ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቦታት

ኣቦታት

ኣቦ እንታይ ሓላፍነታት ኣለዎ፧

ዘዳ 6:6, 7፣ ኤፌ 6:4፣ 1ጢሞ 5:8፣ እብ 12:9, 10

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 22:2፣ 24:1-4—ኣብርሃም ንይስሃቅ ኣመና ይፈትዎ ብምንባሩ፡ እቲ ፍቑር ወዱ ንየሆዋ እተምልኽ ሰበይቲ ምእንቲ ኺምርዖ ዚከኣሎ ገበረ

    • ማቴ 13:55፣ ማር 6:3—የሱስ፡ “ወዲ እቲ ጸራቢ” ከምኡ እውን “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ ካብዚ ድማ ዮሴፍ ንወዱ ሞያ ኸም ዝመሃሮ ኽንድምድም ንኽእል

ኣቦ ፍቕርን ኣኽብሮትን ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

ዘጸ 20:12

ማቴ 6:9 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሆሴ 11:1, 4—የሆዋ ንሰብኣውያን ኣቦታት በቲ ንሱ ኸም ኣቦ ብምዃን ዚሰርዖ ኣብነት ኣቢሉ ኣኽበሮም። ከምቲ ሰብኣዊ ኣቦ ንደቁ ዚገብሮ፡ ንህዝቡ ይምህሮምን ይሓልየሎምን እዩ

    • ሉቃ 15:11-32—የሱስ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ነቶም ዝሓጥኡ እሞ እተነስሑ ብኸመይ ከም ዚምሕሮም ምሳልያዊ ዛንታ ብምዝንታው፡ ንሰብኣውያን ኣቦታት ኣኽበሮም