ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ነገስታት ኣብ መበል 20 ዘመን ይኣትዉ

እቶም ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ነገስታት ኣብ መበል 20 ዘመን ይኣትዉ

ምዕራፍ ዓሰርተ ሓሙሽተ

እቶም ንሓድሕዶም ዘይቃደዉ ነገስታት ኣብ መበል 20 ዘመን ይኣትዉ

1. ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ መራሕቲ ናይታ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረት ኣውሮጳ መን ምንባሮም ኢዩ ዝጠቐሰ፧

 ጸሓፍ ታሪኽ ኖርማን ዳቪስ “ኣብ መበል ዓሰርተ ትሽዓተ ዘመን ዝነበረት ኣውሮጳ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ዝመልኣ ኢያ ነይራ” ይብል። ወሲኹ ኸኣ “ኣውሮጳ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ንላዕሊ ብቴክኒካዊ ሓይሊ: ቍጠባዊ ሓይሊ: ባህላዊ ሓይሊ: ኣህጉራዊ ሓይሊ በርቲዓ ነበረት” ይብል። ዳቪስ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “ኣብዚ ኣውሮጳ ‘ሓያል ዝነበረትሉ ዘመን’” መራሕቲ ዝነበሩ “ብቐዳምነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትከውን ከላ . . . ኣብቲ ጸኒሑ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ከኣ ጀርመን ኢያ ነይራ።”

‘እከይ ዝሓስቡ’

2. መበል 19 ዘመን ክውዳእ ከሎ ኣየኖት ሓይልታት ኢዮም ቦታ ‘ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን’ ዝሓዙ፧

2 መበል 19 ዘመን ክውዳእ ምስ ቀረበ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን “ንጉስ ሰሜን” ብሪጣንያ ኸኣ ‘ንጉስ ደቡብ’ ኰና። (ዳንኤል 11:⁠14, 15) መልኣኽ የሆዋ ከምዚ ይብል:- “ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም እከይ ኪሐስቡ: ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሚጦም ከኣ ሓሶት ኪዛረቡ እዮም።” ቀጺሉ ኸኣ “ግናኸ መወዳእታኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዚኸውን እሞ: ኣይኪሰልጥን እዩ” በለ።​—⁠ዳንኤል 11:⁠27

3, 4. (ሀ) ናይ መጀመርታ ሃጸይ ናይ ጀርመን ራይክ መን ኰነ: እንታይ ሕብረትከ ኢዩ እተፈጥረ፧ (ለ) ቄሳር ቪልሀልም እንታይ ፖሊሲ ኢዩ እተኸተለ፧

3 ብ18 ጥሪ 1871 ዊልሀልም ቀዳማይ ናይ መጀመርታ ሃጸይ ናይ ጀርመን ራይክ ወይ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ኰነ። ንኦቶ ቮን ቢስማርክ ድማ ቻንስለር ገይሩ ሰየሞ። ቢስማርክ ነቲ ሓድሽ ሃጸያዊ ግዝኣት ንምምዕባል ብዝብል ዕላማ ምስ ካልኦት ሃገራት ግጭት ክፈጥር ኣይደለየን: ምስ ኦስትርያ⁠-​ሃንጋሪ ከምኡውን ኢጣልያ ድማ ትሪፕል ኣለያንስ ዝበሃል ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ሕብረት ኣቘመ። ይኹን እምበር: ባህግታት ናይዚ ሓድሽ ንጉስ ሰሜን እዚ ብዙሕ ከይጸንሐ ምስ ባህግታት ንጉስ ደቡብ ተጋጨወ።

4 ቪልሀልም ቀዳማይን ንዕኡ ዝተክኦ ፍረደሪክ ሳልሳይን ኣብ 1888 ምስ ሞቱ እቲ ወዲ 29 ዓመት ዝነበረ ቪልሀልም ካልኣይ ስልጣን ሓዘ። ቪልሀልም ካልኣይ ወይ ቄሳር ቪልሀልም ንቢስማርክ ስልጣኑ ክሓድግ ኣገዲዱ: ጀርመን ኣብ መላእ ዓለም ጽልዋ ከም ዝህልዋ ናይ ምግባር ፖሊሲ ክኽተል ጀመረ። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ትሕቲ ቪልሀልም ካልኣይ [ጀርመን] ድርቅናን ምጽባእን እተሓወሶ ኣረኣእያ ነበራ።”

