መተባብዒ
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
ኢሳ 35:3, 4፣ ቈሎ 3:16፣ 1ተሰ 5:11፣ እብ 3:13
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ዜና 32:2-8—ንጉስ ህዝቅያስ፡ ህዝቡ ኣመና ዜስግእ ኵነታት ምስ ኣጋጠሞም፡ ኣተባብዖም
-
ዳን 10:2, 8-11, 18, 19—ሓደ መልኣኽ ነቲ ብዕድመ ደፊኡን ደኺሙን ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ኣተባብዖን ኣበርትዖን
-
ስልጣን ዘለዎም ሰባት ምስ መተባብዒ ብዚተሓሓዝ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
ማቴ 11:28-30 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘዳ 3:28፣ 31:7, 8—ነብዪ ሙሴ ብመሰረት እቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ መምርሒ ነቲ ንዕኡ ዚትክኦ እያሱ ኣተባብዖን ኣበርትዖን
-
ግብ 11:22-26፣ 14:22—ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ በርናባስን ኣብ እዋን መስጐጕቲ ነቶም ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣተባብዕዎም
-
ልባዊ ናእዳ ኣገዳሲ ኽፍሊ ምትብባዕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መሳ 11:37-40—ጓል ይፍታሕ ጥቕሚ ርእሳ ሰዊኣ ትነብር ብምንባራ፡ ኣዋልድ እስራኤል ኣብ ዓዓመት ይንእዳኣ ነበራ
-
ራእ 2:1-4—የሱስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት እኳ እንተ ኣረሞም፡ ስለቲ ጽቡቕ ተግባሮም እውን ነኣዶም
-
እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ብኸመይ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ይኽእሉ፧
ምሳ 15:23፣ ኤፌ 4:29፣ ፊል 1:13, 14፣ ቈሎ 4:6፣ 1ተሰ 5:14
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 23:16-18—ዮናታን ነቲ ኻብኡ ዚንእስ ፈታዊኡ ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ደልዩ ምስ ረኸቦ፡ ኣተባብዖ
-
ዮሃ 16:33—የሱስ ንሰዓብቱ ብኣብነቱ ገይሩ ኣተባብዖም፡ ንሳቶም ዕዉታት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ እውን ኣረጋገጸሎም
-
ግብ 28:14-16—ሃዋርያ ጳውሎስ ንፍርዲ ናብ ሮሜ ኪኸይድ ከሎ፡ ነቶም ኪቕበልዎ ተጓዒዞም ዝመጹ እሙናት ኣሕዋት ምስ ረኣዮም ተተባብዐ
-
ካብ ናይ ንዕቀት ወይ ናይ ምምራር መንፈስ ክንሕሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘሁ 11:10-15—ነብዪ ሙሴ በቲ ኣብቶም ህዝቢ ዝነበረ ኣሉታውን ናይ ዘይተኣዛዝነትን መንፈስ ኣመና ጐሃየ
-
ዘሁ 13:31, 32፣ 14:2-6—እቶም እምነት ዘይነበሮም ዓሰርተ ሰለይቲ ዘውረይዎ ኣሉታዊ ወረ ነቶም ህዝቢ ተስፋ ኣቝረጾም፡ ናብ ዕልወት እውን መርሐ
-
ምስ ክርስትያናት ብጾትና ምቅርራብ ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧
ምሳ 27:17፣ ሮሜ 1:11, 12፣ እብ 10:24, 25፣ 12:12
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ዜና 20:1-19—ንጉስ ዮሳፋጥ ዓብዪ ሰራዊት ምስ መጾ፡ ነቶም ህዝቢ ኣኪቡ ጸለየ
-
ግብ 12:1-5, 12-17—ሃዋርያ ያእቆብ ምስ ተቐትለ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ምስ ተኣስረ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ጉባኤ ብሓባር ትጽሊ ነበረት
-
ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧
ግብ 5:40, 41፣ ሮሜ 8:35-39፣ 1ቈረ 4:11-13፣ 2ቈረ 4:16-18፣ 1ጴጥ 1:6, 7
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 39:19-23፣ 40:1-8—ዮሴፍ ብሓሶት እኳ እንተ ተኸስሰ፡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ እውን እንተ ተኣስረ፡ ብተኣማንነት ተመላለሰ፡ ንኻልኦት ኪሕግዝ እውን ይደሊ ነበረ
-
2ነገ 6:15-17—ነብዪ ኤልሳእ ኣብ ቅድሚኡ ዓብዪ ሓደጋ እናሃለወ ኽነሱ ድምብርጽ ኣይበሎን፣ ጊልያኡ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታ ምእንቲ ኺህልዎ ድማ ጸለየ
-
ካብ ቃል የሆዋ መተባብዒ ምርካብ
የሆዋ እንታይ ፍቕራዊ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧
ብዛዕባ ትዕግስትን ምሕረትን የሆዋ ምስትንታን ብኸመይ ኬተባብዓና ይኽእል፧
የሆዋ ንዝደኸሙ እንታይ ይገብረሎም፧
መዝ 46:1፣ ኢሳ 12:2፣ 40:29-31፣ ፊል 4:13
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 1:10, 11, 17, 18—የሆዋ ንጸሎት ሃና ሰምዖ፡ ኣብ ጭንቅን ምረትን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ከኣ እፎይታ ሃባ
-
1ነገ 19:1-19—ነብዪ ኤልያስ ተስፋ ምስ ቈረጸ፡ የሆዋ ግብራዊ ሓገዝ ሃቦ። ተስፋ ብምሃብ ከኣ ኣተባብዖን ኣጸናንዖን
-
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋና ብኸመይ ኬትብዓና ይኽእል፧
2ዜና 15:7፣ መዝ 27:13, 14፣ እብ 6:17-19፣ 12:2
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
እዮ 14:1, 2, 7-9, 13-15—እዮብ ኣብቲ ጸልሚትዎ ዝነበረ እዋን እኳ፡ ብተስፋ ትንሳኤ ተጸናንዐ
-
ዳን 12:13—እቲ ወዲ 100 ዓመት ኣቢሉ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ካብቲ ብዛዕባ ናይ መጻኢ ዓስቡ ዝነገሮ መልኣኽ መተባብዒ ረኸበ
-
ናብ የሆዋ ምጽላይን ብዛዕባኡ ምስትንታንን ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 30:1-9—ንጉስ ዳዊት ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ናብ የሆዋ ተጸግዐ፡ ብርታዐ እውን ረኸበ
-
ሉቃ 22:39-43—የሱስ ካብ ኵሉ ዝኸበደ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ፡ ብጽኑዕ ጸለየ፡ የሆዋ ድማ ዜተባብዖ መልኣኽ ለኣኸሉ
-
ጽቡቕ ወረ ወይ ብስራት ብምስማዕን ብምንጋርን እንታይ መተባብዒ ኺርከብ ይከኣል፧