ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ

ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ

ምዕራፍ ሽዱሽተ

ንምስጢር እታ ዓባይ ኦም ምቕላዕ

1. ንጉስ ነቡካድነጻር እንታይ ኣጋጠሞ: እዚኸ እንታይ ሕቶታት የልዕል፧

 የሆዋ ንንጉስ ነቡካድነጻር ናይ ዓለም ገዛኢ ክኸውን ኣፍቂድሉ ኢዩ። ከም ንጉስ ባቢሎን መጠን ብዙሕ ሃብቲ: ስቡሕ መኣዲ: ዓቢ ቤተ⁠-​መንግስቲ: ኰታ ብስጋዊ ነገራት ዝመጸ ዝደልዮ ኵሉ ነይርዎ ኢዩ። ሃንደበት ግን ተዋረደ። ነቡካድነጻር ኣእምሮኡ ስለ እተዘናበለ ከም ኣራዊት ኰነ! ካብቲ ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ መኣድን መንበርን ተሰጒጉ ኣብ መሮር ክነብር ጀመረ: ከም ብዕራይ ከኣ ሳዕሪ በልዐ። እዚ ዅሉ መከራ ዝወረዶ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንዓና ከገድሰና ዘለዎኸ ስለምንታይ ኢዩ፧​—ምስ እዮብ 12:17-​19፣ መክብብ 6:​1, 2 ኣረኣእዮ።

እቲ ንጉስ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክብ የብል

2, 3. ንጉስ ባቢሎን ንተገዛእቱ እንታይ ኢዩ እተመነየሎም: ነቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽከ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝረኣዮ፧

2 ነቡካድነጻር ካብቲ ዘጋጠሞ ኣእምሮኣዊ ምዝንባል ምሉእ ብምሉእ ምስ ሓወየ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ናብ ብምልኡ ግዝኣቱ ፍሉይ ጸብጻብ ለኣኸ። ናይቲ ዘጋጠመ ልክዕ ጸብጻብ ንኽምዝግብ የሆዋ ንነብዪ ዳንኤል ብመንፈስ ደረኾ። በዚ ዝስዕብ ቃላት ከኣ ይጅምር:- “ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኵሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን: ሰላም ይብዛሕኩም። እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ አሎ። ትእምርትታቱ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ: ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ: ግዝኣቱ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።”​—⁠ዳንኤል 4:⁠1-3

3 ተገዛእቲ ነቡካድነጻር ኣብ “ብዘላ ምድሪ” ኢዮም ነይሮም: ከመይሲ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ንመብዛሕትኡ ናይታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ዓለም ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። እቲ ንጉስ ብዛዕባ ኣምላኽ ዳንኤል “መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ” በለ። እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየን ንየሆዋ ኣብ ብምልኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ባቢሎን ክብ ኢሉ ከም ዝርአ ዝገበርኦ! ኣብ ርእሲ እዚ: ነቡካድነጻር መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ “ንዘለኣለም” ከም እትቐውም ካልኣይ ግዜኡ ኢዩ ዝገልጽ ዘሎ።​—⁠ዳንኤል 2:⁠44

4. እቲ የሆዋ ኣብ ጕዳይ ነቡካድነጻር ዝገበሮ “ትእምርትን ተኣምራትን” ብኸመይ ኢዩ ዝጀመረ፧

4 “እቲ ልዑል ኣምላኽ” እንታይ “ትእምርትን ተኣምራትን” ኢዩ ዝገበረ፧ እዚ ብናይቲ ንጉስ ብሕታዊ ተመክሮ ኢዩ ዝጅምር: ብኸምዚ ዝስዕብ ቃላት ከኣ ተገሊጹ ኣሎ:- “ኣነ ነቡካድነጻር: ኣብ ቤተይ ዐሪፈ: ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበርኩ። ዜሰምብደኒ ሕልሚ ርኤኹ: ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ: ሓሳባትን ራእያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ።” (ዳንኤል 4:⁠4, 5) ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባ እዚ ዝርብሽ ሕልሚ እዚ እንታይ ገበረ፧

5. ነቡካድነጻር ንዳንኤል ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ ዝነበረ: ስለምንታይከ፧

5 ነቡካድነጻር ንጠቢባን ባቢሎን ጸዊዑ ነቲ ሕልሚ ነገሮም። ክፈልጥዎ ግን ኣይከኣሉን! ክትርጕምዎ ፈጺሞም ኣይከኣሉን። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ: መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ አተወ: ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ኸምዚ ኢለ ተዛረብኩ” ይብል። (ዳንኤል 4:⁠6-8) ዳንኤል ኣብቲ ቤተ⁠-​መንግስቲ ቤልጥሻጽር ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ: እቲ ንጉስ “ኣምላኸይ” ኢሉ ዝጸውዖ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ከኣ ቤል: ኔቦ ወይ ማርዱክ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቡካድነጻር ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኽ ብምንባሩ: ንዳንኤል “መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ” ከም ዘለዎ ገይሩ ረኣዮ። ዳንኤል ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጠቢባን ባቢሎን ተሸይሙ ብምንባሩ እቲ ንጉስ “ሊቀ ጠቢባን” ኢሉ ጸውዖ። (ዳንኤል 2:⁠48፣ 4:⁠9፣ ምስ ዳንኤል 1:⁠20 ኣረኣእዮ።) እቲ እሙን ዝነበረ ዳንኤል ኣብ ጥንቍልና ክኣቱ ኢሉ ኣምልኾ የሆዋ ከም ዘይጠንጠነ ግን ርግጽ ኢዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 19:⁠26፣ ዘዳግም 18:⁠10-12

