ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ክልተ ነገስታት

ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ክልተ ነገስታት

ምዕራፍ ዓሰርተ ሰለስተ

ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ክልተ ነገስታት

1, 2. ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ክንግደስ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

 ክልተ ተቐናቐንቲ ነገስታት ልዕልነቶም ንምርግጋጽ ብዘለዎም ኵሉ ሓይሊ ይቃለሱ። ግዜ እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናተቐያየሩ ጸብለልትነቶም የርእዩ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ሓደ ጸብለልትነት ኣርእዩ ክገዝእ ከሎ እቲ ሓደ ኸኣ ይሃስስ: ከይተጋጨዉ ዝነብርሉ እዋናት እውን ነይሩ ኢዩ። ጸኒሑ ግን ሃንደበት እቲ ዂናት ይጅምር እሞ እቲ ዘይምቅዳው ከኣ ይቕጽል። ካብ መንጎ ተዋሳእቲ ናይዚ ድራማ እዚ ሶርያዊ ንጉስ ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር: ግብጻዊ ንጉስ ቶሎሜ ላጉስ: ሶርያዊት መስፍንን ንግስቲ ግብጽን ዝነበረት ክልዮፓትራ ቀዳመይቲ: ናይ ሮሜ ሃጸያት ዝነበሩ ኣጉስጦስን ጢበርዮስን: ከምኡውን ንግስቲ ፓልሚራ ዝነበረት ዜኖብያ ይርከብዎም። እቲ ዘይምቅዳው ናብ ምውድኡ ገጹ ምስ ከደ ኸኣ ናዚ ጀርመን: ኣብ ደምበ ኮሙኒስት ዝነበራ ሃገራት: ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ: እተኣሳሰራ መንግስታት: ከምኡውን ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጕዳይ ኣተዋ። እቲ ናይ መወዳእታ ኸኣ ዝዀነት ትኹን ካብዘን ፖለቲካውያን ጕጅለታት ክትርእዮ ብዘይ​ትኽእል መገዲ ዝኸውን ፍጻመ ኢዩ። መልኣኽ የሆዋ 2,500 ዓመታት ይገብር ንነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ባህ ዘብል ትንቢት እዚ ነገሮ።​—⁠ዳንኤል ምዕራፍ 11

2 እቲ መልኣኽ ዝርዝር ናይቲ ኣብ መንጎ እቶም ክመጹ ዝነበሮም ነገስታት ዝህሉ ምውድዳር ክነግሮ ኸሎስ ዳንኤል ኣየ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሱ ክኸውን ኣለዎ! ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝህሉ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ክሳዕ ግዜና ዝበጽሕ ብምዃኑ እቲ ድራማ ንዓና እውን ዘገድሰና ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይቲ ትንቢት ሓቂ ምዃኑ ታሪኽ ብኸመይ ከም ዝምስክር ምርኣይና እምነትና ትብርትዕ: እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ትንቢት ብርግጽ ከም ዝፍጸም ድማ እምንቶ ይህልወና። ነዚ ትንቢት እዚ ብግቡእ ምስ እነቕልበሉ ኣበየናይ ግዜ ንነብር ምህላውና ንጹር ምርዳእ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣምላኽ ኣብ ክንዳና ኰይኑ ስጕምቲ ክወስድ እናተጸበና ኣብቲ ግጭት ናይ ገለልትነት ኣቕዋም ክንወስድ ንዝገበርናዮ ቈራጽነት የደልድሎ ኢዩ። (መዝሙር 146:⁠3, 5) ስለዚ እምበኣር መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል ክዛረቦ ኸሎ ኣጸቢቕና ነቕልበሉ።

ኣንጻር መንግስቲ ግሪኽ

3. “በታ ቐዳመይቲ ዓመት ንዳርዮስ ሜዶናዊ” እቲ መልኣኽ ንመን ኢዩ ዝደገፈ፧

3 እቲ መልኣኽ “ኣነ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ንዳርዮስ ሜዶናዊ [539/538 ቅ.ኣ.ዘ.] ኽሕግዞን ከጽንዖን ቈይመ ነበርኩ” በለ። (ዳንኤል 11:⁠1) ኣብቲ ግዜ እቲ ዳርዮስ ብህይወት እኳ እንተዘይነበረ: እቲ መልኣኽ ግን ንንግስነት ዳርዮስ ከም መጀመርታ ናይቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። ንዳንኤል ካብ ጕድጓድ ኣናብስ ክወጽእ ዝኣዘዘ እዚ ንጉስ እዚ ኢዩ ነይሩ። ዳርዮስ ኵሎም ተገዛእቱ ንኣምላኽ ዳንኤል ክፈርህዎ ከም ዘለዎም እውን ኣዚዙ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 6:​21-​27) እቲ መልኣኽ ንኽሕግዞ ኢሉ ደው ዝበለሉ ግን ንዳርዮስ ሜዶናዊ ዘይኰነስ ነቲ መዓይይቱ ሚካኤል​—⁠መስፍን ህዝቢ እስራኤል​—⁠ኢዩ። (ምስ ዳንኤል 10:⁠12-14 ኣረኣእዮ።) ሚካኤል ምስቲ ጋኔናዊ መስፍን ሜዶንን ፋርስን ክቃለስ ከሎ መልኣኽ ኣምላኽ እዚ ሓገዝ እዚ ገበረሉ።

4, 5. እቶም ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረሎም ኣርባዕተ ነገስታት ፋርስ መን ኢዮም፧

4 እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “እንሆ: እንድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ኪትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኵላቶም ዝበለጸ ኺህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዔ ድማ: ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ኼተንስኦም እዩ።” (ዳንኤል 11:⁠2) እዞም ፋርሳውያን ገዛእቲ እዚኣቶም መን ኢዮም፧

5 እቶም ናይ መጀመርታ ሰለስተ ነገስታት ቂሮስ ዓቢ: ካምባይሲስ ካልኣይ: ከምኡውን ዳርዮስ ቀዳማይ (ሂስታፒዝ) ኢዮም። ባርድያ (ወይ ምናልባት ጉማታ ክነሱ ብስም ባርድያ ተሲኡ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል) ንሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ስለ ዝገዝአ እቲ ናይ ሓጺር ግዜ ንግስነቱ ኣብቲ ትንቢት ኣይተጠቓለለን። ኣብ 490 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ሳልሳይ ንጉስ ማለት ዳርዮስ ቀዳማይ ንዮናኒ ወይ ግሪኽ እንደገና ክወራ ፈተነ። እንተ​ዀነ ግን: ፋርሳውያን ኣብ ማራቶን ተሳዒሮም ናብ ንእሽቶ እስያ ተመልሱ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ንግሪኽ ንምውራር ካልእ ጥንቁቕ ዝዀነ ምድላዋት እኳ እንተገበረ: ኣብ ግብሪ ከየውዓሎ ኸሎ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ሞተ። እቲ ዕማም ነቲ ንዕኡ ተኪኡ ስልጣን ዝሓዘ ወዱ: “ራብዓይ” ንጉስ: ማለት ዘክሲዝ ቀዳማይ ገደፈሉ። እዚ ኸኣ እቲ ንኣስቴር እተመርዓወ ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኣስቴር 1:⁠1፣ 2:⁠15-17

6, 7. (ሀ) እቲ ራብዓይ ንጉስ ‘ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ [ግሪኽ] ዘተንስኦም’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ውጽኢት ናይቲ ዘክሲዝ ኣንጻር ግሪኽ ዝገበሮ ወፍሪ እንታይ ነበረ፧

