ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልእመት

ልእመት

የሆዋ ልኡም ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ማቴ 11:28, 29፣ ዮሃ 14:9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 19:12—የሆዋ ነቲ ተረቢሹ ዝነበረ ነብዪ ኤልያስ ብ“ህዱእ ትሑት ደሃይ” ኣዛረቦ

    • ዮና 3:10–4:11—ዮናስ ንየሆዋ ብቝጥዓ እኳ እንተ ተዛረቦ፡ የሆዋ ግና ነዚ ነብዪ ብልእመት ብዛዕባ ምሕረት መሃሮ

ብኸመይ ኢና ልእመት ከነርኢ እንኽእል፧

ምሳ 15:1፣ ኤፌ 4:1-3፣ ቲቶ 3:2፣ ያእ 3:13, 17፣ 1ጴጥ 3:15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሁ 11:26-29—እያሱ ንነብዪ ሙሴ፡ ነቶም ዚንበዩ ዝነበሩ ሰባት ኪኽልክሎም ምስ ደለዮ፡ ሙሴ ብልእመት መለሰሉ

    • መሳ 8:1-3—ጊዴዎን ብልእመት ምላሽ ብምሃቡ፡ ናብ ግጭት ኬምርሕ ዚኽእል ዝነበረ ዅነታት በነነ