ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣምላኽ ብእተላእከ መልኣኽ ተበራቲዑ

ካብ ኣምላኽ ብእተላእከ መልኣኽ ተበራቲዑ

ምዕራፍ ዓሰርተ ኽልተ

ካብ ኣምላኽ ብእተላእከ መልኣኽ ተበራቲዑ

1. ዳንኤል ኣብ ፍጻሜ ዕላማታት የሆዋ ዓሚቝ ተገዳስነት ስለ ዝነበሮ ብኸመይ ተባረኸ፧

 እቲ ዳንኤል ኣብ ፍጻሜ ዕላማታት ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ተገዳስነት ብዙሕ በረኸት ከም ዝረክብ ገይርዎ ኢዩ። ብዛዕባ እተን መሲሕ ዝቕልቀለለን 70 ሰሙን ዝገልጽ መንፈስካ ዘለዓዕል ትንቢት ተዋህቦ። እቶም እሙናት ዝዀኑ ተረፍ ህዝቡ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኸለዉ ናይ ምርኣይ በረኸት እውን ረኺቡ ኢዩ። እዚ ኸኣ ‘መጀመርታ ዓመት ቂሮስ ንጉስ ፋርስ’ ኣብ ምውድኡ ኣብ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ኰይኑ።​—⁠እዝራ 1:⁠1-4

2, 3. ዳንኤል ምስቶም ኣይሁዳውያን ተረፍ ናብ ይሁዳ ዘይተመልሰሉ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧

2 ዳንኤል ካብ መንጎ እቶም ናብ ይሁዳ እተመልሱ ኣይነበረን። ብዕድመ ደፊኡ ብምንባሩ ነዊሕ ጕዕዞ ዘሸግሮ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዀይኑ እቲ ግን: ገና ኣምላኽ ኣብ ባቢሎን ክገብሮ ዝመደበሉ ዕዮ ነይርዎ ኢዩ። ክልተ ዓመት ሓለፈ። ድሕርዚ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ: እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ: ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ: ነቲ ራእይውን ኣስተውዐሎ።”​—⁠ዳንኤል 10:1

3 ‘ሳልሰይቲ ዓመት ቂሮስ’ ኣብ 536/535 ቅ.ኣ.ዘ. ኢያ ነይራ። ዳንኤል ምስቶም ካብ መስመር ንግስነትን ደቂ ጭዋታትን ዝነበሩ መንእሰያት ይሁዳ ሓቢሩ ናብ ባቢሎን ካብ ዝመጽእ ልዕሊ 80 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። (ዳንኤል 1:⁠3) ኣብ ባቢሎን ክበጽሕ ከሎ ኣብ መጀመርታ ዕድመ ኰተቴ እንተ​ድኣ ነይሩ ሕጂ ዳርጋ 100 ዓመት ገይሩ ኣሎ ማለት ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ተኣማንነት ዝነበሮ ኣገልግሎት ኰን ኢዩ ዝፈጸመ!

4. ዳንኤል ብዕድመ ደፊኡ እኳ እንተ ነበረ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ተራ ኢዩ ዝነበሮ፧

4 ዳንኤል ዋላ እኳ ብዕድመ ደፊኡ እንተ ነበረ: እቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝነበሮ ተራ ግን ኣይተወድአን። ኣምላኽ ብእኡ ገይሩ ገና ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ትርጕም ዘለዎ ትንቢታዊ መልእኽቲ ክነግር ነበሮ። ክሳዕ ኣብዚ ግዜን ብድሕሪኡን ዝጸንሕ ትንቢት ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ንዳንኤል ነዚ ተወሳኺ ኣገልግሎት እዚ ከም ዝዳሎ ንኽገብሮ ምብርታዕ ከም ዘድልዮ ተገንዘበ።