6 ዘክሲዝ ቀዳማይ ‘ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ’ ማለት ኣብ ልዕሊ እተን ብጕጅለ ደረጃ ብገዛእ ርእሰን ዝመሓደራ ዝነበራ ግዝኣታት ግሪኽ ‘ኣተንሲእዎም’ ኢዩ። እታ ዘ መደስ ኤንድ ፐርሽያንስ​—⁠ኮንከረርስ ኤንድ ዲፕሎማትስ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ዘክሲዝ በቶም ብርቱዕ ባህጊ ዝነበሮም ኣማኸርቱ ተደፋፊኡ ብመሬትን ባሕርን መጥቃዕቲ ፈነወ።” እቲ ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዳስ “ዝዀነ ይኹን ወፍሪ ምስዚ ክወዳደር ከሎ ኣብ ግምት ኣይኣቱን ኢዩ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። ሄሮዳስ ዘቕረቦ ጸብጻብ ሓይሊ ባሕሪ “ኵሉዅሎም 517,610: ኣጋር ሰራዊት 1,700,000: ፈረሰኛታት 80,000 ነይሮም፣ ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ሰብ ኣግማል ኣዕራብን ብሰረገላታት ዝዋግኡ ሊብያውያንን 20,000 ምንባሮም እግምት። ስለዚ እቶም ሓይሊ ባሕርን ኣጋርን ሰራዊት ብሓባር 2,317,610 ነበሩ።”

7 ዘክሲዝ ቀዳማይ ምሉእ ዓወት ክጐናጸፍ ብምምዳብ ኣብ 480 ቅ.ኣ.ዘ. ኣንጻር ግሪኽ ንኽዋጋእ ንዅሉ ሰራዊቱ ኣንቀሳቐሶ። ፋርሳውያን ነቲ ኣብ ቴርሞፓይሊ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ብምብዳህ ንኣቴንስ ኣዕነውዋ። ኣብ ሰላሚስ ግን እዚ ዘይበሃል ስዕረት ኣጋጠሞም። ግሪኽ ኣብ 479 ቅ.ኣ.ዘ. እውን ኣብ ፕላቲ ተዓዊታ ኢያ። ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ 143 ዓመታት ንዘክሲዝ ተኪኦም ኣብ ስልጣን ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ካብ ዝደየቡ ሸውዓተ ነገስታት ኣንጻር ግሪኽ ኲናት ዝኸፈተ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ድሕርዚ ግን ኣብ ግሪኽ ሓደ ሓያል ንጉስ ተንስአ።

ሓንቲ ዓባይ መንግስቲ ኣብ ኣርባዕተ ትመቓቐል

8. ከመይ ዝበለ “ብርቱዕ ንጉስ” ኢዩ ዝተንስአ: ‘ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝአኸ’ ብኸመይ ኢዩ፧

8 እቲ መልኣኽ ቀጺሉ “ሽዑ ዓብዪ ግዝኣት ዚገዝእን ዝደለየ ዚገብርን ብርቱዕ ንጉስ ኪትንስእ እዩ” በለ። (ዳንኤል 11:⁠3) እቲ ወዲ ዕስራ ዓመት ዝነበረ ኣለክሳንደር ኣብ 336 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ማሴዶንያ ኰይኑ ‘ተንስአ።’ ብርግጽ ድማ “ብርቱዕ ንጉስ”​—⁠ኣለክሳንደር ዓቢ​—⁠ኰነ። በቲ ኣቦኡ ፊሊፕ ካልኣይ ዘውጽኦ መደብ ተመሪሑ: ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ግዝኣት ፋርስ ተቘጻጸሮ። እቶም 47,000 ዝዀኑ ሰራዊቱ ንርባታት ኤፍራጥስን ጢግሬስን ሰጊሮም ኣብ ጎገሚላ ነቶም 250,000 ዝዀኑ ሰራዊት ዳርዮስ ሳልሳይ በታተንዎም። ስለዚ ኸኣ ዳርዮስ ሃዲሙ ኣብ መወዳእታ ተቐትለ: በዚ ድማ እቲ ስርወ⁠-​ንግስነት ፋርስ ኣብቅዐ። ግሪኽ ከኣ ሓይሊ ዓለም ኰነት: ኣለክሳንደር ከኣ ‘ዓብዪ ግዝኣት ክገዝእን ዝደለዮ ክገብርን’ ጀመረ።

9, 10. እቲ መንግስቲ ኣለክሳንደር ንዘርኡ ከም ዘይትኸውን ዝዛረብ ትንቢት ሓቂ ዀይኑ እተረኽበ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ኣለክሳንደር ንሓጺር ግዜ ጥራይ ኢዩ ኣብ ዓለም ክገዝእ ዝነበሮ: ከመይሲ እቲ መልኣኽ ወሲኹ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ንሱ ምስ ተንስኤ ኸኣ: መንግስቱ ክትስበር: ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ኽትመቓቐል እያ። መንግስቱ ኽትፈርስ: ካባታቶም ናብ ካልኦት ክትሐልፍ እያ እሞ: ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ: ከምቲ ኺገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከኣ ኣይኪህልዋን እዩ።” (ዳንኤል 11:4) ኣለክሳንደር ኣብ ባቢሎን ኣብ 323 ቅ.ኣ.ዘ. ብሃንደበት ሓሚሙ ክመውት ከሎ 33 ዓመት እውን ኣይመልአን ነይሩ።

10 እቲ ናይ ኣለክሳንደር ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት “ንዘርኡ” ኣይሓለፈን። ሓዉ ፊሊፕ ሳልሳይ ኣረዲስ ሸውዓተ ዓመት ንዘይመልእ ግዜ ነገሰ: ድሕርዚ ብትእዛዝ ኦሊምፕያስ ኣደ ኣለክሳንደር ኣብ 317 ቅ.ኣ.ዘ. ተቐትለ። እቲ ወዲ ኣለክሳንደር ዝዀነ ኣለክሳንደር ራብዓይ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ጀነራላት ኣቦኡ ዝነበረ ካሳንደር ኣብ 311 ቅ.ኣ.ዘ. ክሳዕ ዝቐትሎ ገዝአ። እቲ ኣለክሳንደር ብወሰን ዝወለዶ ሄራክለስ ዝፋን ኣቦኡ ክወርስ ደለየ: እንተ​ዀነ ግን ኣብ 309 ቅ.ኣ.ዘ. ተቐትለ። በዚ ኸኣ እቲ ካብ መስመር ኣለክሳንደር ዝነበረ ግዝኣት ተወድአ: እቲ “ስልጣን” ድማ ካብ ስድራ​ቤቱ ርሓቐ።

11. መንግስቲ ኣለክሳንደር ‘ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ እተመቕለት’ ብኸመይ ኢያ፧

11 ኣለክሳንደር ምስ ሞተ መንግስቱ ‘ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ተመቕለት።’ እቶም ብዙሓት ጀነራላቱ ግዝኣት ንምሓዝ ኣብ ንሓድሕዶም ተባእሱ። እቲ ሓንቲ ዓይኑ ዝነበረ ኣንቲጎነስ ቀዳማይ ንብምልኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣለክሳንደር ኣብ ትሕቲኡ ንምግባር ፈተነ። እንተ​ዀነ ግን: ኣብቲ ኣብ ፍርግያ ኣብ ኢብሲስ እተባህለ ቦታ እተገብረ ኲናት ተቐትለ። ኣብ 301 ቅ.ኣ.ዘ. ኣርባዕተ ጀነራላት ኣለክሳንደር ንብምሉኡ እቲ ኣለክሳንደር ተቘጻጺርዎ ዝነበረ ቦታታት ተማቐልዎ። ካሳንደር ንማሴዶንያን ግሪኽን: ላይሰሚከስ ንንእሽቶ እስያን ዝረይስን: ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ንመሰጶጣምያን ሶርያን: ቶሎሜ ላጉስ ከኣ ንግብጽን ጳለስጢናን ተቘጻጸሩ። ከም ፍጻሜ ናይቲ ትንቢታዊ ቓል ድማ እቲ ናይ ኣለክሳንደር ዓቢ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣብ ኣርባዕተ ግሪኻውያን መንግስታት ተመቓቐለ።

