ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ

የሆዋ

ስሙ

እቲ የሆዋ ዚብል ስም “የኽውን” ዚብል ትርጉም ከም ዘለዎ ጌርካ እዩ ዚእመነሉ

የሆዋ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኺከናኸን ኢሉ፡ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ተኣዛዝነት ዚግብኦ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገለ ኻብ መዓርጋት የሆዋ

ልዑላዊ ጐይታ—ኢሳ 25:8፣ ኣሞ 3:7

ልዑል—ዘፍ 14:18-22፣ መዝ 7:17

ናይ ዘለኣለም ንጉስ—1ጢሞ 1:17፣ ራእ 15:3

ኣቦ—ማቴ 6:9፣ ዮሃ 5:21

ከውሒ—ዘዳ 32:4፣ ኢሳ 26:4

ኵሉ ዚኽእል—ዘፍ 17:1፣ ራእ 19:6

ዓብዪ መምህር—ኢሳ 30:20

ግርማ—እብ 1:3፣ 8:1

ጐይታ ሰራዊት—1ሳሙ 1:11

ገለ ኻብቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ

የሆዋ ንቕድስናኡ ብኸመይ እዩ ኣጕሊሕዎ፧ እዚኸ ንኣገልገልቱ ብኸመይ ኪጸልዎም ይግባእ፧

ዘጸ 28:36፣ ዘሌ 19:2፣ 2ቈረ 7:1፣ 1ጴጥ 1:13-16

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ኢሳ 6:1-8—ነብዪ ኢሳይያስ ንቕድስና የሆዋ ዜጕልሕ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ፈለማ ዘይብቑዕ ኰይኑ ተሰምዖ፣ ሓደ ኻብቶም ሱራፌል ግና፡ ሓጥኣን ሰባት እኳ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኸሮ

    • ሮሜ 6:12-23፣ 12:1, 2—ሃዋርያ ጳውሎስ ከመይ ጌርና ምስ ናይ ሓጢኣት ዝንባለና ኽንቃለስን “መገዲ ቕድስና” ኽንስዕብን ከም እንኽእል ገለጸ

ዕቤት ሓይሊ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ ንሓይሉ ዚጥቀመሉ መገድታትከ እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧

ዘጸ 15:3-6፣ 2ዜና 16:9፣ ኢሳ 40:22, 25, 26, 28-31

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 8:12-18—ነብዪ ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል፡ ኵሉ እቲ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ነገራት ሳላ ሓይሊ የሆዋ ምዃኑ ኣዘኻኸሮም

    • 1ነገ 19:9-14—የሆዋ ነቲ ጭንቀት ኣሕዲሩ ዝነበረ ነብዪ ኤልያስ ንምትብባዕ፡ ዓብዪ ሓይሉ ተጠቕመ

ፍትሒ የሆዋ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ፍትሒ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ዘዳ 32:4፣ እዮ 34:10፣ 37:23፣ መዝ 37:28፣ ኢሳ 33:22

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 24:16-22—ኣብ ሕጊ ሙሴ ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ፍትሒ የሆዋ ምስ ምሕረቱን ፍቕሩን ምሉእ ብምሉእ ይሳነ እዩ

    • 2ዜና 19:4-7—ንጉስ ዮሳፋጥ ነቶም ዝሸሞም ፈራዶ፡ ንሰብ ኢሎም ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኢሎም ኪፈርዱ ኣዘኻኸሮም

የሆዋ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጥበበኛ ምዃኑ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

መዝ 104:24፣ ምሳ 2:1-8፣ ኤር 10:12፣ ሮሜ 11:33፣ 16:27

መዝ 139:14፣ ኤር 17:10 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 1ነገ 4:29-34—የሆዋ ንንጉስ ሰሎሞን ካብ ናይ ኵሎም እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዚበልጽ ጥበብ ሃቦ

    • ሉቃ 11:31፣ ዮሃ 7:14-18—ጥበብ የሱስ ካብ ጥበብ ሰሎሞን ይበልጽ፣ ኰይኑ ግና፡ የሱስ ጥበቡ ኻብ የሆዋ ኸም ዝረኸቦ ብትሕትና ገለጸ

የሆዋ ቐንዲ ባህርዩ ፍቕሪ ምዃና ብኸመይ ኣርኣየ፧

ዮሃ 3:16፣ ሮሜ 8:32፣ 1ዮሃ 4:8-10, 19

ጸፎ 3:17፣ ዮሃ 3:35 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 10:29-31—የሱስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ፍቕርን ኣኽብሮትን ንምግላጽ፡ ናይ ጭሩ ምሳሌ ተጠቕመ