ዘጨነቖ ነገር

5. ንዳንኤል ኣየናይ ጸብጻባት ኢዩ ኣሻቒልዎ ክኸውን ዝኽእል፧

5 ዳንኤል ምስቶም ተረፍ ኣይሁድ ናብ ሃገረ ይሁዳ እንተ ዘይተመልሰ እኳ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ዝፈትዋ ዓዱ ዝግበር ዝነበረ ነገራት ግን ኣጸቢቑ ይግደስ ነይሩ ኢዩ። ካብቲ ዝሰምዖ ነገራት እቲ ኵነታት ጽቡቕ ከም ዘይነበረ ተረድአ። እቲ መሰውኢ እንደገና ተሃኒጹ እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ከኣ መሰረት ተነቢሩሉ ነበረ። (እዝራ ምዕራፍ 3) እቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ሰባት ግን ነቲ ናይ ዳግመ ህንጻ ፕሮጀክት ተጻረርዎ: ኣንጻር እቶም እተመልሱ ኣይሁዳውያን ከኣ እከይ ይኣልሙ ነበሩ። (እዝራ 4:⁠1-5) ብርግጽ እምበኣር ዳንኤል ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ተጨኒቑ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

6. እቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኵነታት ንዳንኤል ዘሻቐሎ ስለምንታይ ኢዩ፧

6 ዳንኤል ነቲ ናይ ኤርምያስ ትንቢት ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠2) እንደገና ምህናጽ ናይታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስን ምምላስ ሓቀኛ ኣምልኾን ምስቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ዝነበሮ ዕላማ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ምዃኑ: እዚ ኸኣ ቅድሚ ምቕልቃል እቲ መሲሕ ክኸውን ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ብዛዕባ እተን “ሰብዓ ሰሙን” ዝገልጽ ትንቢት ካብ የሆዋ ናይ ምቕባል ዓቢ መሰል እውን ከይተረፈ ረኺቡ ነይሩ ኢዩ። ካብዚ ትንቢት እዚ እቲ ምሕዳስን ምህናጽን ዝብል ኣዋጅ ምስ ወጸ ድሕሪ 69 “ሰሙን” መሲሕ ከም ዝመጽእ ተረድአ። (ዳንኤል 9:⁠24-27) ይኹን እምበር: ነቲ የሩሳሌም ዓንያትሉ ዝነበረት ኵነታትን ምድንጓይ ምህናጽ ቤት መቕደስን ኣብ ግምት ብምእታው ዳንኤል ስለምንታይ ተስፋ ከም ዝቘረጸን ከም ዝጐሃየን ንምርዳእ ቀሊል ኢዩ።

7. ዳንኤል ንሰለስተ ሰሙን እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

7 እቲ ጸብጻብ “በቲ ግዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለስተ ሰሙን ምሉእ ሐዚነ ነበርኩ” ይብል። ቀጺሉ ኸኣ “እተን ሰለስተ ሰሙን ክሳዕ ዚፍጸማ: ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን: ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን: ዘይቲውን ኣይተለኼኹን” ይብል። (ዳንኤል 10:2, 3) ብብኽያትን ጾምን “ሰለስተ ሰሙን” ወይ 21 መዓልቲ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ከተሕልፍ ዘይልሙድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ጾም እዚ ምናልባት “ኣብታ መጀመርታ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ” ኢዩ ተወዲኡ ክኸውን ዝኽእል። (ዳንኤል 10:⁠4) ስለዚ ኸኣ እቲ ዳንኤል ዝገበሮ ጾም ነቲ ኣብ መበል 14 መዓልቲ ናይታ ቀዳመይቲ ወርሒ: ኒሳን: ዝበዓል ዝነበረ ፋስጋ ከምኡውን ነቲ ብድሕሪኡ ዝግበር ዝነበረ ሸውዓተ መዓልቲ ዝወስድ በዓል ዘይበዅዐ ቅጫ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ።

8. ዳንኤል ኣበየናይ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኵነታት ኢዩ መምርሒ የሆዋ ኣበርቲዑ ሃለው ዝበለ: እቲ ውጽኢትከ እንታይ ኰነ፧

8 ዳንኤል ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኵነታት እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ኣሕሊፉ ኢዩ። ሽዑ ብዛዕባ ፍጻሜ ናይቲ የሩሳሌም ን70 ዓመታት ክትባድም ምዃና ዝነግር ትንቢት ጋን ኰይንዎ ነይሩ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዳንኤል እንታይ ገበረ፧ “ብማቕን ብሓመዅስትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ” በለ። የሆዋ ኣጸቢቑ ከጸናንዖ ዝኽእል መልእኽቲ ብገብርኤል መልኣኽ ኣቢሉ ብምስዳድ ንጸሎት ዳንኤል መሊስሉ ኢዩ። (ዳንኤል 9:⁠3, 21, 22) ሕጂኸ የሆዋ ተመሳሳሊ ነገር ብምግባር ንዳንኤል እቲ ኣጸቢቑ ዘድልዮ ዝነበረ ምጽንናዕ ክህቦ ድዩ፧