5. እቶም ክልተ ነገስታት “ኣብ ሓንቲ መኣዲ” እተቐመጡ ብኸመይ ኢዮም: ብዛዕባ እንታይከ ኢዮም እተዛረቡ፧

5 ዛር ኒኮላስ ካልኣይ ናይ ሩስያ ኣብ ዘ ሄግ: ኔዘርላንድስ: 24 ነሓሰ 1898 ናይ ሰላም ዋዕላ ክግበር ጻውዒት ከቕርብ ከሎ ዓለምለኻዊ ወጥሪ ሰፊኑ ነበረ። እዚ ዋዕላ እዝን እቲ ብድሕሪኡ ኣብ 1907 እተገብረን ኣብ ዘ ሄግ ቀዋሚ ቤት ፍርዲ ከም ዝምስረት ገበረ። ናይ ጀርመን ራይክን ዓባይ ብሪጣንያን ኣባላት ናይዚ ቤት ፍርዲ እዚ ብምዃን ሰላም ዝደልያ መሰላ። መራሕተን ዝፋተዉ መሲሎም “ኣብ ሓንቲ መኣዲ” ተቐመጡ: ‘በብልቦም ግን እከይ ይሓስቡ’ ነበሩ። ‘ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሚጥካ ሓሶት ናይ ምዝራብ’ ዲፕሎማስያዊ ሜላ ናይ ሓቂ ሰላም ከም ዝህሉ ክገብር ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝነበሮም ፖለቲካዊ: ንግዳዊ: ከምኡውን ወተሃደራዊ ባህግታት ግን ‘ኣይሰልጥን’ ኢዩ: ከመይሲ ኣብታ የሆዋ ኣምላኽ ዝወሰና “ምድብቲ ዘመን” መወዳእታ ናይዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ክኸውን ኢዩ።

“ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ”

6, 7. (ሀ) ንጉስ ሰሜን ‘ናብ ሃገሩ እተመልሰ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ንጉስ ሰሜን ነቲ ንጉስ ደቡብ ዝገብሮ ዝነበረ ጽልዋኡ ናይ ምስፍሕፋሕ መደብ ብኸመይ መለሰሉ፧

6 እቲ መልኣኽ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “[ንጉስ ሰሜን] ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ኺምለስ: ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ኪህቅነሉ: ኪገብር [“ከስልጥ:” NW  ] ከኣ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ኺምለስ እዩ።”​—⁠ዳንኤል 11:28

7 ቄሳር ቪልሀልም ናብታ “ሃገር” ወይ ምድራዊ ኵነታት ናይቲ ጥንታዊ ንጉስ ሰሜን ተመልሰ። ብኸመይ፧ ነቲ ናይ ጀርመን ራይክ ንምስፍሕፋሕን ጽልዋኡ ንምዕባይን ዝዓለመ ሃጸያዊ ግዝኣት ብምህናጽ ኢዩ። ቪልሀልም ካልኣይ ኣብ ኣፍሪቃን ካልእ ቦታታትን ናይ ምግዛእ ሸቶ ኣውጽአ። ነቲ ብሪጣንያ ኣብ ባሕሪ ዝነበራ ጸብለልትነት ንምብዳህ ሓያል ሓይሊ ባሕሪ ክሃንጽ ጀመረ። ብዛዕባ እዚ ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) “ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓሰርተታት ዓመታት ካብቲ ዝነበሮ ትሑት ደረጃ ደድሕሪ ብሪጣንያ ካልኣይ ክሳዕ ዝኸውን ዓበየ” ይብል። ብሪጣንያ እውን ነቲ ዝነበራ ጸብለልትነት ንምዕቃብ ሓይሊ ባሕራ ናይ ምስፋሕ ፕሮግራም ክትገብር ነበራ። ብሪጣንያ ድማ ብግዴኣ ምስ ፈረንሳ ሓባራዊ ምሕዝነት (ሓባራዊ ስምምዕ) ፈጠረት: ምስ ሩስያ እውን ተመሳሳሊ ስምምዕ ብምግባር ትሪፕል ኢንተንተ ዝበሃል ስምምዕ ገበራ። በዚ ኸኣ ኣውሮጳ ኣብ ክልተ ወተሃደራዊ ደምበ ተመቕለት። በቲ ሓደ ወገን ትሪፕል ኣለያንስ ክህሉ ኸሎ በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ትሪፕል ኢንተንተ ነበረ።

8. ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን “ብዙሕ ገንዘብ” ክህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ ኢዩ፧

8 እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ዝኽተሎ ዝነበረ ናይ ወራር ፖሊሲ ነታ ቀንዲ ክፍሊ ትሪፕል ኣለያንስ ዝነበረት ጀርመን “ብዙሕ ገንዘብ” ከም እትረክብ ገይርዋ ኢዩ። ኦስትርያ⁠-​ሃንጋሪ ከምኡውን ኢጣልያ ኣመንቲ ናይ ሮማ ካቶሊክ ኢየን ነይረን። ስለዚ ኸኣ ኣባላት ትሪፕል ኣለያንስ ናይቲ ጳጳስ ደገፍ ነይርወን ኢዩ። እቲ ንጉስ ደቡብ ዘቘሞ ትሪፕል ኢንተንተ ግን ካቶሊክ ብዘይ​ኰና ሃገራት ዝቘመ ብምንባሩ ደገፍ ጳጳስ ኣይነበሮን።

9. ልቢ ንጉስ ሰሜን ኣንጻር እቲ ‘ቅዱስ ኪዳን ዝሃቀነ’ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ህዝቢ የሆዋኸ፧ ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሞም “ዘመናት ኣህዛብ” ኣብ 1914 ከም ዝውዳእ ይእውጁ ነይሮም ኢዮም። a (ሉቃስ 21:⁠24) ኣብታ ዓመት እቲኣ እታ ካብ ዘርኢ ዳዊት ብዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ቈመት። (2 ሳሙኤል 7:⁠12-16፣ ሉቃስ 22:⁠28, 29) ኣቐዲማ ኣብ መጋቢት 1880 መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ንምግዛእ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ምውዳእ “ዘመናት ኣህዛብ” ኣተሓሒዛቶ ነበረት። እንተ​ዀነ ግን: ልቢ እቲ ጀርመናዊ ንጉስ ሰሜን ‘ነቲ ቅዱስ ኪዳን ሃቀነሉ።’ ቄሳር ቪልሀልም ንግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣፍልጦ ኣብ ክንዲ ዝህበሉ ንዓለም ንምቍጽጻር ብምውጣን “ከስልጥ” ጀመረ። ይኹን እምበር: ከምኡ ክገብር ከሎ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ዘለዓዕል ሰረት ኣንበረ።

እቲ ንጉስ ኣብ ውግእ ‘ይሽበር’

10, 11. ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብኸመይ ኢዩ ዝጀመረ: እዚኸ ኣብታ “ምድብቲ ዘመን” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧

10 እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ከምዚ ብምባል ይነግር:- “በታ ምድብቲ ዘመን [እቲ ንጉስ ሰሜን] ተመሊሱ ናብ ደቡብ ኪኸይድ: ግናኸ እቲ ዳሕራይ ጊዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ዳንኤል 11:⁠29) እታ ምድራዊ ግዝኣት ኣህዛብ እተብቅዓላ ኣምላኽ ዝወሰና “ምድብቲ ዘመን” ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ቈመት ኢያ ኣኺላ። ብ28 ሰነ 1914 እቲ ኦስትርያዊ ኣርክዱክ ፍራንሲስ ፈርዲናንድን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ሳርየቮ: ቦዝንያ: ብሓደ ሰርብያዊ ኣባል ግብረ⁠-​ሽበራውያን ተቐትሉ። እዚኣ ኸኣ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንኽውላዕ ምኽንያት እትኸውን ቍልዒ ኰነት።

