ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውሉዳት፣ ቈልዑ

ውሉዳት፣ ቈልዑ

ኣምላኽ ብዛዕባ ውሉዳት ዘለዎ ኣረኣእያ

የሆዋ ንውሉዳት ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮም ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

ዘዳ 6:6, 7፣ 14:28, 29፣ መዝ 110:3፣ 127:3-5፣ 128:3, 4፣ ያእ 1:27

እዮ 29:12፣ መዝ 27:10፣ ምሳ 17:6 እውን ርአ

ስድራ ቤት” እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 1:27, 28—የሆዋ ንደቂ ሰብ፡ ውሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ኺመልእዋን ደለዮም

    • ዘፍ 9:1—ድሕሪ ማይ ኣይሂ፡ ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ወሉዳት ኪወልዱን ንምድሪ ኺመልእዋን ኣዘዞም

    • ዘፍ 33:5—ሓደ ኻብቶም እሙናት ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ንውሉዳቱ፡ ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህብዎ ውህበት ገይሩ ረኣዮም

    • ማር 10:13-16—የሱስ ነቲ ኣቦኡ ንቘልዑ ዘለዎ ፍቕሪ ኣንጸባረቐ

የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንቘልዑ ዚብለጹሎም ወይ ዚምዝምዝዎም ሰባት እንታይ ይስምዖ፧

ቈልዑ ናይ ዓበይቲ ሓላፍነት ወይ ስራሕ ኪስከሙ ኸም ዘይግባእ ዚሕብር እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

ዘሁ 1:3፣ 1ቈረ 13:11

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 33:12-14—ያእቆብ፡ ደቁ ተነቀፍቲ ምዃኖምን ማዕረ ዓበይቲ ኺስጕሙ ኸም ዘይክእሉን ይፈልጥ ነበረ

በቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ቈልዑ ዚወርድ ጕድኣትሲ ኣምላኽ ተሓታቲ ድዩ፧

እዮ 34:10፣ ያእ 1:13፣ 1ዮሃ 5:19

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ሉቃ 5:18, 20, 23-25—ሓጢኣት ጠንቂ ሕማም ከም ዝዀነ፡ የሱስ ገለጸ

    • ሮሜ 5:12—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ጠንቂ ሓጢኣትን ሞትን መን ምዃኑ ገለጸ

ኵሉ እቲ ንንኣሽቱ ዀነ ንዓበይቲ ዚጸሉ መከራ ኸም ዚውገድ፡ የሆዋ እንታይ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ፧

ሓደ ሰብ ብቝልዕነቱ ኽፉኣት ወይ ሃሰይቲ ወለዲ እንተ ነይሮምዎ፡ ብሰንኪ እዚ ኸም ዘይረብሕ ጌርካ ኺርአ ወይ ግድን ኣሰሮም ከም ዚስዕብ ጌርካ ኺርአ ይግባእዶ፧

ዘዳ 24:16፣ ህዝ 18:1-3, 14-18

ዘዳ 30:15, 16 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 18:1-7፣ 2ዜና 28:1-4—ህዝቅያስ፡ ንገሊኦም ካብ ደቁ ዝቐተለ ኽፉእ ኣቦ እኳ እንተ ነበሮ፡ ንሱ ግና ዓብይን እሙንን ንጉስ ኰነ

    • 2ነገ 21:19-26፣ 22:1, 2—ኣሞን እኩይ ኣቦ እኳ እንተ ነበረ፡ ወዱ ዮስያስ ግና ንፉዕ ንጉስ ኰነ

    • 1ቈረ 10:11, 12—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ ናይ ካልኦት ጌጋታት ክንምሃርን ንዘይምድጋሙ ኽንቈርጽን ከም እንኽእል ገለጸ

    • ፊል 2:12, 13—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ብተኣማንነት እንተ ተመላሊስና፡ ክንድሕን ከም እንኽእል መዘኻኸሪ ሃበ

ውሉዳትን ቈልዑን ዘለዎም ሓላፍነታት

የሆዋ ነቶም ገና ምስ ኣመንቲ ወለዲ ዚነብሩ ውሉዳት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

1ቈረ 7:14

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 19:12, 15—ኣዋልድ ሎጥ ካብ መላእኽቲ ዕቝባ ረኸባ፣ እዚ ድማ ብኸፊል ሳላ ጽድቂ ኣቦአን እዩ

ወለዲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ምስ ዚዀኑ፡ ደቆም ናይ ግድን ፍርሃት ኣምላኽ የሕድሩ ድዮም፧

ምሳ 20:11፣ ህዝ 18:5, 10-13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሌ 10:1-3, 8, 9—ደቂ ኣሮን እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምናልባት ብምስካሮም ተቐዝፉ

    • 1ሳሙ 8:1-5 —ሳሙኤል ጻድቕ ነብዪ እኳ እንተ ነበረ፡ ደቁ ግና ብልሹዋት ነበሩ

ውሉዳት ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ፡ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

ቈልዑ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ዘዳ 31:12, 13፣ እብ 10:24, 25

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 15:32-38—ኣብ መንጎ እቶም ንየሱስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ቈልዑ እውን ነይሮም እዮም

ቈልዑ ንኣምላኽ ኬምልኽዎ ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

መዝ 8:2፣ 148:12, 13

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ሳሙ 17:4, 8-10, 41, 42, 45-51—የሆዋ ንጐልያድ በቲ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ዳዊት ገይሩ ሰዓሮ

    • 2ነገ 5:1-15—የሆዋ ነቲ ዘይእስራኤላዊ ዝዀነ ሓለቓ ሰራዊት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንምምሃር፡ ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ጓል ተጠቕመ

    • ማቴ 21:15, 16—የሱስ ነቲ ቘልዑ ንመሲሕ ንምውዳስ ዝገበርዎ ነገር ኣኽቢሩ ረኣዮ

ኣምላኽ ነቶም ዘይኣመንቲ ወለዲ ዘለውዎም ውሉዳት ብኸመይ እዩ ዚርእዮም፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘሁ 16:25, 26, 32, 33—የሆዋ ነቶም ካብ ነብዪ ሙሴን ኣሮን እቲ ሊቀ ኻህናትን ዝዓለዉ ሰባት ኪቐጽዖም ከሎ፡ ነቶም ዝደገፍዎም ስድራ ቤቶም እውን ምሳታቶም ቀጽዖም

    • ዘሁ 26:10, 11—እቲ ዓለወኛ ዝነበረ ቆራሕ እኳ እንተ ተቐትለ፡ ደቁ ግና ብተኣማንነት ስለ እተመላለሱ ኣይሞቱን

ወሉዳት ብጥበብ ኣዕሩኽ ኪመርጹ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

ክርስትያናት መንእሰያት ምስ እንታይ ዓይነት ኣዕሩኽ እዮም ኪተዓራረኹ ዘለዎም፧

2ጢሞ 2:22

ዕርክነት” እውን ርአ