ዘፍርህ ትርኢት

9, 10. (ሀ) ዳንኤል ራእይ ክመጾ ኸሎ ኣበይ ነበረ፧ (ለ) ነቲ ዳንኤል ብራእይ ዝራኣዮ ነገር ግለጾ።

9 ዳንኤል ተስፋ ኣይቈረጸን። ብዛዕባ እቲ ቐጺሉ ዝዀነ ነገር ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዴቄል ነበርኩ። ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኤኹ: እንሆ ኸኣ: ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።” (ዳንኤል 10:⁠4, 5) ሂዴቄል ሓደ ካብቶም ምንጮም ኣብ ኤደን ዝነበረ ኣርባዕተ ርባታት ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠10-14) ኣብ ጥንታዊት ፋርስ ሂዴቄል ጢግራ ብዝብል ስም ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ: እዚ ኸኣ ካብታ ጢግረስ እትብል ናይ ግሪኽ ስም ዝመጸ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጉኡን ኣብ መንጎ ኤፍራጥስን ዝነበረ ቦታ ኸኣ መሰጶጣምያ ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ: ትርጕሙ ኸኣ “ኣብ መንጎ ርባታት ዘላ ሃገር” ማለት ኢዩ። እዚ ኸኣ ዳንኤል ነቲ ራእይ ክቕበል ከሎ ዋላ እኳ ኣብ ከተማ ባቢሎን እንተ ዘይነበረ ኣብ ሃገር ባቢሎን ምንባሩ ዘረጋግጽ ኢዩ።

10 ዳንኤል ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ራእይ ኰን ኢዩ ዝረኣየ! ኣዒንቱ ቋሕ ምስ ኣበለ ተራ ሰብ ከም ዘይረኣየ እተረጋገጸ ኢዩ። ዳንኤል ነዚ ንጹር ዝዀነ ኣገላልጻ ከምዚ ብምባል የቕርቦ:- “ስጋኡ ኸም በሪሎስ: ገጹ ኸም ትርኢት መብረቕ: ኣዒንቱ ኸም ዚነድድ ፋና: ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ኣስራዚ: ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምጺ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።”​—⁠ዳንኤል 10:⁠6

11. እቲ ራእይ ኣብ ዳንኤልን ኣብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

11 እቲ ትርኢት ብሩህ እኳ እንተ ነበረ ‘እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ዋላ ሓንቲ ከም ዘይረኣዩ’ ዳንኤል ይገልጽ። ብዘይ​ተፈልጠ ምኽንያት ‘ዓብዪ ስምባድ ወደቖም ክሕብኡ ኸኣ ሃደሙ።’ ስለዚ ኸኣ ዳንኤል ኣብቲ ደንደስ ርባ ንበይኑ ተረፈ። ትርኢት ናይቲ “ዓብዪ ራእይ” ኣዝዩ ዘፍርህ ብምንባሩ ከምዚ ኢሉ ተኣመነ:- “ሓይሊ ኣይተረፈንን: ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዚባላሾ ተለወጠኒ: ሓይሊውን ኣይተረፈንን።”​—⁠ዳንኤል 10:⁠7, 8

12, 13. ናይቲ ልኡኽ (ሀ) ክዳን (ለ) ትርኢት ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

12 ነዚ ንዳንኤል ኣዝዩ ዘፍረሆ ዘገርም ልኡኽ እስከ ኣጸቢቕና ንመርምሮ። “ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ” ኢዩ ነይሩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እቲ ሊቀ⁠-​ኻህናት ዝገብሮ ዝነበረ ቅናት: ኤፎድ: ሳንቃ ኣፍ ልቢ: ከምኡውን ቀሚሽ ናይቶም ካልኦት ካህናት ካብ ጽሩይ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ እተሰርሐ ኰይኑ ብወርቂ እተሰለመ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 28:⁠4-8፣ 39:⁠27-29) ስለዚ ናይቲ ልኡኽ ክዳን ቅድስናን ክብርን ናይቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሓላፍነት ዘመልክት ኢዩ ነይሩ።

