መዓርግ
ክርስትያናት ንሰብ ክብሪ ዚህብ ሃይማኖታዊ መዓርግ ኪጥቀሙ ይግባእዶ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ሉቃ 18:18, 19—የሱስ ሕያዋይ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ “ሕያዋይ መምህር” ዚብል ናይ መዓርግ መጸውዒ ኣይተቐበሎን፣ ኵሉ ሕያውነት ካብ የሆዋ ምዃኑ እውን ገለጸ
-
ክርስትያናት ንሰባት፡ ብኸም “ኣቦ” ወይ “መራሒ” ዚብል ሃይማኖታዊ መዓርግ ዘይጽውዑ ስለምንታይ እዮም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 23:9-12—የሱስ ንክርስትያናት፡ ከም “ኣቦ” ወይ “መራሒ” ዝኣመሰለ ናይ ክብሪ መዓርግ ከይጥቀሙ ኸልከሎም
-
1ቈረ 4:14-17—ሃዋርያ ጳውሎስ ንብዙሓት ከም ኣቦኦም እኳ እንተ ነበረ፡ ኣባ ጳውሎስ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መጸውዒ ኣይንረክብን ኢና
-
ክርስትያናት ንሓድሕዶም ‘ሓውና’ ወይ ‘ሓብትና’ እናተባሃሃሉ ኺጻዋውዑ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ገይሮም እውን ኪራኣኣዩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
ግብ 12:17፣ 18:18፣ ሮሜ 16:1 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 12:46-50—የሱስ፡ እቶም ከምኡ ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት መንፈሳውያን ኣሓዋቱን ኣሓቱን ምዃኖም ብንጹር ገለጸ
-
ክርስትያናት ንዓለማውያን ገዛእትን ፈራዶን ሰበ ስልጣንን ብመዓርጎም ኪጽውዕዎም ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ግብ 26:1, 2, 25—ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸም ኣግሪጳን ፌስጦስን ዝኣመሰሉ ዓለማውያን ገዛእቲ በቲ ወግዓዊ መዓርጎም ጸውዖም
-