ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስሓ

ንስሓ

ኵሎም ደቂ ሰብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ኪንስሑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ሮሜ 3:23፣ 5:12፣ 1ዮሃ 1:8

ግብ 26:20 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 18:9-14—የሱስ ብምሳሌ ገይሩ ኻብ ሓጢኣትና ኽንንሳሕን ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ክንልምንን ከም ዘሎና ኣነጸረ

    • ሮሜ 7:15-25—ጳውሎስ ሃዋርያን ናይ እምነት ሰብን እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ሓጢኣት ንምግባር ዘለዎ ዝንባለ ግና ተረበሸ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ዚንስሑ እንታይ ይስምዖ፧

ህዝ 33:11፣ ሮሜ 2:4፣ 2ጴጥ 3:9

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 15:1-10—የሱስ፡ ሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ከሎ የሆዋን መላእኽትን ከም ዚሕጐሱ ዜርኢ ምሳሌ መሰለ

    • ሉቃ 19:1-10—እቲ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽን ገንዘብ ዚዘምትን ዝነበረ ዘኬዎስ ተነስሐ፡ መገድታቱ ቐየረ፡ ይቕረታን ድሕነትን እውን ረኸበ

ብሓቂ ኸም እተነሳሕና ብኸመይ ኢና እነርኢ፧

ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ ልክዕ ፍልጠት ኪረክብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

ሮሜ 12:2፣ ቈሎ 3:9, 10፣ 2ጢሞ 2:25

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ግብ 17:29-31—ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና፡ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ድንቍርና ኸም እተመስረተ ነገሮም፡ ኪንስሑ እውን ተማሕጸኖም

    • 1ጢሞ 1:12-15—ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ልክዕ ፍልጠት ቅድሚ ምርካቡ፡ ብዘይ ፍልጠት ብዙሕ ዜስካሕክሕ ሓጢኣት ገበረ

ንስሓ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ዋላ እኳ ብዙሕ ሳዕ እንተ ሓጣእና፡ ክንንሳሕ ከለና የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብለልና ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

የሆዋ ነቶም ሓጢኣቶም ዚናዘዙን መገዶም ዚቕይሩን ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧

ንስሓ ኺብሃል ከሎ፡ ከም ዝጐሃና ወይ ከም እተጠዓስና ብኣፍና ኻብ ምግላጽ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ብኸመይ ንፈልጥ፧

2ዜና 7:14፣ ምሳ 28:13፣ ህዝ 18:30, 31፣ 33:14-16፣ ማቴ 3:8፣ ግብ 3:19፣ 26:20

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ዜና 33:1-6, 10-16—ንጉስ ምናሴ ንነዊሕ እዋን ብመገዲ እከይ ተመላሊሱ ኽነሱ፡ ገዛእ ርእሱ ብምትሓትን ብቐጻሊ ብምጽላይን መገድታቱ ብምቕያርን ብሓቂ ኸም እተነስሐ ኣርኣየ

    • መዝ 32:1-6፣ 51:1-4, 17—ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣመና ብምጥዓስን ሓጢኣቱ ብምንዛዝን ብምጽላይን ከም እተነስሐ ኣርኣየ

እቶም ዝበደሉና ኺንስሑ ኸለዉ፡ ስለምንታይ ኢና ይቕረ ኽንብለሎም ዘሎና፧