13 ዳንኤል ብትርኢት ናይቲ ልኡኽ እውን ፈሪሁ ኢዩ። እቲ ክቡር ማዕድን ዝመስል ዘንጸባርቕ ኣካላቱ: ኣዒንትኻ ዘዕውር ዘንጸባርቕ ገጹ: እቲ ሰንጢቑ ክርኢ ዝኽእል ሓዊ ዝመስል ኣዒንቱ: ከምኡውን ምብልጭላጭ ናይቲ ሓያል ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣፍሪህዎ ኢዩ። እቲ ናይ ትእዛዝ ቃና ዝነበሮ ድምጹ እውን ከይተረፈ ዘርዕድ ኢዩ ነይሩ። እዚ ዅሉ ልዕሊ ሰብ ምንባሩ ኣነጺሩ ዝሕብር ኢዩ። እዚ “ልሕጺ እንጣጢዕ” እተኸድነ ሰብኣይ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቲ መልእኽቲ ዝለኣኸ የሆዋ ዘገልግል ዝለዓለ መዓርግ ዘለዎ መልኣኽ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። a

ሓደ ‘ኣዝዩ ፍትዊ ሰብ’ ይበራታዕ

14. ዳንኤል ካብቲ መልኣኽ ንእተዋህቦ መልእኽቲ ንኽቕበል እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘድለዮ፧

14 እቲ መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል ክነግሮ ቀሪብዎ ዝነበረ መልእኽቲ ረዚንን ሕልኽላኽን ኢዩ ነይሩ። ዳንኤል ነቲ መልእኽቲ ቅድሚ ምቕባሉ ካብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጭንቀቱ ንኽሓዊ ሓገዝ ኣድልይዎ ነበረ። እቲ መልኣኽ ድማ እዚ ስለ እተገንዘበ ኢዩ ዝኸውን ንዳንኤል ብሕታዊ ሓገዝን ምትብባዕን ሃቦ። ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዝገልጾ ነገር እስከ ንርኣዮ።

15. እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ንምሕጋዝ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

15 “ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ: ውኖይ ጠፊኡኒ: ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።” ንዳንኤል ከም ዝድንዝዝ ዝገበሮ ፍርህን ጭንቀትን ኢዩ ነይሩ። እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ንኽሕግዞ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ዳንኤል ከምዚ ይብል:- “እንሆ ኸኣ: ኢድ ተንከየትኒ: በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ።” ኣብ ርእሲ እዚ እቲ መልኣኽ ነቲ ነብዪ በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ኣበራትዖ:- “ኣታ ዳንኤል: ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ: ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ: ነቲ ኣነ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ: ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል።” እቲ እተገብረሉ ደገፍን ዘጸናንዕ ቃላትን ንዳንኤል ኣሐደሶ። ዳንኤል ብፍርሂ ‘የንቀጥቅጥ’ እኳ እንተነበረ ‘ደው በለ።’​—⁠ዳንኤል 10:⁠9-11

16. (ሀ) የሆዋ ንጸሎት ኣገልገልቱ ቀልጢፉ ከም ዝምልሰሉ ብኸመይ ኢዩ ክርአ ዝኸኣለ፧ (ለ) እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ንምሕጋዝ ክመጽእ ከሎ እተደናጐየ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ኣብ ሳጹን ዘሎ ወሲኽካ) (ሐ) እቲ መልኣኽ ንዳንኤል እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ሒዝሉ ዝመጸ፧

16 እቲ መልኣኽ ብፍላይ ንዳንኤል ከበራትዕ ኢሉ ከም እተላእከ ተዛረበ። እቲ መልኣኽ ከምዚ በለ:- “ዳንኤለየ: ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሐትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዔን እየን እሞ: ኣይትሸበር: ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺኤ እኔኹ።” ድሕርዚ እቲ መልኣኽ ስለምንታይ ከም እተደናጐየ ይገልጽ። ከምዚ በለ:- “እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ: ሚካኤል: ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ: ንምሕጋዘይ መጸ: ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።” እቲ መልኣኽ ሚካኤል ስለ ዝሓገዞ መልእኽቱ ከብጽሕ ከኣለ። ንዳንኤል ከኣ እዚ ዝስዕብ ህጹጽ መልእኽቲ ነገሮ:- “እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዚኸውን እዩ እሞ: ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዚበጽሖም ከፍልጠካ መጺኤ እኔኹ።”​—⁠ዳንኤል 10:⁠12-14

