ካብ ምንጋጋ ኣናብስ ድሒኑ!
ምዕራፍ ሸሞንተ
ካብ ምንጋጋ ኣናብስ ድሒኑ!
1, 2. (ሀ) ዳርዮስ ሜዶናዊ ነቲ ሰፊሕ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ብኸመይ ኢዩ ዘመሓደሮ፧ (ለ) ስራሕን ስልጣንን ናይቶም መሳፍንቲ ግለጽ።
ባቢሎን ወዲቓ! እቲ ከም ናይ ዓለም ሓያል መጠን ንሓደ ዘመን ዝኣክል ዝነበራ ክብሪ ኣብ ውሽጢ ውሑድ ሰዓታት ጠፍአ። ሓድሽ መዋእል—መዋእል ሜዶንን ፋርስን—ጀመረ። ዳርዮስ ሜዶናዊ ንቤልሻጽር ስለ ዝተክኦ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ናይ ምምሕዳር ብድሆ ገጠሞ።
2 ሓደ ካብቲ ዳርዮስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ዕዮ 120 መሳፍንቲ ምሻም ኢዩ ነይሩ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዝምረጹ ሓድሓደ ግዜ ካብ መንጎ ኣዝማድ እቲ ንጉስ ጥራይ ኢዮም ነይሮም። ነፍሲ ወከፍ መስፍን ሓንቲ ኣውራጃ ወይ ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ሃጸያዊ ግዝኣት የማሓድር ነበረ። (ዳንኤል 6:1) ገለ ካብቲ ሓላፍነት ናይ ሓደ መስፍን ከኣ ግብሪ ምእካብን ነቲ ግብሪ ናብቲ ቤተ-መንግስቲ ምልኣኽን ኢዩ ነይሩ። ዋላ እኳ በብግዜኡ ካብቲ ንጉስ ዝለኣኹ ተቘጻጸርቲ እንተ ነበሩ: እቶም መሳፍንቲ ዓቢ ስልጣን ኢዩ ነይርዎም። መስፍን ዝብል ሽመት “ሓላው እታ መንግስቲ” ማለት ኢዩ። ኣብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ቦታ መስፍን ክበሃል ከሎ ከም ዝግብር ንጉስ ኢዩ ዝርአ: ዳርጋ ዝለዓለ ሓይሊ ኸኣ ኢዩ ዘለዎ።
3, 4. ዳርዮስ ኣብ ዳንኤል ጽቡቕ ኣረኣእያ ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ: ከመይ ዝበለ ስልጣንከ ኢዩ ዝሃቦ፧
3 ዳንኤል ኣብዚ ሓድሽ ኣመዳድባ እዚ እንታይ ግደ ኢዩ ክህልዎ፧ ዳርዮስ ሜዶናዊ ነዚ ሕጂ ኣብ መበል ተስዓታት ዕድመ ዘሎ ኣረጊት ኣይሁዳዊ ነብዪ ጥሮታ ከውጽኦ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየውጽኦን ኢዩ! ዳንኤል ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን ብልክዕ ከም እተነበየ: ከምዚ ዝኣመሰለ ትንቢት ንምዝራብ ከኣ ልዕለ-ባህርያዊ ዝዀነ ምስትውዓል ከም ዘድሊ ዳርዮስ ከም እተረድአ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚ: ነተን ኣብ ባቢሎን ዝነበራ ምሩኻት ዝሓዛ እተፈላለያ ጕጅለታት ብምምሕዳር ዳንኤል ናይ ብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ ተመክሮ ነይርዎ ኢዩ። ዳርዮስ ምስ እዞም ዝማረኾም ሓደስቲ ተገዛእቱ ጽቡቕ ርክብ ናይ ምግባር ዕላማ ኢዩ ነይርዎ። ስለዚ ኸኣ ከም ናይ ዳንኤል ዝኣመሰለ ጥበብን ተመክሮን ዘለዎ ኣማኻሪ የድልዮ ነበረ። ከመይ ዝበለ ስልጣንከ ክወሃቦ ነበሮ፧
4 ዳርዮስ ነቲ ኣይሁዳዊ ምሩኽ: ዳንኤል: መስፍን ክኸውን እንተ ዝሸሞ ጥራይ እኳ ኣዝዩ ዘገርም ምዀነ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ዳርዮስ ንዳንኤል ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣሕሉቝ ናይ ኵሎም መሳፍንቲ ገይሩ ከም ዝሸሞ ምስ ኣወጀ ዝነበረ ምድንጻው እሞ ሕስብ ኣብሎ! ዳንኤል ካብቶም ከምኡ ስልጣን ዝነበሮም ኣሕሉቝ እውን ከይተረፈ ‘በሊጹ’ ተረኺቡ ኢዩ። ብርግጽ “ብሉጽ መንፈስ ሐዲርዎ ነበረ።” ዳርዮስ ቀዳማይ ሚኒስተር ክገብሮ እውን ከይተረፈ ሓሲቡ ኢዩ።—ዳንኤል 6:2, 3
5. ዳንኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ምስ ተዋህቦ እቶም ካልኦት ራእስታትን መሳፍንትን እንታይ ኢሎም ክዀኑ ኣለዎም: ስለምንታይከ፧
