ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ግዲ ኣይገበሩን”

“ግዲ ኣይገበሩን”

“ግዲ ኣይገበሩን”

ንመጠንቀቕታታት ጸማም እዝኒ ምሃብ ጥፍኣት ኬስዕብ ይኽእል እዩ።

ብ1974 ኣብ ከተማ ዳርዊን: ኣውስትራልያ: ሳይክሎን ዚበሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ይመጽእ ምንባሩ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ኪቃላሕ ከሎ እታ ኸተማ በዓል ንምብዓል ኣብ ምሽብሻብ እያ ነይራ። ዳርዊን ን30 ዓመታት ዚኣክል በዚ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ እዚ ከይተጐድአት እያ ጸኒሓ። ሕጂ ደኣ እሞ ክንደየናይ ከየጋጥም፧ ሓያል ንፋስ መጺኡ ናሕስታትን መናድቕን እቲ ሰባት ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ኣባይቲ ኽገናጽልን ኬፍርስን ክሳዕ ዚጅምር መብዛሕትኦም ካብቶም ተቐማጦኣ ነቲ ሓደጋ ኣኽቢዱ ዝረኣዮ ኣይነበረን። ንጽባሒቱ ንግሆ ግን እታ ኸተማ ባደመት።

ኣብ ሕዳር 1985 ኣብ ኮሎምብያ እሳተ-ጎመራ ነተጐ። ዝሓቐቐ በረድ ዝፈጠሮ ጭቃ ዚመልኦ ውሕጅ ንልዕሊ 20,000 ተቐማጦ ኣርሜሮ ደበዮም። ኣቐዲሙ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣይነበረን ደዀን ይኸውን፧ እቲ ኸረን ንኣዋርሕ ዚኣክል እዩ ኣንቀጥቂጡ። እንተዀነ ግን: መብዛሕትኦም ንሓያሎ እዋን ጥቓ እቲ ብእሳተ-ጎመራ ዚቘመ ኸረን ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ግዲ ኣይገበሩሉን። ሰበ-ስልጣን ሓደጋ ኣብ ቀረባ ግዜ ኼጋጥም ምዃኑ ዚገልጽ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦም: ንህዝቢ ግን ኣየጠንቀቑን። መሕልፎ እኳ ደኣ ነቲ ህዝቢ ንምርግጋእ ብሬድዮ መግለጺታት ተዋህበ። ብመጕልሒ ድምጺ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ዜህድእ ዘረባ ይቃላሕ ነበረ። ንምሸቱ ኽልተ ሳዕ ብርቱዕ ነትጒ ተሰምዐ። ኣብቲ ቦታ እቲ እንተ ትነብር: ዘሎካ ንብረት ጠንጢንካ ምሃደምካዶ፧ መብዛሕትኦም ሰባት ካብቲ ሓደጋ ንምድሓን ዝገበርዎ ጻዕሪ ኣይነበረን።

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ስነ-መሬት ተመራመርቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣበይ ከጋጥም ከም ዚኽእል ብልክዕ ኪነግሩ ዚኽእሉ እኳ እንተዀኑ መዓስ ከም ዜጋጥም ግን ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ብልክዕ ኪፈልጡ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ 1999 ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 20,000 ሰባት ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሞይቶም እዮም። መብዛሕትኦም ካብዞም ዝሞቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ኬጋጥመና እዩ ኢሎም ሓሲቦም ኣይፈልጡን እዮም።

ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ዚህበካ መጠንቀቕታ ብኸመይ ኢኻ እትምልሰሉ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ መለለዪ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ምዃኑ ብንጹር ገሊጹ እዩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ “ዘመን ኖህ” ክንዝክር ይምሕጸነና። “ቅድሚ ማይ ኣይሂ” ሰባት ዋላ እኳ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዚግበር ዝነበረ ዓመጽ የሻቕሎም እንተ ነበረ መዓልታዊ ናብራኦም ኣብ ምግባር እዮም ተጸሚዶም ነይሮም። ነቲ በቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ ኖህ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ግን “ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን [“ግዲ ኣይገበሩን:” NW]።” (ማቴዎስ 24:37-39) ኣብቲ ግዜ እቲ እንተ ትነብር ነቲ መጠንቀቕታ መቕለብካሉዶ፧ ኣብዚ ግዜ እዚኸ ነቲ ዚወሃብ ዘሎ መጠንቀቕታ ተቕልበሉዶ ኣሎኻ፧

ኣብ ግዜ ሎጥ ወዲ ሓዉ ንኣብርሃም ኣብ ጥቓ ምዉት ባሕሪ ኣብ ሶዶም እንተ ትነብርከ፧ እቲ ገጠራት ገነት እዩ ዚመስል ነይሩ። እታ ኸተማ ብልጽግቲ እያ ነይራ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ግዲ ዘይብሎም እዮም ነይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ህዝቢ “ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሀንጹን ነበሩ።” እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ብዕሉግ ስነ-ምግባር ዝነበሮ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቦታ እቲ እንተ ትነብር ነይርካ: ሎጥ ነቲ እኩይ ተግባራት ብምዅናን ንዚህቦ ዝነበረ መጠንቀቕታ መቕለብካሉዶ፧ ሎጥ: ኣምላኽ ንሶዶም ከጥፍኣ ኸም ዝወሰነ ኺነግረካ ኸሎ ምሰማዕካዮዶ፧ ወይስ ከምቶም ንመጻኢ ሰብኡት ኣዋልዱ ኪዀኑ ዝነበሮም ሰባት: ነቲ መጠንቀቕታ ኸም ዋዛ ምረአኻዮ፧ ከምቲ ሰበይቲ ሎጥ ዝገበረቶ: ምህዳም ጀሚርካ ኸተብቅዕ ንድሕሪትዶ መበልካ፧ ዋላ እኳ እቶም ሰባት ነቲ መጠንቀቕታ ኣርዚኖም እንተ ዘይረኣይዎ: ኣብታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወጸላ መዓልቲ “ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ: ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ።”—ሉቃስ 17:28, 29

ኣብዚ ግዜና እውን መብዛሕትኦም ሰባት ግዲ ኣይገብሩን እዮም ዘለዉ። እንተዀነ ግን: እዚ ናይ መጠንቀቕታ ኣብነታት እዚ ምእንቲ ኽንነቅሕ ንኼተባብዓና ተባሂሉ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተዓቂቡ ንረኽቦ!

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ነይሩዶ እዩ፧

ብዙሓት ነቐፍቲ: ማይ ኣይሂ ዚበሃል ኣይነበረን ይብሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብሓቂ ኸም ዝነበረ እዩ ዚገልጽ።

የሱስ ክርስቶስ እውን ብዛዕባ እዚ ተዛሪቡ እዩ: ከመይሲ ማይ ኣይሂ ኽወርድ ከሎ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ይርእዮ ነይሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሶዶምን ጎሞራን ብሓቂ ጠፊኤንዶ እየን

ናይ ስነ-ጥንቲ ምርምር እዚ ሓቂ ምዃኑ ይምስክር እዩ።

ዓለማዊ ታሪኽውን ነዚ ይጠቕሶ እዩ።

የሱስ ክርስቶስ እዚ ኸም እተፈጸመ ኣረጋጊጹዎ ኣሎ። እንታይ ከም ዘጋጠመ እውን ኣብ 14 እተፈላለየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ንረኽቦ።