የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
ዕራፍ ዓሰርተ ሸሞንተ
የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
1, 2. (ሀ) ሓደ ተቐዳዳማይ ንኽዕወት እንታይ ኣገዳሲ ባህርይ ኢዩ ዘድልዮ፧ (ለ) ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ሓደ ሰብ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ብተኣማንነት ዘሕልፎ ህይወት ምስ ቅድድም ዘመሳሰሎ ብኸመይ ኢዩ፧
ሓደ ተቐዳዳማይ ናብቲ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ገጹ ኢዩ ዝመጣጠር። ኣዝዩ ደኺሙ እኳ እንተዀነ ንሸቶኡ ኣማዕድዩ ብምጥማት ኣብተን ናይ መወዳእታ ስጕምቱ ዘለዎ ኵሉ ሓይሊ ኢዩ ዘውጽእ። ኵሉ ጭዋዳታቱ ገታቲሩ ነታ ሕንጻጽ ይሰግራ! ኣብ ገጹ ናይ ዕረፍትን ዓወትን ስምዒት ይንጸባረቕ። ክሳዕ መወዳእታ ስለ እተጸመመ ይዕወት።
2 ኣብ መደምደምታ ናይ ዳንኤል ምዕራፍ 12 እቲ ፍቑር ነብዪ ኣብ መወዳእታ ሕንጻጽ ናይቲ ‘ቅድድም’—ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕልፎ ዝነበረ ህይወቱ—ከም ዝበጽሐ ንርኢ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ መንጎ እቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እተፈላለዩ ብእምነት ኣብነት ዝዀኑ ኣገልገልቲ ምስ ጠቐሰ ከምዚ በለ:- “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ናብቲ: ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።”—እብራውያን 12:1, 2
3. (ሀ) ንዳንኤል ‘ብትዕግስቲ ንኽጐዪ’ እንታይ ኢዩ ዝሓገዞ፧ (ለ) መልኣኽ የሆዋ እንታይ ሰለስተ እተፈላለየ ነገራት ኢዩ ንዳንኤል ዝነገሮ፧
3 ኣብ መንጎ እቶም ‘ደመና ምስክር’ ተባሂሎም ዘለዉ ዳንኤል እውን ኣሎ። ዳንኤል ‘ብትዕግስቲ ምጕያይ’ ዘድልዮ ዝነበረ ሰብ ኢዩ: በቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ዓሚቝ ፍቕሪ ኸኣ ብትዕግስቲ ንኽጐዪ ተደሪኹ ኢዩ። የሆዋ ንዳንኤል ብዛዕባ መጻኢ መንግስታት ዓለም ብዙሕ ገሊጽሉ ኢዩ: ሕጂ ግን እዚ ዝስዕብ ብሕታዊ መተባብዒ ለኣኸሉ:- “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ። ክትዐርፍ: በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ።” (ዳንኤል 12:13) መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል ሰለስተ እተፈላለየ ነገራት ኢዩ ዝነግሮ ዘሎ:- (1) ዳንኤል ‘ናብ መወዳእታ ኣቢሉ ክኸይድ’ ከም ዘለዎ (2) ‘ክዓርፍ’ ምዃኑ (3) ኣብ መጻኢ ግዜ እንደገና ‘ክትንስእ’ ምዃኑ። እዘን ቃላት እዚኣተን ንኽርስትያናት ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ሕንጻጽ ናይቲ መቀዳደሚ ብምጽማም ንኽጐዩ ዘተባብዕኦም ብኸመይ ኢየን፧
“ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ”
4. መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል “ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ” ክብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ: እዚኸ ንዳንኤል ብድሆ ኰይንዎ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
4 እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ” ክብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ መወዳእታ ናይ ምንታይ፧ ዳንኤል ኣብቲ ግዜ እቲ ዳርጋ 100 ዓመት ገይሩ ስለ ዝነበረ ነቲ ኣዝዩ ቀሪቡ ዝነበረ መወዳእታ ህይወቱ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። a እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ብተኣማንነት ክሳዕ ሞት ንኽጽመም ኢዩ ዘተባብዖ ነይሩ። ከምኡ ምግባር ግን ቀሊል ኣይነበረን። ዳንኤል ባቢሎን ክትወድቕ ከላ ከምኡውን እቶም ተረፍ ምሩኻት ኣይሁዳውያን ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ክምለሱ ኸለዉ ርእዩ ኢዩ። እዚ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ብዙሕ ሓጐስ ኣምጽኢሉ ክኸውን ኣለዎ። ምስኦም ሓቢሩ ናብ ዓዱ ከም እተመልሰ ዝገልጽ ጸብጻብ ግን የለን። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዝዩ ኣረጊትን ምንቅስቓስ ዝጽግሞን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባትውን ኣብ ባቢሎን ክጸንሕ ፍቓድ የሆዋ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ይኹን እቲ ግን: ዳንኤል ደቂ ዓዱ ንይሁዳ ክምለሱ ምስ ረኣዮም ምስኦም ብዘይምኻዱ ቅሩብ ቅር ኢልዎ ይኸውን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ባህርያዊ ኢዩ።
5. ዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ከም እተጸመመ ዘርኢ እንታይ ሓበሬታ ኣሎ፧
5 ዳንኤል ካብተን “ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኺድ” ዝብላ ቃላት ናይቲ መልኣኽ ብዙሕ ብርታዐ ከም ዝረኸበ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ነተን ብድሕሪኡ ገለ ሽዱሽተ ዘመናት ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ [“ዝጽመም:” NW ] ግና ኪድሕን እዩ” ዝበለን ቃላት ኢየን ዘዘኻኽራና። (ማቴዎስ 24:13) ዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ከም እተጸ መመ ድማ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ክሳዕ መወዳእታ ብምጕያዩ ተጸሚሙ ኢዩ። ዳሕራይ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብጽቡቕ ተጠቒሱሉ ካብ ዘሎ ሓደ ምኽንያት እዚ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። (እብራውያን 11:32, 33) ንዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ከም ዝጽመም ዝገበሮ እንታይ ኢዩ፧ ብዛዕባ ህይወቱ ዝገልጽ ጸብጻብ ነዚ ንኽንምልስ ይሕግዘና ኢዩ።
ከም ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ መጠን ምጽማም
6. ዳንኤል ህርኩት ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ ብኸመይ ንፈልጥ፧
6 ንዳንኤል ምጽማም ክበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ ደስ ዘብል መብጽዓታት ኣምላኽ ምጽናዕን ኣጸቢቕካ ምስትንታንን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ዳንኤል ውፉይ ተማሃራይ ቃል ኣምላኽ ምንባሩ ንፈልጥ ኢና። ከምኡ እንተዘይከውን ነይሩ ነቲ ባርነት ን70 ዓመታት ምዃኑ ዝገልጽ የሆዋ ንኤርምያስ ዝሃቦ መብጽዓ ከመይ ኢሉ ምፈለጦ፧ ዳንኤል ባዕሉ እውን “ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዐልክዎ” ኢሉ ኣሎ። (ዳንኤል 9:2፣ ኤርምያስ 25:11, 12) ስለዚ እምበኣር ዳንኤል ነቲ ኣብ ግዜኡ ንዝነበረ መጻሕፍቲ ቃል ኣምላኽ ሃለው ይብሎ ምንባሩ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ዳንኤል ነቲ ሙሴ: ዳዊት: ሰሎሞን: ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ህዝቅኤልን ካልኦትን ዝጸሓፍዎ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ጽሑፋት ብምንባብን ብምስትንታንን ደስ ዘብል ሰዓታታት የሕልፍ ነይሩ ኢዩ።
7. ንግዜና ምስ ግዜ ዳንኤል ምስ እነወዳድሮ ቃል ኣምላኽ ኣብ ምጽናዕ እንታይ ሓለፋታት ኢዩ ዘሎና፧
7 ኣብዚ እዋን እዚ ምጽማም ምእንቲ ከነጥሪ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ኣገዳሲ ኢዩ። (ሮሜ 15:4-6፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:15) ገለ ካብ ትንቢታት ዳንኤል ዘመናት ይገብር ከመይ ኢሉ ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ሓሳብ እውን ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና። ብተወሳኺ ከምቲ ኣብ ዳንኤል 12:4 ተገሊጹ ዘሎ ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ምንባርና ተባሪኽና ኢና። ኣብዚ ግዜና እቶም ቅቡኣት ኣብዛ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዘላ ዓለም ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ብርሃን ብምብራህ ተባሪኾም ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል ዘሎ: አረ ገሊኡስ ንዕኡ እውን ምስጢር ኰይኑዎ ዝነበረ: ዓሚቝ ምርዳእ ዘድልዮ ትንቢታት ሎሚ ንዓና ብዙሕ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ እምበኣር እዚ ነገራት እዚ ብኸምኡ ከም እተረኽበ ገይርና ከይወሰድና ኣብ መመዓልቲ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕና ንቐጽል። ከምዚ ምግባር ንኽንጽመም ክሕግዘና ኢዩ።
ዳንኤል ብዘይምቍራጽ ይጽሊ ነበረ
8. ብጸሎት ዝመጸ ዳንኤል እንታይ ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧
8 ዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ንኽጽመም ጸሎት እውን ሓጊዝዎ ኢዩ። ንየሆዋ ኣምላኽ መዓልታዊ ይልምኖ: ብምሉእ ልብን እምንቶን ድማ ብግልጺ ይዛረቦ ነበረ። የሆዋ ‘ሰማዕ ጸሎት’ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (መዝሙር 65:2፣ ምስ እብራውያን 11:6 ኣረኣእዮ።) ዳንኤል በቲ እስራኤላውያን ዘርኣይዎ ናይ ዕልወት ስጕምቲ ምስ ጐሃየ ዝነበሮ ዅሉ ጭንቀት ንየሆዋ ኣፍሰሰሉ። (ዳንኤል 9:4-19) ዳርዮስ 30 መዓልትታት ምሉእ ንዕኡ ጥራይ ክልምኑ ከም ዘለዎም ምስ ኣወጀ እውን ከይተረፈ እዚ ንዳንኤል ናብ የሆዋ ካብ ምጽላይ ክዓግቶ ኣይከኣለን። (ዳንኤል 6:10) እዚ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ሰብኣይ እዚ ነቲ ክቡር ዝዀነ ናይ ጸሎት መሰል ኣብ ክንዲ ዝሓድግ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ ምምራጹ ኣብ ኣእምሮኻ ክትስእሎስ ልብኻ ዝትንክፍ ተመክሮዶ ኸይኰነ፧ ዳንኤል ኣብ መመዓልቲ ኣዕሚቝ ናብ የሆዋ እናጸለየ ብተኣማንነት ኣብ መወዳእታ ከም ዝበጽሐ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
9. ነቲ ናይ ምጽላይ መሰል ኣቕሊልና ክንርእዮ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
9 ጸሎት ንኽትገብሮ ቀሊል ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ: ዓው ኢልና ይኹን ብውሽጥና ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ነዚ ክቡር መሰል እዚ ኣቕሊልና ክንርእዮ ፈጺምና የብልናን። መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎት ምስ ምጽማም: ምጽናዕ: ከምኡውን ብመንፈስ ንቑሕ ምዃን ኢዩ ዘተሓሕዞ። (ሉቃስ 18:1፣ ሮሜ 12:12፣ ኤፌሶን 6:18፣ ቈሎሴ 4:2) ምስቲ ኣብ ኣድማስና ዝለዓለ ኣካል ንምዝራብ ናጻን ብቐሊሉ ክትረኽቦ እትኽእልን መትረብ ምህላዉ ድንቂዶ ከይኰነ፧ ጽን ኢሉ ኸኣ ኢዩ ዝሰምዓና! ነቲ ዳንኤል ምስ ጸለየ የሆዋ ኸኣ መልኣኽ ዝለኣኸሉ ኣጋጣሚ ዘክሮ። ዳንኤል ገና እናጸለየ ኸሎ ኢዩ እቲ መልኣኽ መጺኡ! (ዳንኤል 9:20, 21) ግዜና መላእኽቲ ናብ ሰባት ዝበጽሕሉ ግዜ እኳ እንተ ዘይኰነ የሆዋ ግን ኣይተቐየረን። (ሚልክያስ 3:6) ልክዕ ከምቲ ንጸሎት ዳንኤል ዝሰምዖ ነቲ እነቕርቦ ጸሎት እውን ይሰምዖ ኢዩ። ክንጽሊ ኸሎና ከምቲ ናይ ዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ክንጽመም ክሕግዘና ዝኽእል ማእሰር ብምፍጣር ናብ የሆዋ ዝያዳ ክንቀርብ ኢና።
ከም መምህር ቃል ኣምላኽ መጠን ምጽማም
10. ናይ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ንኻልኦት ምምሃር ንዳንኤል ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
10 ዳንኤል ብኻልእ መልክዕ እውን ‘ናብ መወዳእታ ኣቢሉ ክኸይድ’ ነይርዎ ኢዩ። ከም መምህር ቃል ሓቂ መጠን ክጽመም ነበሮ። ሓደ ካብቶም ቅዱሳት ጽሑፋት “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ዝዛረበሎም ሕሩያት ህዝቢ ምዃኑ ፈጺሙ ረሲዑ ኣይፈልጥን ኢዩ። (ኢሳይያስ 43:10) ዳንኤል ነዚ መዝነት እዚ ንምፍጻም ዝከኣሎ ዅሉ ገይሩ ኢዩ። እዚ ነቶም ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ዝነበሩ ህዝቡ ምምሃር እውን ዘጠቓለለ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዘይካ ምስቶም ሰለስተ ‘መሓዙቱ’ ተባሂሎም ዘለዉ—ሃናንያ: ሚሻኤል: ከምኡውን ኣዛርያ—እንተዘይኰይኑ ምስቶም ካልኦት ኣይሁዳውያን ከመይ ዝበለ ርክብ ከም ዝነበሮ እንፈልጦ ነገር የለን። (ዳንኤል 1:7፣ 2:13, 17, 18) እቲ ዝነበሮም ጥብቂ ርክብ ንነፍሲ ወከፎም ንኽጽመሙ ከም ዝሓገዞም ርግጽ ኢዩ። (ምሳሌ 17:17) ዳንኤል ካብ የሆዋ ፍሉይ ዝዀነ ምስትውዓል ተዋሂብዎ ስለ ዝነበረ ነቶም ብጾቱ ክምህሮም ዝኽእል ብዙሕ ነገራት ነይርዎ ኢዩ። (ዳንኤል 1:17) ካልእ ክምህሮ ዝነበሮ እውን ነይርዎ ኢዩ።
11. (ሀ) ነቲ ዳንኤል ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ዳንኤል ነቲ ዘይልሙድ ዝዀነ መዝነቱ ኣብ ምፍጻም ክሳዕ ክንደይ ኣሳልጦ ይረክብ ነበረ፧
11 ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ ነብዪ ንላዕሊ ዳንኤል ንናይ ኣህዛብ ሰበ-ስልጣን ናይ ምምስካር መዝነት ነበሮ። ብዙሕ ግዜ ዘይልሙድ ዝዀነ መልእኽቲ የብጽሕ እኳ እንተ ነበረ: ነቶም መራሕቲ ከም ጽዩፋት ወይ ብገለ መገዲ ካብኡ ንታሕቲ ከም ዝዀኑ ገይሩ ኣይርእዮምን ኢዩ ነይሩ። ኣኽብሮት ብዘለዎ መገድን ብጥበብን ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ። ከምቶም ኣለምቲ ውዲት ዝነበሩ ቀናኣት መሳፍንቲ ዝኣመሰሉ ንዳንኤል ከጥፍእዎ ዝደልዩ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ካልኦት ሰበ-ስልጣን ግን የኽብርዎ ነይሮም ኢዮም። የሆዋ ንዳንኤል ንነገስታትን ጠቢባንን ዘደንጸወ ምስጢራት ክገልጽ ዝኽእል ምስትውዓል ሂብዎ ስለ ዝነበረ: እቲ ነብዪ ዓቢ ተፈላጥነት ረኸበ። (ዳንኤል 2:47, 48፣ 5:29) ብዕድመ ደፊኡ ስለ ዝነበረ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ዝነበሮ ንጡፍ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ከም ምስክር ናይቲ ዘፍቅሮ ኣምላኹ መጠን ዝገብሮ ዝነበረ ኣገልግሎት ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኰይኑ ከም ዝቐጸለ ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