5 እቶም ካልኦት ሰበ-ስልጣንን መሳፍንትን ኣዝዮም ሓሪቖም ክዀኑ ኣለዎም። ዳንኤል ሜዶናዊ ወይ ፋርሳዊ ወይ እውን ኣባል ንጉሳዊ ቤተሰብ ዘይነበረ ክነሱ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ክህልዎ ፈጺሞም ክቕበልዎ ኣይከኣሉን! ዳርዮስ ነቶም ደቂ ዓዱ: አረ ነቶም ኣባላት ስድራቤቱ እውን ከይተረፈ ገዲፉ ንሓደ ወዲ ወጻኢ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ሓላፍነት ከመይ ኢሉ ይህቦ፧ እዚ ዘይፍትሓዊ መሲሉ ተራእይዎም ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ: ዳንኤል ንጽህናኡ ዝሕሉ ብምንባሩ ኣይፈተውዎን ኢዮም ነይሮም: ከመይሲ ነቲ ናይ ብልሽውና ተግባራቶም ዝቕይድ ገይሮም ኢዮም ርእዮምዎ። እንተዀነ ግን: እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ነቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ዳርዮስ ኰይኖም ክዛረብሉ ኣይደፈሩን። ዳርዮስ ንዳንኤል ዝለዓለ ቦታ ሂብዎ ስለ ዝነበረ ፈርሁ።
6. እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ዋጋ ዘይብሉ ክገብርዎ ዝሓሰቡ ብኸመይ ኢዮም: እዚ ጻዕሪ እዚ ከንቱ ዝዀነኸ ብኸመይ ኢዩ፧
6 ስለዚ እዞም ቀናኣት ኣመሓደርቲ መንግስቲ እዚኣቶም ንሓድሕዶም ተማኸሩ። ንዳንኤል “ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ኪረኽቡሉ” ጸዓሩ። ሓላፍነታቱ ኣብ ምፍጻም ገለ ጌጋታት ይገብርዶ ነይሩ ይኸውን፧ መደላሃቒ ድዩ ነይሩ፧ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ኣብ ስርሑ ገለ ጌጋ ወይ መንቀፊ ክረኽብሉ ኣይከኣሉን። “ነዚ ዳንኤልሲ: በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘይኰይኑ: ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና” ድማ በሉ። ስለዚ ኸኣ እዞም ክፉኣት ሰባት እዚኣቶም ብኣምልኾኡ ውዲት ኣለሙ። ንዳንኤል ሓንሳእ ንሓዋሩ ዘጥፍእዎ ኰይኑ ተሰምዖም።—ዳንኤል 6:4, 5
ናይ ቅትለት ውዲት ይጅምር
7. እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ነቲ ንጉስ እንታይ ሓሳብ ኢዮም ዘቕረብሉ: ብኸመይ ዝበለ ኣገባብከ ኢዮም ከምኡ ዝገበሩ፧
7 እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ኣብ ቅድሚ ዳርዮስ “ተኣከቡ።” እታ ኣብዚ “ተኣከቡ” ተባሂላ ዘላ ናይ ኣረማይስጢ ቃል ውዕዉዕ ስምዒት ከም ዝነበሮም ኢያ እተስምዕ። ንዳርዮስ ህጹጽ ጕዳይ ክነግርዎ ከም ዝደለዩ ኰይኖም ከኣ ኢዮም ቀሪቦም። እቲ ጕዳይ ወዓል ሕደር ከይበልካ ኣቓልቦ ክግበረሉ ዘድሊ ነገር ከም ዝዀነ ገይሮም ተኣማሚኖም እንተድኣ ኣቕሪቦምዎ ዳርዮስ ኣይጥርጥረናን ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነይርዎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ብቐጥታ ከምዚ በሉ:- “ኵላቶም ራእስታት መንግስትን ሹማምትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን: በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን: ዎ ንጉስ: ንኣኻ እንተ ዘይኰይኑ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዚድርበ: ትእዛዝ ንጉስ ኪጸንዕ: ብርቱዕ ክልክል ከኣ ኪእወጅ ሐቢሮም መኸሩ።” a—ዳንኤል 6:6, 7