ክልተ ተቐናቐንቲ ነገስታት ይቕልቀሉ

12, 13. (ሀ) እተን ኣርባዕተ ናይ ግሪኽ መንግስታት ናብ ክልተ ዝወረዳ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) ሴሉከስ ኣብ ሶርያ እንታይ ስርወ⁠-​ንግስነት ኢዩ ዘቘመ፧

12 ካሳንደር ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ድሕሪ ገለ ዓመታት ሞተ: ኣብ 285 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ላይሰሚከስ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ክፋል ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ ተቘጻጸሮ። ኣብ 281 ቅ.ኣ.ዘ. ላይሰሚከስ ብሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ኣብ ኲናት ተቐትለ: ሴሉከስ ከኣ ነቲ ኣብ እስያ ዝነበረ ቀንዲ ክፋል ግዝኣት ተቘጻጸሮ። ወዲ ወዱ ንሓደ ካብቶም ጀነራላት ኣለክሳንደር ዝነበረ ኣንቲጎነስ ካልኣይ ጎናተስ ኣብ 276 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝፋን ማሴዶንያ ደየበ። ጸኒሓ ማሴዶንያ ናይ ሮሜ ጽግዕተኛ ኰነት: ኣብ 146 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ግዝኣት ሮሜ ኰነት።

13 ሕጂ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ግሪኽ መንግስታት እተን ክልተ ማለት እታ ሓንቲ ኣብ ትሕቲ ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ዝነበረት እታ ሓንቲ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ቶሎሜ ላጉስ ዝነበረት ጥራይ ተረፋ። ሴሉከስ ኣብ ሶርያ ስርወ⁠-​ንግስነት ሴሉሲድ ኣቘመ። ገለ ካብተን ዝመስረተን ከተማታት ድማ እታ ሓዳስ ርእሲ ኸተማ ሶርያ ዝዀነት ኣንጾክያን ወደብ ሴሉስያን ይርከብአን። ጸኒሑ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ከይዱ ምሂሩ ነይሩ ኢዩ: እቶም ሰዓብቲ የሱስ ከኣ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ክርስትያናት ተባሂሎም ተጸውዑ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:⁠25, 26፣ 13:⁠1-4) ዋላ እኳ ሴሉከስ ኣብ 281 ቅ.ኣ.ዘ. እንተ ተቐትለ እቲ ንሱ ዘቘሞ ስርወ⁠-​ንግስነት ክሳዕ እቲ ሮማዊ ጀነራል ንየስ ፖምፔ ንሶርያ ኣብ ትሕቲ ሮሜ ከም እትግዛእ ዝገበረላ እዋን ማለት ክሳዕ 64 ቅ.ኣ.ዘ. ቀጺሉ ኢዩ።

14. ስርወ⁠-​ንግስነት ቶሎሜ ኣብ ግብጺ መዓስ ኢዩ ዝቘመ፧

14 ካብተን ናይ ግሪኽ መንግስታት እታ ዝነውሐ ግዜ ዝጸንሐት መንግስቲ ናይቲ ኣብ 305 ቅ.ኣ.ዘ. ንጉስ ዝዀነ ቶሎሜ ላጉስ ወይ ቶሎሜ ቀዳማይ ኢያ። እቲ ንሱ ዘቘሞ ስርወ⁠-​ንግስነት ቶሎሜ ክሳዕ እቲ ግብጺ ኣብ 30 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ሮሜ እትኣቱ ቀጺሉ ኢዩ።

15. ካብተን ኣርባዕተ ናይ ግሪኽ መንግስታት ከመይ ዝበሉ ክልተ ሓያላት ነገስታት ኢዮም ዝወጹ: ከመይ ዝበለ ቃልሲኸ ኢዮም ዝጀመሩ፧

15 ስለዚ ኸኣ ካብተን ኣርባዕተ ናይ ግሪኽ መንግስታት: ክልተ ሓያላት ነገስታት ማለት እቲ ኣብ ሶርያ ዝገዝእ ዝነበረ ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተርን ኣብ ግብጺ ዝገዝእ ዝነበረ ቶሎሜ ቀዳማይን ተንስኡ። በዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ድማ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 11 ተገሊጹ ዘሎ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ኣብ መንጎ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ዝህሉ ቃልሲ ጀመረ። መንነትን መበቈልን ናይቶም ክልተ ነገስታት ኣብ ብምልኡ እቲ ዝስዕብ ዘመናት ክቀያየር ስለ ዝነበሮ መልኣኽ የሆዋ ኣስማት እቶም ነገስታት ኣይጠቐሰን። እቲ መልኣኽ ነቲ ዘየድሊ ዝርዝራት ብምግዳፍ ኣብቲ ግጭት ግደ ዘለዎም መራሕትን ፍጻመታትን ጥራይ ኢዩ ጠቒሱ።

እቲ ዘይምቅዳው ይጅምር

16. (ሀ) እቶም ክልተ ነገስታት ካብ መን ኢዮም ብሰሜንን ደቡብን ዝነበሩ፧ (ለ) ናይ መጀመርታ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ኰይኖም ዝመጹ ነገስታት ኣየኖት ኢዮም፧

16 ጽን ኢልካ እሞ ስማዕ! መልኣኽ የሆዋ ብዛዕባ ምጅማር ናይቲ ዘይምቅዳው ከምዚ ይብል:- “እቲ ንጉስ ደቡብ ሓያል ክኸውን ኢዩ: ሓደ ኻብቶም መሳፍንቱ [መሳፍንቲ ኣለክሳንደር] እውን ከምኡ ክሕይል ኢዩ፣ ንሱ [ንጉስ ሰሜን] ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ጸብለልትነት ከርኢ ኢዩ: ካብኡ ንላዕሊ ድማ ሰፊሕ ግዝኣት ክህልዎ ኢዩ።” (ዳንኤል 11:5 NW ) እቲ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ዝብል ስያመታት ነቶም ብወገን ሰሜንን ደቡብን ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ካብ ምርኮ ባቢሎን ናጻ ወጺኦም ናብ ሃገረ ይሁዳ እተመልሱ ህዝቢ ዳንኤል ዝነበሩ ነገስታት ዘመልክት ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ “ንጉስ ደቡብ” እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ቶሎሜ ቀዳማይ ኢዩ። ሓደ ካብ ጀነራላት ኣለክሳንደር ኰይኑ “ሰፊሕ ግዝኣት” ሒዙ ዝነበረ ሶርያዊ ንጉስ ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ድማ ንቶሎሜ ቀዳማይ ዓብሊልዎ ነበረ። “ንጉስ ሰሜን” ድማ ኰነ።

17. እቲ ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝነበረ ግጭት ክጅምር ከሎ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መን ነበረት፧

17 ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ንጉስ ደቡብ ነበረት። ካብ ከባቢ 320 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ቶሎሜ ቀዳማይ ንኣይሁዳውያን ኣብ ግብጺ ምስኡ ክቕመጡ ጽልዋ ይገብረሎም ነበረ። ኣብታ ቶሎሜ ቀዳማይ ውሩይ ዝዀነ ቤተ⁠-​መጻሕፍቲ ዝሃነጸላ ኣለክሳንድርያ ኸኣ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ተመስረተ። እቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ክሳዕ 198 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ናይ ግብጺ ቶሎሜ: ንጉስ ደቡብ: ነበሩ።

18, 19. ጸኒሖም እዞም ክልተ ተቐናቐንቲ ነገስታት ‘እተሰማምዑ’ ብኸመይ ኢዮም፧

18 ብዛዕባ እቶም ክልተ ነገስታት እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከኣ ኪሐብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ: ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከኣ ኣይኪቐውምን እዩ። ንሳን እቶም ዜምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሐሊፎም ኪውሀቡ እዮም።” (ዳንኤል 11:6) እዚ ብኸመይ ተፈጸመ፧