ሓንቲ ዓባይ ኦም

6, 7. ነቲ ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ ዝረኣዮ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

6 እቲ ንጉስ ባቢሎን ዝርኣዮ ዘፍርህ ሕልሚ ትሕዝቶኡ እንታይ ነበረ፧ ነቡካድነጻር ከምዚ በለ:- “እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርኤኽዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ: እንሆ: ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹ: ቍመታ ኸኣ ነዋሕ እያ። እታ ኦም ዐብያን በርቲዓን: ቍመታ ኽሳዕ ሰማይ በጺሑ: ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርኤ ነበረት። ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ: እቲ ፍሬኣ ብዙሕ: ንዅሉ ኸኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን: ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፊረን ነበራ: ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።” (ዳንኤል 4:⁠10-12) ነቡካድነጻር ነቲ ዓበይቲ ጽሕዲ ሊባኖስ ይፈትዎን ክርእዮ ይኸይድን ከምኡውን ከም ዕንጨይቲ ክጥቀመሉ ናብ ባቢሎን የምጽእ ምንባሩ ይንገር። ከምታ ኣብ ሕልሙ ዝረኣያ ዓይነት ኦም ግን ፈጺሙ ርእዩ ኣይፈልጥን ኢዩ። “ኣብ ማእከል ምድሪ” ጕሉሕ ዝዀነ ቦታ ነበራ: ኣብ ኵላ ምድሪ ትርአ: ኣዝያ ፈራዪት ብምንባራ ኸኣ ንዅሉ ስጋ ዘበለ ትምግብ ነበረት።

7 እቲ ሕልሚ ካልእ እውን ነይርዎ ኢዩ: ነቡካድነጻር ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “እንሆ: በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ: ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ኻብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱ ኸኣ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን: ነዛ ኦም ቍረጽዋ: ጨናፍራ ጸልጽሉ: ቈጽላ ኣርግፉ: ፍሬኣ በትኑ: እተን እንስሳ ኻብ ትሕቲኣ: እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ። ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ: ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ: ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ: ምስ እንስሳ ኸኣ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።”​—⁠ዳንኤል 4:⁠13-15

8. እቲ “ሓላዊ” እንታዋይ ኢዩ ነይሩ፧

8 ባቢሎናውያን ብዛዕባ ጥዑያትን ክፉኣትን መናፍስቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖታዊ ኣምር ነይርዎም ኢዩ። እዚ ካብ ሰማይ ዝወርድ “ሓላዊ” ግን እንታዋይ ኢዩ፧ “ቅዱስ” ተባሂሉ ስለ ዘሎ ንኣምላኽ ዝውክል ጻድቕ መልኣኽ ክኸውን ኣለዎ። (ምስ መዝሙር 103:⁠20, 21 ኣረኣእዮ።) እቲ ንነቡካድነጻር ኣጨኒቕዎ ክኸውን ዝኽእል ሕቶታት እሞ ሕሰቦ! እዛ ኦም እዚኣ ስለምንታይ ኢያ እትቝረጽ፧ ነቲ ጕንዲ ሱራታ ብሓጺንን ኣስራዝን ኣሲርካ ከም ዘይጥጥዕ ምግባሩ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧ ጕንዲ ጥራይ ተሪፍዋኸ እንታይ ኢዩ ክኸውን፧

9. ብመሰረቱ እቲ ሓላዊ እንታይ ኢዩ ዝበለ: እንታይ ሕቶታትከ ይለዓል፧

9 ነቡካድነጻር እዚ ስዒቡ ዘሎ ቃላት ናይቲ ሓላዊ ምስ ሰምዐ ምሉእ ብምሉእ ደንጺዎ ክኸውን ኣለዎ:- “ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ: ልቢ እንስሳ ኸኣ ይወሀቦ: ሾውዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ። እቶም ህያዋንሲ: እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ኸም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ: ኤረ ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ ደኣ ልዕል ከም ዜብሎ ምእንቲ ኺፈልጡ: እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ: እዚ ነገር እዚውን እቶም ቅዱሳን ዝአዘዝዎ እዩ።” (ዳንኤል 4:⁠16, 17) ጕንዲ ሱር ናይ ሓንቲ ኦም ኣብ ውሽጡ እትወቅዕ ልቢ ሰብ የብሉን። ስለዚ ነቲ ጕንዲ ሱር ናይታ ኦም ከመይ ኢሉ ኢዩ ልቢ እንስሳ ክወሃቦ ዝኽእል፧ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” እንታይ ኢየን፧ እዚ ዅሉ ንግዝኣት “መንግስቲ ሰብ” ዝምልከት ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ ብርግጽ ነቡካድነጻር ብዛዕባ እዚ ክፈልጥ ደልዩ ነይሩ ኢዩ።

እቲ ንጉስ ዝሰምዖ ሕማቕ ወረ

10. (ሀ) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣእዋም ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧ (ለ) እታ ዓባይ ኦም ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