8. (ሀ) ዳርዮስ እቲ ዝቐረበሉ ሓሳብ ባህ ዘብል ኰይኑ ዝረኸቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ናይ ሓቂ ድራኸ ናይቶም ራእስታትን መሳፍንትን እንታይ ነበረ፧
8 እቶም ኣብ መሰጶጣምያ ዝነበሩ ነገስታት ከም መለኮታውያን ኰይኖም ክረኣዩን ክምለኹን ልሙድ ምንባሩ ታሪኻዊ መዛግብቲ የረጋግጽ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዳርዮስ በዚ ሓሳብ እዚ ባህ ኢልዎ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምናልባት እውን ነቲ ከምጽኦ ዝኽእል ጥቕሚ ርእዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ሰባት ዳርዮስ መጻእተኛ ከምኡውን ጋሻ ምንባሩ ኣይትረስዕ። እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ከም ንጉስ ንኽቐውም ይጠቕሞ: ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ድማ ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ተኣማንነቶምን ደገፎምን ንኽህቡ ዘተባብዖም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ነቲ ሓሳብ ከቕርብዎ ከለዉ ንድሕንነት እቲ ንጉስ ሓልዮም ኣይኰኑን። እቲ ናይ ሓቂ ድራኸኦም ንዳንኤል ኣብ መፈንጠራ ንምእታው ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ መሳዅቲ ናይታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ከፊቱ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናይ ምጽላይ ልምዲ ከም ዝነበሮ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም።
9. እቲ ሓድሽ ሕጊ ንመብዛሕትኦም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዘየጸግም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
9 እዚ ኣብ ጸሎት እተገብረ ክልክል ንዅለን እተን ኣብ ባቢሎን ዝነበራ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ጸገም ዝፈጥረለን ድዩ ነይሩ፧ እቲ ክልክል ንሓደ ወርሒ ጥራይ ዝጸንሕ ብምንባሩ ጸገም ዝፈጥረለን ኢዩ ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: መብዛሕትኦም ካብ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ንእተወሰነ ግዜ ንሰብኣዊ ፍጡር ምምላኽ ከም ምልምማጥ ገይሮም ኣይርእይዎን ኢዮም ነይሮም። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ይብል:- “ነቶም ኣዝዮም መምለኽቲ ጣኦት ዝዀኑ ህዝብታት ንንጉስ ምምላኽ ሓድሽ ነገር ኣይነበረን፣ ስለዚ ኸኣ ባቢሎናውያን ነቲ ዝሰዓረ ንጉስ—ዳርዮስ ሜዶናዊ—ከም ኣምላኽ ገይሮም ከምልኽዎ ምስ ተሓቱ ዕጥይጥይ ከይበሉ ኢዮም ተቐቢሎምዎ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ዘይተሰማምዕሉ ኣይሁዳውያን ጥራይ ኢዮም።”
10. ሜዶናውያንን ፋርሳውያንን ነቲ ንጉሶም ዘውጽኦ ሕጊ ብኸመይ ርኣይዎ፧
10 እዚ ዀይኑ እቲ ግን እቶም ናብ ዳርዮስ ዝኣተዉ ሰባት “ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኪኸውን እሞ ከይልወጥሲ: ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ኽልክል ኣጽንዓዮ” በልዎ። (ዳንኤል 6:8) ኣብ ግዜ ጥንቲ ኣብ ምብራቕ እቲ ንጉስ ዝበሎ ከም ፍጹም ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ ነይሩ። ንንጹሃት ሰባት ከም ዝቕተሉ ዝገብር ሕጊ እውን ይኹን ክትግበር ነበሮ!