12. (ሀ) ከም ክርስትያናት መጠን ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ንኻልኦት ናይ ምምሃር ዕዮ ኢና እንካፈል ዘሎና፧ (ለ) ነቲ “ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ” ዝብል ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧
12 ልክዕ ከምቲ ዳንኤልን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ንሓድሕዶም ዝተሓጋገዙ ዝነበሩ ሎሚ እውን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ክሳዕ መወዳእታ ንኽንጽመም ክሕግዙና ዝኽእሉ እሙናት ብጾት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ‘እናተጸናናዕና’ ንሓድሕድና ክንማሃሃር እውን ንኽእል ኢና። (ሮሜ 1:11, 12) ከም ዳንኤል ንዘይኣመንቲ ሰባት ክንምስክረሎም መዝነት ኣሎና። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ስለዚ እምበኣር ንሰባት ብዛዕባ የሆዋ ክንዛረቦም ከሎና ‘ንቓል ኣምላኽ ብቕንዕና ከነማቕሎም’ ምእንቲ ክንክእል ክእለት ኣማሃህራና ክንስሕል ከድልየና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 2:15) ነቲ “ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ” ዝብል ምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ እንእዘዞ ኸኣ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ቈሎሴ 4:5) ከምዚ ዝኣመሰለ ጥበብ ብዛዕባ እቶም ከም ናትና ዝኣመሰለ እምነት ዘይብሎም ሰባት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ምሓዝ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ንገዛእ ርእስና ኣልዕል ኣቢልና ብምርኣይ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣትሒትና ኣይንርእዮምን ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:15) ኣብ ክንድኡስ ኣብ ኣልባቦም ምእንቲ ክንበጽሕ ንቓል ኣምላኽ ብሜላን ክእለትን ብምጥቃም ናብ ሓቂ ክንስሕቦም ኢና እንጽዕር። ንሓደ ሰብ ልቡ ኣብ ምትንካፍ ዕዉታት ምስ እንኸውን ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ዘምጽኣልና! ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ድማ ከምቲ ንዳንኤል ዝሓገዞ ክሳዕ መወዳእታ ንኽንጽመም ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።
“ክትዐርፍ . . . ኢኻ”
13, 14. ሞት ንብዙሓት ባቢሎናውያን ዘፍርሆም ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ: እቲ ዳንኤል ዝነበሮ ኣረኣእያ ግን እተፈልየ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧
13 እቲ መልኣኽ ቀጺሉ ንዳንኤል “ክትዐርፍ . . . ኢኻ” ኢሉ የረጋግ ጸሉ። (ዳንኤል 12:3) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ማለት ኢየን፧ ዳንኤል ሞት ይጽበዮ ከም ዝነበረ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ካብ ግዜ ኣዳም ኣትሒዝካ ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ሞት ኵሎም ሰባት ክሃድምሉ ዘይክእሉ መወዳእታ ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ “ጸላኢ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ንዳንኤል ግን ሞት ማለት ካብ ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ባቢሎናውያን ፍልይ ዝበለ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ። ባቢሎናውያን ንሞት ምስ ገለ 4,000 ዝዀኑ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዋውስዎ የርዕዶም ኢዩ ነይሩ። እቶም ዘይሕጕስ ናብራ ዝነብሩ ዝነበሩ ወይ ሕማቕ ኣማውታ ዝሞቱ ሰባት ንህያዋን ዝሃድኑ ፈደይቲ ሕነ መናፍስቲ ኢዮም ዝዀኑ ዝብል እምነት ኢዩ ነይርዎም። ባቢሎናውያን እቲ ዘፍርህ ናይ ምዉታት ዓለም በቶም ናይ ሰባትን እንስሳታትን ቅርጺ ዘለዎም ግናያት ፍጥረት ዝመልአ ኢዩ ኢሎም እውን ይኣምኑ ነበሩ።
14 ንዳንኤል ግን ሞት ክበሃል ከሎ እተፈልየ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ። ቅድሚ ዳንኤል ኣማእታት ዓመታት ይገብር ንጉስ ሰሎሞን “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ንኽጽሕፍ ብመንፈስ ተደሪኹ ነይሩ ኢዩ። (መክብብ 9:5) ብዛዕባ ዝሞተ ሰብ ከኣ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ትንፋሱ ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 146:4) ስለዚ እቲ መልኣኽ ዝነገሮ ሓቂ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ሞት ክበሃል ከሎ ዕረፍቲ ማለት ኢዩ። ሓሳብ: ጭንቀት: ስቓይ: ከምኡውን ግናያት ፍጥረት ዘይብሉ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ እውን ኣልኣዛር ምስ ሞተ ተመሳሳሊ መግለጺ ኢዩ ሂቡ። “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ” በለ።—ዮሃንስ 11:11
