ዘይምምርዓው
ዘይምምርዓው ከም ውህበት ጌርካ ኺርአ ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧
ንዘይተመርዓወ ክርስትያን ኪምርዖ ጸቕጢ ምግባር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
ሮሜ 14:10-12—ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጻይና ምፍራድ ጌጋ ምዃኑ ገለጸ
1ቈረ 9:3-5—ሃዋርያ ጳውሎስ ኪምርዖ መሰል ነበሮ፣ እንተዀነ ግና፡ ብዘይምምርዓዉ ኣብ ኣገልግሎት ኬተኵር ከኣለ
ዘይተመርዓዉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሓጐስ ንምርካብ ናይ ግድን ኪምርዓዉ ኣለዎምዶ፧
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
መሳ 11:30-40—ጓል ይፍታሕ ኣብ ምሉእ ህይወታ እኳ እንተ ዘይተመርዓወት፡ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ነበራ
ግብ 20:35—ክርስቶስ ጠሪሱ እኳ እንተ ዘይተመርዓወ፡ ከምቲ ቓላቱ ዚሕብሮ ግና ንኻልኦት ይህብ ብምንባሩ ሕጉስ ነበረ
1ተሰ 1:2-9፣ 2:12—እቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዘይተመርዓወ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ኣገልግሎቱ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዝረኸበ ገለጸ
ዘይምርዑዋት ከም ኵሎም ካልኦት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኦም ኪሕልዉ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
ሓደ ዘይተመርዓወ ሰብ ኣብ ምንታይ ኵነታት እዩ መርዓ እንተ ሓሰበ ጽቡቕ ዚኸውን፧
1ተሰ 4:4, 5 እውን ርአ