ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ክርስቶስ

የሱስ ክርስቶስ

የሱስ ኣብ ምፍጻም ዕላማ የሆዋ ዘለዎ ግደ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ግብ 4:12፣ 10:43፣ 2ቈረ 1:20፣ ፊል 2:9, 10

ምሳ 8:22, 23, 30, 31፣ ዮሃ 1:10፣ ራእ 3:14 እውን ርአ

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 16:13-17—ሃዋርያ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ ክርስቶስን ወዲ ኣምላኽን ኢሉ ጸውዖ

    • ማቴ 17:1-9—የሱስ ኣብ ቅድሚ ሰለስተ ሃዋርያቱ ትርኢቱ ተለወጠ፣ የሆዋ ድማ ካብ ሰማይ ብዛዕባ ወዱ ተዛረበ

የሱስ ካብ ኵሎም ሰባት ፍሉይ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ዮሃ 8:58፣ 14:9, 10፣ ቈሎ 1:15-17፣ 1ጴጥ 2:22

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 21:1-9—የሱስ ብዓጀባ ናብ የሩሳሌም ኪኣቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሓረዮ መሲሓዊ ንጉስ እተነግረ ትንቢት ተፈጸመ

    • እብ 7:26-28—ሃዋርያ ጳውሎስ፡ እቲ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ የሱስ ካብ ኵሎም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ብኸመይ ከም ዚፍለ ገለጸ

የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ኣቦኡን እንታይ ይምህረና፧

ዮሃ 3:1, 2፣ 5:36

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ማቴ 4:23, 24—የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሕማምን ድናሰን ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ

    • ማቴ 14:15-21—የሱስ ብሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገይሩ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራዊ መገዲ መገበ

    • ማቴ 17:24-27—የሱስ ንኣምልኾ የሆዋ ንምድጋፍን ንሰባት ንዘይምዕንቃፍን፡ ብተኣምራዊ መገዲ ገንዘብ ከም ዚርከብ ገበረ

    • ማር 1:40, 41—የሱስ ንሓደ ድዉይ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ኣሕወዮ፣ እዚ ድማ ንሕሙማት ንምሕዋይ ልባዊ ድሌት ከም ዘለዎ የርኢ

    • ማር 4:36-41—የሱስ ንብርቱዕ ህቦብላ ኣህድአ፣ እዚ ኸኣ ኣቦኡ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ስልጣን ከም ዝሃቦ የርኢ

    • ዮሃ 11:11-15, 31-45—የሱስ ብሞት ዓርኩ ኣልኣዛር ነብዐ፣ ድሕሪኡ ኸኣ፡ ንኣልኣዛር ብምትንሳእ፡ ሞትን ሓዘንን ከም ዚጸልእ ኣርኣየ

ፍረ ነገር ትምህርቲ የሱስ እንታይ እዩ ነይሩ፧

ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዘርኣዮ ማራኺ ባህርያት እንታይ ኪጥቀስ ይከኣል፧ ገለ ኻብቲ ባህርያቱ እዚ ዚስዕብ እዩ፦

ርሕሩሕ፣ መሓሪ—ማር 5:25-34፣ ሉቃ 7:11-15

ተቐራቢ—ማቴ 13:2፣ ማር 10:13-16፣ ሉቃ 7:36-50

ተባዕ—ማቴ 4:2-11፣ ዮሃ 2:13-17፣ 18:1-6

ትሑት—ማቴ 11:29፣ 20:28፣ ዮሃ 13:1-5፣ ፊል 2:7, 8

እዙዝ—ሉቃ 2:40, 51, 52፣ እብ 5:8

ጥበበኛ—ማቴ 12:42፣ 13:54፣ ቈሎ 2:3

ፈቃር—ዮሃ 13:1፣ 14:31፣ 15:13፣ 1ዮሃ 3:16

የሱስ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ ካብዚኸ ብኸመይ ንጥቀም፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነጊሱ ብምህላዉ እንሕጐስ ስለምንታይ ኢና፧

መዝ 72:12-14፣ ዳን 2:44፣ 7:13, 14፣ ራእ 12:9, 10

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • መዝ 45:2-7, 16, 17—እዛ መዝሙር እዚኣ፡ እቲ ኣምላኽ ዝሓረዮ ንጉስ ንዅሎም ጸላእቱ ኸም ዚስዕሮም፡ ብሓቅን ብትሕትናን ብጽድቅን ድማ ከም ዚገዝእ ትሕብር

    • ኢሳ 11:1-10—የሱስ ንጉስ ኰይኑ ኺገዝእ ምስ ጀመረ፡ ምድሪ ሰላም ዝሰፈና ገነት ክትከውን እያ

የሱስ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ እዩ ኺገብር፧