15. መዓልቲ ሞት ካብ መዓልቲ ምላድ ዝሓይሽ ብኸመይ ኢዩ፧
15 ሞት ንዳንኤል ስለምንታይ ከም ዘየፍርሆ ካልእ ምኽንያት እውን ርአ። ቃል ኣምላኽ “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ” ይብል። (መክብብ 7:1) እቲ ኣዝዩ ዘጕሂ መዓልቲ ሞት ካብቲ ዘሐጕስ መዓልቲ ምውላድ ዝሓይሽ ከመይ ኢሉ ኢዩ፧ እቲ ቐንዲ ሓሳብ ኣብታ “ስም” እትብል ኢዩ ዘሎ። “ጽቡቕ ሽታ” ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር ሓደ ግዜ ንእግሪ የሱስ ዳርጋ ናይ ሓደ ዓመት ደሞዝ ብዝዋግኡ ክቡር ሽታ ዘለዎ ዘይቲ ገይራ ለኽያቶ ነይራ ኢያ! (ዮሃንስ 12:1-7) ስም ክሳዕ ክንድዚ ኣዝዩ ክቡር ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣብዚ ክቡር ተባሂሉ ዘሎ እቲ ስም ዘይኰነስ እቲ ንሱ ዝውክሎ ባህርያት ኢዩ። ሓደ ሰብ ክውለድ ከሎ ዝና የብሉን: ዝገበሮ እተመዝገበ ሰናይ ነገራት የለን: ከም ዝዝከር ዝገብሮ ባህርይን ጠባይን የብሉን። ኣብ መወዳእታ ህይወት ግን ስም ክበሃል ከሎ ነዚ ዅሉ ኢዩ ዘጠቓልል። እቲ ስም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ምስ ዝኸውን ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ንብረት ንላዕሊ ክቡር ኢዩ።
16. (ሀ) ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ንኽህልዎ ዝጸዓረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ዳንኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ከም ዘጥረየ ተኣማሚኑ ከዕርፍ ዝኽእል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ዳንኤል ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ከም ዝህልዎ ንምግባር ጽዒሩ ኢዩ: የሆዋ ኸኣ ንዋላ ሓደ ካብዚ ዕሽሽ ኢሉ ኣይሓለፎን። ንዳንኤል ተዓዚብዎ ከምኡውን ንልቡ መርሚርዎ ኢዩ። ኣምላኽ ንዳንኤል ልክዕ ከምቲ ንዳዊት ዝገበረሉ ኢዩ ገይርሉ። ዳዊት ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጐይታየ: ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ: ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ።” (መዝሙር 139:1, 2) ዳንኤል ፍጹም ኣይነበረን። ካብ ዘርኢ እቲ ሓጢኣተኛ ኣዳም ከምኡውን ኣባል ናይቲ ሓጢኣተኛ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ። (ሮሜ 3:23) ዳንኤል ግን ካብ ሓጢኣቱ ተናሲሑ: ምስ ኣምላኹ ኸኣ ብቕንዕና ክመላለስ ጽዒሩ ኢዩ። ስለዚ እዚ እሙን ነብዪ እዚ የሆዋ ሓጢኣቱ ይቕረ ከም ዝበለሉን ከም ዘይቅየሞን እምንቶ ነይርዎ ኢዩ። (መዝሙር 103:10-14፣ ኢሳይያስ 1:18) የሆዋ ነቲ ሰናይ ተግባራት ናይቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኢዩ ክዝክር ዝደሊ። (እብራውያን 6:10) ስለዚ ኸኣ መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል ክልተ ግዜ “ኣዚኻ እተፈቶኻ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዳንኤል 10:11, 19) እዚ ኸኣ የሆዋ ንዳንኤል ይፈትዎ ነይሩ ማለት ኢዩ። ስለዚ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ከም ዘትረፈ ብምፍላጥ ዓጊቡ ክዓርፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
17. ሎሚ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ከነጥሪ ህጹጽ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
17 ነፍሲ ወከፍና ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽቡቕ ስም ኣጥረየ ኣለኹዶ ኢየ፧’ ኢልና ክንሓትት ሰናይ ኢዩ። ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኣብ ዝዀነ እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ሓደ መዓልቲ ከም እንመውት ምግንዛብ ፍርሂ ዘይኰነስ ንኽውንነት ኣፍልጦ ምሃብ ኢዩ። (መክብብ 9:11) ስለዚ እምበኣር ነፍሲ ወከፍና ሕጂ ከይደንጐና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ከነጥሪ ክንውስን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ! ከምኡ እንተድኣ ገይርና ንሞት ክንፈርሆ ኣየድልየናን ኢዩ። ልክዕ ከም ድቃስ ግዝያዊ ዕረፍቲ ኢዩ ዝዀነና። ልክዕ ከምቲ ደቂስና እንበራበር ካብ ሞት እውን ክንትንስእ ንኽእል ኢና!
