ወለዲ
ገለ ኻብቲ የሆዋ ንመውስቦ ዘቘመሉ ምኽንያታት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧
ወለዲ ብዛዕባ ደቆም እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ፧
“ውሉዳት፣ ቈልዑ” እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 33:4, 5—ያእቆብ ንደቁ፡ ካብ የሆዋ ኸም እተዋህብዎ በረኸት ገይሩ ይርእዮም ነበረ
-
ዘጸ 1:15, 16, 22፣ 2:1-4፣ 6:20—ዓምራምን ዮካቤድን ንሙሴ ወለድዎ፣ ንዕኡ ንምዕቋብ ድማ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእተዉ
-
ወለዲ ምስ ደቆም ብዚተሓሓዝ እንታይ ሓላፍነት ኣለዎም፧
ንውሉዳት ብመገዲ የሆዋ ምስልጣን እንታይ ጥቕምታት የምጽእ፧
2ጢሞ 3:14, 15 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 2:18-21, 26፣ 3:19—ወለዲ ሳሙኤል ንወዶም ኣብ ማሕደር ኬገልግል ወፈይዎ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣዘውቲሮም ይበጽሕዎን ዜድልዮ ይማልኡሉን ነበሩ፣ ንሱ ምስ ዓበየ ኸኣ፡ ጽቡቕ መንፈሳውነት ኣማዕበለ
-
ሉቃ 2:51, 52—የሱስ ዘይፍጹማት ወለዲ እኳ እንተ ነበርዎ፡ ይእዘዞም ነበረ
-
ወለዲ ንደቆም ንምዕባይ ዚኸውን መምርሒ ኻበይ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧
ውሉድ ንኣምላኽ ኣብ ዜፍቅሩ ስድራ ቤት ዓብዩ ኽነሱ፡ ስለምንታይ እዩ ንየሆዋ ዘይምግልጋል ኪሓሪ ዚኽእል፧
ወለዲ ንደቆም ካብ መዓስ ኣትሒዞም እዮም መገድታት ኣምላኽ ኪምህርዎም ዘለዎም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘዳ 29:10-12, 29፣ 31:12፣ እዝ 10:1—እስራኤላውያን ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ምእንቲ ኺምሃሩ ኢሎም ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ፡ ቈልዑ እውን ይእከቡ ነበሩ
-
ሉቃ 2:41-52—ዮሴፍን ማርያምን ናብቲ ኣብታ ቤተ መቕደስ ዚብዓል ፋስጋ ንየሱስን ንኻልኦት ደቆምን ሒዞም ይኸዱ ነበሩ
-
ወለዲ ንደቆም ካብቶም ጕድኣት ኬውርዱሎም ዚኽእሉ ሰባት ብዛዕባ ምዕቋብ እንታይ ኣብነት እዮም ኪስዕቡ ዘለዎም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘጸ 19:4፣ ዘዳ 32:11, 12—የሆዋ ንገዛእ ርእሱ፡ ንጨቓዊቱ ምስ ዚስከምን ምስ ዜዕቍብን ምስ ዚከናኸንን ንስሪ ኣመሳሰለ
-
ኢሳ 49:15—የሆዋ ንኣገልገልቱ ዚገብረሎም ሓልዮትን ዕቝባን ካብቲ እተጥቡ ኣደ ንሕጻና ዘለዋ ርሕራሐ ኸም ዚበልጽ ገለጸ
-
ማቴ 2:1-16—ሰይጣን ንኣረማውያን ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ናብቲ እኩይ ንጉስ ሄሮድስ ብምምራሕ፡ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ኪቐትሎ ፈተነ፣ የሆዋ ግና ንዮሴፍ፡ ንስድራኡ ሒዙ ናብ ግብጺ ኪኸይድ መምርሒ ብምሃብ፡ ንወዱ ኣዕቈቦ
-
ማቴ 23:37—የሱስ ንህዝቡ ንምሕጋዝ ዘለዎ ድሌት፡ ምስቲ ደርሆ ንጨቓዊታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክበሉ መገዲ ኣመሳሰሎ
-
ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘሌ 15:2, 3, 16, 18, 19፣ ዘዳ 31:10-13—ኣብ ሕጊ ሙሴ ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ብግልጺ ተጻሒፉ ይርከብ፣ የሆዋ ድማ እቲ ሕጊ ኺንበብ ከሎ፡ ቈልዑ እውን ኪሰምዑ መምርሒ ሂቡ ነበረ
-
መዝ 139:13-16—ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ ስለቲ መስተንክር ንድፊ ሰብነትና፡ እንተላይ ስለቲ ናይ ምፍራይ ክእለትና ወደሶ
-
ምሳ 2:10-15—ካብ የሆዋ ዚርከብ ፍልጠትን ጥበብን፡ ካብ ጽዩቓትን መታለልትን ኬዕቍበና ይኽእል
-
ተግሳጽ ብፍቕሪ ኺውሃብ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
ተግሳጽ መግለጺ ፍቕሪ እዩ ዚብሃል ስለምንታይ እዩ፧