11 ቄሳር ቪልሀልም: ኦስትርያ⁠-​ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ ሰርብያ ሕነ ክትፈዲ ደፋፍኣ። ኦስትርያ⁠-​ሃንጋሪ ድማ ካብ ጀርመን ሓገዝ ከም እትረክብ ብምትእምማን ብ28 ሓምለ 1914 ኣብ ልዕሊ ሰርብያ ኲናት ኣወጀት። ሩስያ ግን ንሰርብያ ደገፈት። ጀርመን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኲናት ምስ ኣወጀት ድማ ፈረንሳ (ኣባል ናይቲ ትሪፕል ኢንተንተ ) ንሩስያ ደገፈት። ድሕርዚ ጀርመን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ እውን ኲናት ኣወጀት። ንፓሪስ ብቐሊሉ ንምውራር ምእንቲ ክጥዕማ ጀርመን መጀመርታ ነታ ኣብ ትሕቲ ጽላል ብሪጣንያ ገለልተኛ ዝነበረት በልጅየም ወረረታ። ስለዚ ኸኣ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ኲናት ኣወጀት። ካልኦት ሃገራት እውን ኣብቲ ኲናት ክኣትዋ ጀመራ: ኢጣልያ ኸኣ ተገለባባጢ መርገጺ ነበራ። ንጉስ ሰሜን ንስዊዝ ካናል ቈሪጹ ነታ ኣብ ግዜ ጥንቲ ሃገር ንጉስ ደቡብ ዝነበረት ግብጺ ምእንቲ ከይወርር ብሪጣንያ ንግብጺ ኣብ ትሕቲ ዕቝባኣ ገበረታ።

12. ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እቲ ኵነታት ‘ከምቲ ቀዳማይ ዘይኰነ’ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እቲ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) “ዕቤትን ሓይልን ናይተን ጥሙራት ሓይልታት ብዘየገድስ ጀርመን ኣብቲ ኲናት ክትስዕር ቁሩብ ተሪፍዋ ነበረት” ይብል። ኣብቲ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ነገስታት ዝነበረ ኲናት: እቲ ንጉስ ሰሜን ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብቐጻሊ ይስዕር ነይሩ ኢዩ። ሕጂ ግን ኵነታት ‘ከምቲ ቀዳማይ ኣይኰነን።’ ንጉስ ሰሜን ኣብቲ ኲናት ተሳዕረ። ምኽንያት ናይዚ ክገልጽ ከሎ እቲ መልኣኽ ‘መራኽብ ካብ ኪቲም ክመጻኦ ኢየን እሞ ክሽበር ኢዩ’ ይብል። (ዳንኤል 11:30ሀ) “መራኽብ . . . ኪቲም” እንታይ ኢየን፧

13, 14. (ሀ) እተን ኣንጻር ንጉስ ሰሜን ዝመጻ “መራኽብ . . . ኪቲም” ብቐንዱ እንታይ ኢየን፧ (ለ) ቀዳማይ ውግእ ዓለም ክቕጽል ከሎ ተወሰኽቲ መራኽብ ኪቲም ዝመጻ ብኸመይ ኢየን፧

13 ኪቲም ኣብ ግዜ ዳንኤል ቆጵሮስ ኢያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ቆጵሮስ ምስ ብሪጣንያ ሓበረት። ኣብ ርእሲ እዚ: ብመሰረት እቲ ዘ ዞንደርቫን ፒክቶርያል ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) እታ ኪቲም እትብል ስም “ነቲ ምዕራባዊ ወገን ብሓፈሻ: ብፍላይ ከኣ እቲ ባሕሪ ዘለዎ ምዕራብ ንምጥቕላል ትውዕል ኢያ።” እቲ ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ነቲ “መራኽብ . . . ኪቲም” ዝብል መግለጺ “መራኽብ ምዕራባዊ ገማግም” ኢሉ ተርጒምዎ ኣሎ። ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም መራኽብ ኪቲም ነተን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ኣውሮጳ ዝነበራ መራኽብ ብሪጣንያ የመልክታ ነበራ።

14 እቲ ውግእ ፈኸም እናበለ ኸሎ እቲ ናይ ብሪጣንያ ሓይሊ ባሕሪ ካልኦት መራኽብ ኪቲም ምስ ተወሰኽኦ ዝያዳ ደልደለ። ብ7 ግንቦት 1915 ናይ ጀርመን U-20 መርከብ ውሽጢ ባሕሪ ነታ ኣብ ደቡባዊ ኣየርላንድ ዝነበረት ሉሱተንያ እትበሃል ናይ ሲቪል መርከብ ኣጥሓለታ። ካብቶም ምዉታት 128 ኣመሪካውያን ኢዮም ነይሮም። ድሕርዚ ጀርመን ነዘን ናይ ውግእ መራኽብ ውሽጢ ባሕሪ ኣብ ኣትላንቲክ ከም ዘስፋሕፍሓ ገበረት። ስለዚ ኸኣ ብ6 ሚያዝያ 1917 ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውድሮው ዊልሰን ኣብ ልዕሊ ጀርመን ኲናት ኣወጀ። ንጉስ ደቡብ​—⁠ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ​—⁠ብመራኽብ ውግእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተደጊፉ ኣንጻር እቲ መቐናቕንቱ ሰፊሕ ውግእ ከፈተ።