“ኽትትንስእ ኢኻ”
18, 19. (ሀ) እቲ መልኣኽ ንዳንኤል ኣብ ዝመጽእ “ኽትትንስእ” ኢኻ ክብሎ ኸሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ዳንኤል ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ይፈልጥ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
18 መጽሓፍ ዳንኤል በታ ሓንቲ ካብተን ኣምላኽ ንሰባት ዝሃበን ኣዝየን ባህ ዘብላ መብጽዓታት ኢያ እትውድእ። መልኣኽ የሆዋ ንዳንኤል “በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” በሎ። እቲ መልኣኽ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ‘ዕረፍቲ’ ተባሂሉ ዘሎ ሞት ካብ ኰነ: እቲ “ኽትትንስእ ኢኻ” ዝብል ቃላት ካብ ትንሳኤ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ! b ገለ ምሁራት ዳንኤል ምዕራፍ 12 ካብተን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘለዋ ብዛዕባ ትንሳኤ ብንጹር ዝዛረባ ጥቕስታት ናይ መጀመርታ ምዃና ኢዮም ዝገልጹ። (ዳንኤል 12:2) ይኹን እምበር: ተጋግዮም ኢዮም። ዳንኤል ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ።
19 ንኣብነት ዳንኤል ነዘን ቀጺለን ዘለዋ ኢሳይያስ ክልተ ዘመናት ቅድሚኡ ዝጸሓፈን ቃላት ይፈልጠን ነይሩ ኢዩ:- “ምዉታትካ ህያዋን ኪዀኑ: ሬሳታተይ ኪትንስኡ እዮም። . . . ምድሪውን ንምዉታት ከተውጽኦም እያ እሞ: ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ: ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።” (ኢሳይያስ 26:19) ቅድሚኡ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ኤልያስን ኤልሳእን ዝሞቱ ሰባት ከተንስኡ ካብ የሆዋ ሓይሊ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። (1 ነገስት 17:17-24፣ 2 ነገስት 4:32-37) ቅድሚ እዚ እውን ከይተረፈ ሃና ኣደ ሳሙኤል የሆዋ ንሰባት ካብ ሲኦል: መቓብር ከተንስእ ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ሂባትሉ ነይራ ኢያ። (1 ሳሙኤል 2:6) ኣቐዲሙ እውን እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ዝነበሮ ተስፋ ገሊጹ ኢዩ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ። ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።”—እዮብ 14:14, 15
20, 21. (ሀ) ዳንኤል ክፍሊ ናይ ኣየናይ ትንሳኤ ከም ዝኸውን ኢዩ ርግጸኛ ዝነበረ፧ (ለ) እቲ ኣብ ገነት ዝህሉ ትንሳኤ ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ክፍጸም ዝኽእል፧
20 ዳንኤል ልክዕ ከም እዮብ: የሆዋ ኣብ መጻኢ ሓደ ግዜ ከተንስኦ ከም ዝናፍቕ እምንቶ ንኽገብር ምኽንያት ነይርዎ ኢዩ። ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ፍጡር ነዚ ተስፋ ትንሳኤ እዚ ከረጋግጸሉ ኸሎ ምስምዑ እውን ኣዝዩ ዘጸናንዕ ኢዩ ነይሩ። እወ: ዳንኤል ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ሽሓዊት ግዝኣት ዝህሉ ‘ትንሳኤ ጻድቃን’ ክትንስእ ኢዩ። (ሉቃስ 14:14) እቲ ዅነታት ንዳንኤል ከመይ ኢዩ ክኸውን፧ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ይነግረና ኢዩ።
21 የሆዋ ‘ናይ ሰላም እምበር ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን።’ (1 ቈረንቶስ 14:33) ስለዚ እቲ ኣብ ገነት ዝኸውን ትንሳኤ ብስርዓት ከም ዝኸውን ርግጽ ኢዩ። ምናልባት ድሕሪ ኣርማጌዶን ትንሳኤ ቅድሚ ምጅማሩ ገለ ግዜ ይጸንሕ ይኸውን። (ራእይ 16:14, 16) ኵሉ ኣሰር ኣረጊት ኣገባብ ክጽረግ ኢዩ: ንምዉታት ንምቕባል ከኣ ምድላዋት ከም ዝግበር ርግጽ ኢዩ። ብዛዕባ ቅደም-ተኸተል ናይቶም ዝትንስኡ መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ” ዝብል ሓሳብ ኢዩ ዝህብ። (1 ቈረንቶስ 15:23) ‘ትንሳኤ ጻድቃንን ሓጥኣንን’ ክኸውን ከሎ እቶም ጻድቃን መጀመርታ ዝትንስኡ ኢዩ ዝመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) በዚ ኸኣ እቶም ከም በዓል ዳንኤል ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ እሙናት ሰባት ነቶም ካብ ምዉታት ዝትንስኡ ቢልዮናት ‘ሓጥኣን’ ኣብ ምምሃር እውን ዘጠቓልል ናይ ምድሪ ጕዳያት ኣብ ምምሕዳር ክሕግዙ ኢዮም።—መዝሙር 45:16
22. ዳንኤል መልሲ ክረኽበሉ ዝህንጠ ገለ ሕቶታት እንታይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል፧
22 ዳንኤል ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ቅድሚ ምቕባሉ ሕቶታት ከም ዝሓትት ፍሉጥ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ ዓሚቝ ትርጕም ዝነበሮ ትንቢታት “ሰማዕኩ: ግናኸ ኣየስተውዐልኩን” ኢሉ ነይሩ ኢዩ። (ዳንኤል 12:8) ኣብ መወዳእታ እዚ መለኮታዊ ምስጢራት ተፈቲሑ ክርእዮስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ክሕጐስ ኰን ኢዩ! ብዛዕባ እቲ መሲሕ ብዙሕ ክሰምዕ ከም ዝደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ምዕባለ እቶም ካብ ግዜኡ ኣትሒዞም ክሳዕ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ሓይልታት ዓለም: ብዛዕባ መንነት ናይቶም ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ስደት እናጋጠሞም ዘይጠፍኡ “ናይ ልዑል ቅዱሳን” ከምኡውን ብዛዕባ እቲ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኵለን መንግስታት ደቅሰብ እተውርዶ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ክማሃር ባህ ክብሎ ኢዩ።—ዳንኤል 2:44፣ 12:4፣ 7:22
ዳንኤል ኣብ ገነት ዝህልዎ ግደን ግዴኻን!
