ትሕትና
የሆዋ ንትሑታትን ንዕቡያትን ብኸመይ ይርእዮም፧
መዝ 138:6፣ ምሳ 15:25፣ 16:18, 19፣ 22:4፣ 1ጴጥ 5:5
ምሳ 29:23፣ ኢሳ 2:11, 12 እውን ርአ
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
2ዜና 26:3-5, 16-21—ንጉስ ዑዝያ ተዓበየ፣ ሕጊ ኣምላኽ ጠሓሰ፡ ምኽሪ ምስ ተዋህቦ እውን ነደረ፣ ኣምላኽ ከኣ ብደዌ ወቕዖ
ሉቃ 18:9-14—የሱስ ብምሳሌ ገይሩ፡ የሆዋ ብዛዕባ ጸሎት ዕቡያትን ጸሎት ትሑታትን ከመይ ከም ዚስምዖ ገለጸ
ሓደ ሰብ ብትሕትና ኻብ ልቡ ምስ ዚንሳሕ፡ የሆዋ ብኸመይ ይርእዮ፧
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
2ዜና 12:5-7—ንጉስ ሮብዓምን መሳፍንቲ ይሁዳን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርእሶም ኣትሓቱ፣ በዚ ኸምዚ ኻብ ጥፍኣት ደሓኑ
2ዜና 32:24-26—እቲ ብቕንዕና እተመላለሰ ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ሓደ እዋን ተዓበየ፣ ርእሱ ምስ ኣትሓተ ግና፡ የሆዋ ይቕረታ ገበረሉ
ብትሕትና ምምልላስ ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧
ኤፌ 4:1, 2፣ ፊል 2:3፣ ቈሎ 3:12, 13
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
ዘፍ 33:3, 4—ያእቆብ ነቲ ኣቐዲሙ ዚጸልኦ ዝነበረ ሓዉ ኤሳው ብዓብዪ ትሕትና ሰላምታ ሃቦ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብ መንጎኦም ሰላም ተፈጥረ
መሳ 8:1-3—ጊዴዎን ንሰብ ኤፍሬም፡ ንሳቶም ካብኡ ኸም ዚበልጹ ነገሮም፣ በዚ ኸምዚ፡ ንቝጥዓኦም ኣዝሓሎ፡ ግጭት እውን ኣወገደ
የሱስ ክርስቶስ፡ ኣገዳስነት ትሕትና ብኸመይ ምሂሩ፧
ማቴ 18:1-5፣ 23:11, 12፣ ማር 10:41-45
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
ኢሳ 53:7፣ ፊል 2:7, 8—ከምቲ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፡ የሱስ ነቲ ናብ ምድሪ ኺመጽእን ብዜዋርድ መገዲ ኺመውትን እተዋህቦ ምድብ ብትሕትና ተቐበሎ
ሉቃ 14:7-11—የሱስ ኣገዳስነት ትሕትና ንምግላጽ፡ ዕዱማት ብዛዕባ ዚቕመጡሉ ቦታ ምሳሌ መሰለ
ዮሃ 13:3-17—የሱስ ትሕት ኢሉ ኣእጋር ሃዋርያቱ ብምሕጻብ፡ ንሰዓብቱ ኣርኣያ ሃቦም
ብዛዕባ ገዛእ ርእስናን ብዛዕባ ኻልኦትን ግቡእ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ትሑታት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ናይ ሓሶት ትሕትና ዋጋ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