10 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሕልሚ ምስ ሰምዐ መጀመርታ ደንጸዎ: ደሓር ግን ፈርሀ። ነቡካድነጻር ክገልጸሉ ምስ ደፋፍኦ ግን እቲ ነብዪ ከምዚ በለ:- “ጐይታየ: እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻ: ትርጓሜኡ ኸኣ ንተጻረርትኻ ይኹን። እታ ዝርኤኻያ ኦም: እታ ዝዐበየትን ዝበርትዔትን . . . ዝዐቤኻን ዝበርታዕካን: ዕቤትካ እናዐበየ ኽሳዕ ሰማይ: ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሔስ ንስኻ ኢኻ: ዎ ንጉስ።” (ዳንኤል 4:⁠18-22) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣእዋም ንውልቀ⁠-​ሰባት: ገዛእቲ: ወይ ንመንግስታት ከመልክት ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 1:3፣ ኤርምያስ 17:7, 8፣ ህዝቅኤል ምዕራፍ 31) ነቡካድነጻር ከምታ ኣብ ሕልሙ ዝረኣያ ዓባይ ኦም ከም መራሒ ናይ ሓንቲ ሓይሊ ዓለም መጠን ‘ዝዓበየን ዝበርትዐን’ ኰነ። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ንዅሉ መንግስቲ ሰብ ዘመልክት ‘ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሐ ግዝኣት’ በታ ዓባይ ኦም ኢዩ ተመሲሉ ዘሎ። ስለዚ ኸኣ እታ ኦም ብፍላይ ንምድሪ ዝምልከት ኣድማሳዊ ሉዓላውነት የሆዋ እተመልክት ኢያ።​—⁠ዳንኤል 4:⁠17

11. እቲ ንጉስ ዝረኣዮ ሕልሚ ዘዋርድ ለውጢ ከም ዘጋጥሞ ዝገልጽ ብኸመይ ኢዩ፧

11 ንነቡካድነጻር ሓደ ዘዋርድ ለውጢ ኢዩ ዝጽበዮ ነይሩ። ነዚ ብምምልካት ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይውስኽ:- “እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ኪውርድ ከሎ ዝረአዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ: ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን: ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ: ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተአሲሩ: ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ: ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዚሐልፋ: ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ: ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን: ዝበለ: ትርጓሜኡ እዚ እዩ: ዎ ንጉስ: እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዚወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ።” (ዳንኤል 4:⁠23, 24) ነዚ ሓያል ንጉስ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መልእኽቲ ክትነግሮ ብርግጽ ትብዓት ዝሓትት ኢዩ ነይሩ!

12. ነቡካድነጻር እንታይ ኢዩ ክወርዶ ዝነበሮ፧

12 ንነቡካድነጻር እንታይ ኢዩ ክወርዶ፧ ዳንኤል ቀጺሉ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ከሎ ዘርኣዮ ግብረ⁠-​መልሲ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ:- “ካብ ሰብ ክትስጐጕ: ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ: ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም: ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ: እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ: ክሳዕ እትፈልጥሲ: ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን።” (ዳንኤል 4:⁠25) እቶም ናይ ቤተ⁠-​መንግስቱ ሰበ⁠-​ስልጣን እውን ከይተረፈ ‘ካብ ሰብ ክሰጕዎ’ ኢዮም። እንተ​ዀነ ግን: ደንገጽቲ ሰብ ማል ወይ ጓሶት ክኣልይዎ ድዮም፧ ኣይፋሉን: ኣምላኽ ነቡካድነጻር “ምስ እንስሳ መሮር” ሳዕሪ ክበልዕ ኢዩ ኣዚዙ።

13. እታ ኣብ ሕልሚ እተራእየት ኦም ነቲ ነቡካድነጻር ከም ናይ ዓለም ገዛኢ ዝነበሮ ቦታ እንታይ ከጋጥሞ ምዃኑ ኢያ እትሕብር፧

13 ልክዕ ከምቲ እታ ኦም እተቘርጸት: ነቡካድነጻር ናይ ዓለም ገዛኢ ካብ ምዃን ከቋርጽ ነበሮ። እንተ​ዀነ ግን ንግዜኡ ኢዩ። ዳንኤል ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ ግና: ሰማይ ከም ዚመልኽ ምስ ፈለጥካ: መንግስትኻ ኽትምለስ እያ።” (ዳንኤል 4:⁠26) ኣብቲ ነቡካድነጻር ዝረኣዮ ሕልሚ እቲ ጕንዲ ሱር ምእንቲ ከይዓቢ ይተኣሰር እኳ እንተ ተባህለ ክጸንሕ ተፈቒዱሉ ኢዩ። ብተመሳሳሊ እቲ “ጕንዲ ሱራት” ናይ ንጉስ ባቢሎን እውን ዋላ እኳ ምእንቲ ከይጥጥዕ “ሾብዓተ ግዝያት” ክእሰር እንተ ነበሮ ክጸንሕ ኢዩ። እቲ ከም ናይ ዓለም ገዛኢ ዝነበሮ ስልጣን ከምቲ እተኣስረ ጕንዲ ናይታ ኦም ኢዩ ክኸውን። ሾውዓተ ግዝያት ክሳዕ ዝሓልፍ ተዓቂቡ ክጸንሕ ነበሮ። ዋላ እኳ ወዱ ኤዊል⁠-​መሮዳክ ከም ግዝያዊ ገዛኢ ኰይኑ እንተ ኣገልገለ: የሆዋ ነቲ እንኮ ገዛኢ ናይ ባቢሎን ዝነበረ ነቡካድነጻር ዝትክኦ ሰብ ከም ዘይህሉ ገይሩ ሓለዎ።