23, 24. (ሀ) እታ ዳንኤል ምስ ተንስአ እትጸንሖ ዓለም ካብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝፈልጣ ዝነበረ ዓለም እትፍለ ብኸመይ ኢያ፧ (ለ) ዳንኤል ኣብ ገነት ቦታ ክህልዎ ድዩ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧
23 ዳንኤል ብዛዕባ እታ ክትንስእ ከሎ እትጸንሖ ዓለም ክፈልጥ ክደሊ ኢዩ: ከመይሲ ካብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ዓለም ኣዝያ እተፈልየት ኢያ ክትኰኖ። ነታ ዝፈልጣ ዓለም ኣበላሽይዋ ዝነበረ ውግኣትን ጭቈናን ኣሰሩ ክጠፍእ ኢዩ። ጓሂ: ሕማም: ሞት ኣይክህሉን ኢዩ። (ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24) ኣኽል-ታርፍ መግቢ: እኹል መንበሪ ኣባይቲ: ንዅሉ ዘዕግብ ስራሕ ክህሉ ኢዩ። (መዝሙር 72:16፣ ኢሳይያስ 65:21, 22) ደቅሰብ ሓንቲ ሕብረት ዘለዋ ስድራቤት ክዀኑ ኢዮም።
24 ዳንኤል ኣብታ ዓለም እቲኣ ቦታ ከም ዝህልዎ ርግጽ ኢዩ። እቲ መልኣኽ “ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” በሎ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ ኣብዚ “ግዴኻ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ቃል ብቓሉ ንናይ ርስቲ መሬት እትውዕል ኢያ። c ዳንኤል ነቲ ኣብ ህዝቅኤል ዘሎ ብዛዕባ ምምቕቓል ናይታ እተመልሰት ምድሪ እስራኤል ዝገልጽ ሓሳብ ይፈልጦ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ህዝቅኤል 47:13–48:35) ኣብ ገነት ፍጻሜኡ ክረክብ ከሎ እቲ ናይ ህዝቅኤል ትንቢት እንታይ ማለት ኢዩ ክኸውን፧ ኵሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ገነት ቦታ ክህልዎም ኢዩ: እታ መሬት እውን ከይተረፈት ብስርዓትን ኣገባብን ክትመቓቐል ኢያ። ዳንኤል ኣብ ገነት ዝህልዎ ቦታ መሬት ካብ ምርካብ ንላዕሊ ከም ዝኸውን ፍሉጥ ኢዩ። ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ንዳንኤል እተገብረሉ መብጽዓ ውሑስ ኢዩ።
25. (ሀ) ገለ ካብቲ ባህ ዝብለካ ኣብ ገነት ዝህሉ ነገራት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሰባት ኣብ ገነት ክነብሩ ኢዮም ተፈጢሮም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
25 ግዴኻኸ፧ እቲ መብጽዓታት ኣባኻ እውን ክውዕል ዝኽእል ኢዩ። የሆዋ እዙዛት ሰባት ኣብ ግዴኦም ‘ክትንስኡ:’ ኣብ ገነት ቦታ ክህልዎም: ኢዩ ዝደልዮም። ሕስብ እሞ ኣብሎ! ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ሓዊስካ ንዳንኤል ብኣካል ክትረኽቦ ብሓቂ ብሓጐስ ዘሰራስር ኢዩ። ሽዑ ንየሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን ትምህርቲ ዘድልዮም ኣእላፋት ሰባት ክትንስኡ ኢዮም። ንምድራዊት ገዛና ክትንከባኸብን ናብ ሓንቲ ፍሉይን ዘይሃስስን ጽባቐ ዘለዋ ገነት ንምቕያራ ክትሕግዝ ከሎኻን እሞ ንገዛእ ርእስኻ ስኣላ። ብየሆዋ ክትማሃር: እቲ ደቅሰብ ክነብርዎ ዝደልዮም ናብራ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ እሞ ሕሰቦ። (ኢሳይያስ 11:9፣ ዮሃንስ 6:45) እወ: ንዓኻ እውን ኣብ ገነት ግደ ኣሎካ። ሎሚ ንገሊኦም ገነት ክበሃል ከሎ ይገርሞም እኳ እንተዀነ የሆዋ ብመሰረቱ ንደቅሰብ ኣብ ገነት ክነብሩ ከም ዝፈጠሮም ግን ኣይትረስዕ። (ዘፍጥረት 2:7-9) በዚ መገዲ እዚ ክርአ ኸሎ ገነት ናይ ቢልዮናት ምድራውያን ሰባት ባህርያዊ መንበሪት ኢያ። ኣብኡ ኢዩ ቦትኦም። ገነት ምርካብ ልክዕ ናብ ቤትካ ከም ምኻድ ኢዩ ክኸውን።
26. መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ክመጽእ ምጽባይ ንዓና ቀሊል ከም ዘይኰነ የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ኣፍልጦ ዝሃበሉ፧