15. ንጉስ ሰሜን መዓስ ኢዩ ‘እተሸበረ፧

15 ንጉስ ሰሜን ነቲ ካብ ሓይሊ ዓለም ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ ዝወርዶ ዝነበረ መጥቃዕቲ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ‘ተሸበረ:’ ኣብ ሕዳር 1918 ድማ ተሳዕረ። ቪልሀልም ካልኣይ ናብ ኔዘርላንድስ ናብ ስደት ሃደመ: ጀርመን ከኣ ሪፓብሊክ ኰነት። ንጉስ ሰሜን ግን ገና ኣይጠፍአን ነበረ።

እቲ ንጉስ ‘የስልጥ’

16. ብመሰረት እቲ ትንቢት ንጉስ ሰሜን ነቲ ዘጋጠሞ ስዕረት ብኸመይ ኢዩ ክምልሰሉ፧

16 “[እቲ ንጉስ ሰሜን] ክምለስ: ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኺዳን ክዅሪ ኽገብርውን [“ከስልጥውን:” NW  ] ኢዩ። ክምለስ: ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐደግዋ ድማ ክሰምዖም እዩ።” (ዳንኤል 11:⁠30ለ) ከምቲ እቲ መልኣኽ እተነበዮ ኸኣ ዀነ።

17. ኣዶልፍ ሂትለር ከም ዝትንስእ ዝገበረ ኵነታት እንታይ ኢዩ፧

17 እቲ ኲናት ብ1918 ምስ ተወድአ እቶም እተዓወቱ ጥሙራት ሓይልታት ንጀርመን ንምቕጻዕ ዝሓለነ ውዕል ሰላም ገበሩ። ህዝቢ ጀርመን ነቲ እተገብረ ስምምዕ ከቢድ ኰይኑ ረኸብዎ: እቲ ሓድሽ ሪፓብሊክ ከኣ ካብ መጀመርታኡ ኣትሒዙ ድኹም ኢዩ ነይሩ። ንገለ ዓመታት ጀርመን ሰንከልከል ትብል ነበረት: ንሽዱሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ስራሕ ኣልቦ ዝገበረ ዓቢ ቍጠባዊ ውድቀት ከኣ ኣጋጠማ። ኣብ 1930ታት ድማ ኣዶልፍ ሂትለር ንኽትንስእ ኣጋጣሚታት ጠዓመሉ። ኣብ ጥሪ 1933 ቻንስለር ኰነ: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ከኣ ናይቲ ሰዓብቲ ናዚ ሳልሳይ ራይክ ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣመራርሓ ፕረዚደንት ኰነ። b

18. ሂትለር ‘ዘስለጠ’ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ሂትለር ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ብኡንብኡ ኣብ ልዕሊ እቶም ወኪላት ናይቲ ‘ቅዱስ ኪዳን’ ማለት ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ክርስቶስ መጥቃዕቲ ኣውረደ። (ማቴዎስ 25:⁠40) ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካብኣቶም ብርቱዕ ስደት ብምውራድ ኣንጻር እዞም እሙናት ክርስትያናት እዚኣቶም ‘ከስልጥ’ ጀመረ። ሂትለር ኣብ ቍጠባን ዲፕሎማስን እውን እንተ​ዀነ ‘የስልጥ’ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ዓመታት ንጀርመን ኣብ መድረኽ ዓለም ጽልዋ ዘለዋ ሓይሊ ከም እትኸውን ገበራ።

