ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕልና

ሕልና

የሆዋ ንዅሎም ሰባት ሕልና ኸም ዝሃቦም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ሮሜ 2:14, 15

2ቈረ 4:2 እውን ርአ

ሓደ ሰብ ብግጉይ ኣካይዳ ዚመላለስ እንተ ዀይኑ፡ ሕልናኡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

እንገብሮ ዘለና ቕኑዕ ከም ዝዀነ ምእማንና ጥራይሲ እኹል ድዩ፧

ዮሃ 16:2, 3፣ ሮሜ 10:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 18:1-3፣ 19:1, 2—ንጉስ ዮሳፋጥ ነቲ እኩይ ንጉስ ኣከኣብ ስለ ዝሓገዞ፡ የሆዋ ገንሖ

    • ግብ 22:19, 20፣ 26:9-11—ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ምስጓጕን ምቕታልን ቅኑዕ ይመስሎ ነበረ

ከመይ ጌርካ እዩ ሕልና ብግቡእ ዚስልጥን፧

2ጢሞ 3:16, 17፣ እብ 5:14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 24:2-7—ንጉስ ዳዊት ብሕልናኡ ተደሪኹ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ዝነበረ ንጉስ ሳኦል ብኣኽብሮት ሓዞ

ሓጥኣን ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ኺህልዎም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ኤፌ 1:7፣ እብ 9:14፣ 1ጴጥ 3:21፣ 1ዮሃ 1:7, 9፣ 2:1, 2

ራእ 1:5 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኢሳ 6:1-8—የሆዋ ንነብዪ ኢሳይያስ፡ ሓጢኣቱ ኺሕደገሉ ኸም ዚኽእል ኣረጋገጸሉ

    • ራእ 7:9-14—እቶም ብዙሓት ህዝቢ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ስለ ዝነጽሁ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹሃት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም

ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ዚህበና መምርሒ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

ግብ 24:15, 16፣ 1ጢሞ 1:5, 6, 19፣ 1ጴጥ 3:16

ሮሜ 13:5 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 2:25፣ 3:6-13—ኣዳምን ሄዋንን ንሕልናኦም ዕሽሽ በልዎ፣ ድሕሪኡ ግና ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ፡ በዚ ሓፈሩ

    • ነህ 5:1-13—ነህምያ ነቶም ንሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዝበሉን ከቢድ ወለድ ዜኽፍሉን ኣይሁድ ሕልናኦም ኪጥቀሙሉ ተማሕጸኖም

ሕልናኡ ገና ብግቡእ ንዘይሰልጠነ ክርስትያን ከይንዕንቅፍ ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ብዛዕባ ሕልናና እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