ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓጢኣት

ሓጢኣት

ሓጢኣት እንታይ እዩ፧ ኵላትና ብእኡ እተጸሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

ምስቲ ሓጢኣት ንምግባር ዘሎና ዝንባለ ኽንቃለስ ከም እንኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

ሮሜ 6:12-14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ሳሙ 11:2-5, 14, 15, 26, 27፣ 12:1-13—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ገበረ፡ ሓያል ተግሳጽ ተዋህቦ፡ መገዱ ንምእራም እውን ጸዓረ

    • ሮሜ 7:15-24—እቲ ብሉጽ ኣብነት እምነትን ተወፋይነትን ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ምስ ዝንባለታት ሓጢኣት ከም ዚቃለስ ገለጸ

ድንቍርናን ምትላልን ንብዙሓት ሰባት ከም ዚሓጥኡ ዚገብሮም ብኸመይ እዩ፧

ኰነ ኢልካ ብሓጢኣት ምምልላስ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ሰይጣን ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምሕጣእ፡ ብምንታይ ገይሩ ኺፍትኖም ይኽእል፧

ምሳ 1:10, 11, 15፣ ማቴ 5:28፣ ያእ 1:14, 15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 3:1-6—ሰይጣን ንሄዋን ብተመን ገይሩ ኣብ እተዛረባ እዋን፡ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ኸም እተተኵርን ኣብ የሆዋ ዘለዋ እምንቶ ኸም እተጥፍእን ገይሩ ፈተና

    • ምሳ 7:6-10, 21-23—ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ በቲ ሓንቲ እትምንዝር ሰበይቲ ዘቕረበትሉ ፈተና ብኸመይ ከም ዝወደቐ ንጉስ ሰሎሞን ገለጸ

ነቲ ሰይጣን ዜቕርቦ ፈተናታት ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

ኤፌ 4:27፣ 6:10-18፣ ያእ 4:7, 8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 5:1-14—ንጉስ ሰሎሞን ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ ስለምንታይን ብኸመይን ካብቲ ንምምንዛር ዚቐርበልና ፈተናታት ክንርሕቕ ከም እንኽእል ኣባታዊ ምኽሪ ሃበ

    • ማቴ 4:1-11—የሱስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምርኳስ፡ ነቲ ሰይጣን ብጕርሒ ዜቕርቦ ፈተናታት ብኸመይ ከም እንጻረሮ ፍጹም ኣብነት ሓደገልና

ገለ ኻብቲ ክርስትያናት ኪገብርዎ ዘይግባእ ከቢድ ሓጢኣት እንታይ እዩ፧

ሓጢኣትና ምንዛዝ

ሓጢኣትና ንምሕባእ ክንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ኵሉ ሓጢኣትና ንመን ኢና ኽንናዘዝ ዘሎና፧

ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዜማልደልና “ረዳኢ” መን እዩ፧

ሓደ ሓጥእ ንስሓኡ ብተግባራቱ ኼርኢ ይኽእልዶ፧

ግብ 26:20፣ ያእ 4:8-10

ንስሓ” እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 22:1-12—ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሰራቒ ነቶም ዝሰረቖም ኪኽሕሶም ነበሮ

    • ሉቃ 19:8, 9—እቲ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ ዝዀነ ዘኬዎስ መገድታቱ ብምቕያርን ነቶም ዝበደሎም ብምኽሓስን ከም እተነስሐ ኣርኣየ

የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ኽንተኣማመን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ይቕረታ” ርአ

ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ምስ ዚገብር፡ ንዕኡ ንምሕጋዝን ነታ ጉባኤ ንምዕቋብን፡ የሆዋ እንታይ መሰናድዎ ገይሩ ኣሎ፧

ከቢድ ሓጢኣት ንኣባላት ስድራ ቤትና ዀነ ኣብ ጉባኤና ንዘለዉ ሰባት ብኸመይ ኪጸልዎም ይኽእል፧

እብ 12:15, 16

ዘዳ 29:18 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እያ 7:1-13, 20-26—ዓካን ከቢድ ሓጢኣት ብምግባሩን ኪሓብኦ ብምፍታኑን፡ ኣብ ኵሎም እስራኤላውያን ጥፍኣት ኣምጽአ

    • ዮና 1:1-16—ነብዪ ዮናስ ካብ የሆዋ ብምዕላዉ፡ ንህይወት እቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣእተዎ

    • 1ቈረ 5:1-7—ኣብ ቈረንቶስ እተፈጸመ ሓጢኣት ንብምልእታ እታ ጉባኤ ኸም ዝጐድኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ

ብፍርሂ ተግሳጽ እተላዕለ ኻብ ሽማግለታት ሓገዝ ካብ ምርካብ ድሕር ክንብል ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ብሕሉፍ ሓጢኣትና ወትሩ ኣብ ክንዲ እንሓዝን፡ ኣምላኽ ይቕረ ኸም ዝበለልና ኽንኣምን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ይቕረታ” ርአ

ሓደ ሰብ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረ እንተ ፈሊጥና፡ እቲ ኣባሲ ነቲ ጕዳይ ናብ ሽማግለታት ጉባኤ ኸም ዜቕርቦ ኸነረጋግጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዘሌ 5:1

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 13:6-9፣ 21:18-20—ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ ሓደ ሰብ ኣባል ስድራ ቤቱ ወይ ፈታዊኡ ኸቢድ ሓጢኣት እንተ ገይሩ፡ ኪነግረሉ ነበሮ