14. ዳንኤል ንነቡካድነጻር እንታይ ክገብር ኢዩ እተማሕጸኖ፧

14 ነቲ ብዛዕባ ነቡካድነጻር እተባህለ ትንቢት ኣብ ግምት ብምእታው ዳንኤል ብትብዓት ከምዚ ኢሉ ተማሕጸኖ:- “ስለዚ ዎ ንጉስ: ምኽረይ ስማዕ: ንሓጢኣትካ ብጽድቂ: ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾ: ምናልባሽ ልምዓትካ ኺነውሕ እዩ።” (ዳንኤል 4:⁠27) ነቡካድነጻር ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ጭቈናን ዘርእዮ ዝነበረ ትዕቢትን እንተ​ድኣ ኣቋሪጽዎ ምናልባት ነገራት ይጽብቐሉ ይኸውን። ደሓር ከኣ የሆዋ ቅድሚኡ ክልተ ዘመናት ይገብር ንሰብ ነነዌ: ርእሲ ኸተማ ኣሶር: ከጥፍኦም ወሲኑ ነይሩ: እቲ ንጉስን ተገዛእቱን ምስ ተናስሑ ግን ነቲ ፍርዲ ኣይፈጸሞን። (ዮናስ 3:⁠4, 10፣ ሉቃስ 11:⁠32) እቲ ትዕቢተኛ ነቡካድነጻርከ፧ መገዱ ክቕይር ድዩ፧

ቀዳማይ ፍጻሜ ናይቲ ሕልሚ

15. (ሀ) ነቡካድነጻር እንታይ ኣረኣእያ ምንጽብራቕ ኢዩ ዝቐጸለ፧ (ለ) እተወቕረ ጽሑፋት ብዛዕባ ንጥፈታት ነቡካድነጻር እንታይ ይገልጽ፧

15 ነቡካድነጻር ግን ገና ዕቡይ ነበረ። ብዛዕባ እታ ኦም ድሕሪ ምሕላሙ 12 ኣዋርሕ ጸኒሑ ኣብ ቀጽሪ ቤተ⁠-​መንግስቲ ሸናዕ ክብል ከሎ ከምዚ ኢሉ ተዓበየ:- “እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሀነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፧” (ዳንኤል 4:⁠28-30) ንባቢሎን (ባቤል) ዝመስረታ ኒምሮድ ኢዩ: ነቡካድነጻር ግን ግርማ ከም ዝህልዋ ገበራ። (ዘፍጥረት 10:⁠8-10) ኣብ ሓደ ካብቲ እተወቕረ ጽሑፋቱ ከምዚ ኢሉ ተጃሃረ:- “ኣነ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን: ንኢሳጂላን ኣዚዳን ዘዐረኹ ወዲ ናቦፖለጻር ኢየ። . . . ንዕርድታት ኢሳጂላን ባቢሎንን ኣደልዲለ: ንስም ንግስነተይ ከኣ ንዘለኣለም ከም ዝቐውም ገይረዮ።” (ጆርጅ ኤ. ባርቶን ብ1949 ዘዳለዎ ኣርኪኦሎጂ ኤንድ ዘ ባይብል [እንግሊዝኛ] ዘርእስቱ መጽሓፍ: ካብ ገጽ 478-9 እተወስደ) ካልእ እተወቕረ ጽሑፍ ነቡካድነጻር 20 ዝኸውን ኣብያተ⁠-​መቕደስ ከም ዘሐደሰ ወይ እንደገና ከም ዝሃነጸ ይጠቅስ። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ እተባህለ ናይ እንግሊዝኛ መዝገበ⁠-​ፍልጠት ከምዚ ይብል:- “ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ነቡካድነጻር ባቢሎን ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ዝነበራ ምልኩዓት ከተማታት ኰነት። ብዛዕባ ወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ባዕሉ ዳርጋ ጠቒሱ ኣይፈልጥን ኢዩ: ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ህንጻ ፕሮጀክትታትን ናብ ኣማልኽቲ ባቢሎን ዝነበሮ ቈላሕታን ግን ጽሒፉ ኢዩ። ነቡካድነጻር ነቲ ሓደ ካብ ናይ ጥንታዊት ዓለም ሸውዓተ ኣደነቕቲ ነገራት ዝዀነ ሃንጊን ጋርደንስ ኦቭ ባቢሎን ዝበሃል መናፈሲ ቦታ እውን ባዕሉ ሃኒጽዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።”​—⁠ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

16. ነቡካድነጻር ናብ ውርደት ገጹ ዝኸይድ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ነቡካድነጻር ዋላ እኳ እንተ ተጀሃረ: ናብ ውርደት ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ነይሩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ: ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር: ንኣኻስ: መንግስቲ ኻባኻ ኸይዳ እያ: ይበሀለካ አሎ: ካብ ሰብ ክትስጐጕ: ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ: ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ኼብልዑኻ እዮም: እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ ኽሳዕ እትፈልጥሲ: ሾብዓተ ግዝያትውን ኪሐልፋኻ እየን: ዚብል ድምጺ ኻብ ሰማይ ወረደ።”​—⁠ዳንኤል 4:⁠31, 32

17. ነቲ ትዕቢተኛ ዝነበረ ነቡካድነጻር እንታይ ኣጋጠሞ: ብዙሕ ከይጸንሐኸ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ዝወደቐ፧

