ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተጻዋርነት

ተጻዋርነት

ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ተጻዋርነት የድልዮምዶ፧

ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ ዕዮ ስብከትና ግዲ ዘይብሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ተጻረርቲ ኪዀኑ እንጽበ ስለምንታይ ኢና፧

ማቴ 10:22፣ ዮሃ 15:18, 19፣ 2ቈረ 6:4, 5

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ጴጥ 2:5፣ ዘፍ 7:23፣ ማቴ 24:37-39—ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እኳ እንተ ነበረ፡ መብዛሕትኦም ኣይሰምዕዎን፣ ንሱን ስድራ ቤቱን ጥራይ ካብ ማይ ኣይሂ ደሓኑ

    • 2ጢሞ 3:10-14—ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ ኣብነት ተጻዋርነቱ ኺስዕብ ኣተባብዖ

ካብ ኣባላት ቤተ ሰብና እኳ ተቓውሞ ኽንጽበ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ማቴ 10:22, 36-38፣ ሉቃ 21:16-19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 4:3-11፣ 1ዮሃ 3:11, 12—ቃየል ግብሩ እከይ፡ ግብሪ ኣቤል ግና ጽድቂ ስለ ዝነበረ፡ ንሓዉ ቐተሎ

    • ዘፍ 37:5-8, 18-28—ዮሴፍ ካብ የሆዋ ዝሓለሞ ሕልሚ ንኣሕዋቱ ስለ ዝነገሮም፡ ኣሕዋቱ ገፍዕዎ፡ ንባርነት እውን ሸጥዎ

መስጐጕቲ ኺወርደና ኸሎ፡ ስለምንታይ ኢና ሞት ዘይንፈርህ፧

ማቴ 10:28፣ 2ጢሞ 4:6, 7

ራእ 2:10 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 3:1-6, 13-18—ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንጣኦት ካብ ምስጋድ፡ ሞት ሓረዩ

    • ግብ 5:27-29, 33, 40-42—ሃዋርያት ንህይወቶም ኣብ ዜስግእ ኵነታት እኳ፡ ዕዮ ስብከት ኣየቋረጹን፣ በዚ ኸምዚ እውን ተጻዋርነት ኣርኣዩ

ተግሳጽ ኪውሃበና ኸሎ እኳ፡ ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንምምልላስ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ምሳ 3:11, 12፣ እብ 12:5-7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሁ 20:9-12፣ ዘዳ 3:23-28፣ 31:7, 8—ነብዪ ሙሴ በቲ ኻብ የሆዋ እተዋህቦ ተግሳጽ እኳ እንተ ዘይተሓጐሰ፡ ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ተጻወረ

    • 2ነገ 20:12-18፣ 2ዜና 32:24-26—ንጉስ ህዝቅያስ ጌጋ ገበረ፡ መግናሕቲ እውን ተዋህቦ፣ ኰይኑ ግና፡ ድሕርዚ ርእሱ ኣትሓተ፡ ብተኣማንነት እውን ተጻወረ

ናይ ካልኦት ዘይተኣማንነት ብኸመይ ንተጻዋርነትና ኺፍትኖ ይኽእል፧

ኤር 1:16-19፣ ኣን 1:2-4

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 73:2-24—ሓደ ዘማሪ ብዛዕባ ሰላምን ብልጽግናን እኩያት ድሕሪ ምሕሳቡ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምጽናዕ እንታይ ከም ዚዓብስ ሕቶታት ተላዕሎ

    • ዮሃ 6:60-62, 66-68—ብዙሓት ንየሱስ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት እኳ እንተ ተመልሱ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ግና ኣብ እምነቱ ንምጽናዕ ቈረጸ

ክንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

ናብ የሆዋ ምልጋብ

ብመጽናዕትን ብምስትንታንን ኣቢልና ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ምርካብ

ኣዘውቲርና ብልባዊ ጸሎት ናብ የሆዋ ምቕራብ

ሮሜ 12:12፣ ቈሎ 4:2፣ 1ጴጥ 4:7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዳን 6:4-11—ነብዪ ዳንኤል ንህይወቱ ዜስግእ ውዲት እኳ እንተ ኣለሙሉ፡ ብግሁድን ብስሩዕን ካብ ምጽላይ ኣየቋረጸን

    • ማቴ 26:36-46፣ እብ 5:7—የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዝነበረላ ናይ መወዳእታ ለይቲ፡ ኣበርቲዑ ጸለየ፡ ንኻልኦት እውን ከምኡ ኺገብሩ ተማሕጸኖም

ምስ ክርስትያናት ብጾትና ንኣምልኾ ኣዘውቲርና ምእካብ

ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ዓስቢ ምትኳር

ንየሆዋን ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንጽድቅን ዘሎና ፍቕሪ ምሕያል

እምነትና ምድልዳል

ብዛዕባ መከራ ቕኑዕ ኣረኣእያ ምሓዝ

ብተኣማንነት እንተ ተጻዊርና፡ እንታይ ጥቕምታት ይርከብ፧

ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ነምጽኣሉ

ምሳ 27:11፣ ዮሃ 15:7, 8፣ 1ጴጥ 1:6, 7

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • እዮ 1:6-12፣ 2:3-5—ምስ ንጽህና እዮብ ብዚተሓሓዝ፡ ሰይጣን ንየሆዋ ብድሆ ኣቕረበሉ፣ ነዚ ብድሆ እዚ ምላሽ ንምሃብ፡ እዮብ ከም ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን ብተኣማንነት ኪጻወር ነበሮ

    • ሮሜ 5:19፣ 1ጴጥ 1:20, 21—የሱስ ክሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ስለ እተጻወረ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶ ምላሽ ሃበሉ፦ ሓደ ፍጹም ሰብሲ ዘይከም ኣዳም ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ፈተና ንጽህናኡ ኺሕሉ ይኽእልዶ፧

ንኻልኦት ሰባት፡ ኪጻወሩ ነተባብዖም

ተጻዋርነት ኣብ ኣገልግሎትና ጽቡቕ ፍረ የፍሪ

ስምረት የሆዋ ንረክብ፡ እቲ ንሱ ዘተስፈወና ዓስቢ እውን ንረክብ