26 ብዛዕባ እዚ ዅሉ ክንሓስብ ከሎና ልብና ብሞሳ ኢዩ ዝመልእ: ኣይኰነንዶ ኢዩ፧ ኣብኡ ክትኣቱ ኣይትህንጠንዶ፧ ስለዚ እምበኣር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ክርእዩ እንተ ተሃንጠዩ ኣየገርምን ኢዩ! ምጽባይ ቀሊል ኣይኰነን። የሆዋ እውን ምጽባይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ይፈልጥ ኢዩ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ “እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ብምባል ዝመዓደና። ከምዚ ክብል ከሎ ብናትና ኣረኣእያ ዝደንጐየ ክመስል ይኽእል ኢዩ ማለቱ ኢዩ: ከመይሲ እታ ጥቕሲ ኣቐዲማ “ኣይኪድንጕን” ኢዩ ኢያ እትብል። (ኣንባቆም 2:3፣ ምስ ምሳሌ 13:12 ኣረኣእዮ።) እወ: መወዳእታ ልክዕ ኣብ ግዜኡ ክመጽእ ኢዩ።
27. ንዘለኣለም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ምባል ምእንቲ ኽትክእል እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
27 መወዳእታ ክቐርብ ከሎ እንታይ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ፧ ልክዕ ከምቲ ዳንኤል: የሆዋ ኣዝዩ ዝፈትዎ ነብዪ: ዝገበሮ ብተኣማንነት ተጸመም። ቃል ኣምላኽ ብትግሃት ኣጽንዕ። ኣዕሚቝካ ጸሊ። ብፍቕሪ ምስ ኣመንቲ ብጾት ሕበር። ንኻልኦት ብቕንኢ ሓቂ ምሃር። መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናቐረበ ክመጽእ ከሎ እሙን ኣገልጋሊ ናይቲ ኣዝዩ ልዑል ከምኡውን እሙን ተጣባቒ ቃሉ ንምዃን ቈራጽነት ግበር። ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ብምግባር ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! እቲ ሉዓላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ብሓጐስ ኣብ ቅድሚኡ ንዘለኣለም ናይ ምቛም መሰል ይሃብካ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a ዳንኤል ምናልባት ኰተቴ ኸሎ ኢዩ ብ617 ቅ.ኣ.ዘ. ናብ ባቢሎን እተወስደ። ነዚ ራእይ እዚ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ግዝኣት ቂሮስ ወይ ኣብ 536 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዩ ተቐቢልዎ።—ዳንኤል 10:1
b ብመሰረት እቲ ዘ ብራውን-ድራይቨር-ብሪግስ ሄብሪው ኤንድ ኢንግሊሽ ለክሲኮን (እንግሊዝኛ) እታ “ኽትትንስእ” እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል ነቲ “ብድሕሪ ሞት ዝህሉ ምሕዳስ” እተስምዕ ኢያ።
c እታ ናይ እብራይስጢ ቃል ምስታ “ጸጸር” እትብል ዕጫ ንምውዳቕ ዝጠቅም ንኣሽቱ ኣእማን እትውዕል ቃል እተተሓሓዘት ኢያ። መሬት ሓድሓደ ግዜ ብኸምዚ መልክዕ ይመቓቐል ነይሩ ኢዩ። (ዘሁልቍ 26:55, 56) ኤ ሃንድቡክ ኦን ዘ ቡክ ኦቭ ዳንኤል እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እታ ቓል “ንሓደ ሰብ (ብኣምላኽ) እተወሰነሉ ነገር” እተስምዕ ኢያ ትብል።
እንታይ ኣስተውዒልካ፧
• ዳንኤል ክሳዕ መወዳእታ ንኽጽመም ዝሓገዞ እንታይ ኢዩ፧
• ሞት ንዳንኤል ዘየፍረሆ ስለምንታይ ኢዩ፧
• እቲ መልኣኽ ንዳንኤል “ናብ ግዴኻ ኽትትንስእ ኢኻ” ኢሉ ዝሃቦ መብጽዓ ብኸመይ ኢዩ ክፍጸም፧
• ንትንቢት ዳንኤል ስለ ዘቕለብካሉ ብብሕትኻ ብኸመይ ተጠቒምካ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 307፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]
[ኣብ ገጽ 318 ዘሎ ስእሊ]
ልክዕ ከም ዳንኤል ንትንቢታዊ ቃል ኣምላኽ ተቕልበሉዶ ኢኻ፧