11. ዳንኤል በቲ ናይ ዳርዮስ ኣዋጅ ብኸመይ ኢዩ ዝትንከፍ፧
11 ዳርዮስ ብዛዕባ ዳንኤል ከይሓሰበ ነቲ ኣዋጅ ፈረመሉ። (ዳንኤል 6:9) ብዘይፍላጥ ንሓደ ኣኽቢሩ ዝርእዮ ዝነበረ ራእሲ ንኽቕተል ዝእዝዝ ወረቐት ፈረመሉ። እወ: ዳንኤል በዚ ኣዋጅ እዚ ከም ዝትንከፍ ርግጽ ኢዩ ነይሩ።
ዳርዮስ ከቢድ ፍርዲ ክህብ ተገደደ
12. (ሀ) ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕጊ ምስ ፈለጠ ብኡንብኡ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ንዳንኤል ዝዕዘብዎ ዝነበሩ መን ኢዮም: ስለምንታይከ፧
12 ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ጸሎት ዝኽልክል ሕጊ ሰምዐ። ብኡንብኡ ኸኣ ናብታ መሳዅታ ናብ የሩሳሌም ገጹ ተኸፊቱ ዝነበረ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ከደ። b “ከምቲ ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ” ኸኣ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመረ። ዳንኤል በይኑ ዘሎ እኳ እንተ መሰሎ እቶም ነቲ ውዲት ዝኣለሙ ግን ይዕዘብዎ ነይሮም ኢዮም። ብሃንደበት ከኣ ልክዕ ከምቲ ናብ ዳርዮስ ክኣትዉ ኸለዉ ውዕዉዕ ስምዒት ዝነበሮም ኰይኖም “ተአኻኸቡ።” ዳንኤል “ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ኺጽልን ኪምህለልን” ኢዮም ረኺቦምዎ: ስለዚ ኸኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኢዮም። (ዳንኤል 6:10, 11) እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ዳርዮስ ንኸቕርብዎ ዘድልዮም ኵሉ መርትዖ ኣለዎም።
13. ጸላእቲ ዳንኤል እንታይ ኢሎም ኢዮም ንንጉስ ዝነገርዎ፧
13 ጸላእቲ ዳንኤል ብጥበብ ንዳርዮስ ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ:- “ዎ ንጉስ: በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን: ንኣኻ እንተ ዘይኰይኑ: ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ኪድርበ: ኢልካዶ ኽልክል ኣይአወጅካን፧” ዳርዮስ ከኣ “እዚ ነገር እዚ ኸምቲ ኺልወጥ ዘይከአል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። ሕጂ እቶም ኣለምቲ ውዲት መምጽኢኦም ጕዳይ ክገብሩ ጀመሩ። “እዚ ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን አሎ እምበር: ዎ ንጉስ: ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝአወጅካዮ ኽልክል ግዲ የብሉን” ኢሎም ነገርዎ።—ዳንኤል 6:12, 13
14. እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል “ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ” ኢሎም ዝጸውዕዎ ስለምንታይ ኢዮም፧
14 እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል “ኻብ ደቂ ምርኮ ይሁዳ” ኢሎም ክጽውዕዎ ከለዉ ትርጕም ነይርዎ ኢዩ። ከምዚ ምባሎም እቲ ዳርዮስ ዝለዓለ ቦታ ዝሃቦ ዳንኤል ተራ ኣይሁዳዊ ባርያ ከም ዝዀነ ንምጕላሕ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ክሳዕ ክንደይ ይፍተዎ ብዘየገድስ ነቲ ሕጊ ክእዘዝ ኣለዎ ዝብል እምነት ኢዩ ነይርዎም!