17, 18. ዳንኤል ንኻልኣይ ግዜ ሓገዝ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ክገብር ኢዩ ዘኽኣሎ፧

17 ዳንኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ዘደንቕ መልእኽቲ ናይ ምቕባል መሰል ብምርካቡ ኣብ ክንዲ ዝድነቕ እቲ ዝሰምዖ ነገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ገበረሉ። እቲ ጸብጻብ “እዚ ቓላት እዚ ምስ ነገረኒ: ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ” ብምባል ይገልጽ። እቲ መልኣኽ ግን ንዳንኤል ካልኣይ ግዜ ፍቕራዊ ሓገዝ ክገብረሉ ድሉው ኢዩ ነይሩ። ዳንኤል “እንሆ ኸኣ: ወዲ ሰብ ዚመስል ከናፍረይ ተንከየኒ: ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ” በለ። b​—⁠ዳንኤል 10:⁠15, 16

18 እቲ መልኣኽ ከናፍሩ ምስ ተንከፎ ዳንኤል በርቲዑ ኢዩ። (ምስ ኢሳይያስ 6:⁠7 ኣረኣእዮ።) ዳንኤል ናይ ምዝራብ ሓይሊ ምስ ረኸበ: ከመይ ዝኣመሰለ ግድል ይጽመም ከም ዝነበረ ነቲ መልኣኽ ክነገሮ ክኢሉ ኢዩ። ዳንኤል ከምዚ በለ:- “ጐይታየ: በቲ ዝርኤኽዎ ራእይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ: ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን: ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ: ባርያ እዚ ጐይታይስ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ኪዛረብ ይከአሎ፧”​—⁠ዳንኤል 10:⁠16, 17

19. ዳንኤል ንሳልሳይ ግዜ ሓገዝ ዝረኸበ ብኸመይ ኢዩ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧

19 ዳንኤል የጕረምርም ወይ የመኻኒ ኣይኰነን ዘሎ። ጭንቀቱ ኢዩ ዝገልጽ ነይሩ: እቲ መልኣኽ ከኣ ተቐቢልዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ዳንኤል ንሳልሳይ ግዜ ብመልኣኽ ተሓገዘ። እቲ ነብዪ “እቲ ሰብ ዚመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን” በለ። እቲ ልኡኽ ከበርትዖ ብዝኽእል መገዲ ብምትንካፍ “ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ: ኣይትሸበር: ሰላም ንኣኻ ይኹን: በርትዕ: ኤረ በርትዕ” በሎ። እዚ ፍቕራዊ ምትንካፍን ዝሃንጽ ቃላትን ልክዕ እቲ ንዳንኤል ዘድልዮ ዝነበረ ነገር ኢዩ ነይሩ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ዳንኤል “ምስ ተዛረበኒ: በርታዕኩ: ኣነውን: ጐይታየ: ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ: ተዛረብ: በልኩ” ይብል። ሕጂ ዳንኤል ካልእ በዳሂ ዝዀነ ዕዮ ንኽቕበል ቅሩብ ይኸውን።​—⁠ዳንኤል 10:⁠18, 19

20. እቲ መልኣኽ: መልእኽቱ ንኸብጽሕ ጻዕሪ ዘድልዮ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

20 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ምስ ኣበራትዖን ኣብቲ ንቡር ኣእምሮኣውን ኣካላውን ኵነታቱ ንኽምለስ ምስ ደገፎን ዕላማ ተልእኾኡ እንደገና ይገልጽ። ከምዚ በለ:- “ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ኸም ዝመጻእኩዶ ፈሊጥካ አሎኻ፧ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ኽወጽእ ከሎኹስ: እንሆ: እቲ መስፍን ዮናኒ ኺመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ አሎኹ: ነዚኣቶም ንምቅዋም: ብጀካ ሚካኤል: እቲ መስፍንኩም: ሓደ እኳ ዚሕግዘኒ የብለይን።”​—⁠ዳንኤል 10:⁠20, 21

21, 22. (ሀ) ካብቲ ናይ ዳንኤል ተመክሮ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ዘለዎ ርክብ እንታይ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ (ለ) ዳንኤል እንታይ ንምግባር ኢዩ እተበራትዐ፧