19 እቲ ትንቢት ነቲ ንሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ወዱ: ብድሕሪኡ ኸኣ ስልጣን ዝሓዘ ኣንቲከስ ቀዳማይ ኣብ ግምት ኣየእተዎን: ከመይሲ ኣንጻር ንጉስ ደቡብ ወሳኒ ዝዀነ ኲናት ኣይገበረን። ንዕኡ ዝተክኦ ኣንቲከስ ካልኣይ ግን ኣንጻር ቶሎሜ ካልኣይ: ወዱ ንቶሎሜ ቀዳማይ: ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ኲናት ገይሩ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኣንቲከስ ካልኣይ ንጉስ ሰሜን ቶሎሜ ካልኣይ ከኣ ንጉስ ደቡብ ኰኑ። ኣንቲከስ ካልኣይ ንሎዲስ ተመርዕዩ ሴሉከስ ካልኣይ ተባሂሉ እተሰምየ ቈልዓ ወለዱ። ቶሎሜ ካልኣይ ግን በረኒስ እተባህለት ጓል ነበረቶ። ኣብ 250 ቅ.ኣ.ዘ. እዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ‘ተሰማምዑ።’ ከም ውጽኢት ናይዚ ስምምዕ እዚ ኸኣ ኣንቲከስ ካልኣይ ንሰበይቱ ሎዲስ ፈቲሑ ንበረኒስ “ጓል ንጉስ ደቡብ” ተመርዓዋ። ወዲ ምስ ወለዱ ኸኣ ኣብ ክንዲ ካብ ደቂ ሎዲስ እቲ ካብ በረኒስ እተወለደ ኣብ ዝፋን ሶርያ ወራሲ ዀነ።

20. (ሀ) ‘ቀላጽም’ በረኒስ ክጸንዓ ዘይከኣላ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) በረኒስን “እቶም ዜምጽእዋን” “እቲ . . . ዝደገፋን” ኣሕሊፎም እተዋህቡ ብኸመይ ኢዮም፧ (ሐ) ኣንቲከስ ካልኣይ ‘ቅልጽሙ’ ወይ ሓይሉ ምስ ኣጥፍአ ንጉስ ሶርያ ዝዀነ መን ኢዩ፧

20 ‘ ቅልጽም’ በረኒስ ወይ እቲ ዝድግፋ ዝነበረ ሓይሊ: ኣቦኣ ቶሎሜ ካልኣይ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 246 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሞተ ግን እቲ ምስ ሰብኣያ ዝነበራ ‘ሓይሊ ቅልጽማ ከተጽንዕ’ ኣይከኣለትን። ኣንቲከስ ካልኣይ ነጸጋ: ንሎዲስ እንደገና ተመርዕዩ ኸኣ ንወዶም ወራሲ ገበሮ። ከምቲ ሎዲስ ዝወጠነቶ ኸኣ በረኒስን ወዳን ተቐትሉ። እቶም ንበረኒስ ካብ ግብጺ ናብ ሶርያ ‘ዘምጽእዋ’ ኣገልገልታ እውን ተቐትሉ። ሎዲስ ንኣንቲከስ ካልኣይ እውን ከይተረፈ ብመርዚ ስለ ዝቐተለቶ ‘ቅልጽሙ’ ወይ ሓይሉ እውን እንተ​ዀነ ‘ክቐውም’ ኣይከኣለን። ስለዚ ኸኣ ኣቦኣ ንበረኒስ​—⁠‘እቲ ዝወለዳ’​—⁠ከምኡውን እቲ ንግዜኡ ‘ዝድግፋ’ ዝነበረ ሶርያዊ ሰብኣያ ሞቱ። በዚ ድማ ሴሉከስ ካልኣይ: ወዳ ንሎዲስ: ንጉስ ሶርያ ኰነ። እቲ ቀጺሉ ዝነበረ ካብ መስመር ቶሎሜ ዝመጸ ንጉስከ ነዚ ዅሉ ፍጻመታት ብኸመይ መለሰሉ፧

ሓደ ንጉስ ሕነ ሓብቱ ይፈዲ

21. (ሀ) እቲ ካብ ‘ሱር’ ወለዲ በረኒስ ‘ዝወጸ ውልዶ’ ተባሂሉ ዘሎ መን ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ‘ዝተንስአ፧’ (ለ) ቶሎሜ ሳልሳይ ‘ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ዝኣተወ’ ከምኡውን ‘ድላዩ ዝገበረን ዝሰዓረን’ ብኸመይ ኢዩ፧

21 እቲ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “ካብ ሱራ ዝወጸ ውልዶ ግና ኣብታ ቦታኡ ኺትንስእ እዩ: ንሱ ናብ ሰራዊት ኪመጽእ: ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ኪአቱ: ከም ዝደለየ ኺገብሮምን ኪስዕሮምን እዩ።” (ዳንኤል 11:7) ሓደ ካብ ‘ሱር’ ወለዲ በረኒስ ‘ዝወጸ ውልዶ:’ ሓው ነበራ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ናይ ግብጺ ፈርኦን ቶሎሜ ሳልሳይ ብምዃን ንጉስ ደቡብ ኰይኑ ‘ተንስአ።’ ብኡንብኡ ኸኣ ሕነ ሓብቱ ክፈዲ ወጸ። ኣንጻር እቲ ሎዲስ ንበረኒስን ወዳን ንምቕታል እተጠቕመትሉ ሶርያዊ ንጉስ ሴሉከስ ካልኣይ ብምውጻእ: ኣንጻር “ዕርዲ ንጉስ ሰሜን” ወፈረ። ቶሎሜ ሳልሳይ ነቲ እተዓርደ ቦታታት ኣንቲከስ ተቘጻጸሮ: ንሎዲስ ከኣ ቀተላ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ሰሜን ንምብራቕ ገጹ ብምቕጻል ንባቢሎን ወረራ: ናብ ህንዲ ገጹ ኸኣ ገስገሰ።

22. ቶሎሜ ሳልሳይ ናብ ግብጺ ዝመለሶ ነገር እንታይ ኢዩ: ‘ንሓያሎ ዓመታት ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግአ እተቐመጠኸ’ ስለምንታይ ኢዩ፧

22 ድሕርዚ እንታይ ኰነ፧ እቲ መልኣኽ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ንኣማልኽቶም: ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም: ምስቲ ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ኺማርኾም እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ከኣ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግኤ ኪቕመጥ እዩ።” (ዳንኤል 11:8) ቅድሚ ልዕሊ 200 ዓመታት ፋርሳዊ ንጉስ ካምባይሲስ ካልኣይ ንግብጺ ስዒሩ ነቶም ናይ ግብጺ ኣማልኽቲ ማለት “ፍሱስ ምስልታቶም” ናብ ዓዱ ወሲድዎ ነይሩ ኢዩ። ቶሎሜ ሳልሳይ ነታ ናይ ባቢሎን ናይ ቀደም ቤተ⁠-​መንግስቲ ዝነበረት ሱሳ ብምሓዝ ነቶም ኣማልኽቲ ‘ማሪኹ’ ንግብጺ መለሶም። ብዙሕ “ኽቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም” እውን ማሪኹ ወሰደ። ቶሎሜ ሳልሳይ ነቲ ኣብ ዓዱ እተላዕለ ናዕቢ ንምህዳእ ተወሳኺ ጕድኣት ከየውረደሉ ‘ንሓያሎ ዓመታት ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግአ ተቐመጠ።’

