ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን

መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን

ምዕራፍ ሓደ

መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን

1, 2. (ሀ) ገለ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ፍልይ ዝበለ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ብዛዕባ መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

 ሓደ ሓያል ንጉስ ነቲ ዝረኣዮ ዘደንጹ ሕልሚ እቶም ጥበበኛታቱ ክገልጽዎን ትርጕሙ ክነግሩን ብዘይ​ምኽኣሎም ክቐትሎም ደለየ። ንሓደ ነዊሕ ምስሊ ምስጋድ ዝኣበዩ ሰለስተ መንእሰያት ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ይድርበዩ: ገለ ኸይኰኑ ኸኣ ይወጹ። ኣማእታት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ሓደ ዓቢ ድግስ ከለዉ ሓንቲ ኢድ ኣብቲ ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ መንደቕ ምስጢራዊ ዝዀነ ቃላት ክትጽሕፍ ከላ ርኣዩ። ተንኮለኛታት ሰባት ንሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ ገበሩ: እንተ​ዀነ ግን ዋላ ሓንቲ ከይተተንከፈ ወጸ። ሓደ ነብዪ ኣምላኽ ብራእይ ኣርባዕተ እንስሳታት ይርኢ: ትርጕም ናይዞም እንስሳታት እዚኣቶም ከኣ ንኣሽሓት ዓመታት ዝቕጽል ነበረ።

2 እዚ ገለ ካብቲ ኣብ ትንቢት ዳንኤል ዘሎ ጸብጻባት ኢዩ። ኣርዚንና ክንምርምሮ ዘሎና ጕዳይ ድዩ፧ ኣብዛ ጥንታዊት መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ንግዜና ዝሰማማዕ ጸብጻብ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧ ብዛዕባ እቲ 2,600 ዓመታት ይገብር ዝነበረ ፍጻመታት ሕጂ ክንሓስብ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

መጽሓፍ ዳንኤል​—⁠ነዚ ዘመናዊ ግዜና እትኸውን ጥንታዊት መጽሓፍ

3, 4. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጻኢ ኵነታት ደቅሰብ እንተ​ ሓሰቡ ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ዝበዝሕ ትሕዝቶ መጽሓፍ ዳንኤል ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዝህሉ ኣገዛዝኣ ዝዛረብ ኢዩ። እዚ ኣርእስቲ እዚ ኸኣ ሕጂ ኣዝዩ ዘገድስ ጕዳይ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ሓደ ጽንኩር ዝዀነ እዋን ንነብር ምህላውና ዳርጋ ኵሉ ሰብ ዝሰማምዓሉ ኢዩ። ዋላ እኳ ኣብ ስነ⁠-​ፍልጠትን ቴክኖሎጂን እዚ ዘይበሃል ምዕባለ እንተ​ሎ: ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናብ ዓዘቕቲ ገጹ ይንቈት ከም ዘሎ ዝሕብር ዘሕዝን ሓበሬታታት መዓልታዊ ንሰምዕን ንርእን ኢና።

4 ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕሰበሉ:- ሰብ ኣብ ወርሒ ከይተረፈ ክንቀሳቐስ እኳ እንተ​ ኸኣለ ኣብዛ መንበሪቱ ዝዀነት ፕላኔት ግን ከይፈርሀ ኣብ ጐደናታት ክዛወር ኣይከኣለን። ንገዝኡ ብእተፈላለየ ምቾት ዘለዎ ዘመናዊ መሳለጥያታት ክመልኦ እኳ እንተ​ ኸኣለ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምብትታን ስድራ​ቤታት ግን ክገትኦ ኣይከኣለን። ኣብ ናይ ሓበሬታ መዋእል ዝበሃል ግዜ ክበጽሕ እኳ እንተ​ ኸኣለ ንሰባት ብሰላም ሓቢሮም ክነብሩ ክምህሮም ግን ኣይከኣለን። ሁግ ቶማስ እተባህለ ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ሓደ ግዜ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ምስፍሕፋሕ ፍልጠትን ትምህርትን ንደቅ​ሰብ ርእስኻ ምግታእ ከጥርዩ ብዙሕ ኣየለማመዶምን: ምስ ካልኦት ሰባት ተሳኒኻ ናይ ምንባር ክእለት ከኣ ኣይማሃሮምን።”

5. ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ እንታይ ኢዩ ኣፍርዩ፧

5 ሰባት ኣብ ማሕበረሰብ ስርዓት ከም ዝሰፍን ንምግባር ንገዛእ ርእሶም ብእተፈላለየ ዓይነት ምምሕዳር ወዲቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ካብኦም ካብቲ ንጉስ ሰሎሞን “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” ብምባል ዝገለጾ ሓቂ ከምልጥ ዝኸኣለ የለን። (መክብብ 4:⁠1፣ 8:⁠9) ገለ መራሕቲ ጽቡቕ ህቃነ ከም ዘለዎም ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: ንሕማምን ሞትን ከልግስ ዝኽእል ንጉስ: ፕረዚደንት: ወይ ውልቀ⁠-​መላኺ የለን። ከምቲ ኣምላኽ ዝዓለሞ ገይሩ ንምድሪ ናብ ገነት ክቕይራ ዝኽእል ሰብ የለን።