15. (ሀ) ዳርዮስ ብዛዕባ እቲ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ዝነገርዎ እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ዝነበሮም ጽልኢ ብተወሳኺ ብኸመይ ኣርኣዩ፧
15 እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ከምዚ ዝኣመሰለ ውሕሉል ዝዀነ ምርመራዊ ተግባር ምክያዶም እቲ ንጉስ ዝሽልሞም መሲልዎም ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምኡ ሓሲቦም እንተድኣ ነይሮም: ዘይተጸበይዎ ነገር ኢዩ ኣጋጢምዎም። ዳርዮስ በቲ ዝነገርዎ ኣጸቢቑ ተረበሸ። በቲ ዳንኤል ዝገበሮ ኣብ ክንዲ ዝቝጣዕ ወይ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ ኣብ ክንዲ ዝእዝዝ ከድሕነሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ንምርካብ ምሉእ መዓልቲ ጸዓረ። ጻዕሩ ግን ኣይተዓወተን። ነዊሕ ከይጸንሑ እቶም ኣለምቲ ውዲት ተመለሱ: ከይሓፈሩ ኸኣ ዳንኤል ክቕተል ሓተቱ።—ዳንኤል 6:14, 15
16. (ሀ) ዳርዮስ ንኣምላኽ ዳንኤል ዘኽብሮ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዳርዮስ ብዛዕባ ዳንኤል እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝነበሮ፧
16 ዳርዮስ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። እቲ ሕጊ ክልወጥ ወይ ዳንኤል ዝገበሮ “በደል” ይቕረ ክበሃለሉ ኣይክእልን ኢዩ። ዳርዮስ ንዳንኤል “እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ ኣይነበረን። ዳርዮስ ንኣምላኽ ዳንኤል ዘኽብሮ ዝነበረ ኢዩ ዝመስል። ዳንኤል ብዛዕባ ምውዳቕ ባቢሎን ንኽንበ ክእለት ዝሃቦ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንዳንኤል “ብሉጽ መንፈስ” ሂብዎ ነበረ: እዚ ኸኣ ካብቶም ካልኦት ራእስታት ፍልይ ዘብሎ ኢዩ ነይሩ። ዳርዮስ እዚ ኣምላኽ እዚ ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር ነቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ካብ ጕሁር እቶን ሓዊ ከም ዘድሓኖም ምናልባት ይፈልጥ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዳርዮስ ነቲ ዝፈረመሉ ሕጊ ክቕይሮ ስለ ዘይክእል የሆዋ ንዳንኤል ከድሕኖ ተስፋ ገይሩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርበየ። c ብድሕርዚ “ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዐጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ: ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ: ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሐተሞ።”—ዳንኤል 6:16, 17
ዘደንጹ ምልዋጥ ናይቲ ኵነታት
17, 18. (ሀ) ዳርዮስ በቲ ናይ ዳንኤል ኵነታት ከም እተጨነቐ ዘርእየና እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ንጉስ ንጽባሒቱ ንግሆ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ምስ ከደ እንታይ ኣጋጠመ፧
17 እቲ ጕህዩ ዝነበረ ዳርዮስ ናብ ቤተ-መንግስቱ ተመልሰ። ጕህዩ ስለ ዝነበረ ከዘናግዕዎ ሙዚቀኛታት ኣይኣተዉን። ጾሙ ምሉእ ለይቲ ኮፍ ኢሉ ሓደረ። “ድቃስውን ካብኡ በረረ።” ምስ ወግሐ ዳርዮስ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ጐየየ። እናሕነቕነቐ ኸኣ “ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ: እቲ ዅሉ ጊዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ኬናግፈካዶ ኸአለ፧” ኢሉ ተዳሃየ። (ዳንኤል 6:18-20) ዝምልሰሉ ድምጺ ምስ ሰምዐ ኣተንፈሰ: ኣዝዩ ድማ ደንጸዎ!
18 ዳንኤል “ዎ ንጉስ: ንዘለኣለም ህያው ኩን” ኢሉ ኣኽብሮት ዘለዎ መልሲ ምሃቡ ኣብቲ ንጉስ ቂም ከም ዘየሕደረ ኢዩ ዘርኢ። ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ስደት ዳርዮስ ዘይኰነስ እቶም ቀናኣት ራእስታትን መሳፍንትን ምዃኖም ተገንዚቡ ነበረ። (ምስ ማቴዎስ 5:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:60 ኣረኣእዮ።) ዳንኤል ቀጺሉ “ዎ ንጉስ: ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ: ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ: ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ: ኣፍ ኣናብስ ዐጸወ: ከቶውን ኣይጐድኡንን” በሎ።—ዳንኤል 6:21, 22
19. እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳርዮስ ብኸመይ ኢዮም ዘታለልዎን ከም ድሌቶም ገይሮም ዝጠዋወይዎን፧
19 እዘን ቃላት እዚኣተን ንሕልና ዳርዮስ ክሳዕ ክንደይ ኣሕሚመንኦ ክዀና ኣለወን! ዳንኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ዘደርቢ ነገር ዋላ ሓንቲ ከም ዘይገበረ እቲ ንጉስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ዳንኤል ንኽቕተል ውዲት ከም ዝኣለሙ: ነቲ ስሱዕ ዝዀነ ዕላምኦም ንምፍጻም ከኣ ከም ዝጠዋወይዎ ዳርዮስ ጽቡቕ ገይሩ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ። ‘ኵላቶም ራእስታት መንግስቲ’ ነቲ ኣዋጅ ተሰማሚዖምሉ ኢዮም ምባሎም ዳንኤል እውን በቲ ጕዳይ ከም እተሰማምዐ ገይሮም ኢዮም ኣቕሪቦምዎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ዳርዮስ ጸኒሑ ነዞም እኩያት ሰባት እዚኣቶም ክጸባጸቦም ኢዩ። መጀመርታ ግን ንዳንኤል ካብቲ ጕድጓድ ከውጽእዎ ኣዘዘ። ዳንኤል ገለ ፍሕንጣር እውን ዘይብሉ ምውጽኡ ብሓቂ ትእምርቲ ኢዩ ነይሩ!—ዳንኤል 6:23
20. ነቶም እኩያት ጸላእቲ ዳንኤል እንታይ ኣጋጠሞም፧
20 ዳንኤል ድሒኑ ኢዩ: ዳርዮስ ከኣ ክገብሮ ዘለዎ ካልእ ጕዳይ ነበሮ። “እቲ ንጉስ ከኣ አዘዘ: ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም: ንሳቶምን ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ: እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም። ኵሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎም።” d—ዳንኤል 6:24
21. ስድራቤት ገበነኛታት ብኸመይ ክተሓዙ ከም ዘለዎም ብዝምልከት: ኣብ መንጎ ሕጊ ሙሴን ሕጊ ናይቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ገለ ባህልታትን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧
21 ነቶም ኣለምቲ ውዲት ጥራይ ዘይኰነስ ንኣንስቶምን ደቆምን እውን ምቕታል ዘይምኽንያታዊ መሲሉ ይርአ ይኸውን። እቲ ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ዝሃቦ ሕጊ ከምዚ ኢዩ ዝብል ነይሩ:- “ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ: ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት።” (ዘዳግም 24:16) ይኹን እምበኣር: ኣብ ገሊኡ ጥንታዊ ባህልታት ከቢድ ዝዀነ ሓጢኣት ምስ ዝግበር ነቶም ካልኦት ኣባላት ስድራቤት እውን ምስኡ ምቕታል ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ ምናልባት እቶም ካልኦት ኣባላት ዳሕራይ ሕነ ክፈድዩ ከይደልዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ናይቶም ራእስታትን መሳፍንትን እተወስደ ስጕምቲ ግን ዳንኤል ዝገበሮ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ። ምናልባት እዞም እኩያት ሰባት እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መግደራ ከም ዝወርድ ምግባሮም ዳንኤል ጒህዩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
22. ዳርዮስ እንታይ ሓድሽ ኣዋጅ ኢዩ ዘውጽአ፧
22 እዞም እኩያት ራእስታትን መሳፍንትን ሕጂ የለዉን። ዳርዮስ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ኣዋጅ ኣውጽአ:- “ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዚነብር ህያው ኣምላኽ እዩ: መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ: ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ኪቐውም እዩ እሞ: ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፍርሁን: ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ንሱ የናግፍን የድሕንን: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከኣ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሐነ ድማ ንሱ እዩ።”—ዳንኤል 6:25-27
ንኣምላኽ ኵሉ ግዜ ኣገልግል
23. ንዓለማዊ ስራሕ ዝምልከት ዳንኤል እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ: ብኸመይከ ኢና ክንመስሎ እንኽእል፧