እቲ ሶርያዊ ንጉስ ሕነ ይፈዲ

23. ንጉስ ሰሜን ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ኣትዩ ‘ናብ ሃገሩ እተመልሰ’ ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ንጉስ ሰሜን ነዚ ብኸመይ መለሰሉ፧ ንዳንኤል እዚ ዝስዕብ ተነግሮ:- “ንሱ ድማ ናብ መንግስቲ ንጉስ ደቡብ ኪመጽእ: ግናኸ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።” (ዳንኤል 11:9) ንጉስ ሰሜን​—⁠ሶርያዊ ንጉስ ሴሉከስ ካልኣይ​—⁠ንድሕሪት ተመልሰ። ኣብ “መንግስቲ” ወይ ግዝኣት ግብጻዊ ንጉስ ደቡብ ኣተወ: እንተ​ዀነ ግን ተሳዕረ። ሴሉከስ ካልኣይ ነቶም ዝተረፉ ውሑዳት ሰራዊቱ ሒዙ ኣብ 242 ቅ.ኣ.ዘ. ‘ናብ ሃገሩ’ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሶርያ ዝነበረት ኣንጾክያ ‘ተመልሰ።’ ምስ ሞተ ኸኣ ወዱ ሴሉከስ ሳልሳይ ተክኦ።

24. (ሀ) ንሴሉከስ ሳልሳይ እንታይ ኣጋጠሞ፧ (ለ) እቲ ሶርያዊ ንጉስ ኣንቲከስ ሳልሳይ ‘ቀልጢፉ መጺኡ’ ኣብ ግዝኣት ንጉስ ደቡብ ‘ከም ውሒዝ ውሒዙ ዝሓለፈ’ ብኸመይ ኢዩ፧

24 ብዛዕባ እቲ ካብ ዘርኢ ሶርያዊ ንጉስ ሴሉከስ ካልኣይ ዝነበረ እንታይ ትንቢት ኢዩ እተነግረ፧ እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ከምዚ ኢሉ ነገሮ:- “ደቁ ኸኣ ንውግእ ኪዳለዉ: ኣብዚሖም ዓብዪ ሰራዊት ኪእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ኺመጽእ: ከም ውሒዝ ውሒዙ ኺሐልፍ: ኪምለስ ድማ እዩ: ክሳዕ ዕርዱውን ኪዋጋእ እዩ።” (ዳንኤል 11:10) ሴሉከስ ሳልሳይ ምስ ተቐትለ ግዝኣቱ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ተወድአ። ኣብ ክንድኡ ኸኣ ሓዉ ኣንቲከስ ሳልሳይ ዙፋን ሶርያ ሓዘ። እዚ ወዲ ሴሉከስ ካልኣይ እዚ ኣንጻር እቲ ሽዑ ብቶሎሜ ራብዓይ ቈይሙ ዝነበረ ንጉስ ደቡብ ንምውጋእ ገዚፍ ሰራዊት ኣከበ። እዚ ሓድሽ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜን ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኣንጻር ግብጺ ብምውጋእ ነታ ናይ ሴሉስያ ወደብ: ንኣውራጃ ኮሌ⁠-​ሶርያ: ንኸተማታት ጢሮስን ቶሎማይስን: ከምኡውን ኣብ ከባቢኣ ንዝነበራ ዓድታት ተቘጻጸረን። ንሰራዊት ንጉስ ቶሎሜ ራብዓይ ኣባሪሩ: ንብዙሓት ከተማታት ይሁዳ ሓዘን። ኣብ ጽድያ ናይ 217 ቅ.ኣ.ዘ. ኣንቲከስ ሳልሳይ ንቶሎማይስ ገዲፉ ንሰሜን ገጹ ብምኻድ ናብ ‘ዕርዱ’ ናብ ሶርያ ተመልሰ። እንተ​ዀነ ግን: ድሕሪኡ ቁሩብ ጸኒሑ ለውጢ ክርአ ነበሮ።

እቲ ማዕበል ኣንፈቱ ይቕይር

25. ቶሎሜ ራብዓይ ንኣንቲከስ ሳልሳይ ኣበይ ኢዩ ኲናት ዝገጠመሉ: ነቲ ግብጻዊ ንጉስ ደቡብ ‘ኣብ ኢዱ እተዋህቦኸ’ እንታይ ኢዩ፧

25 ልክዕ ከም ዳንኤል ነቲ መልኣኽ የሆዋ ቀጺሉ ዝብሎ ተሃንጢና ኢና እንሰምዖ:- “እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ኪምረር: ምስኡ: ምስቲ ንጉስ ሰሜን: ኪዋጋእ ኢሉውን ኪመጽእ እዩ። ንሱ ብዙሓት ኬኽትት: እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ኺውሀቡ እዮም።” (ዳንኤል 11:11) ቶሎሜ ራብዓይ ንጉስ ደቡብ 75,000 ዝዀኑ ሰራዊት ሒዙ ኣንጻር ጸላእቱ ንሰሜን ገጹ ወጸ። እቲ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜን ኣንቲከስ ሳልሳይ ከኣ 68,000 ዝኣኽሉ “ብዙሓት” ሰራዊት ሒዙ ኣንጻሩ ደው በለ። እቶም “ብዙሓት” ግን ኣብታ ጥቓ ዶብ ግብጺ ኣብ ገማግም ዝነበረት ከተማ ራፍያ ኣብ እተገብረ ኲናት “ኣብ ኢድ” ንጉስ ደቡብ ‘ተዋህቡ።’

26. (ሀ) ኣብቲ ኣብ ራፍያ እተገብረ ውግእ ንጉስ ደቡብ ዝወሰዶም “ብዙሓት” እንታዎት ኢዮም: ኣብኡኸ ከመይ ዝበለ ናይ ሰላም ስምምዕ ኢዮም ዝገበሩ፧ (ለ) ቶሎሜ ራብዓይ ‘ዘይበርትዐ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ሐ) ቀጺሉ ንጉስ ደቡብ መን ኰነ፧

26 እቲ ትንቢት ከምዚ ብምባል ይቕጽል:- “ነቶም ብዙሓት ኪወስዶም: ልቡ ኸኣ ኪዕበ: ኣእላፋትውን ኬውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይኪብርትዕን እዩ።” (ዳንኤል 11:12) ቶሎሜ ራብዓይ ንጉስ ደቡብ 10,000 ኣጋር ሰራዊትን 300 ፈረሰኛታትን ቀተለ: 4,000 ኸኣ እሱራት ገይሩ ወሰደ። ድሕርዚ እቶም ነገስታት ስምምዕ ገበሩ: ኣንቲከስ ሳልሳይ ንፊኒሽያን ንኮሌ⁠-​ሶርያን ገዲፉ ንወደብ ሴሉስያ ጥራይ ክሕዝ ተሰማምዑ። እዚ ዓወት እዚ ብምርካቡ ልቢ እቲ ግብጻዊ ንጉስ ደቡብ ብፍላይ ኣንጻር የሆዋ ‘ተዓበየ።’ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ቶሎሜ ራብዓይ ኰይና ቀጸለት። ይኹን እምበር: ‘ብርታዔኡ’ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜን ዝረኸቦ ዓወት ንኽዕቅብ ኣይተጠቐመሉን። ኣብ ክንድኡስ ቶሎሜ ራብዓይ ኣብ ሕሱር ዝዀነ ኣነባብራ ስለ ዝወደቐ እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወዱ ቶሎሜ ሓሙሻይ ቀጺሉ ዝመጸ ንጉስ ደቡብ ኰነ: እዚ ኸኣ ቅድሚ ሞት ኣንቲከስ ሳልሳይ ገለ ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ኢዩ።