6. የሆዋ ፍቓዱ ንምፍጻም ሓገዝ ናይ ሰብኣዊ ምምሕዳር ዘየድልዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ፈጣሪ ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኽገብር ፍቓደኛ ኢዩ: ክእለት ከኣ ኣለዎ። ኣብ ቅድሚኡ “ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ: ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን” ስለ ዝዀኑ ዕላምኡ ንምፍጻም ፍቓድ ናይ ሰብኣውያን መንግስታት ኣየድልዮን ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:⁠15) እወ: የሆዋ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ገዛኢ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ካብ ናይ ሰብኣውያን መንግስታት ንላዕሊ ስልጣን ኣለዎ። ንዅሉ ሰብኣዊ ምምሕዳራት እትትክኦ መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ: እዚ ድማ ንደቅ​ሰብ ዘለኣለማዊ በረኸት ዘምጽእ ኢዩ። ነዚ ሓሳባት እዚ ከም ትንቢት ዳንኤል ገይሩ ብንጹር ዝገለጾ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ የለን።

ዳንኤል​—⁠ብኣምላኽ ኣዝዩ እተፈትወ ሰብ

7. ዳንኤል እንታዋይ ኢዩ ነይሩ: የሆዋኸ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ ዝነበረ፧

7 የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ከም ነብዪ ኰይኑ ዘገልገለ ዳንኤል ኣዝዩ ኢዩ ዝፈትዎ ነይሩ። መልኣኽ ኣምላኽ ንዳንኤል “ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” በሎ። (ዳንኤል 9:​23) እታ ኣብዚ “ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ስያመ “ልዑል ግምት ዝወሃቦ” ወይ እውን “ምሩጽ” ዝብል ትርጕም ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። ዳንኤል ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ክቡር ኢዩ ነይሩ።

8. ዳንኤል ብኸመይ ኢዩ ናብ ባቢሎን ዝኸደ፧

8 ነቲ ፍሉይ ኵነታት ናይዚ ፍትዊ ነብዪ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንመርምር። ብ618 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ንጉስ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከበባ። (ዳንኤል 1:⁠1) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ገለ ምሁራት ኣይሁዳውያን ብሓይሊ ናብ ባቢሎን ተወስዱ። ዳንኤል ከኣ ሓደ ካብኦም ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ ምናልባት ኮተቴ ኢዩ ነይሩ ዝኸውን።

9. ንዳንኤልን እብራውያን ብጾቱን እንታይ ምልምማድ ኢዩ እተዋህቦም፧

9 ዳንኤልን እቶም ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ ዝበሃሉ ብጾቱን ካብ መንጎ እቶም “ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን” ንሰለስተ ዓመት ክማሃሩ እተመርጹ እብራውያን ነበሩ። (ዳንኤል 1:⁠3, 4) ገለ ምሁራት እዚ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ጥራይ ከም ዘይነበረ ኢዮም ዝዛረቡ። ንኣብነት: ፕሮፌሰር ሲ. ኤፍ. ከይል ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ዳንኤልን ብጾቱን ከም ናይቶም ከለዳውያን ካህናትን ምሁራትን ዝዓይነቱ ትምህርቲ ክማሃሩ ነበሮም፣ እዚ ትምህርቲ እዚ ኸኣ ኣብ ኣብያተ⁠-​ትምህርቲ ባቢሎን ዝወሃብ ዝነበረ ኢዩ።” ስለዚ ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ናይ መንግስቲ ምምሕዳር ንኽሰርሑ ኢዩ ፍሉይ ልምምድ ዝወሃቦም ዝነበረ።

10, 11. ዳንኤልን ብጾቱን እንታይ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጠሞም: የሆዋኸ እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዝገበረሎም፧

10 እዚ ንዳንኤልን ብጾቱን ኣየ ከመይ ዝበለ ቅጽበታዊ ለውጢ ኰን ኢዩ ነይሩ! ኣብ ይሁዳ ኸለዉ ኣብ ማእከል ኣምለኽቲ የሆዋ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ሕጂ ግን ንናይ ጽውጽዋይ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ኣማልኽቲ ብዘምልኹ ሰባት ኢዮም ተኸቢቦም ዘለዉ። እቶም መንእሰያት ዝነበሩ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ግን ኣይጃጀዉን። ዋላ እኳ ከምዚ ዝኣመሰለ ንእምነትካ ዝብድህ ኵነታት እንተ​ ኣጋጠሞም ካብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ፈልከት ንኸይብሉ ቈሪጾም ኢዮም ነይሮም።

