ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ማሕበራዊ ፍልልያት

ማሕበራዊ ፍልልያት

ዓሌት፡ ወለዶ፡ ወይ ቍጠባዊ ደረጃ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጸብለል ከም እትብል ይገብር ድዩ፧

ግብ 17:26, 27፣ ሮሜ 3:23-27፣ ገላ 2:6፣ 3:28

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 8:31-40—ገሊኦም ኣይሁድ ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖም ይምክሑ ነበሩ፣ የሱስ ግና ግብርታት ኣብርሃም ከም ዘይገብሩ ብምጥቃስ ኣረሞም

ካብ ካልእ ዓሌት ወይ ህዝቢ ንዝዀኑ ሰባት እንንዕቀሉ ዝዀነ መሰረት ኣሎናዶ፧

ዮሃ 3:16፣ ሮሜ 2:11

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮና 4:1-11—የሆዋ ንነብዪ ዮናስ፡ ነቶም ደቂ ኻልእ ዓዲ ዝዀኑ ሰብ ነነዌ ምሕረት ኪገብረሎም ብትዕግስቲ መሃሮ

    • ግብ 10:1-8, 24-29, 34, 35—ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣህዛብ ከም ርኹሳት ገይሩ ኸይርእዮም ተነግሮ፣ ስለዚ፡ ንቆርኔሌዎስን ንቤተ ሰቡን፡ ካብ ኣህዛብ ቀዳሞት ዘይተገዝሩ ክርስትያናት ኪዀኑ ሓገዞም

ሃብታማት ክርስትያናት ካብ ካልኦት ዝበለጹ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎም ወይ ፍሉይ ኣተሓሕዛ እንተ ተጸብዮምሲ ግቡእ ድዩ፧

ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሓላፍነት ምስ ዚህልዎ፡ ካብ ካልኦት ይበልጽ ወይ ገባርን ሓዳግን ኪኸውን ይኽእል ማለት ድዩ፧

2ቈረ 1:24፣ 1ጴጥ 5:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 17:18-20—የሆዋ ንነገስታት እስራኤል ርእሶም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ልዕል ከየብሉ ኣጠንቀቖም፣ ስለምንታይሲ፡ ብኣረኣእያ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ነቶም ነገስታት ኣሕዋቶም እዮም

    • ማር 10:35-45, 42—የሱስ ንሃዋርያቱ ኣብ ስልጣን ብምትኳሮም ኣረሞም

ሓደ ሰብ ብምንታይ እዩ ሞገስ ኣምላኽ ዚረክብ፧

ክርስትያናት ማሕበራዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዚግበር ምንቅስቓሳት ኪሳተፉስ ግቡእ ድዩ፧

ኤፌ 6:5-9፣ 1ጢሞ 6:1, 2

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 6:14, 15—እቶም ህዝቢ ንየሱስ፡ ማሕበራዊ ለውጢ ኼምጽኣሎም ትጽቢት ገይሮም ነበሩ፣ ንሱ ግና ዓለማዊ ንጉስ ኪኸውን ኣይደለየን