19. ሂትለር ደገፍ ንምርካብ ምስ መን ኢዩ ስምምዕ ክገብር ዝደለየ፧

19 ሂትለር ‘ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሓደግዋ ሰምዖም።’ እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ እቶም ምስ ኣምላኽ ናይ ኪዳን ርክብ ከም ዘለዎም ዝዛረቡ ግን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ምዃን ዘቋረጹ መራሕቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ምዃኖም ርግጽ ኢዩ። ሂትለር “ነቶም ነታ ቅድስቲ ኺዳን ዝሐደግዋ” ክድግፍዎ ጸውዖም። ንኣብነት: ምስቲ ኣብ ሮሜ ዝነበረ ጳጳስ ስምምዕ ገበረ። ኣብ 1935 ሂትለር ሚኒስትሪ ጕዳያት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣቘመ። ሓደ ካብቲ ዕላማታቱ ኸኣ ንዅለን ወንጌላውያን ኣብያተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ከም ዝዀና ንምግባር ነበረ።

እቲ ‘ቀላጽም’ ካብቲ ንጉስ ይወጽእ

20. እቲ ንጉስ ሰሜን እተጠቐመሉ ‘ቀላጽም’ እንታይ ኢዩ: ኣንጻር መንከ፧

20 ልክዕ ከምቲ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ሂትለር ብዙሕ ከይጸንሐ ኲናት ከፈተ። እቲ መልኣኽ ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ቀላጽሙ ኣብኡ ኪቘሙ: ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ኬርክሱ: ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ኺውግዱ።” (ዳንኤል 11:⁠31) እቲ ኣብዚ ‘ቀላጽም’ ተባሂሉ ዘሎ እቲ ንጉስ ሰሜን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ንጉስ ደቡብ ንኽዋጋእ እተጠቐመሉ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢዩ። ብ1 መስከረም 1939 ‘ቀላጽም’ ናዚ ንፖላንድ ወረራ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ኸኣ ብሪጣንያን ፈረንሳን ንፖላንድ ንምሕጋዝ ኣብ ልዕሊ ጀርመን ኲናት ኣወጃ። ስለዚ ኸኣ ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጀመረ። ፖላንድ ብኡንብኡ ተሳዕረት: ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ሰራዊት ጀርመን ንደንማርክ: ኖርወይ: ኔዘርላንድስ: በልጅየም: ሉክሰንበርግ: ከምኡውን ፈረንሳ ተቘጻጸርወን። ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ “ኣብ መወዳእታ ናይ 1941 ናዚ ጀርመን ነታ ኣህጉር ተቘጻጸራ” ይብል።

21. ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም እቲ ኵነታት ንሂትለር እተገልበጦ ብኸመይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

21 ጀርመንን ሕብረት ሶቭየትን ኣብ መንጎአን ምሕዝነት: ምትሕግጋዝ: ከምኡውን ምምልካት ዶብ ክህሉ ተሰማሚዐን እኳ እንተ ነበራ ሂትለር ብ22 ሰነ 1941 ንግዝኣት ሶቭየት ክወርር ጀመረ። እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ንሕብረት ሶቭየት ብወገን ብሪጣንያ ከም እትኸውን ገበራ። ሰራዊት ጀርመን ኣቐዲሞም ገስጊሶም እኳ እንተ ጸንሑ ሰራዊት ሶቭየት ግን ኣበርቲዖም ተኸላኸሉ። ብ6 ታሕሳስ 1941 ከኣ ሰራዊት ጀርመን ኣብ ሞስኮ ተሳዕሩ። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ እታ መሻርኽቲ ጀርመን ዝነበረት ጃፓን ንወደብ ፐርል: ሃዋይ: ብቦምብ ደብደበታ። ሂትለር ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ ንደገፍቱ “ሕጂ ፈጺምና ክንሰዓር ኣይንኽእልን ኢና” በሎም። ብ11 ታሕሳስ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሃወኽ ኲናት ኣወጀ። ነቲ ሕብረት ሶቭየትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝነበረን ሓይሊ ግን ኣትሒቱ ርእይዎ ነበረ። ብምብራቕ ሰራዊት ሶቭየት: ብምዕራብ ከኣ ሰራዊት ብሪጣንያን ኣመሪካን የጥቅዑ ብምንባሮም ንሂትለር ኵነታት ክግልበጦ ጀመረ። ሰራዊት ጀርመን ካብ ሓደ ቦታ ናብቲ ሓደ ቦታ ከንሳሕቡ ጀመሩ። ሂትለር ርእሱ ምስ ቀተለ ኸኣ ጀርመን ብ7 ግንቦት 1945 ኣብ ትሕቲ እቶም ጥሙራት ሓይልታት ኣተወት።