እቲ ጨቋኒ ይምለስ

27. ንጉስ ሰሜን ነቲ ብግብጺ እተታሕዞ ቦታታት ንምምላስ ‘ኣብ መወዳእታ ዘመናት ዝመጸ’ ብኸመይ ኢዩ፧

27 ኣንቲከስ ሳልሳይ በቲ ዝገበሮ ዅሉ ጅግንነት ኣንቲከስ ዓቢ ተባሂሉ ተጸውዐ። ብዛዕብኡ እቲ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “እቲ ንጉስ ሰሜን ኪምለስ: ካብቲ ናይ ቅድም ዚበዝሑ ብዙሓት ከኣ ኬኽትት እዩ። ኣብ መወዳእታ ዘመናትን ዓመታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ኺመጽእ እዩ።” (ዳንኤል 11:13) እዘን ‘ዘመናት’ ተባሂለን ዘለዋ ካብቲ ግብጻውያን ንሶርያውያን ኣብ ራፍያ ዝሰዓርሉ ግዜ 16 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዓመታት ማለት ኢየን። እቲ መንእሰይ ዝነበረ ቶሎሜ ሓሙሻይ ንጉስ ደቡብ ምስ ኰነ: ኣንቲከስ ሳልሳይ “ካብቲ ናይ ቅድም ዚበዝሑ ብዙሓት” ሰራዊት ሒዙ ነቲ ግብጻዊ ንጉስ ደቡብ ዝወሰዶ ቦታታት ከምልስ ወጸ። ነዚ ንምግባር ከኣ ምስ ሰራዊት ፊሊፕ ሓሙሻይ ንጉስ ማሴዶንያ ሓበረ።

28. እቲ መንእሰይ ንጉስ ደቡብ እንታይ ጸገማት ኢዩ ዝነበሮ፧

28 ንጉስ ደቡብ ኣብ ማእከል መንግስቱ እውን ሽግር ነይርዎ ኢዩ። እቲ መልኣኽ “በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ኪትንስእዎ እዮም” በለ። (ዳንኤል 11:⁠14ሀ) ‘ብዙሓት ንንጉስ ደቡብ ተንሲኦምዎ’ ኢዮም። እዚ መንእሰይ ዝነበረ ንጉስ ደቡብ ምስ ሓይልታት ኣንቲከስ ሳልሳይን ተሓባባሪኡ ንጉስ ማሴዶንያን ምውጋእ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዓዱ ኣብ ግብጺ እውን ጸገማት ነይርዎ ኢዩ። እቲ ብስሙ ዝገዝእ ዝነበረ ኣጋታክልስ ዝበሃል ሓላዊኡ ምስ ግብጻውያን ስለ እተሃላለኸ መብዛሕትኦም ኣንጻሩ ዓለዉ። እቲ መልኣኽ ወሲኹ “ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጸኛታት ነቲ ራእይ ኪፍጽሙስ ልዕል ኪብሉ: ግናኸ ኪወድቁ እዮም” ይብል። (ዳንኤል 11:⁠14ለ) ገለ ካብ ህዝቢ ዳንኤል እውን ከይተረፉ “ዓመጸኛታት” ወይ ዓለወኛታት ኰይኖም ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ኣይሁዳውያን ንዓዶም ካብ ግዝኣት ኣህዛብ ናጻ ንምውጻእ ዝረኣይዎ ዝዀነ ይኹን “ራእይ” ሓሶት ኢዩ ነይሩ: ክፈሽል ወይ ‘ክወድቕ’ ድማ ነበሮ።

29, 30. (ሀ) “ቀላጽም ደቡብ” ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ንጉስ ሰሜን ዝወደቓ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) ንጉስ ሰሜን ኣብታ “ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም” ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

29 መልኣኽ የሆዋ ወሲኹ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እቲ ንጉስ ሰሜን ኪመጽእ: ክቢ ኺሰርሕ: ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ኪሕዛ እዩ። ቀላጽም ደቡብ ኣይኪጸንዕን: እቶም ሕሩያት ህዝቡ ኸኣ ንምቅዋም ዚኸውን ሓይሊ የብሎምን። እቲ ዚመጾ ግና ከም ዝደለዮ ኺገብር እዩ: ዚቃወሞ ኸኣ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም: ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ኪኸውን እዩ።”​—⁠ዳንኤል 11:15, 16

30 እቲ ኣብ ትሕቲ ቶሎሜ ሓሙሻይ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወይ “ቀላጽም ደቡብ” ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ንጉስ ሰሜን ወደቐ። ኣብ ፓኒስ (ቂሳርያ ፊልጲ) ኣንቲከስ ሳልሳይ ነቲ ናይ ግብጺ ጀነራል ስኮፓስ ከምኡውን 10,000 ምሩጻት ወይ “ሕሩያት” ሰቡ ናብታ “ዕርድቲ ኸተማ” ሲዶን ገጹ ኣባረሮም። ኣብኡ ድማ ኣንቲከስ ሳልሳይ ‘ክቢ ሰርሐ:’ ኣብ 198 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ ነታ ናይ ፊኒሽያ ወደብ ተቘጻጸራ። እቶም ሰራዊት ናይቲ ግብጻዊ ንጉስ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብሉ ስለ ዘይከኣሉ ድማ “ከም ዝደለዮ ኺገብር” ጀመረ። ድሕርዚ ኣንቲከስ ሳልሳይ ናብታ ርእሲ ኸተማ ናይታ “ኽብርቲ ሃገር” ማለት ይሁዳ ዝነበረት የሩሳሌም ገጹ ገስገሰ። ኣብ 198 ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌምን ይሁዳን ካብ ትሕቲ ግብጻዊ ንጉስ ደቡብ ወጺአን ኣብ ትሕቲ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜን ኣተዋ። ኣንቲከስ ሳልሳይ ንጉስ ሰሜን ከኣ “ኣብታ ኽብርቲ ሃገር ኪቐውም” ጀመረ። ንዅሎም እተጻረርዎ ኣይሁዳውያንን ግብጻውያንን ንምጽራግ ‘ኣብ ኢዱ ጥፍኣት’ ነበረ። እዚ ንጉስ ሰሜን እዚ ከም ዝደለዮ ምግባር ዝቕጽል ክሳዕ መዓስ ኢዩ፧

ሮሜ ነቲ ጨቋኒ ትገትኦ

31, 32. ንጉስ ሰሜን ምስ ንጉስ ደቡብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሰላም ‘ስምምዕ’ ዝገብር ስለምንታይ ኢዩ፧

31 መልኣኽ የሆዋ እዚ ዝስዕብ መልሲ ይህበና:- “[ንጉስ ሰሜን] ምስ ሓይሊ ዅሉ መንግስቱ ኺመጽእ: ኪሰማማዕ ኢሉ ኸኣ ገጹ ኺመልስ እዩ። ምእንቲ ኼጥፍኣ: ጓል ኣንስተይቲ ኺህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን: ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ።”​—⁠ዳንኤል 11:17

32 ኣንቲከስ ሳልሳይ ንጉስ ሰሜን “ምስ ሓይሊ ዅሉ መንግስቱ” ንግብጺ ንምዕብላል ‘ገጹ መለሰ።’ እንተ​ዀነ ግን: ምስ ቶሎሜ ሓሙሻይ ንጉስ ደቡብ ሰላም ክገብር ‘ተሰማምዐ።’ እቲ ሮሜ ዘቕረበቶ ጠለብ ንኣንቲከስ ሳልሳይ ውጥናቱ ከም ዝቕይር ገበሮ። ንሱን ፊሊፕ ሓሙሻይ ንጉስ ማሴዶንያን ነቲ መንእሰይ ንጉስ ግብጺ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ቦታታት ንምሓዝ ሕብረት ምስ ገበሩ: ሓለውቲ ቶሎሜ ሓሙሻይ ካብ ሮሜ ሓገዝ ሓተቱ። ሮሜ ነቲ ኣብ ካልእ ቦታታት እትገብሮ ጽልዋ ንምስፋሕ ነቲ ኣጋጣሚ ንኽትጥቀመሉ ቀላጽማ ዘርግሐት።

33. (ሀ) ኣንቲከስ ሳልሳይን ቶሎሜ ሓሙሻይን እተሰማምዕሉ ነጥብታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ዕላማ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልዮፓትራ ቀዳመይትን ቶሎሜ ሓምሻይን እተገብረ መውስቦ እንታይ ነበረ: እቲ ውዲት ዝፈሸለኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

