ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደገኛ ስፖርት ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧

ሓደገኛ ስፖርት ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ሓደገኛ ስፖርት ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧

“ኣብዚ እዋን እዚ፡ መብዛሕትና ነቲ ናይ ተዓዛቢ መንበር ሓዲግና፡ ካብ ነፈርቲ ንዘልልን ካብ ጎቦታት ሸታሕታሕ ንብልን ብታንኳ ኻብ መንጫዕጫዕታ ንወርድን ምስ ሻርክ ንሕምብስን ኣለና።”—ጋዜጣ ዊሎው ግለን ረሲደንት።

እዚ ሓሳብ እዚ፡ ነቲ ኣብ ስፖርት እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ኣንፈት እዩ ዚገልጽ። ካብ ነፋሪት ምዝላል፡ ኣብ በረድ ምሕኳር፡ ጋንጽላ ሒዝካ ኻብ ጸድፊ ምዝላል፡ ካብ በሪኽ ቦታታት ምዝላል * ህቡብነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ፡ ዓለምና ሓደገኛ ነገር ትፈቱ ኸም ዘላ እዩ ዚሕብር። ዝበርትዐ ጎቦ ንምሕኳርን ካብ ዝበረኸ ጸድፊ ንምውራድን ካብ ዝነውሐ ቦታ ንምዝላልን ድማ፡ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ዜብል ስኖውቦርድን ስኬትቦርድን ኰነ ኣብ ኣኽራን ዚዝወር ማውንተይን ባይክ ይስራሕ ኣሎ። መጽሔት ታይም፡ ሓደገኛ ስፖርት እናተፈትወ ምኻዱ፡ ሚልዮናት ኣብ ጫፍ ሓደጋ ምዃን ባህ ይብሎም ከም ዘሎ ዜርኢ ምዃኑ ሓቢራ ኣላ። እቶም ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ኣብዚ ዚሳተፉ ዀነ እቶም ፕሮፌሽናል ኣትለታት፡ እቲ ሓደጋን ክእለቶምን ፍርህን ተደማሚሩ፡ ክሳዕ ደረት ዓቕሞም ከም ዝበጽሑ ዀይኑ ከም ዚስምዖም እዩ ዚገብር።

ህቡብነቱ እናወሰኸ ምኻዱ ግና፡ ከቢድ ዋጋ እዩ ዜኽፍል። ብተዛማዲ ውሑስ ዝነበረ ስፖርት ናብ ሓደገኛ ደረጃ እናዓረገ ምስ ከደ፡ ብዙሓት ሰባት ይጕድኡ ኣለዉ። ብ1997 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብቶም ተጐዲኦም ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ዝኸዱ ሰባት፡ ምስ ስኬትቦርድ እተተሓሓዘ ሓደጋ ብ33 ሚእታዊት፡ ምስ ስኖውቦርድ እተተሓሓዘ ብ31 ሚእታዊት፡ ምስ ምሕኳር ኣኽራን እተተሓሓዘ ኸኣ ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ። ኣብ ካልእ ዓይነት ስፖርት ድማ እቲ ቝጽሪ ዝገደደ እዩ፣ ብዝሒ እቶም ብሓደገኛ ስፖርት ዚሞቱ እናወሰኸ ምኻዱ ነዚ ዜርኢ እዩ። ተጣበቕቲ እዚ ስፖርት እዚ፡ ሓደጋታቱ ይፈልጥዎ እዮም። ሓንቲ ኣብ ሓደገኛ ዓይነት ሸታሕታሕ እትሳተፍ ጓል ኣንስተይቲ፡ “ወትሩ ብዛዕባ ሞት እሓስብ እየ” ትብል። ሓደ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ ዚብል ፕሮፌሽናል ስፖርተኛ ኸኣ፡ “እንተ ዘይተጐዲእካ፡ እኹል ጻዕሪ ትገብር የለኻን ማለት እዩ” ይብል።

ነዚ ሓቅታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሓደ ክርስትያን ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ብዛዕባ ምስታፍ እንታይ ኣረኣእያ ኺሕዝ ይግባእ፧ ኣብዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ኽንሳተፍ ግቡእ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ንምውሳን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧ ኣምላኽ ብዛዕባ ቕድስና ህይወት እንታይ ከም ዚስምዖ ምስ እንፈልጥ፡ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል ኢና።

ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ “ምንጪ ህይወት” ምዃኑ ይነግረና እዩ። (መዝሙር 36:9) የሆዋ ንደቂ ሰብ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ፡ ብሓልዮት ተደሪኹ ተሓጒስና ብህይወት ንምንባር ዜድልየና ሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 139:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:16, 17፣ 17:24-28) ስለዚ፡ ነቲ ብለውሃት ዝሃበና ነገር ብኽንክን ክንሕዞ ይጽበየና እዩ። ንህዝቢ እስራኤል ተዋህበ ሕግታትን ስርዓታትን ነዚ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።

