: ንሕጉ ኣኽብሮት ንብጾቶም ከኣ ፍቕሪ ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ይወሃቦም ኣሎ።—ሉቃስ 10:25-27፣ ራእይ 4:11

ድሕሪ ቐረባ ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኻብ እኩያት ሰባት ኣጽርያ: ጽድቂ ዚነብረላ ዓለምለኻዊት ገነት ክትገብራ እያ።—መዝሙር 37:10, 11

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ናይ ምንታይ ዳሕሮት መዓልትታት እየን፧

እዘን ዳሕሮት መዓልትታት መፈጸምታ ህላወ ደቅሰብ ኣይኰናን። መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ሰባት ኣብ መጻኢ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ምዃኖም ይገልጽ እዩ።—ዮሃንስ 3:16, 36፣ 1 ዮሃንስ 2:17

ዳሕሮት መዓልትታት እዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ እውን ኣይኰናን። ቃል ኣምላኽ እዛ እንነብረላ ዘሎና ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትቕጽል እዩ ዚመባጻዕ።—መዝሙር 37:29፣ 104:5፣ ኢሳይያስ 45:18

የግዳስ: እዘን ዳሕሮት መዓልትታት እዚኣተን ናይ ዓመጽ: ናይዚ ፍቕሪ ዘይብሉ ኣገባብን ናይቶም ምስዚ ኣገባብ እዚ ጠቢቖም ዚመላለሱ ሰባትን ዳሕሮት መዓልትታት ወይ መወዳእታ እየን።—ምሳሌ 2:21, 22

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ድዩ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ነብያት ብተደጋጋሚ “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ” ብምባል ጸሓፉ። (ኢሳይያስ 43:14፣ ኤርምያስ 2:2) እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ከይተረፈ ‘እቲ ዚዛረቦ ዘረባ ካብ ርእሱ ከም ዘይኰነ’ ኣጕሊሑ እዩ። (ዮሃንስ 14:10) መጽሓፍ ቅዱስ እውን ባዕሉ: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ . . . ጽሑፍ” ምዃኑ ብንጹር ይዛረብ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ማሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቅዱስ ብልዕሊ 2,200 ቋንቋታት ተሓቲሙ ይርከብ: ብኽንድዚ ዚኣክል ቋንቋታት እተሓትመ ኻልእ መጽሓፍ የለን። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ብልዕሊ ኣርባዕተ ቢልዮን ቅዳሓት ተዘርጊሑ ዚርከብ ካልእ መጽሓፍ የለን። ካብ ሓደ ንዅሎም ሰባት ዚኸውን ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ዝሓዘ መጽሓፍ እትጽበዮ እዚዶ ኸይኰነ፧

መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ዚገልጽ ምሉእ መርትዖታት ንምርካብ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትብል ብሮሹር ኣንብብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ እንተደኣ ኣንቢብካዮ ዓብዪ ረብሓ ኽትረክብ ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ሰማያዊት ምምሕዳር ኰይና በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ: ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ዝቖመት ፍልይቲ መንግስቲ እያ።—ኤርምያስ 10:10, 12

ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ስልጣን ከም ዚሃቦ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ራእይ 11:15) የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እውን ከይተረፈ ንናይ ተፈጥሮ ሓይልታት ኪቈጻጸር: ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ኪፍውስ: ምውታት እውን ከይተረፈ ኼተንስእ ዜኽእሎ ዓብዪ ስልጣን ካብ ኣምላኽ ከም እተቐበለ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 9:2-8፣ ማርቆስ 4:37-41፣ ዮሃንስ 11:11-44) ሓደ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን” ንየሱስ ምእንቲ “ኬገልግልዎ” ኣምላኽ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ኪህቦ ምዃኑ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14) እዛ መንግስቲ እዚኣ መንግስቲ ኣምላኽ ትበሃል: ሕጂ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኰይኑ የመሓድራ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]

ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