33 ኣንቲከስ ሳልሳይ ብጸቕጢ ሮሜ ምስ ንጉስ ደቡብ ናይ መሰማምዒ ነጥቢ ኣቕረበ። ኣንቲከስ ሳልሳይ ከምቲ ሮሜ ዘቕረበቶ ጠለብ ነቲ እተታሕዘ ቦታታት ኣብ ክንዲ ምግዳፍ ነታ “ጓል ኣንስተይቲ” ተባሂላ ዘላ ጓሉ ክልዮፓትራ ቀዳመይቲ ንቶሎሜ ሓሙሻይ ከም እትምርዖ ብምግባር ስማዊ ምምላስ ናይቲ ቦታታት ክገብር መደበ። ነታ “ኽብርቲ ሃገር” ተባሂላ ዘላ ይሁዳ እውን ሓዊስካ ገለ ቦታታት ከም ገዝሚ ክህቦ ነበሮ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ 193 ቅ.ኣ.ዘ. እተገብረ መርዓ እቲ ሶርያዊ ንጉስ ነዚ ቦታታት እዚ ንቶሎሜ ሓሙሻይ ኣይሃቦን። እዚ ንግብጺ ኣብ ትሕቲ ሶርያ ከም እትግዛእ ዝገብር ፖለቲካዊ መርዓ ኢዩ ነይሩ። እንተ​ዀነ ግን: ክልዮፓትራ ቀዳመይቲ ዳሕራይ ምስ ሰብኣያ ብምውጋና ‘ንዕኡ ስለ ዘይኰነት’ እቲ ውጥን ፈሸለ። ኣብ መንጎ ኣንቲከስ ሳልሳይን ሮማውያንን ኲናት ምስ ተኸፍተ: ግብጺ ምስ ሮሜ ወገነት።

34, 35. (ሀ) ንጉስ ሰሜን ናብ ኣየኖት “ደሴታት” ኢዩ ገጹ ዝመለሰ፧ (ለ) ሮሜ ነቲ ካብ ንጉስ ሰሜን ዝመጽእ ዝነበረ ‘ጸርፊ’ መወዳእታ ዝገበረትሉ ብኸመይ ኢያ፧ (ሐ) ኣንቲከስ ሳልሳይ ብኸመይ ኢዩ ዝሞተ: ቀጺሉኸ ንጉስ ሰሜን መን ኰነ፧

34 እቲ መልኣኽ ብዛዕባ ፍሽለት ንጉስ ሰሜን ወሲኹ ከምዚ በለ:- “ድሕርዚ [ኣንቲከስ ሳልሳይ] ገጹ ናብ ደሴታት ኪመልስ: ካብኣተን ከኣ ብዙሓት ኪወስድ እዩ። ሓደ መስፍን [ሮሜ] ግና ነቲ ጸርፉ [ናይ ኣንቲከስ ሳልሳይ] ኼትርፎ: ኤረ [ሮሜ] ናብ ርእሱ ኺመልሰሉ እዩ። [ኣንቲከስ ሳልሳይ] ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ኺመልስ: ኪሕንኰልን ኪወድቕን እዩ: ኣይኪርከብን ከኣ እዩ።”​—⁠ዳንኤል 11:⁠18, 19

35 እተን “ደሴታት” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ ማሴዶንያ: ግሪኽ: ከምኡውን ንእሽቶ እስያ ዝርከባ ኢየን። ኣብ 192 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ግሪኽ ኲናት ተላዕለ: ኣንቲከስ ሳልሳይ ከኣ ናብ ግሪኽ ክምለስ ተገደደ። እቲ ሶርያዊ ንጉስ ተወሳኺ ቦታታት ክሕዝ ይጽዕር ብምንባሩ ሮሜ ተቘጢዓ ኣብ ልዕሊኡ ኲናት ኣወጀት። ኣብ ቴርሞፓይሊ ኸኣ ብሮማውያን ተሳዕረ። ኣብ 190 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኲናት ማግኒዥያ ምስ ተሳዕረ ዳርጋ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ ነቲ ኣብ ግሪኽ: ንእሽቶ እስያ: ኣብ ምዕራባዊ ወገን ከረን ቶራስ ዝነበረ ቦታታት ገደፎ። ሮሜ ኣብ ልዕሊ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜን ብዙሕ ግብሪ ብምጽዓን ተቘጻጸረቶ። ኣንቲከስ ሳልሳይ ካብ ግሪኽን ንእሽቶ እስያን ተሰጒጉ: ዳርጋ ዝነበርኦ ኵለን መራኽብ ውግእ ስለ ዝጠፍኣ “ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ:” ሶርያ ‘መለሰ።’ ሮማውያን ነቲ ዘውረደሎም ‘ጸርፊ ናብ ርእሱ መለስሉ።’ ኣንቲከስ ሳልሳይ ካብቲ ኣብ ኤልያሚስ: ፋርስ: ዝነበረ ቤት መቕደስ ክዘምት እናፈተነ ኸሎ ኣብ 187 ቅ.ኣ.ዘ. ሞተ። ስለዚ ኸኣ ‘ወደቐ’ ወይ ሞተ: ወዱ ሴሉከስ ራብዓይ ከኣ እቲ ቐጺሉ ዝነበረ ንጉስ ሰሜን ብምዃን ተክኦ።

እቲ ዘይምቅዳው ይቕጽል

36. (ሀ) ንጉስ ደቡብ ነቲ ቃልሲ ብኸመይ ኢዩ ክቕጽሎ ዝፈተነ: እንተ​ዀነ ግን እንታይ ኣጋጠሞ፧ (ለ) ሴሉከስ ራብዓይ ብኸመይ ወደቐ: መንከ ተክኦ፧

36 ቶሎሜ ሓሙሻይ ንጉስ ደቡብ ነቲ ንክልዮፓትራ ከም ገዝሚ እተዋህበ ግዝኣት ክወስዶ ክጽዕር ከሎ ሃንደበት ብስሚ ምስ ተቐትለ ኵሉ ጻዕሩ ፈሸለ። ቶሎሜ ሻድሻይ ከኣ ንዕኡ ተኪኡ ነገሰ። ሴሉከስ ራብዓይከ እንታይ ኰነ፧ ነቲ ሮሜ ኣብ ልዕሊኡ ዝጸዓነቶ ብዙሕ ግብሪ ንምኽፋል ነቲ ተሓዝ መዝገቡ ዝነበረ ሂልዮዶራስ ናብቲ ኣብ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ተቐሚጡ ኣሎ ዝበሃል ዝነበረ ብዙሕ ሃብቲ ከይዱ ከምጽኣሉ ልኣኾ። ሂልዮዶራስ ስልጣን ክሕዝ ይደሊ ብምንባሩ ንሴሉከስ ራብዓይ ቀተሎ። እንተ​ዀነ ግን: ንጉስ ዩመኒዝ ናይ ጴርጋሞስን ሓዉ ኣታላስን: ንሓው እቲ እተቐትለ ንጉስ ማለት ኣንቲከስ ራብዓይ ከንግስዎ ደለዩ።

37. (ሀ) ኣንቲከስ ራብዓይ ካብ የሆዋ ኣምላኽ እውን ዝሕይል ምዃኑ ከርኢ ዝፈተነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣንቲከስ ራብዓይ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ከም እትረክስ ምግባሩ ናብ ምንታይ ኢዩ ዘምርሐ፧