ንህይወት ሰብ ጥንቃቐ ኺግበር ከም ዘለዎ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ ሰፊሩ ኣሎ። ከምኡ ምስ ዘይግበር እሞ ህይወት ምስ ዚጠፍእ፡ ነቲ ሓደጋ ኼወግዶ ዚኽእል ዝነበረ ሰብ ብዕዳ ደም ተሓታቲ ይኸውን ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ብዓል ቤት ኣብ ናሕሲ ሓድሽ ቤቱ መጋረዲ ኺሃንጽ ነይርዎ። ከምኡ እንተ ዘይገይሩ እሞ ሰብ ካብቲ ናሕሲ ጸዲፉ እንተ ሞይቱ፡ እታ ቤት ዕዳ ደም ይህልዋ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 22:8) ብዕራይ ብሃንደበት ንሰብ ወጊኡ እንተ ቐቲሉ፡ እቲ ብዓል ብዕራይ ተሓታቲ ኣይከውንን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እቲ ብዕራይ ተዋጋኢ እንተ ነይሩ እሞ፡ ንዋናኡ ኣሰሚዖምሉ ኸለዉ ብግቡእ እንተ ዘይሓልይዎ፡ እቲ ብዕራይ ድማ ንሰብ እንተ ወጊኡ፡ ዋናኡ ብዕዳ ደም ተሓታቲ ኪኸውንን ኪቕተልን ይኽእል ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 21:28, 29) ህይወት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ስለ ዝዀነት፡ ንምዕቃባን ንምሕላዋን ልዑል ጻዕሪ ኺግበር ከም ዘለዎ ኣብ ሕጉ ተንጸባሪቑ ኣሎ።

እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ እዚ ስርዓታት እዚ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ምእታው እውን ከም ዚኽልክል ተረዲኦም ነይሮም እዮም። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ ሓደ ዛንታ፡ ዳዊት “ካብቲ ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ መዕቘሪ፡ ማይ ክሰቲ” ኢሉ ኸም እተመነየ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤት-ልሄም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ፍልስጥኤማውያን እያ ነይራ። ሰለስተ ኻብ ተዋጋእቱ ንትምኒት ዳዊት ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ መዕቘር ማይ ቤት-ልሄም ማይ ቀዲሖም ኣምጽኡሉ። እሞ ደኣ ዳዊት እንታይ ገይሩ፧ ነቲ ማይ ናብ መሬት ደኣ ኣፍሰሶ እምበር፡ ኣይሰተዮን። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ እዚ ኽገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ! ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧” ከኣ በለ። (1 ዜና መዋእል 11:17-19) ንብሕታዊ ዕግበቱ ኺብል ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ምእታው፡ ኣብ ቅድሚኡ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ!

የሱስ፡ መላእኽቲ ኻብ ጕድኣት ኬዕቍብዎ እንተ ዀይኖም ንምርኣይ ካብ ላዕለዋይ ጫፍ መንደቕ ቤተ መቕደስ ኪጸድፍ ብድያብሎስ ፈተና ምስ ቀረበሉ፡ ተመሳሳሊ ምላሽ እዩ ሂቡ። “ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ” ኢሉ እዩ መሊሱሉ። (ማቴዎስ 4:5-7) እወ፡ ዳዊትን የሱስን ንህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ዘየድሊ ተግባር ምግባር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ነዚ ኣብነታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና፡ ‘ንሓደ ዓይነት ስፖርት፡ ሓደገኛ ዜብሎ እንታይ እዩ፧ ብባህርዩ ሓደገኛ ዘይኰነ ልሙድ ዓይነት መዘናግዒ እውን ናብ ሓደገኛ ደረጃ ኺዓርግ ስለ ዚኽእል፡ ክሳዕ ኣበይ ደረት ክንከይድ ከም እንኽእል ከመይ ጌርና ንፈልጥ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

ንርእስኻ ኣብ ሓደጋ ኸተእቱስ ግቡእ ድዩ፧

መልሲ ንምርካብ፡ ንዝዀነ ይኹን ንጥፈት ብቕንዕና ኽንግምግሞ ኣሎና። ንኣብነት፡ ገዛእ ርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ‘እዚ ስፖርት እዚ ኽንደይ መጠን ሓደጋ ኣለዎ፧ ካብ ጕድኣት ኪሕልወኒ ዚኽእል ስልጠና ወይ መከላኸሊ ዚኸውን ናውቲ ኣሎኒዶ፧ እንተ ወዲቐ ወይ ኣብ ኣዛልላይ እንተ ተጋግየ ወይ እቲ ናውቲ ድሕነት እንተ ዘይዓይዩ፡ እንታይ ሳዕቤን እዩ ኼስዕበለይ፧ ቀሊል ሓደጋ ድዩ ኪኸውን ወይስ ከቢድ ጕድኣትን ሞትን፧’

ሓደ ክርስትያን ኪዘናጋዕ ኢሉ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋ ዚኣቱ እንተ ዀይኑ፡ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ኰነ ኣብ ጉባኤ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ዘለዎ ብቕዓት ኪጽሎ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 8-10፣ 4:12፣ ቲቶስ 2:6-8) እምበኣር፡ ክርስትያናት ኪዘናግዑ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ነቲ ፈጣሪ ብዛዕባ ቕድስና ህይወት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ግምት ኬእትዉ ኣለዎም።

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ካብ በሪኽ ቦታታት ምዝላል (BASE jumping)፡ ማለት ካብ ከም ህንጻታትን ድልድላትን ጸድፍታትን ጋንጽላ ሒዝካ ዚግበር ዝላ ኣመና ሓደገኛ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ኣገልግሎት ሃገራዊ መናፈሻ ኣጊድዎ ኣሎ።