11 እዚ ቀሊል ኣይነበረን። ነቡካድነጻር ነቲ ማርዱክ እተባህለ ቀንዲ ኣምላኽ ባቢሎን ልዑል ተወፋይነት ዝነበሮ ንጉስ ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ንጉስ ሓደ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ክገብሮ ዘይክእል ነገር ክግበረሉ ይሓትት ነይሩ ኢዩ። (ንኣብነት ነቲ ኣብ ዳንኤል 3:⁠1-7 ዘሎ ጸብጻብ ርአ።) ዳንኤልን ብጾቱን ግን ዘየቋርጽ መምርሒ የሆዋ ነይርዎም ኢዩ። ኣብቲ ናይ ሰለስተ ዓመት ልምምዶም: ኣምላኽ “ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኵሉ ነገር” ብምሃብ ባሪኽዎም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ዳንኤል ሕልምታትን ራእያትን ናይ ምርዳእ ክእለት ተዋህቦ። ድሕርዚ እቲ ንጉስ ነቶም ኣርባዕተ መንእሰያት ምስ መርመሮም “ካብቶም ኣብ ኵሉ ግዝኣቱ ዝነበሩ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።”​—⁠ዳንኤል 1:​17, 20

መልእኽትታት ኣምላኽ ምእዋጅ

12. ዳንኤል እንታይ ፍሉይ መዝነት ኢዩ ዝነበሮ፧

12 ዳንኤል ኣብ ብምሉኡ እቲ ኣብ ባቢሎን ዘሕለፎ ብዙሕ ዓመታት ንኸም ነቡካድነጻርን ቤልሻጽርን ዝኣመሰሉ ነገስታት ልኡኽ ኣምላኽ ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። እቲ ተዋሂብዎ ዝነበረ መዝነት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ንኸዕንዋ የሆዋ ከም መሳርሒ ገይሩ ክጥቀመሉ ፈቒዱ ነይሩ ኢዩ። ጸኒሓ ግን ባቢሎን እውን ክትጠፍእ ነበራ። ብሓቂ እምበኣር መጽሓፍ ዳንኤል ንየሆዋ ካብ ኵሉ ዝለዓለን “ኣብ መንግስቲ ሰብ” ከም ዝመልኽን ገይራ ኢያ ክብ እተብሎ።​—⁠ዳንኤል 4:​17

13, 14. ባቢሎን ምስ ወደቐት ዳንኤል እንታይ ኰነ፧

13 ዳንኤል ክሳዕ ምውዳቕ ባቢሎን: ንገለ ሰብዓ ዝኸውን ዓመታት ኣብ ቤተ-​መንግስቲ ኣገልገለ። ብዙሓት ኣይሁዳውያን ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ንዓዶም ክምለሱ ኸለዉ ርእዩ ኢዩ፣ ምስኦም ከም እተመልሰ ግን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ኣይዛረብን ኢዩ። እንተ​ወሓደ ክሳዕ ሳልሳይ ዓመት ግዝኣት ናይቲ ንሃጸያዊት ፋርስ ዘቘመ ንጉስ ቂሮስ ኣዝዩ ንጡፍ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ዳንኤል ናብ ወዲ 100 ዓመት ገጹ ተጸጊዑ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ!

14 ድሕሪ ምውዳቕ ባቢሎን ዳንኤል ንዅሉ እቲ ኣብ ህይወቱ ዝረኣዮ ቀንዲ ፍጻመታት ኣብ ጽሑፍ ኣስፈሮ። እቲ ዝጸሓፎ ኸኣ መጽሓፍ ዳንኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ፍሉጥ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ኣሎ። ግን ነዛ ጥንታዊት መጽሓፍ እዚኣ ከነቕልበላ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክልተ ዓይነት ኣቀራርባ​—⁠ሓደ መልእኽቲ

15. (ሀ) ኣብታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ክልተ ዓይነት ኣቀራርባ ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) እቲ ብመልክዕ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ ክፍሊ መጽሓፍ ዳንኤል ንምንታይ ይጠቕመና፧