22. ንጉስ ሰሜን ‘ነታ መቕደስ ኣርኪሱ ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ዘወገዶ’ ብኸመይ ኢዩ፧

22 እቲ መልኣኽ ‘ቀላጽሙ [ናይ ናዚ] ነታ መቕደስን ነቲ ዕርዳን ከርክሱ: ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ከወግዱ’ ምዃኖም ተዛሪቡ ነበረ። ኣብ ጥንታዊት ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ቤት መቕደስ ነይሩ ኢዩ። ኣይሁዳውያን ንየሱስ ምስ ነጸግዎ ግን የሆዋ ንዕኦምን ንቤት መቕደሶምን ነጸጎ። (ማቴዎስ 23:⁠37–24:⁠2) ካብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ቤት መቕደስ የሆዋ መንፈሳዊት ኢያ ኰይና። እዛ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ እዚኣ ኸኣ ቅድስተ ቅዱሳና ኣብ ሰማይ: መንፈሳዊ ኣጸዳ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኢዩ። እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት እቲ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ከኣ ኣብዚ ምድራዊ ኣጸድ ኰይኖም የገልግሉ። ካብ 1930ታት ንነጀው እቶም “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ሓቢሮም ከምልኹ ስለ ዝጸንሑ ኣብ ‘ቤት መቕደስ’ የገልግሉ ኣለዉ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። (ራእይ 7:⁠9, 15፣ 11:⁠1, 2፣ እብራውያን 9:⁠11, 12, 24) ንጉስ ሰሜን ኣብተን ንሱ ዝቈጻጸረን ዝነበረ ሃገራት ንዝነበሩ ቅቡኣት ተረፍን ብጾቶምን ብቐጻሊ ስደት ብምውራድ ነቲ ምድራዊ ኣጸድ ናይታ ቤት መቕደስ ኣርከሶ። እቲ ስደት ኣዝዩ ጽዑቕ ብምንባሩ እቲ “ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ”​—⁠እቲ ስም የሆዋ ንምውዳስ ዝቐርብ ምስክርነት​—⁠እውን ከይተረፈ ተወጊዱ ነበረ። (እብራውያን 13:⁠15) ይኹን እምበር: ዘስካሕክሕ ስቓይ እኳ እንተ ወረዶም እቶም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቶም ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ሓቢሮም ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዕዮ ስብከቶም ቀጺሎም ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16

‘እቲ ፍንፉን ነገር ቈመ’

23. ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተራእየ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ ነይሩ፧

23 ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ምውድኡ ገጹ ክኸይድ ከሎ ልክዕ ከምቲ እቲ መልኣኽ ኣቐዲሙ ዝበሎ ካልእ ምዕባለ ተራእየ። እቲ መልኣኽ “ነቲ ዜጥፍእ ፍንፉን ነገር ከኣ ኬቝሙ እዮም” ኢሉ ነበረ። (ዳንኤል 11:⁠31) የሱስ እውን ብዛዕባ እቲ “ፍንፉን ነገር” ተዛሪቡ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን እቲ ፍንፉን ነገር ነቶም ዓለወኛታት ኣይሁድ ንምጥፋእ ናብ የሩሳሌም ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ዝመጸ ሰራዊት ሮሜ ምንባሩ ተረጋጊጹ ኢዩ። c​—⁠ማቴዎስ 24:⁠15፣ ዳንኤል 9:⁠27

24, 25. (ሀ) ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና እቲ “ፍንፉን ነገር” እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ‘ፍንፉን ነገር ዝቘመ’ መዓስን ብኸመይ ኢዩ፧

24 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና እንታይ “ፍንፉን ነገር” ኢዩ ‘ዝቘመ’፧ እዚ መንግስቲ ኣምላኽ መሲሉ ዝቐርብ ‘ዘፈንፍን’ ነገር ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ጀመረ ናብ መዓሙቝ ዝኣተወ ወይ ከም ዓቃቢ ሰላም ዓለም ምዃን ዘቋረጸ በቲ ቀይሕ ኣራዊት ተመሲሉ ዘሎ እተኣሳሳራ መንግስታት ኢዩ። (ራእይ 17:⁠8) ይኹን እምበር: ‘እቲ ኣራዊት ካብ መዓሙቝ ክወጽእ’ ነበሮ። እዚ ኸኣ ንሕብረት ሶቭየት ነበር ሓዊስካ 50 ኣባላት ሃገራት ሒዙ ብ24 ጥቅምቲ 1945 ሕቡራት ሃገራት ኰይኑ ምስ ቈመ ተፈጸመ። ስለዚ ኸኣ በቲ መልኣኽ ተነጊሩ ዝነበረ “ፍንፉን ነገር”​—⁠ሕቡራት ሃገራት​—⁠ቈመ።