17 ነቡካድነጻር ብኡንብኡ ኣእምሮኡ ተዘናበለ። ካብ ሰብ ተሰጒጉ ‘ከም ኣብዑር’ ሳዕሪ ክበልዕ ጀመረ። እዚ ግን ኣብ መንጎ እቶም እንስሳ መሮር ኰይኑ ኣብ መመዓልቲ ሓድሽ ኣየር እናስተንፈሰ ኣብቲ ከም ገነት ዝዀነ ቦታ ኮፍ ኢሉ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ኣብዛ ዑናታት ናይ ባቢሎን ዝርከባ ዘመናዊት ዒራቕ ኣብ ወርሓት ሓጋይ ሙቘት ኣየር ክሳዕ 50 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክበጽሕ ከሎ ኣብ ወርሓት ክረምቲ ኸኣ ትሕቲ ባዶ ኢዩ ዝበጽሕ። እቲ ነዊሑ ዝነበረ ጸጕሪ ነቡካድነጻር ዝከናኸኖ ዘይብሉ ንንፋስን ጸሓይን ቍርን እተቓልዐ ብምንባሩ ልክዕ ክንቲት ንስሪ መሰለ: እቲ ዘይተቘርጸ ኣጽፋር ኣእዳዉን ኣእጋሩን ከኣ ልክዕ ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰነ። (ዳንኤል 4:⁠33) ኣየ እዝስ ነዚ ዕቡይ ገዛኢ ዓለም ከመይ ዝበለ ውርደት ኰን ኢዩ!

18. ኣብተን ሸውዓተ ግዝያት ነቲ ናይ ባቢሎን ዝፋን እንታይ ኣጋጠሞ፧

18 እታ ነቡካድነጻር ኣብ ሕልሙ ዝረኣያ ዓባይ ኦም ተቘሪጻ: ምእንቲ ከይትጭብጭብ ከኣ ጕንዲ ሱራታ ንሸውዓተ ግዝያት ተኣሲሩ ኢዩ። ብተመሳሳሊ የሆዋ ንነቡካድነጻር ከም ዝጽለል ምስ ገበሮ “ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ።” (ዳንኤል 5:⁠20) ብኻልእ ኣዘራርባ ልቢ እቲ ንጉስ ካብ ልቢ ሰብ ናብ ልቢ እንስሳ ተቐይሩ ማለት ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ኣምላኽ እተን ሸውዓተ ግዝያት ክሳዕ ዝውድኣ ንነቡካድነጻር ዝፋኑ ዓቂብሉ ጸኒሑ ኢዩ። ኤዊል⁠-​መሮዳክ ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ናይ ባቢሎን ኰይኑ እኳ እንተ ኣገልገለ: ዳንኤል ‘ኣብ ልዕሊ ዅላ ኣውራጃ ባቢሎን ከም ገዛኢ: ኣብ ልዕሊ ኵሎም ጠቢባን ባቢሎን ከም ሓለቓ ኰይኑ’ ኣገልገለ። እቶም ሰለስተ እብራውያን ብጾቱ እውን ንጕዳያት እታ ኣውራጃ ኣብ ምእላይ ቀጺሎም ኢዮም። (ዳንኤል 1:⁠11-19፣ 2:⁠48, 49፣ 3:⁠30) እቶም ኣርባዕተ ምሩኻት: ነቡካድነጻር “እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዚመልኽ: ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዚህቦ” እተማህረ ጥዑይ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ክሳዕ ዝምለስ ተጸበዩ።

ምምላስ ነቡካድነጻር

19. የሆዋ ንነቡካድነጻር ካብ ጽላለኡ ምስ ኣሕወዮ እቲ ባቢሎናዊ ንጉስ እንታይ ኢዩ እተገንዘበ፧

19 ኣብ መወዳእታ እተን ሸውዓተ ግዝያት የሆዋ ንንጉስ ነቡካድነጻር ኣእምሮኡ መለሰሉ። ድሕርዚ እቲ ንጉስ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኣፍልጦ ብምሃብ ከምዚ በለ:- “እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ: ኣነ ነቡካድነጻር: ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዐልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረኽኩ: ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ: ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት: መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዚነብር: ወደስኩን ኣኽበርኩን። እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን: ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዚገብር። ንኢዱ ኪኽልክላ: ስለምንታይ እዚ እትገብር፧ ኪብሎ ዚኽእልውን የሎን።” (ዳንኤል 4:⁠34, 35) እወ: ነቡካድነጻር እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ደቅሰብ ኣድማሳዊ ገዛኢ ምዃኑ ተገንዘበ።

20, 21. (ሀ) ምልጋስ ናይቲ ኣብ ጕንዲ ሱራት ናይታ ብሕልሚ እተራእየት ኦም ዝነበረ ናይ ሓጺን መእሰሪ ምስቲ ንነቡካድነጻር ዘጋጠሞ ነገር ብኸመይ ይመሳሰል፧ (ለ) ነቡካድነጻር እንታይ ኣፍልጦ ኢዩ ዝሃበ: እዚኸ ንየሆዋ ከም ዘምልኽዶ ገይርዎ ኢዩ፧

20 ነቡካድነጻር ናብ ዝፋኑ ምስ ተመልሰ: እቲ ኣብ ጕንዲ ሱራት ናይታ ኦም ዝነበረ ናይ ሓጺን መእሰሪ ከም እተፈትሐ ኢዩ ዝቝጸር። ብዛዕባ ምምላሱ ከምዚ በለ:- “በታ ጊዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመልሰለይ: ንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዩኒ: ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ: ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኸለይ።” (ዳንኤል 4:⁠36) እቶም ናይ ቤተ⁠-​መንግስቲ መኳንንቲ ንዒቖምዎ እንተ​ድኣ ነይሮም ኰይ​ኖም ሕጂ ግን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲኡ ብምግዛእ ‘ደለይዎ።’

