ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መውስቦ

መውስቦ

መውስቦ መበቈሉ ኻበይ እዩ፧

ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ኺምርዖ ዘለዎ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያን፡ ጥሙቕ ወዱ ወይ ጓሉ ርእሱ ወፍዩ እተጠምቀ ኣገልጋሊ የሆዋ ንዘይኰነ ሰብ ኬመርዑ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

1ቈረ 7:39፣ 2ቈረ 6:14, 15

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 24:1-4, 7—ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ካብቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ከነኣናውያን ዘይኰነስ፡ ካብቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘበሉ ሰበይቲ ኺረኽበሉ ቘረጸ

    • ዘፍ 28:1-4—ይስሃቅ ንወዱ ያእቆብ ካብ ከነኣናውያን ዘይኰነስ፡ ካብቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ዘበሉ ሰበይቲ ኺረክብ ተላበዎ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንዘይኣማኒ ዚምርዓዉ እንታይ ይስምዖ፧

ዘዳ 7:3, 4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 11:1-6, 9-11—ንጉስ ሰሎሞን ነቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ጓኖት ኣንስቲ ስለ ዘእተወን ንልቡ ኼበላሽዋኦ ስለ ዝፈቐደለንን፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብኡ ነደደ

    • ነህ 13:23-27—ነህምያ ነቶም ዘይኣመንቲ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተዉ ፋሉል ህዝቢ ብምግሳጽን ብምእራምን፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣንጸባረቐ

ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልን ጽቡቕ ስም ዘለዎን መጻምድቲ ምሕራይ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ምሳ 18:22፣ 31:10, 28

ኤፌ 5:28-31, 33 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 25:2, 3, 14-17—ናባል ሃብታም እኳ እንተ ነበረ፡ ጨካንን ክፉእ ዝግብሩን ብምንባሩ፡ ንኣቢጋይል ዚኸውን ሰብኣይ ኣይነበረን

    • ምሳ 21:9—ዘይኰነና መጻምድቲ እንተ ሓሪና፡ ሓጐስናን ሰላምናን ክንስእን ንኽእል ኢና

    • ሮሜ 7:2—ምርዕውቲ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን እቲ ዘይፍጹም ሰብኣያ ኸም ዝዀነት ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ጥበበኛ ሰበይቲ ተጠንቂቓ እያ ሰብኣያ እትሓሪ

ንሓዳር ምድላው

ሓደ ሰብኣይ ቅድሚ ምምርዓዉ፡ ንስድራኡ ንምንባይ ድሉው ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

1ጢሞ 5:8

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 24:27—ሓደ ሰብኣይ ቅድሚ ምምርዓዉን ውሉዳት ቅድሚ ምውላዱን፡ ንስድራኡ ንምንባይ ድሉው ኰይኑ ምእንቲ ኺጸንሕ፡ ብትግሃት ኪዓዪ ኣለዎ

ሓዳር ዚሓስቡ ክልተ ሰባት ኣብ ደጋዊ ትርኢት ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ጥበብ ዝሓዘለ ምኽሪ ኣብ ምርካብን ንሕድሕዶም ኣጸቢቖም ኣብ ምፍላጥን ኬተኵሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ምሳ 13:10፣ 1ጴጥ 3:3-6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሩት 2:4-7, 10-12—ቦኣዝ ብዛዕባ እንታይነት ሩት ካብ ትግሃታን ካብቲ ብዛዕባኣ ዝሰምዖ እሙን ወረን ካብቲ ምስ ቤተ ሰባ ዝነበራ ርክብን ካብ መንፈሳውነታን ኪፈልጥ ከኣለ

    • ሩት 2:8, 9, 20—ሩት ብዛዕባ እንታይነት ቦኣዝ ካብ ለውሃቱን ካብ ልግሱን ካብቲ ንየሆዋ ዝነበሮ ፍቕርን ክትፈልጥ ከኣለት

የሆዋ ንመጻምድቲ ኣብ እዋን ወርዝነትን ሕጸን ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧

ገላ 5:19፣ ቈሎ 3:5፣ 1ተሰ 4:4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 5:18, 19—ገሊኡ ኣካላዊ መግለጺ ፍቕሪ፡ ንምርዑዋት ጥራይ እዩ ዚፍቀድ

    • መሃ 1:2፣ 2:6—እቲ ጓሳን እታ ሹላማዊትን ኣብ እዋን ወርዝነት ንጹህ መግለጺ ፍቕሪ እዮም ተጠቒሞም

    • መሃ 4:12፣ 8:8-10—እታ ሹላማዊት ንጽህናኣ ሓለወት፡ ርእሳ እውን ገትአት፣ ስለዚ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ ነበረት

መጻምድቲ ብመሰረት ሕጊ ኺምርዓዉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ሓላፍነት ሰብኣይ

ሰብኣይ እንታይ ከቢድ ሓላፍነታት እዩ ተዋሂብዎ ዘሎ፧

ክርስትያን ሰብኣይ ንርእስነቱ ኺጥቀመሉ ኸሎ፡ ናይ መን ኣብነት እዩ ኺስዕብ ዘለዎ፧

ሰብኣይ ንሰበይቱ ኼፍቅራን ስምዒታ ኺርድኣላን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ቈሎ 3:19፣ 1ጴጥ 3:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 21:8-12—ሓደ እዋን፡ ኣብርሃም በቲ ሳራ ዝሃበቶ ሓሳብ እኳ እንተ ጐሃየ፡ የሆዋ ግና ንኣብርሃም፡ ንሰበይቱ ሳራ ኺሰምዓ ኣዘዞ