25 ጀርመን ኣብ ክልቲኡ ውግኣት ዓለም ኣውራ ጸላኢት ንጉስ ደቡብ ኰይና ብምንባራ ቦታ ንጉስ ሰሜን ሒዛ ነበረት። ብድሕሪኣኸ ንቦታ ንጉስ ሰሜን መን ኢዩ ክሕዞ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ምዕራፍ 6 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

b ቅዱስ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ቀዳማይ ራይክ ክኸውን ከሎ ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ከኣ ካልኣይ ራይክ ነበረ።

c ምዕራፍ 11 ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• መበል 19 ዘመን ክውዳእ ከሎ ኣየኖት ሓይልታት ኢዮም ቦታ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን ዝሓዙ፧

• ኣብ ግዜ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብኸመይ ኢዩ ውጽኢት ናይቲ ግጭት ንንጉስ ሰሜን ‘እቲ ዳሕራይ ጊዜ ከምቲ ቀዳማይ ዘይኰነሉ’፧

• ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ሂትለር ንጀርመን ኣብ መድረኽ ዓለም ጽልዋ ዘለዋ ሓይሊ ዝገበራ ብኸመይ ኢዩ፧

• ውጽኢት ናይቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ መንጎ ንጉስ ሰሜንን ንጉስ ደቡብን እተገብረ ግጭት እንታይ ነበረ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 268 ዘሎ ሰሌዳ/ስእልታት]

ኣብ ዳንኤል 11:27-​31 ዘለዉ ነገስታት

ንጉስ ንጉስ

ሰሜን ደቡብ

ዳንኤል 11:27-30 ሃጸያዊ ግዝኣት ጀርመን ብሪጣንያ: ብድሕሪኣ

(ቀዳማይ ውግእ ዓለም) ንግሎ⁠-​ኣመሪካ

ሓይሊ ዓለም

ዳንኤል 11:30, 31 ናይ ሂትለር ሳልሳይ ራይክ ኣንግሎ⁠-​ኣመሪካ

(ካልኣይ ውግእ ዓለም) ሓይሊ ዓለም

[ስእሊ]

ፕረዚደንት ውድሮው ዊልሰን ምስ ንጉስ ጆርጅ ሓሙሻይ

[ስእሊ]

ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ መዳጎኒ ደምበታት ስደት ወሪድዎም ኢዩ

[ስእሊ]

መራሕቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንሂትለር ደገፍዎ

[ስእሊ]

ኣርክዱክ ፈርዲናንድ እተቐትለላ ማኪና

[ስእሊ]

ወተሃደራት ጀርመን ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም

[ኣብ ገጽ 257 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዊንስተን ቸርቺል: ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፍራንክሊን ዲ. ሩዝቨልት: ከምኡውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሶቭየት ጆሴፍ ስታንሊን ኣብ 1945 ኣብ ያልታ ንጀርመን ክቈጻጸርዋ: ኣብ ፖላንድ ሓድሽ መንግስቲ ክተኽሉ: ሕቡራት ሃገራት ንምምስራት ከኣ ዋዕላ ክገብሩ ተሰማምዑ

[ኣብ ገጽ 258 ዘሎ ስእሊ]

1. ኣርክዱክ ፈርዲናንድ 2. ሓይሊ ባሕሪ ጀርመን 3. ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ 4. ሉሱተንያ 5. ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኲናት ዝኣወጀትሉ ሰነድ

[ኣብ ገጽ 263 ዘሎ ስእሊ]

እታ ኣብ ግዜ ኲናት መሻርኽቲ ጀርመን ዝነበረት ጃፓን ንወደብ ፐርል ብቦምብ ምስ ደብደበታ ኣዶልፍ ሂትለር ከም ዝዕወት እምንቶ ኣሕደረ