    • ማር 1:9-11—የሆዋ ንወዱ ኻብ ሰማይ ተዛረቦ፡ ፍቕሩን ስምረቱን እውን ገለጸሉ፣ ኵሎም ውሉዳት ካብ ወለዶም ከምዚ ዓይነት ዘረባ እዮም ኪሰምዑ ዚደልዩ

ናብ የሆዋ ዚስሕበና እንታይ ካልእ ምኽንያታት ኣሎ፧ ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩ ዘሎ ማራኺ ባህርያቱ እዚ ዚስዕብ ኪጥቀስ ይከኣል፦

ለዋህ—ሉቃ 6:35፣ ሮሜ 2:4

ለጋስ—መዝ 104:13-15፣ 145:16

ሕጉስ—1ጢሞ 1:11

መሓሪ—ዘጸ 34:6

ርሕሩሕ—ኢሳ 49:15፣ 63:9፣ ዘካ 2:8

ሰላማዊ—ፊል 4:9

ትሑት—መዝ 18:35

እሙን—ራእ 15:4

ክቡር—ራእ 4:1-6

ኵሉ ዚርኢ—2ዜና 16:9፣ ምሳ 15:3

ዕጉስ—ኢሳ 30:18፣ 2ጴጥ 3:9

ዘለኣለማዊ፣ መጀመርታ ዀነ መወዳእታ ዘይብሉ​—መዝ 90:2፣ 93:2

ዘይለዋወጥ፣ ዜተኣማምን—ሚል 3:6፣ ያእ 1:17

ግሩም—መዝ 8:1፣ 148:13

ጻድቕ—መዝ 7:9

ንየሆዋ ብዝያዳ እናፈለጥናዮ ምስ ከድና፡ እንታይ ኢና እነማዕብል፧

ንየሆዋ ብኸመይ ከም እነገልግሎ

የሆዋ ንኣገልገልቱ ልዕሊ ዓቕሞም ከም ዘይጽበዮም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

ዘዳ 10:12፣ ሚክ 6:8፣ 1ዮሃ 5:3

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘዳ 30:11-14—እቲ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ እተዋህበ ሕጊ ንእስራኤላውያን ልዕሊ ዓቕሞም ኣይነበረን

    • ማቴ 11:28-30—እቲ ንኣቦኡ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዜንጸባርቖ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ዕረፍቲ ዜምጽእ ለዋህ ጐይታ ምዃኑ ኣረጋገጸሎም

የሆዋ ውዳሰ ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧

መዝ 105:1, 2፣ ኢሳ 43:10-12, 21

ኤር 20:9፣ ሉቃ 6:45፣ ግብ 4:19, 20 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 104:1, 2, 10-20, 33, 34—ሓደ ዘማሪ ኣብ ፍጥረት ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ኺዝምረሉ ዚድርኽ እኹል ምኽንያታት ረኸበ

    • መዝ 148:1-14—ግኡዝ ፍጥረታትን ኵሎም መላእኽትን ንየሆዋ ይውድስዎ እዮም፣ ስለዚ፡ ንሕና እውን ክንውድሶ ኣሎና

ኣካይዳና ብዛዕባ የሆዋ ዚምስክር ብኸመይ እዩ፧

ስለምንታይ ኢና ንየሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርቦ ዘሎና፧

ትሕትና ንኣምላኽ ክንቀርቦ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

ንየሆዋ ኽንቀርቦ እንተ ደሊና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብን ከነስተንትንን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እተምሃርናዮ ኽንትግብሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ የሆዋ ንምሕባእ ክንፍትን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

እዮ 34:22፣ ምሳ 28:13፣ ኤር 23:24፣ 1ጢሞ 5:24, 25

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • 2ነገ 5:20-27—ገሓዚ ሓጢኣቱ ኺሓብእ ፈተነ፣ የሆዋ ግና ንነብዪ ኤልሳእ ብዛዕባ እቲ ገሓዚ ዝገበሮ ነገር ሓበሮ

    • ግብ 5:1-11—ሃናንያን ሰጲራን ንመንፈስ ቅዱስ ኪሕስዉ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ሓጢኣቶም ተቓልዐ፡ በዚ እውን ተቐጽዑ