ልቢ
ምሳልያዊ ልቢ ነቲ ንሓሳባትን ንሃቐናን ንባህርያትን ንስምዒታትን ዜጠቓልል ውሽጣዊ እንታይነት ከም ዜመልክት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብር፧
መዝ 49:3፣ ምሳ 16:9፣ ሉቃ 5:22፣ ግብ 2:26
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ሉቃ 9:46-48—የሱስ ንሃዋርያቱ ብምኽንያት እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ ኻብ ካልኦት ናይ ምዕባይ ድሌት ኣረሞም
-
ንልብና ኽንሕልዎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 6:5-7—ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ኽፍኣት ናብ ዓመጻ መርሐ፣ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ማይ ኣይሂ ኣዝነመ
-
1ነገ 11:1-10—ንጉስ ሰሎሞን ንልቡ ኣይሓለዎን፣ ጓኖት ኣንስቲ ስለ ዘእተወ፡ ንሳተን ንልቡ ኻብ የሆዋ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ
-
ማር 7:18-23—ንሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዜርክሶ ዘበለ ዅሉ ኻብ ልቢ ኸም ዚወጽእ የሱስ ገለጸ
-
ከመይ ጌርና ኢና ንልብና እንሕልዎ፧
መዝ 19:14፣ ምሳ 3:3-6፣ ሉቃ 21:34፣ ፊል 4:8
እዝ 7:8-10፣ መዝ 119:11 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ኤፌ 6:14-18፣ 1ተሰ 5:8—ሃዋርያ ጳውሎስ ንመንፈሳዊ ኣጽዋር ኺዝርዝሮ ኸሎ፡ ከምቲ ድርዒ ቓል ብቓሉ ንልቢ ኻብ መጥቃዕቲ ዜዕቍቦ፡ ጽድቅን እምነትን ፍቕርን እውን ንምሳልያዊ ልብና ኸም ዚሕልዎ ገለጸ
-
ምሳልያዊ ልብና ጸገም እንተ ኣልይዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ምሳ 6:12-14 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ዜና 25:1, 2, 17-27—ንጉስ ኣማስያ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ይገብር ነበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቢ ኣይነበረን፣ ጸኒሑ ዕቡይን ጠላምን ኰነ፡ ሳዕቤኑ እውን ዓጸደ
-
ማቴ 7:17-20—ከምቲ ሕማቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ዚፈሪ፡ ሕማቕ ልቢ እውን ሕማቕ ኣካይዳ ኸም ዚፈሪ የሱስ ገለጸ
-
ስለምንታይ ኢና ጽቡቕ ልቢ ኸነማዕብል ዘሎና፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኸምኡ እንገብር፧
መዝ 119:97, 104፣ ሮሜ 12:9-16፣ 1ጢሞ 1:5 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ነገ 20:1-6—ንጉስ ህዝቅያስ ሞቱ ምስ ቀረበ፡ ንየሆዋ ብምሉእ ልቡ ብምግልጋሉ ምሕረት ኪግበረሉ ለመነ
-
ማቴ 21:28-32—ልቢ ሰብ በቲ ዚብሎ ዘይኰነስ፡ በቲ ዚገብሮ እንታይነቱ ኸም ዚርአ የሱስ ብምሳሌ ገለጸ
-
የሆዋ ንልብና ዚምርምሮ ምዃኑ ስለምንታይ እዩ ዜጸናንዓና፧
1ሳሙ 2:3 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 16:1-13—ነብዪ ሳሙኤል፡ የሆዋ ብደጋዊ ትርኢት ከም ዘይፈርድ፡ የግዳስ ልቢ ሰብ ከም ዚርኢ ተረድአ
-
2ዜና 6:28-31—ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ወፈያ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ኣምላኽ ንልቢ ሰብ ብምሕረትን ብልክዕን ከም ዜንብቦ ተሓቢሩ ኣሎ
-