23 ዳንኤል ንዅሎም ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ገዲፉሎም። ኣካይድኡ ኵሉ ግዜ ኣበር ዘይብሉ ኢዩ ነይሩ። ዳንኤል ኣብ ዓለማዊ ስርሑ “እሙን ነበረ: ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ” ኣይነበሮን። (ዳንኤል 6:4) ሓደ ክርስትያን እውን ብስራሕ ዝመጸ ህርኩት ክኸውን ኣለዎ። እዚ ግን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ዝጐዪ ወይ ኣብ ስርሑ ዕቤት ንኽረክብ ኢሉ ንኻልኦት ዝጭፍልቕ ክኸውን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። (1 ጢሞቴዎስ 6:10) ቅዱሳት ጽሑ ፋት ሓደ ክርስትያን ኣብ ዓለማዊ ስርሑ ሓቀኛ ከምኡውን “ንእግዚኣብሄር” ከም ዝገብሮ ገይሩ ብምሉእ ነፍሱ ዝሰርሕ ክኸውን ኢዩ ዝመኽሮ።—ቈሎሴ 3:22, 23፣ ቲቶስ 2:7, 8፣ እብራውያን 13:18
24. ብኣምልኾ ዝመጸ ዳንኤል ዘይለማመጥ ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧
24 ብኣምልኾ ዝመጸ ዳንኤል ዘይለማመጥ ኢዩ ነይሩ። ናይ ምጽላይ ልምዲ ከም ዝነበሮ ኵሉ ሰብ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ዳንኤል ንኣምልኾኡ ኣርዚኑ ከም ዝርእዮ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ሕጊ ዝኽልክሎ እንተዀነ እውን ነቲ ናይ ምጽላይ ልምዱ ከም ዘየቋርጾ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነበሩ። ኣየ እዝስ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ! ንሳቶም እውን ንኣምልኾ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብ ዝመጸ ጽቡቕ ስም ኢዩ ዘለዎም። (ማቴዎስ 6:33) እዚ ተዓዘብቲ ብቐሊሉ ክርእይዎ ዝኽእሉ ነገር ክኸውን ኣለዎ: ከመይሲ የሱስ ንሰዓብቱ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 5:16
25, 26. (ሀ) ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ዳንኤል ዝወሰዶ ስጕምቲ እንታይ ኢሎም ይድምድሙ ይዀኑ፧ (ለ) ዳንኤል ኣብቲ ዝነበሮ ልምዲ ለውጢ ምግባር ከም ምልምማጥ ገይሩ ዝረኣዮ ስለምንታይ ኢዩ፧
25 ገሊኦም ዳንኤል ን30 መዓልቲ ብሕቡእ እናጸለየ ካብቲ ዝወረዶ ስደት ክድሕን ይኽእል ነይሩ ኢዩ፣ ደሓር ከኣ ኣምላኽ ጸሎትካ ንኽሰምዖ ፍሉይ ኣቃውማ ወይ ቦታ ኣየድልን: ነቲ ብልብኻ እተስተንትኖ ነገራት እውን ክርድኦ ይኽእል ኢዩ ይብሉ ይዀኑ። (መዝሙር 19:14) ዳንኤል ግን ኣብቲ ዝነበሮ ልምዲ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ምግባር ከም ምልምማጥ ገይሩ ኢዩ ርእይዎ። ስለምንታይ፧
26 እቲ ዳንኤል ዝነበሮ ናይ ምጽላይ ልምዲ ፍሉጥ ስለ ዝነበረ ሃንደበት እንተ ዝገድፎ ንኻልኦት እንታይ መልእኽቲ መተሓላለፈሎም፧ እቶም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ሰባት ዳንኤል ንሰብ ዝፈርህ: ንሕጊ ንጉስ ከኣ ልዕሊ ሕጊ የሆዋ ገይሩ ዝርኢ ሰብ ኢዩ ኢሎም ምደምደሙ ነይሮም። (መዝሙር 118:6) ዳንኤል ግን በቲ ዝወሰዶ ስጕምቲ የሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ዝግብኦ ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። (ዘዳግም 6:14, 15፣ ኢሳይያስ 42:8) ከምዚ ክገብር ከሎ ግን ዳንኤል ነቲ ሕጊ ንጉስ ብንዕቀት ዕሽሽ ኢልዎ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ብምልምማጥ እውን ኣየድሓርሓረን። ዳንኤል ኣብታ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ደይቡ ከምቲ ሕጊ ንጉስ ቅድሚ ምውጽኡ “ቐደም ዚገብሮ ዝነበረ” ምጽላይ ቀጸለ።
27. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ (ሀ) ንስልጣናት ብምግዛእ (ለ) ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ብምእዛዝ (ሐ) ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ክነብሩ ብምጽዓር ከም ዳንኤል ክዀኑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
