ሓሶት
የሆዋ ብዛዕባ እቶም ቃሎም ዘይሕልዉ እንታይ ይስምዖ፧
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
ዘጸ 9:27, 28, 34, 35—ፈርኦን ንህዝቢ ኣምላኽ ኪሰድዶም ተሰማሚዑ ኼብቅዕ፡ ቃሉ ለወጠ
ህዝ 17:11-15, 19, 20—የሆዋ ንንጉስ ጼዴቅያስ፡ ነቲ ንንጉስ ባቢሎን ዝመሓለሉ ማሕላን ምስኡ ዝኣተዎ ኺዳንን ስለ ዘፍረሰ፡ ቀጽዖ
ግብ 5:1-10—ሃናንያን ሰጲራን ነቲ ሸይጦም ዝረኸብዎ ገንዘብ ብምሉኡ ንጉባኤ ኸም ዝወፈዩ ኣምሲሎም ሓሰዉ
የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዚሓምዩ ወይ ስም ሰብ ዜጸልሙ እንታይ ይስምዖ፧
መዝ 15:1-3፣ ምሳ 6:16-19፣ 16:28፣ ቈሎ 3:9
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
2ሳሙ 16:1-4፣ 19:24-30—ጺባ ነቲ እሙን ዝነበረ ጐይታኡ መፊቦሸት ሓመዮ
ራእ 12:9, 10—ድያብሎስ ወይ እቲ ሓማዪ ወትሩ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይኸስሶም