ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትሕንፋጽ እምነት

ምትሕንፋጽ እምነት

ኵሎም ሃይማኖተኛታት ንሓደ ኣምላኽ ድዮም ዜምልኹ፧

የሆዋ በተን ንሓድሕዱ ዚጋጮ ሰረተ እምነት ዚምህራ ብዙሓት ሃይማኖታት ባህ ይብሎ ድዩ፧

ማቴ 7:13, 14፣ ዮሃ 17:3፣ ኤፌ 4:4-6

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እያ 24:15—እያሱ ነቲ ኣብ መንጎ ንየሆዋ ምግልጋልን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምግልጋልን ዘሎ ንጹር ምርጫ ገለጾ

    • 1ነገ 18:19-40—የሆዋ ብነብዪ ኤልያስ ገይሩ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኣብ ኣምልኾ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኺሳተፉ ኸም ዘይብሎም ገለጸ

የሆዋ ብዛዕባ ኣማልኽቲ ኣህዛብን ብዛዕባ እቲ ንዓታቶም ዚውሃብ ኣምልኾን እንታይ ይስምዖ፧

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ናብኡ ዚቐርብ ዚመስል፡ ግናኸ በቲ ንሱ ዚጸልኦ ልምድታት እተበከለ ኣምልኾ እንታይ ይስምዖ፧

ኢሳ 1:13-15፣ 1ቈረ 10:20-22፣ 2ቈረ 6:14, 15, 17

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘጸ 32:1-10—ኣሮን ካብ እስራኤላውያን ብዝወረዶ ጸቕጢ ተሰኒፉ ምስሊ ምራኽ ሰርሐ፡ “ንየሆዋ በዓል እዩ” ኢሉ እውን ኣወጀ፣ የሆዋ ግና በዚ ኣመና ተቘጥዐ

    • 1ነገ 12:26-30—ንጉስ የሮብዓም፡ እቶም ህዝቢ ናብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኸይከዱ ኢሉ፡ ንየሆዋ ይውክሉ እዮም ዝበሎም ጣኦታት ሰርሐ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣሕጥኦ

የሆዋ ንእስራኤላውያን፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምስ ዜምልኹ ህዝቢ ብዛዕባ ምሕባር እንታይ ኢሉ እዩ ምሂርዎም፧

እስራኤላውያን ኣብ ሃይማኖታዊ ልምድታት ካልኦት ምስ ተሳተፉ፡ የሆዋ እንታይ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ፧

መሳ 10:6, 7፣ መዝ 106:35-40፣ ኤር 44:2, 3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 11:1-9—ንጉስ ሰሎሞን በቲ ኻብ ጓኖት ኣንስቱ ዝወረዶ ጸቕጢ ተሰኒፉ ኣብ ኣምልኾ ኻልኦት ኣማልኽቲ ተሳተፈ፡ ንየሆዋ እውን ኣጕሃዮ

    • መዝ 78:40, 41, 55-62—እስራኤላውያን ስለ ዝዓለዉን ንጣኦታት ስለ ዘምለኹን፡ ንየሆዋ ኸም ዘጕሃይዎ፡ ንሱ እውን ከም ዝሓደጎም፡ ኣሳፍ ገለጸ

የሱስ ምስ ቃል ኣምላኽ ንዘይሳነ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ደጊፉዶ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 16:6, 12—ግጉይ ትምህርትታት ብቕልጡፍ ስለ ዜስፋሕፍሕን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ንጹህ ሓቅታት ስለ ዚብክልን፡ የሱስ ንትምህርትታት ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ምስ ማይ ብሑቝ ኣመሳሰሎ

    • ማቴ 23:5-7, 23-33—የሱስ ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን ስለቲ ግብዝናኦም ብጽኑዕ ኰነኖም

    • ማር 7:5-9—ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ስርዓት ሰብ ካብ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ የቐድሙ ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ኣቃልዖም

የሱስ ንሰዓብቱ በበይኑ ሃይማኖታት ኬቝሙ ኣተባቢዕዎምዶ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዮሃ 15:4, 5—የሱስ፡ ሰዓብቱ ምስኡን ምስ ክርስትያናት ብጾቶምን ሓድነት ኪህልዎም ከም ዚግባእ ንምጕላሕ፡ ምሳሌ ተኽሊ ወይኒ መሰለ

    • ዮሃ 17:1, 6, 11, 20-23—የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ምስ ሃዋርያቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ኣብ መንጎ ዅሎም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ሓድነት ኪህሉ ጸለየ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት፡ ኣብ እምነተን ኰነ ኣብቲ ንየሆዋ ዜቕርባኦ ኣምልኾ ሓድነት ነይርወንዶ፧

ግብ 16:4, 5፣ ሮሜ 12:4, 5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 11:20-23, 25, 26—እተን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ የሩሳሌምን ዝነበራ ጉባኤታት ብሓድነት ዝሰመራን ብምትሕብባር ዚዓይያን ነበራ

    • ሮሜ 15:25, 26፣ 2ቈረ 8:1-7—ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ንረዲኤት ዚኸውን ህያባት ብልግሲ ይህባ ነበራ፣ እዚ ድማ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ሓድነት ከም ዝነበረን የርኢ

ኣምላኽ ንዅለን እተን ብክርስቶስ ከም ዚኣምና ዚዛረባ ሃይማኖታት ይቕበለንዶ፧

ኣምለኽቲ ኻብ ትምህርትታት ክርስቶስን ሃዋርያትን እንተ ወጺኦም፡ ኣምልኾኦም ተቐባልነት ኣለዎዶ፧

ግብ 20:29, 30፣ 1ጢሞ 4:1-3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 13:24-30, 36-43—የሱስ ንናይ ሓሶት ክርስትያናት ምስ ክርዳድ ኣመሳሰሎም፣ ብዙሓት ናይ ሓሶት ክርስትያናት ከም ዚልዓሉን ናብ ጉባኤ ኸም ዚኣትዉን እውን ሓበረ

    • 1ዮሃ 2:18, 19—ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ ብዙሓት ኣጽራረ ክርስቶስ ተንሲኦም ከም ዝነበሩ፡ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ዮሃንስ ገለጸ

ናይ ሓሶት ትምህርትን ዘይክርስትያናዊ ኣካይዳን ኣብ ጉባኤ ዕሽሽ እንተ ተባሂሉ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ክርስትያናት ኣብ መንጎኦም ሓድነት ምእንቲ ኺሰፍን፡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

ክርስትያናት ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪርሕቁ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ንትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከነቃልዖ ግቡእን ጠቓምን ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ንንጹህ ኣምልኾ ዚጻረሩ ሃይማኖተኛታት እንተ ጨቈኑናን እንተ ገፍዑናን ኬገርመና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