27 ሎሚ እውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ናይ ዳንኤል ኣብነት ክማሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንሕጊ ናይታ ዝነብሩላ ሃገር ብምእዛዝ ‘ንስልጣናት ይግዝኡ’ ኢዮም። (ሮሜ 13:1) ይኹን እምበር: ሰባት ዘውጽእዎ ሕጊ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ክጋጮ ኸሎ ህዝቢ የሆዋ ከም ናይቶም ሃዋርያት የሱስ ዝኣመሰለ ኣቕዋም ኢዩ ዝህልዎም። ንሳቶም ብትብዓት “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” በሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:29) ክርስትያናት ከምዚ ክገብሩ ኸለዉ ናዕቢ ወይ ዕልወት ኣየተባብዑን ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ: ‘ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲኦም ብዘይ ህውከት’ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ምንባር ኢዩ ዕላምኦም።—1 ጢሞቴዎስ 2:1, 2፣ ሮሜ 12:18
28. ዳንኤል ንየሆዋ “ዅሉ ጊዜ” ዘገልገሎ ብኸመይ ኢዩ፧
28 ዳርዮስ ኣብ ክልተ ኣጋጣሚታት ዳንኤል ንኣምላኽ “ዅሉ ጊዜ” ከም ዘገልግሎ ተዛሪቡ ኣሎ። (ዳንኤል 6:16, 20) እታ “ዅሉ ጊዜ” ተተርጒማ ዘላ ሱር ቃል ናይ ኣራማይስጢ ካብታ “ኣብ ዓንኬል ምዛር” ዝብል ሓሳብ ዝመጸት ኢያ። ቀጻሊ ዑደት ዘስምዕ ሓሳብ ኢዩ ዘለዋ። ንጽህና ዳንኤል እውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ዘይልወጥ ልምዲ ኢዩ ነይርዎ። ከቢድ ይኹን ቀሊል ፈተና ከጋጥሞ ኸሎ ዳንኤል እንታይ ከም ዝገብር ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። በቲ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ኣብ ቅድሚ የሆዋ እሙንን ጽኑዕን ናይ ምዃን ልምዲ ኢዩ ዝቕጽል።
29 ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ተመሳሳሊ መገዲ ኢዮም ዝስዕቡ። ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብእምነት “ጽድቂ ገበሩ: ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ” ኢሉ ብምጽሓፍ ንዅሎም ክርስትያናት ኣብነት ናይቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ንኣምላኽ ዝፈርሁ ሰባት ክስዕቡ ምዒድዎም ኢዩ። ንዳንኤል ብምምልካት ከኣ “ኣፍ ኣናብስ ዐጸዉ” በለ። ሎሚ ዘሎና ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን ከምቲ ናይ ዳንኤል ዝኣመሰለ እምነትን ጽቡቕ ልምድን ነንጸባርቕ: “በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።”—[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ባቢሎን “ጕድጓድ ኣናብስ” ምንባሩ: በቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ምብራቓውያን ገዛእቲ እንስሳ ዘገዳም ዝዕጸውሉ ቦታ የዳልዉ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ እተወቕረ ጽሑፍ ዝድገፍ ኢዩ።
b ኣብ ደርቢ እትርከብ ቤት ሓደ ሰብ ብሕት ኢሉ ንበይኑ ከዕርፈላ ተባሂላ እትስራሕ ቤት ኢያ።
c እዚ ጕድጓድ ኣናብስ ተባሂሉ ዘሎ እተዃዕተ ጕድጓድ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኡ ማዕጾ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቶም እንስሳታት መእተዊ ዝኸውን ሓፍ ዝብል ማዕጾ እውን ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
d እታ ኣብዚ “ከሰስቲ” ተባሂላ ዘላ ቃል: ናይ ኣረማይስጢ መግለጺት ኰይና “መካፋእቲ” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል ኢያ። እዚ ኸኣ ጸላእቲ ዳንኤል ዝነበሮም እኩይ ህቃነ ዘርኢ ኢዩ።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ዳርዮስ ሜዶናዊ ንዳንኤል ዝለዓለ ስልጣን ክህቦ ዝወሰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
• እቶም ራእስታትን መሳፍንትን እንታይ እኩይ ውዲት ኢዮም ዝኣለሙ፧ የሆዋ ንዳንኤል ብኸመይ ኣድሓኖ፧
• ናብቲ ናይ ዳንኤል ናይ ተኣማንነት ኣብነት ብምቕላብካ እንታይ ተማሂርካ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
29. ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብቲ ናይ ዳንኤል ናይ ተኣማንነት ኣብነት ክጥቀሙ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 114፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 121፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 127 ዘሎ ስእሊ]
ዳንኤል ንየሆዋ “ዅሉ ጊዜ ” የገልግሎ ነይሩ ኢዩ። ንስኻኸ፧