15 እዛ ፍልይቲ ዝዀነት መጽሓፍ እዚኣ ክልተ እተፈላለየ ዓይነት ኣቀራርባ ኢዩ ዘለዋ። እቲ ሓደ ብመልክዕ ጸብጻብ ክኸውን ከሎ እቲ ኻልኣይ ድማ ብመልክዕ ትንቢት ኢዩ። ክልቲኡ ግን ንእምነትና ዝሃንጽ ኢዩ። ብኸመይ፧ እቲ ብመልክዕ ጸብጻብ ቀሪቡ ዘሎ የሆዋ ነቶም ንጽህንኦም ዝሕልዉ ከም ዝባርኾምን ዝሓልየሎምን የርኢ። እዚ ኸኣ ሓደ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ኣዝዩ ህያው ዝዀነ ኣቀራርባ ዝሓዘ ጸብጻባት ኢዩ። ዳንኤልን ሰለስቲኦም ብጾቱን ንህይወቶም ዘስግእ ነገራት እኳ እንተ​ ኣጋጠሞም ጽኑዓት ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም። ሎሚ እውን እቶም ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ክርከቡ ዝደልዩ ዅሎም ነዚ ኣብነት እዚ ኣጸቢቖም ብምምርማር ክብርትዑ ይኽእሉ ኢዮም።

16. ካብቲ ብመልክዕ ትንቢት ቀሪቡ ዘሎ ክፋል ናይ መጽሓፍ ዳንኤል እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

16 እቲ ብመልክዕ ትንቢት ቀሪቡ ዘሎ ክፋል ናይ መጽሓፍ ዳንኤል: የሆዋ ነቲ ኣብ ዘመናት​—⁠ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት እውን ከይተረፈ​—⁠ዝፍጸም ታሪኽ ኣቐዲሙ ከም ዝፈልጦ ስለ ዝገልጸልና ንእምነትና ዝሃንጽ ኢዩ። ንኣብነት: ዳንኤል ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ኣትሒዙ “ክሳዕ ዘመን መወዳእታ” ናይ ዘለዉ ሓይልታት ዓለም ምትንሳእን ምውዳቕን ዝርዝር ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ። (ዳንኤል 12:4) ዳንኤል ኣቓልቦና ናብታ በቲ ቅቡእ የሆዋ ከምኡውን ምስኡ ሓቢሮም ዝገዝኡ “ቅዱሳን” እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ይወስዶ። ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኸኣ ንዘለኣለም እትቐውም መንግስቲ ኢሉ ጸዊዕዋ ኣሎ። እዛ መንግስቲ እዚኣ ነቲ የሆዋ ንምድሪ ዓሊምዎ ዘሎ ምሉእ ብምሉእ ክትፍጽሞ ኢያ: እዚ ኸኣ ንዅሎም እቶም ንኣምላኽ ዘገልግልዎ በረኸት ከምጽኣሎም ኢዩ።​—ዳንኤል 2:​44፣ 7:​13, 14, 22

17, 18. (ሀ) ንመጽሓፍ ዳንኤል ኣጸቢቕና ብምምርማር እምነትና እትድልድል ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ነዛ ትንቢታት ዝሓዘት ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ ቅድሚ ምጽናዕና እንታይ ክንርእዮ ዘሎና ነገር ኢዩ ዘሎ፧

17 የሆዋ ናይ መጻኢ ፍጻመታት ዝምልከት ሓበሬታ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ሒዝዎ ስቕ ዘይብል ምዃኑ ዘሐጕስ ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ “ምስጢራት ዚገልጽ” ኣምላኽ ኢዩ። (ዳንኤል 2:​28) ፍጻሜ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ ትንቢታት ክንምርምር ከሎና: ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዘሎና እምነት ይድልድል ኢዩ። ኣምላኽ ንዕላማታቱ ኣብቲ ልክዕ ግዜኡን በቲ ንሱ ዝመረጾ መገድን ከም ዝፍጽሞ ዝያዳ ርግጸኛታት ከም እንኸውን ክገብረና ኢዩ።

18 ኵሎም እቶም ብኽፉት ልቢ ነዛ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዳንኤል ዘጽንዑ ሰባት ብእምነት ክዓብዩ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣዕሚቝና ቅድሚ ምምርማርና ሓቅነት ዘለዋ ምዃናን ዘይምዃናን ዘርኢ መርትዖታት ክንርኢ ከድልየና ኢዩ። ገለ ነቐፍቲ እቲ ትንቢታት ምስ ተፈጸመ ኢዩ ተጻሒፉ ብምባል ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ዳንኤል ወቐሳ የቕርቡ ኢዮም። ናይ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሓሳብ ቅቡል ድዩ፧ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ምዕራፍ ክዝረበሉ ኢዩ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• መጽሓፍ ዳንኤል ንግዜና እትኸውን መጽሓፍ ኢያ እትበሃል ስለምንታይ ኢዩ፧

• ዳንኤልን ብጾቱን ኣብቲ ናይ ባቢሎን ናይ ምምሕዳር ኣገልግሎት ክኣትዉ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዮም፧

• እቲ ንዳንኤል ኣብ ባቢሎን ተዋሂብዎ ዝነበረ ፍሉይ ስራሕ እንታይ ኢዩ፧

• ንትንቢት ዳንኤል ከነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 4፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]