21 ኣየ የሆዋስ ክሳዕ ክንደይ ፈቃርን ሓላይን ኰን ኢዩ! ንኣገልገልቱ ኵሉ ግዜ ከምቲ ክእለቶምን ዓቕሞምን ኢዩ ዝኸዶም። በቲ ሓደ ወገን ዋላ እኳ ሓድሓደ ግዜ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኰይኑ ዝስምዖም እንተ​ዀነ እቲ ይኽእልዎ ኢዮም ዝብሎ ስራሕ ኢዩ ዝህቦም። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ንኽሰምዖም ፍቓደኛ ኢዩ: መዝነቶም ንኽፍጽሙ ዘድልዮም ሓገዝ ከኣ ይህቦም ኢዩ። ንኣመንቲ ብጾትና ብፍቕሪ ተደሪኽና ብምትብባዕን ብምብርታዕን ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኵሉ ግዜ ንምሰሎ።​—⁠እብራውያን 10:⁠24

22 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ዝሃቦ መጸናንዒ ኣዝዩ ኣተባቢዕዎ ኢዩ። ዳንኤል ዋላ እኳ ብዕድመ ደፊኡ እንተ ነበረ: ተበራቲዑ ንረብሓና ዝኸውን ተወሳኺ ትንቢት ክቕበልን ክምዝግብን ተዳለወ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዚ መልኣኽ እዚ ስሙ እኳ እንተ ዘይተጠቕሰ: ንዳንኤል ነቲ ዝረኣዮ ራእይ ንኸስተውዕል ክሕግዞ ንገብርኤል ዝነገሮ ናይ መልኣኽ ድምጺ ኢዩ ዝመስል። (ዳንኤል 8:⁠2, 15, 16 ምስ 12:⁠7, 8 ኣረኣእዮ።) ኣብ ርእሲ እዚ እቲ ኣብ ዳንኤል 10:⁠13 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ሓደ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ’ ዝዀነ ሚካኤል ነዚ መልኣኽ እዚ ክሕግዞ ከም ዝመጸ ይሕብር። ስለዚ ኸኣ እዚ ስሙ ዘይተጠቕሰ መልኣኽ ምስ ገብርኤልን ሚካኤልን ሓቢርካ ምዕያይ ኣሐጒስዎ ክኸውን ኣለዎ።

b ንዳንኤል ከናፍሩ ተንኪፉ ከም ዝትንስእ ዝገበሮ እቲ ምስኡ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣኽ ክኸውን ይኽእል እኳ እንተ​ዀነ: እቲ ኣብዚ ዘሎ ኣገላልጻ ግን እቲ ዝተንከፎ መልኣኽ ካልእ ምዃኑ ምናልባት እውን ገብርኤል ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢዩ። እዚ ዀይኑ እቲ ግን ተላኢኹ ዝመጸ መልኣኽ ንዳንኤል ኣበራቲዕዎ ኢዩ።

እንታይ ኣስተውዒልካ፧

• መልኣኽ የሆዋ ኣብ 536/535 ቅ.ኣ.ዘ. ንዳንኤል ንምሕጋዝ ክመጽእ ከሎ ስለምንታይ ኢዩ እተደናጐየ፧

• እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ተኸዲንዎ ዝነበረ ክዳንን ትርኢቱን ብዛዕብኡ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

• ንዳንኤል እንታይ ሓገዝ ኢዩ ዘድለዮ: እቲ መልኣኽከ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰለስተ ግዜ ዝሓገዞ፧

• እቲ መልኣኽ ንዳንኤል እንታይ መልእኽቲ ኢዩ ሒዝሉ ዝመጸ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 204, 205 ዘሎ ሳጹን]

ሓለውቲ መላእኽቲ ድዮም ወይስ ናይ ኣጋንንቲ ገዛእቲ፧

ካብቲ መጽሓፍ ዳንኤል ብዛዕባ መላእኽቲ ዝህቦ ጸብጻብ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ቃል የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዘለዎም ተራን ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ንምዕማም ዝገብርዎ ጻዕርን ትነግረና ኢያ።

እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ንዳንኤል ክዛረቦ ክኸይድ ከሎ “መስፍን መንግስቲ ፋርስ” ከም ዝዓናቐፎ ገሊጹ ኣሎ። ምስኡ ን21 መዓልትታት ምስ ተቓለሰ: እቲ ተልኢኹ ዝነበረ መልኣኽ ‘ሓደ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ [ዝዀነ] ሚካኤል’ መጺኡ ስለ ዝሓገዞ ጥራይ ኢዩ ክሓልፍ ክኢሉ። እቲ መልኣኽ ቀጺሉ ምስቲ ጸላኢኡ: ምናልባት “መስፍን ዮናኒ” እንደገና ከም ዝቃለስ ጠቒሱ ኣሎ። (ዳንኤል 10:⁠13, 20) እዚ ዕዮ እዚ ንመልኣኽ እውን ከይተረፈ ቀሊል ኣይነበረን! እዞም መሳፍንቲ ፋርስን ዮናንን (ግሪኽ) ተባሂሎም ዘለዉ ግን እንታዎት ኢዮም፧

ቀዳማይ ነገር ሚካኤል ‘ሓደ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንቲ’ ከምኡውን “መስፍንኩም” ተባሂሉ ከም ዘሎ ነስተብህል። ደሓር ከኣ ሚካኤል “ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ [ህዝቢ ዳንኤል] ዚቐውም ዓብዪ መስፍን” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (ዳንኤል 10:⁠21፣ 12:⁠1) እዚ ድማ ሚካኤል እቲ ንእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ንኽመርሖም ተመዚዙ ዝነበረ መልኣኽ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 23:⁠20-23፣ 32:⁠34፣ 33:⁠2

ኣብዚ መደምደምታ እዚ ንምብጻሕ ዝሕግዘና ኸኣ እቲ ወደ መዝሙር ይሁዳ “ሚካኤል: እቲ ሊቀ መላእኽቲ: ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኸራኸረ . . . ተማጐተ” ብምባል ዝሃቦ ሓሳብ ኢዩ። (ይሁዳ 9) እቲ ሚካኤል ዘለዎ ቦታ: ሓይሊ: ከምኡውን ስልጣን ብሓቂ “ሊቀ መላእኽቲ” ወይ “ኣውራ መልኣኽ” ወይ “ቀንዲ መልኣኽ” ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ገይርዎ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ስልጣን ከኣ ንየሱስ ክርስቶስ: ወዲ ኣምላኽ: እንተዘይኰይኑ ንኻልእ ብልክዕ ክወሃብ ኣይክእልን ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ማዕርግ እዚ ቅድሚ ናብ ምድሪ ምምጽኡ ይኹን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝበቕዖ ኢዩ።​—⁠1 ተሰሎንቄ 4:⁠16፣ ራእይ 12:⁠7-9

እዚ ግን የሆዋ ንኸም በዓል ፋርስን ግሪኽን ዝኣመሰሉ ህዝብታት ኣብ ጕዳያቶም ዝመርሕዎም መላእኽቲ ይምድበሎም ኢዩ ማለት ድዩ፧ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ብግልጺ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ . . . ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን” ኢሉ ኣሎ። “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” እውን ኢሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:⁠30፣ 18:⁠36) ሃዋርያ ዮሃንስ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ተትሒዛ ኣላ’ ኢሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ሃገራት ዓለም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ወይ ግዝኣት ኣምላኽ ይኹን ክርስቶስ ፈጺመን ኰይነን ኣይፈልጣን ኢየን: ሕጂ እውን ኣይኰናን። የሆዋ “ስልጣናት” ክህልዉን ነቲ ናይ ምድሪ ምምሕዳራዊ ጕዳያት ክቈጻጸሩን እኳ እንተ ኣፍቀደሎም መልኣኽቱ ግን ኣብ ልዕሊኦም ኣይሸይምን ኢዩ። (ሮሜ 13:⁠1-7) ኣብ ልዕሊኦም ዝሽየሙ ‘መሳፍንቲ’ ወይ ‘ገዛእቲ’ በቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ጥራይ ኢዮም። ዝሕልዉ መልኣኽቲ ዘይኰኑስ ናይ ኣጋንንቲ ገዛእቲ ኢዮም። ስለዚ እምበኣር ብድሕሪ እዞም ዝረኣዩ መራሕቲ ዓለምን ብድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝፍጠር ምግርጫዋትን ዘይረኣዩ ናይ ኣጋንንቲ ሓይልታት ወይ ‘መሳፍንቲ’ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 199፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]

[ኣብ ገጽ 207፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]