21 እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣየ ከመይ ዝበለ “ትእምርትን ተኣምራትን” ኰን ኢዩ ዝገበረ! ስለዚ እቲ እተመልሰ ባቢሎናዊ ንጉስ ከምዚ ዝስዕብ እንተበለ ከገርመና የብሉን:- “ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ ኤመስግኖን ልዕል ኤብሎን ኤኽብሮን አሎኹ። ተግባሩ ዅሉ ሓቂ: መገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ: ነቶም ተዐብዮም ዚኸዱ ኼዋርዶም ይኽእል እዩ።” (ዳንኤል 4:⁠2, 37) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣፍልጦ ምሃቡ ካብ ወገን ኣህዛብ ዝዀነ ንየሆዋ ዘምልኽ ሰብ ኣይገበሮን።

ዓለማዊ መርትዖ ኣሎዶ፧

22. ገሊኦም ንጽላለ ነቡካድነጻር ምስ እንታይ ምዝንባል ኢዮም ዘመሳስልዎ: እንተ​ዀነ ግን ብዛዕባ ጠንቂ ናይቲ ዘጋጠሞ ዘዋርድ ነገር እንታይ ኢና ክንግንዘብ ዘሎና፧

22 ገሊኦም ጽላለ ነቡካድነጻር ላይካንትሮፒ ዝበሃል ሕማም ምንባሩ ገሊጾም ኢዮም። ሓደ ናይ ሕክምና መዝገበ⁠-​ቃላት ከምዚ ይብል:- “ላይካንትሮፒ . . . ካብ [ላይʹኮስ]: ላፐስ ማለት ተዅላ፣ [ኣንʹትሮ·ፖስ ]: ሆሞ ማለት ሰብ ዝብል ቃላት ዝመጸት ኢያ። እዚ ስም እዚ ሰባት ናብ ገለ ዓይነት እንስሳ ከም እተቐየሩ ኰይኑ ክስምዖም ከሎ: ከምኡውን ድምጺ ወይ ብኽያት: ቅርጺ ወይ ጠባይ ናይቲ እንስሳ ክቐድሑ ከለዉ ዝወሃብ ስም ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ንገዛእ ርእሶም ናብ ተዅላ: ከልቢ: ወይ ድሙ፣ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ከምቲ ኣብ ኵነታት ነቡካድነጻር እተራእየ ናብ ብዕራይ እተቐየሩ ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) (ዲክሲዮኔር ደ ሲዮንስ ሜዲካል ፓር ኡን ሶሲዬቴ ደ ሜዲሰ ኤ ደ ሺሩርዢየ: ፓሪስ 1818 ጥራዝ 29 ገጽ 246) እዚ ላይካንትሮፒ ተባሂሉ ዘሎ ሕማም ዘርእዮ ምልክታት ምስቲ ነቡካድነጻር ዘርኣዮ ናይ ጽላለ ኵነታት ዝመሳሰል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ ኣእምሮ ጽላለ ብመለኮታዊ መገዲ እተፈጸመ ብምንባሩ ምስቲ ክሳዕ ሕጂ እተፈልጠ ሕማም ኣእምሮ ክተሓሓዝ ኣይክእልን ኢዩ።

23. ንጽላለ ነቡካድነጻር ዘረጋግጽ እንታይ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎ፧

23 ጆን ኢ. ጎልዲንገይ እተባህለ ምሁር ምስ ምጽላልን ምጥዓይን ነቡካድነጻር ዝመሳሰል ገለ ነገራት ይጠቅስ። ንኣብነት ከምዚ በለ:- “ሓደ ዘይምሉእ ጽሑፍ ኲኒፎርም ነቡካድነጻር ገለ ዓይነት ምዝንባል ናይ ኣእምሮ ከም ዝነበሮ: እዚ ኸኣ ንባቢሎን ዕሽሽ ከም ዝብላን ከም ዝገድፋን ገይርዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ይጠቅስ።” ጎልዲንገይ ነቲ “ባቢሎናዊ እዮብ” ዘርእስቱ ሰነድ ብምጥቃስ ከምዚ ይብል:- “ብኣምላኽ ከም እተቐጽዐ: ሕማም: ውርደት ከም ዘጋጠሞ: ናይ ሓደ ዘፍርህ ሕልሚ ትርጕም ከም ዝደለየ: ከም ኦም ተቘሪጹ ከም እተደርበየ: ከም እተሰጐ: ሳዕሪ ከም ዝበልዐ: ኣእምሮኡ ከም ዘጥፍአ: ከም ብዕራይ ከም ዝዀነ: ማርዱክ ብዝናብ ከም ዝቐጥቀጦ: ኣጽፋሩን ጸጕሩን ከም ዝነውሐ: ከም እተኣስረ: ከምኡውን ተመሊሱ ንኣምላኽ ከም ዝወደሰ ዘረጋግጽ ኢዩ።”

ንዓና ዝትንክፋና ሸውዓተ ግዝያት

24. (ሀ) ኣብቲ ሕልሚ እተራእየት ዓባይ ኦም ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧ (ለ) ንሸውዓተ ግዝያት እተኣስረ እንታይ ኢዩ: እዚኸ ብኸመይ ኰነ፧

