ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስትታት

መንግስትታት

ነየነይቲ መንግስቲ እዮም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብምሉእ ልቦም ደገፎምን ተኣማንነቶምን ዚህቡ፧

ማቴ 6:9, 10, 33፣ 10:7፣ 24:14

ዳን 7:13, 14 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 89:18-29—የሆዋ ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ካብ ኵሎም ገዛእቲ ዚልዕል ስልጣን ሃቦ

    • ራእ 12:7-12—ኣብ መጀመርታ እተን ዳሕሮት መዓልትታት፡ እቲ መሲሓዊ ንጉስ ግዝኣቱ ጀመረ፡ ሰይጣን እውን ካብ ሰማይ ተደርበየ

እቶም ቅቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

ክርስትያናት ንዓለማውያን ሰበ ስልጣን የኽብርዎም

ዓለማዊ ሕግታት እንሕሉን ግብሪ እንኸፍልን ስለምንታይ ኢና፧

ሮሜ 13:1-7፣ ቲቶ 3:1፣ 1ጴጥ 2:13, 14

ግብ 25:8 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 22:15-22—የሱስ ብዛዕባ ምኽፋል ግብሪ ንዝቐረበሉ ሕቶ ጽቡቕ ምላሽ ሃበ

ግዳያት መስጐጕቲ ኣብ እንዀነሉ እዋን እኳ ዓጸፌታ ዘይንመልስ ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ገለልትነቶም ይሕልዉ

ትእዛዝ የሆዋ ኽንጥሕስ ካብ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ሕቶ እንተ ቐሪቡልና፡ ብኣኽብሮት እንኣቢ ስለምንታይ ኢና፧

ግብ 4:18-20፣ 5:27-29

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 3:1, 4-18—ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት ነቲ ንሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ ሕጊ ባቢሎን ምትግባር ኣበዩ

    • ዳን 6:6-10—እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል ነቲ ምጽላይ ዚኽልክል መንግስታዊ ኽልክል ምሕላው ኣበየ

ካብ ሰብኣውያን መንግስትታት ገለልተኛታት ብዛዕባ ምዃን፡ ብኸመይ እዩ የሱስ ንሰዓብቱ ኣብነት ዝሰርዐ፧

ብዛዕባ ኣምልኾ ጣኦት እተዋህበ ሕግታት ኣምላኽ፡ ገለልትነትና ኽንሕሉ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ዘጸ 20:4, 5፣ 1ቈረ 10:14፣ 1ዮሃ 5:21

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 3:1, 4-18—ንጉስ ነቡካድነጻር ነቲ ማርዱክ እተባህለ ናይ ሓሶት ኣምላኽ እተወፈየ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል ምስሊ ኣቘመ፣ ንተገዛእቱ ድማ ነዚ ምስሊ እዚ ኺሰግዱሉ ኣዘዞም

ክርስትያናት ኣብ ውግእ ኪሳተፉ ትእዛዝ ኪውሃቦም ከሎ፡ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ኣብ ውሳነኦም ኪሕግዞም ዚኽእል፧

ኢሳ 2:4፣ ዮሃ 18:36

መዝ 11:5 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 26:50-52—የሱስ፡ ሰዓብቱ ኣብ ውግእ ከም ዘይሳተፉ ንጹር ገበረ

    • ዮሃ 13:34, 35—ሓደ ክርስትያን፡ ‘ኣጽዋር ኣልዒለ ምስ ደቂ ኻልእ ዓዲ እንተ ተዋጊአ፡ ምናልባት ንመንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ክቐትሎም ስለ ዝኽእል፡ ነዚ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝሲ እሕልዎዶ ኣለኹ፧’ ኢሉ ገዛእ ርእሱ ኺሓትት ይኽእል እዩ

ክርስትያናት ኣብቲ ኣንጻር መንግስትታት ምድሪ ዚግበር ተቓውሞ ዘይሳተፉ ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት ከም መናዓብቲ ወይ ዘረግቲ ሰላም ጌርካ ብመንግስትታት እንተ ተኸሲሶም ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ሉቃ 23:1, 2፣ ዮሃ 15:18-21

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 16:19-23—ሃዋርያ ጳውሎስን ሲላስን ብምኽንያት እቲ ስብከቶም መከራ ጸገቡ