    • ምሳ 31:10, 11, 16, 28—ኣብዘን ፍቕድታት ተገሊጹ ዘሎ ኽኢላ ዝሰበይቱ ጥበበኛ ሰብኣይ ተቘጻጻርን ኣራይ ጕድለትን ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ንሰበይቱ ይኣምናን ይንእዳን እዩ

    • ኤፌ 5:33—እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ ዝጸሓፎ ቓላት፡ ምናዳ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ፍቕሪ ኸም እትደሊ ይሕብር

ሓላፍነት ሰበይቲ

የሆዋ ንክርስትያን ሰበይቲ እንታይ ኣገዳሲ ሓላፍነት እዩ ሂብዋ፧

ሰበይቲ ዘለዋ ግደ ዜዋርድ ድዩ፧

ዘፍ 1:26-28, 31፣ 2:18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ምሳ 1:8፣ 1ቈረ 7:4—ሰበይቲ ወይ ኣደ፡ ኣብ ሓዳራ ኻብ ኣምላኽ እተዋህባ እተወሰነ ስልጣን ኣለዋ

    • 1ቈረ 11:3—ኣብ ትሕቲ ስርዓት የሆዋ፡ ብዘይካ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ኵሉ ፍጡር ኣብ ልዕሊኡ ርእሲ ኸም ዘለዎ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ

    • እብ 13:7, 17—ኣብ ጉባኤ፡ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ነቶም ዚመርሕዎም ይግዝእዎምን ይእዘዝዎምን እዮም

ከመይ ገይራ እያ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ዘለዋ ክርስትያን ሰበይቲ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ እትኽእል፧

ክርስትያን ሰበይቲ ንሰብኣያ ኸተኽብሮ ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

ኤፌ 5:33

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 18:12፣ 1ጴጥ 3:5, 6—ሳራ ንሰብኣያ ዋላ እውን ብልባ “ጐይታይ” ትብሎ ወይ መንፈሳዊ ርእሳ ገይራ ትርእዮ ብምንባራ፡ ብዙሕ ተኽብሮ ነበረት

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዓይነት ሰበይቲ እያ ተናኢዳ ዘላ፧

ምሳ 19:14፣ 31:10, 13-31

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 24:62-67—ይስሃቅ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ፡ ብርብቃ ተጸናንዐ

    • 1ሳሙ 25:14-24, 32-38—ኣቢጋይል ብትሕትና ንዳዊት ብምልማን፡ ነቲ ዓሻ ሰብኣያን ንቤተ ሰባን ኣድሓነት

    • ኣስ 4:6-17፣ 5:1-8፣ 7:1-6፣ 8:3-6—ንግስቲ ኣስቴር ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ክትልምን ኢላ፡ ህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ከይተጸውዐት ክልተ ሳዕ ናብ ንጉስ ኣተወት

ፍልልያት ምፍታሕ

ኣብ ሓዳር ዚፍጠር ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ስርዓታት ኪሕግዝ ይኽእል፧

ሰብ ሓዳር ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምሓዝ እንታይ ስርዓታት ኪሕግዞም ይኽእል፧

ሰብ ሓዳር ነቲ ብዛዕባ ቤተ ሰብን እንዳ ኣሕሙን ዚልዓል ጕዳያት ንምፍታሕ እንታይ ስርዓታት ኪሕግዞም ይኽእል፧

ሰብ ሓዳር ምስ ጾታዊ ርክብ ብዚተሓሓዝ እንታይ ስርዓታት ኪሕግዞም ይኽእል፧

ኣብ ጕድለት መጻምድትኻ ዘይኰነስ፡ ኣብጽቡቕ ባህርያት መጻምድትኻ ኸተተኵር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ቅሬታ ወይ ቍጥዓ ኣብ ውሽጥኻ ሒዝካ ኣብ ክንዲ ምምልላስ፡ ንዚፍጠር ጸገማት ብፍቕራዊ መገድን ብቕልጡፍን ክትፈትሖ ዝሓሸ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ቍጥዓን ታዕታዕን ጸርፍን መውቃዕትን ኣብ ክርስትያናት ቅቡል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ፍልልያት ኪፍጠር ከሎ፡ ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ሸቶ እዩ ኺህልዎም ዚግባእ፧

የሆዋ ዝመሰረቱ ሓዳር እንታይ በረኸት ኣለዎ፧

መለክዒታት መውስቦ

የሆዋ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን መውስቦን እንታይ መለክዒታት ኣለዎ፧

ክርስትያናት ንድርብ መውስቦ ብኸመይ ይርእይዎ፧

መውስቦ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኪግበር ከም ዚግባእ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ሰብ ሓዳር ኪፈላለዩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ ክርስትያናት፡ ንፍትሕ ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት እንታይ ጥራይ እዩ፧

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ብዘይግቡእ መሰረት ዚፋትሑ ሰባት እንታይ ይስምዖ፧

ሓደ ኻብ መጻምድቲ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ብህይወት ዝተረፈ ኺምርዖ ይኽእልዶ፧