24 በታ ዓባይ ኦም ተመልኪቱ ከም ዘሎ ነቡካድነጻር ንናይ ዓለም ግዝኣት ኢዩ ዘመልክት። እታ ኦም ካብ ንጉስ ባቢሎን ንላዕሊ ንዝዓቢ ግዝኣትን ሉዓላውነትን ከም እተመልክት ግን ኣይትረስዕ። ነቲ ብፍላይ ንምድሪ ዝምልከት ኣድማሳዊ ሉዓላውነት የሆዋ: “ንጉስ ሰማይ:” እተመልክት ኢያ። የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ቅድሚ ምጥፍኣ እታ ኣብታ ከተማ ዝነበረት: ዳዊትን ዘርኡን ከኣ ኣብ “ዝፋን እግዚኣብሄር” ኰይኖም ዝገዝኡላ ዝነበሩ መንግስቲ ነቲ ምስ ምድሪ እተተሓሓዘ ሉዓላውነት የሆዋ እተመልክት ኢያ ነይራ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠23) ነቡካድነጻር ንየሩሳሌም ከጥፍኣ ምስ ተፈቕደሉ ኣምላኽ ባዕሉ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ሉዓላውነቱ ከም ዝቝረጽን ከም ዝእሰርን ገበረ። ካብ መስመር ዳዊት ብዝመጸ ንጉስ እትመሓደር መንግስቲ ገይርካ ኣብ ልዕሊ ምድሪ መለኮታዊ ሉዓላውነት ምርኣይ ንሸውዓተ ግዝያት ተቛረጸ። እዘን ሸውዓተ ግዝያት ንውሓተን ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧ መዓስ ኢየን ጀሚረን: መወዳእትአንከ ብኸመይ ተፈልጠ፧

25, 26. (ሀ) እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ኣብ ነቡካድነጻር ክውዕላ ከለዋ ንውሓተን ክንደይ ኢዩ ነይሩ: ከምኡ እትብልከ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ኣብቲ ቀንዲ ፍጻሜ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” መዓስን ብኸመይን ኢየን ዝጀመራ፧

25 ኣብቲ ነቡካድነጻር ተጸሊሉሉ ዝነበረ ግዜ ‘ጸጕሩ ኸም ናይ ንስሪ: ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ነውሔ።’ (ዳንኤል 4:⁠33) እዚ ካብ ሸውዓተ መዓልቲ ወይ ሸውዓተ ሰሙን ዝነውሕ ኢዩ። ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት “ሾብዓተ ግዝያት” ተባሂለን ኣለዋ: “ምዱባት (ውሱናት) ግዝያት” ወይ “ናይ ግዜ ንውሓት” ዝብል ኣማራጺታት እውን ኣሎ። (ዳንኤል 4:⁠16, 23, 25, 32) እቲ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ትርጕም (ሰፕቱጀንት) “ሸውዓተ ዓመታት” ይብለን። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፋስ እውን ነተን “ሾብዓተ ግዝያት” ከም “ሸውዓተ ዓመታት” ገይሩ ተዛሪቡለን ኣሎ። (ኣንቲኲቲስ ኦቭ ዘ ጂውስ [እንግሊዝኛ] 10ይቲ መጽሓፍ ምዕራፍ 10 ቍጽሪ 6) እተፈላለዩ እብራውያን ምሁራት እውን ነተን “ግዝያት” ዝብላ ከም “ዓመታት” ገይሮም ይርእይወን ኢዮም። ኣብ ኣን ኣመሪካን ትራንስለሽን: ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን: ከምኡውን ብጄምስ ሞፋት እተዳለወ ናይ እንግሊዝኛ ትርጕማት “ሸውዓተ ዓመታት” ተባሂለን ኣለዋ።

26 እቲ ናይ ነቡካድነጻር “ሾብዓተ ግዝያት” ሸውዓተ ዓመት ዘጠቓለለ ምዃኑ ርግጽ ኢዩ። ኣብ ትንቢት ሓንቲ ዓመት 360 መዓልትታት ወይ ነፍሲ ወከፈን 30 መዓልትታት ዝሓዛ 12 ኣዋርሕ ኢያ እትሕሰብ። (ምስ ራእይ 12:⁠6, 14 NW ኣረኣእዮ።) ስለዚ ናይቲ ንጉስ “ሾብዓተ ግዝያት” ወይ ሸውዓተ ዓመታት: 360 መዓልትታት ብ7 ምርባሕ ወይ 2,520 መዓልትታት ማለት ኢየን። እንተ​ዀነ ግን: እቲ ቀንዲ ፍጻሜ ናይቲ ሕልሙኸ፧ እተን ትንቢታውያን “ሾብዓተ ግዝያት” ካብ 2,520 መዓልትታት ኣዝዩ ንዝነውሕ ግዜ ኢየን ጸኒሐን። እዚ ኸኣ በቲ “ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም: የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ” ዝብል ቃላት የሱስ ተገሊጹ ኣሎ። (ሉቃስ 21:⁠24) እዚ ‘ምርጋጽ’ እዚ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ምስ ጠፍአት: እታ ንመንግስቲ ኣምላኽ እትውክል ኣብ ይሁዳ ዝነበረት መንግስቲ ኸኣ ምስ ኣቋረጸት ኢዩ ጀሚሩ። እዚ ምርጋጽ እዚ መዓስ ኢዩ ክውዳእ፧ ኣብቲ “ዘመን ምቕናዕ ኵሉ” ማለት እታ ምሳልያዊት የሩሳሌም ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ መለኮታዊ ሉዓላውነት እንደገና ከተንጸባርቕ ኣብ እትጅምረሉ እዋን ኢዩ ዝውዳእ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠21

