በዓላት
ክርስትያናት ዚድግፍዎ በዓላት
ክርስትያናት ዜብዕልዎ እንኮ በዓል እንታይ እዩ፧
ህዝቢ ኣምላኽ ንኣምልኾ ምእካብ ይፈትዉ እዮም
ክርስትያናት ዘየብዕልዎ በዓላት
ብናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣብ እተበከለ በዓላት ምስታፍ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1ቈረ 10:21፣ 2ቈረ 6:14-18፣ ኤፌ 5:10, 11
“ምትሕንፋጽ እምነት” እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘጸ 32:1-10—እስራኤላውያን ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኪሓናፍጹ ምስ ፈተኑ፡ ንየሆዋ ኣቘጥዕዎ
-
ዘሁ 25:1-9—እስራኤላውያን ኣብ ናይ ኣረማዊ በዓላትን ርኽሰትን ምስ ተሳተፉ፡ የሆዋ ቐጽዖም
-
በዓል ልደተ ክርስቶስ ክርስትያናዊ በዓል ድዩ፧
ክርስትያናት ዕለተ ልደት ኬብዕሉ ይግባእዶ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 40:20-22—እቲ ኣረማዊ ዝነበረ ፈርኦን ዕለተ ልደቱ ኣብዓለ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሰብ ተቐትለ
-
ማቴ 14:6-11—እቲ እኩይ ተጻራሪ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝነበረ ንጉስ ሄሮድስ ዕለተ ልደቱ ኣብዓለ፣ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዮሃንስ መጥምቕ ተቐትለ
-
ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ በዓላት
እቲ እተፈላለየ በዓላት ዚሓቍፍ ሕጊ ሙሴ ንክርስትያናት ይምልከቶም ድዩ፧
ገላ 4:4, 5, 9-11፣ እብ 8:7-13፣ 9:1-3, 9, 10, 24 እውን ርአ
ክርስትያናት፡ ሰንበት ኪሕልዉ ይግባእዶ፧
ዘጸ 31:16, 17 እውን ርአ
ሃገራዊ በዓላት
ክርስትያናት ንፖለቲካዊ ታሪኽ ሓደ ህዝቢ ኣብ ዜብዕል በዓል ኪሳተፉ ይግባእዶ፧
ክርስትያናት ኣብ ዝኽሪ ውግእ ኣህዛብ ኪሳተፉ ይግባእዶ፧
“መንግስትታት—ክርስትያናት ገለልትነቶም ይሕልዉ፡” ከምኡ ድማ “ውግእ” እውን ርአ
ክርስትያናት ንሰባት ከም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ኽብሪ ኣብ ዚህብ በዓላት ኪሳተፉ ይግባእዶ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ግብ 12:21-23—ንጉስ ቀዳማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ ኸም ኣምልኾ ዝዓይነቱ ኽብሪ ስለ እተቐበለ፡ ኣምላኽ ቀጽዖ
-
ግብ 14:11-15—ሃዋርያ በርናባስን ሃዋርያ ጳውሎስን ዘይግቡእን መጠን ዝሓለፈን ክብሪ ምቕባል ኣበዩ
-
ራእ 22:8, 9—መልኣኽ የሆዋ ኣምልኾ ምቕባል ኣበየ
-