37 እዚ ሓድሽ ንጉስ ሰሜን: ኣንቲከስ ራብዓይ: ካብ ኣምላኽ እውን ከይተረፈ ከም ዝሕይል ንኸርኢ ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ኣምልኾ ስርዓት ከጥፍኦ ፈተነ። ንየሆዋ ብምንዓቕ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስ ንዜስ ወይ ጁፒተር ወፈያ። ኣብ ታሕሳስ 167 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዝርከብ ንየሆዋ መዓልታዊ መስዋእቲ ምሕራር ዝቐርበሉ ዝነበረ ዓቢ መሰውኢ: ናይ ኣረማውያን መሰውኢ ኣቘመ። ዓሰርተ መዓልቲ ጸኒሑ ኣብቲ ናይ ኣረማውያን መሰውኢ ንዜስ መስዋእቲ ኣቕረበ። እዚ ምርካስ እዚ ኸኣ ነቶም ኣይሁዳውያን ኣብ ትሕቲ መቃባውያን ኰይኖም ከም ዝዓልዉ ገበሮም። ኣንቲከስ ራብዓይ ንሰለስተ ዓመት ተዋግኦም። ኣብ 164 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ዝኽረ⁠-​ዓመት ምርካስ: ይሁዳ መቃቢ ነታ ቤት መቕደስ እንደገና ንየሆዋ ወፈያ: በዓል ምሕዳስ​—⁠ሃኑካህ​—⁠ከኣ ተገብረ።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠22

38. ናይ መቃባውያን ግዝኣት ብኸመይ ኢዩ እተወድአ፧

38 እቶም መቃባውያን ኣብ 161 ቅ.ኣ.ዘ. ምስ ሮሜ ስምምዕ ገበሩ: ኣብ 104 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ መንግስቲ መስረቱ። እቲ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ሶርያዊ ንጉስ ሰሜንን ዝነበረ ምስሕሓብ ግን ቀጺሉ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ሮሜ ክትዓርቕ ተጸውዐት። ሮማዊ ጀነራል ንየስ ፖምፔ ንየሩሳሌም ንሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ከበባ ኣብ 63 ቅ.ኣ.ዘ. ሓዛ። ኣብ 39 ቅ.ኣ.ዘ. ኸኣ እቲ ናይ ሮሜ ላዕለዋይ ባይቶ ንሄሮድ ኤዶማዊ ንጉስ ይሁዳ ክኸውን ሸሞ። ነቲ ናይ መቃባውያን ግዝኣት ከም ዝውዳእ ብምግባር ከኣ ኣብ 37 ቅ.ኣ.ዘ. ንየሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ገበራ።

39. ንዳንኤል 11:⁠1-19 ብምምርማርካ እንታይ ረብሓ ረኺብካ፧

39 እቲ ናይ መጀመርታ ክፋል ናይቲ ብዛዕባ እቶም ዘይቃደዉ ክልተ ነገስታት ዝዛረብ ትንቢታት ብዝርዝር ተፈጺሙ ምርኣይሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ! እቲ ትንቢታዊ መልእኽቲ ንዳንኤል ምስ ተዋህቦ ገለ 500 ዓመታት ዝኸውን ጸኒሑ ንእተፈጸመ ታሪኽ ኣጸቢቕካ ክትምርምርን ነቶም ቦታ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝሓዙ ነገስታት ከተለልዮምን ብሓቂ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ! ይኹን እምበር: ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋንን ክሳዕ ሕጅን እቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ነገስታት ዝነበረ ኲናት ክቕጽል ከሎ እቲ ፖለቲካዊ መንነቶም እውን ይቀያየር ኢዩ። ንታሪኻዊ ምዕባለታት ምስቲ ኣብዚ ትንቢት እዚ ተገሊጹ ዘሎ ዘደንጹ ዝርዝር ሓሳብ ብምዝማድ: እዞም ኣብ መንጎኦም ቅርሕቲ ዘለዎም ክልተ ነገስታት እንታዎት ምዃኖም ክንፈልጦም ንኽእል ኢና።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• ካብተን ናይ ግሪኽ መንግስታት እንታይ ክልተ ሓያላት መስመር ነገስታት ኢዮም ዝወጹ: እቶም ነገስታትከ እንታይ ቃልሲ ኢዮም ዝጀመሩ፧

• ኣብ ዳንኤል 11:⁠6 ኣቐዲሙ ተገሊጹ ከም ዘሎ እቶም ክልተ ነገስታት ኣብ ‘ስምምዕ’ ዝበጽሑ ብኸመይ ኢዮም፧

• ኣብ መንጎ እዞም ዝስዕቡ ነገስታት እቲ ግጭት ብኸመይ ኢዩ ዝቐጸለ:-

ሴሉከስ ካልኣይን ቶሎሜ ሳልሳይን (ዳንኤል 11:​7-9)

ኣንቲከስ ሳልሳይን ቶሎሜ ራብዓይን (ዳንኤል 11:10-​12)

ኣንቲከስ ሳልሳይን ቶሎሜ ሓሙሻይን (ዳንኤል 11:13-​16)

• ዕላማ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልዮፓትራ ቀዳመይትን ቶሎሜ ሓሙሻይን እተገብረ መውስቦ እንታይ ኢዩ: እቲ ውዲት ዝፈሸለኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ዳንኤል 11:17-​19)

• ነቲ ኣብ ዳንኤል 11:​1-​19 ዘሎ ጸብጻብ ስለ ዘቕለብካሉ እንታይ ረብሓ ረኺብካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 228 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ኣብ ዳንኤል 11:5-19 ተጠቒሶም ዘለዉ ነገስታት

ንጉስ ንጉስ

ሰሜን ደቡብ

ዳንኤል 11:5 ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር ቶሎሜ ቀዳማይ

ዳንኤል 11:6 ኣንቲከስ ካልኣይ ቶሎሜ ካልኣይ

(በዓልቲ ቤቱ ሎዲስ) (ጓሉ በረኒስ)

ዳንኤል 11:7-9 ሴሉከስ ካልኣይ ቶሎሜ ሳልሳይ

ዳንኤል 11:10-12 ኣንቲከስ ሳልሳይ ቶሎሜ ራብዓይ

ዳንኤል 11:13-19 ኣንቲከስ ሳልሳይ ቶሎሜ ሓሙሻይ

(ጓሉ ክልዮፓትራ ቀዳመይቲ) ዝተክኦ:-

ዝተክኦ:- ቶሎሜ ሻድሻይ

ሴሉከስ ራብዓይን

ኣንቲከስ ራብዓይን

[ስእሊ]

ምስሊ ቶሎሜ ካልኣይን በዓልቲ ቤቱን ዝሓዘ ሳንቲም

[ስእሊ]

ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር

[ስእሊ]

ኣንቲከስ ሳልሳይ

[ስእሊ]

ቶሎሜ ሻድሻይ

[ስእሊ]

ቶሎሜ ሳልሳይን ንዕኡ ዝተክኡ ነገስታትን ኣብ ኢድፉ: ላዕላይ ግብጺ: ነዚ ቤት መቕደስ ሆራስ ሰርሑ

[ኣብ ገጽ 216, 217 ዘሎ ካርታ/ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

እቲ “ንጉስ ሰሜን” ከምኡውን “ንጉስ ደቡብ” ዝብል ስያመታት ነቶም ብወገን ሰሜንን ደቡብን ሃገረ ህዝቢ ዳንኤል ዝነበሩ ነገስታት ዘመልክት ኢዩ

ማሴዶንያ

ግሪኽ

ንእሽቶ እስያ

እስራኤል

ሊብያ

ግብጺ

ኢትዮጵያ

ሶርያ

ባቢሎን

ዓረብ

[ስእሊ]

ቶሎሜ ካልኣይ

[ስእሊ]

ኣንቲከስ ዓቢ

[ስእሊ]

ኣንቲከስ ዓቢ ዘውጽኦ ወግዓዊ ኣዋጅ ዝሓዘ ጸፊሕ እምኒ

[ስእሊ]

ምስሊ ቶሎሜ ሓሙሻይ ዝሓዘ ሳንቲም

[ስእሊ]

ኣብ ካርናክ: ግብጺ: ዘሎ ኣፍ ደገ ቶሎሜ ሳልሳይ

[ኣብ ገጽ 210፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 215 ዘሎ ስእሊ]

ሴሉከስ ቀዳማይ ኔክተር

[ኣብ ገጽ 218 ዘሎ ስእሊ]

ቶሎሜ ቀዳማይ