27. እተን ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጀመራ “ሾብዓተ ግዝያት” ቃል ብቓሉ 2,520 መዓልትታት ጥራይ ኣይኰናን ጸኒሐን እትብል ስለምንታይ ኢኻ፧

27 ካብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ዝጠፍኣትሉ ግዜ ጀሚርና 2,520 መዓልትታት ምስ እንቘጽር ኣብ 600 ቅ.ኣ.ዘ. ጥራይ ኢዩ ዘብጽሓና: እዛ ዓመት እዚኣ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዝዀነ ትርጕም የብላን። ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. እቶም ሓራ ዝወጹ ኣይሁድ ምስ ተመልሱ እውን ከይተረፈ ሉዓላውነት የሆዋ ኣብ ምድሪ ኣይተንጸባረቐን። ከመይሲ እቲ ወራሲ ዝፋን ዳዊት ዝነበረ ዘሩባቤል ንጉስ ዘይኰነስ ናይታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ይሁዳ ኣማሓዳሪ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

28. (ሀ) ኣብተን 2,520 መዓልትታት ናይተን ትንቢታውያን “ሾብዓተ ግዝያት” ክውዕል ዘለዎ መምርሒ ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) እተን ትንቢታውያን “ሾብዓተ ግዝያት” ንውሓተን ክንደይ ኢዩ: መዓስ ጀሚረን መዓስከ ኢየን ዝውድኣ፧

28 እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ትንቢታውያን ብምዃነን እቲ “ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኣብተን 2,520 መዓልትታት እውን ከነውዕሎ ይግብኣና። እዚ መምርሒ እዚ ኣብቲ ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ከም ዝኸብዋ ዝገልጽ ትንቢት ኢዩ ተዋሂቡ ዘሎ። (ህዝቅኤል 4:⁠6, 7፣ ምስ ዘሁልቍ 14:⁠34 ኣረኣእዮ።) ስለዚ እተን መንግስቲ ኣምላኽ ኢዳ ከየእተወት ኣህዛብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝገብርዎ ግዝኣት ዘመልክታ “ሾብዓተ ግዝያት” 2,520 ዓመታት ኢየን። እዚኣተን ከኣ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ሻብዐይቲ ወርሒ (15 ቲሽሪ) ይሁዳን የሩሳሌምን ምስ ባደማ ኢየን ጀሚረን። (2 ነገስት 25:​8, 9, 25, 26) ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚርካ ክሳብ 1 ቅ.ኣ.ዘ. እንተ​ድኣ ቈጺርና 606 ዓመታት ኢየን። እተን ዝተረፋ 1,914 ዓመታት ከኣ ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚረን ኣብ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ይውድኣ። ስለዚ ኸኣ እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ወይ 2,520 ዓመታት ኣብ 15 ቲሽሪ ወይ 4/5 ጥቅምቲ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ይውድኣ ማለት ኢዩ።

29. እቲ “ኻብ ሰብ ዚንእስ” እተባህለ መን ኢዩ: የሆዋኸ ንኸንግሶ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

29 ኣብታ ዓመት እቲኣ “ዘመናት ኣህዛብ” ተወድአ: ኣምላኽ ከኣ “ነቲ ኻብ ሰብ ዚንእስ” ከምኡውን ብጸላእቱ ኣዝዩ ንዑቕ ብምንባሩ ዝሰቐልዎ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ መሰል ሃቦ። (ዳንኤል 4:⁠17) የሆዋ ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ንኸንግሶ ነቲ ኣብ “ጕንዲ ሱራት” ናይ ሉዓላውነቱ ዝነበረ ናይ ሓጺንን ኣስራዝን ምሳልያዊ መእሰሪ ፈትሖ። ስለዚ እቲ ልዑል ኣምላኽ ከም መግለጺ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝህሉ መለኮታዊ ሉዓላውነቱ ናይ ንግስነት “ጠጥዒ” ንኽወጽእ ኣፍቀደ። እዚ ጠጥዒ እዚ ኸኣ እታ በቲ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ዝዓበየ ወራሲ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ ኢያ። (ኢሳይያስ 11:⁠1, 2፣ እዮብ 14:⁠7-9፣ ህዝቅኤል 21:⁠27) የሆዋ ነቲ ኵነታት ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ ፍጻመ ከም ዝህልዎ ምግባሩ ከምኡ​ውን ምስጢር ናይታ ዓባይ ኦም ስለ ዝነገረናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ከነመስግን ዝግብኣና!

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• እታ ኣብ ሕልሚ ነቡካድነጻር ዘላ ዓባይ ኦም ንምንታይ ኢያ እተመልክት፧

• ኣብ ቀዳማይ ፍጻሜ ናይታ ኣብ ሕልሙ ዝራኣያ ኦም ንነቡካድነጻር እንታይ ኣጋጠሞ፧

• እቲ ሕልሙ ምስ ተፈጸመ ነቡካድነጻር እንታይ ኣፍልጦ ኢዩ ዝሃበ፧

• ኣብቲ ቀንዲ ፍጻሜ ናይታ ኣብ ሕልሚ እተራእየት ኦም: እተን “ሾብዓተ ግዝያት” ንውሓተን ክንደይ ኢዩ: ዝጀመራሉን ዝወድኣሉን ግዜኸ መዓስ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 83፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 91፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]