ይቕረታ
የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እዩ ይቕረ ዚብል፧
2ጴጥ 3:9 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መዝ 78:40, 41፣ 106:36-46—እስራኤላውያን ሓጢኣት ብምግባር ንየሆዋ እኳ እንተ ኣጕሃይዎ፡ ንሱ ግና ነቶም ፋሉል ህዝቢ ብተደጋጋሚ ይቕረ በለሎም
-
ሉቃ 15:11-32—የሱስ ንየሆዋ፡ በቲ ንእተነስሐ ወዱ ዚቕበል መሓሪ ኣቦ ኣቢሉ ገለጾ
-
የሆዋ ኣብ ምንታይ ተመስሪቱ እዩ ይቕረታ ዚገብር፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
እብ 9:22-28—ሕድገት ሓጢኣት ሳላ ደም ክርስቶስ ጥራይ ኪርከብ ከም ዚከኣል ሃዋርያ ጳውሎስ ገለጸ
-
ራእ 7:9, 10, 14, 15—ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ሳላ እቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኪዀኑ ዝኸኣሉ “ብዙሓት ህዝቢ” ብራእይ ረኣየ
-
የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ ካልኦት ኪብድሉና ኸለዉ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
ማቴ 6:14, 15፣ ማር 11:25፣ ሉቃ 17:3, 4፣ ያእ 2:13
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
እዮ 42:7-10—የሆዋ ንጸበባ እዮብ ኣርሒቑ ንጥዕናኡን ንብልጽግናኡን ቅድሚ ምምላሱ፡ እዮብ ነቶም ጌጋ ዘረባ እተዛረቡ ሰለስተ ብጾቱ ኺጽልየሎም ሓተቶ
-
ማቴ 18:21-35—የሱስ፡ በደልና ምእንቲ ኺሕደገልና፡ ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም ከም ዚግባእ ዚሕብር ምሳሌ ኣዘንተወ
-
ኑዛዜን ልባዊ ንስሓን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መዝ 32:1-5፣ 51:1, 2, 16, 17—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት ብምግባሩ፡ ተደቝሰ፡ ልቡ እውን ተሰብረ፣ እንተዀነ ግና፡ ካብ ልቢ ተነስሐ
-
ያእ 5:14-16—ከቢድ ሓጢኣት እንተ ጌርና፡ ኣብ ቅድሚ ሽማግለታት ክንቀርብ ከም ዘሎና ያእቆብ ገለጸ
-
የሆዋ ይቕረ ኺብለልና እንተ ደሊና፡ እንታይ ለውጥታት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ነገ 21:27-29፣ 2ዜና 18:18-22, 33, 34፣ 19:1, 2—ንጉስ ኣከኣብ ምስ ተፈርዶ፡ ርእሱ ኣትሓተ፡ የሆዋ እውን ምሕረት ገበረሉ፣ ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ ንስሓ ስለ ዘየርኣየ፡ የሆዋ ኸም እኩይ ገይሩ ረኣዮ፡ ብሞት እውን ቀጽዖ
-
2ዜና 33:1-16—ንጉስ ምናሴ ኣመና እኩይ ነበረ፣ ምስ ተነስሐ ግና፡ የሆዋ ይቕረ በለሉ። ምናሴ ምስ ኣምልኾ ጣኦት ብምቅላስን ንጹህ ኣምልኾ ብምስፍሕፋሕን ብሓቂ ኸም እተቐየረ ኣርኣየ
-
የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ይቕረ ዚብለሎም፧
መዝ 103:10-14፣ ኢሳ 1:18፣ 38:17፣ ኤር 31:34፣ ሚክ 7:19
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
2ሳሙ 12:13፣ 24:1፣ 1ነገ 9:4, 5—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ነቲ እተነስሐ ንጉስ ይቕረታ ገበረሉ፡ ደሓር እውን ብንጽህና ኸም እተመላለሰ ገይሩ ተዛረበሉ
-
የሱስ ነቲ የሆዋ ይቕረ ንምባል ዘለዎ ድሉውነት ከመይ ገይሩ እዩ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ዘንጸባረቖ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 26:36, 40, 41—ኣብቲ የሱስ ደገፍ ኣመና ኣድልይዎ ዝነበረ እዋን፡ እቶም ዚቐርብዎ ሰዓብቱ ደቀሱ፣ የሱስ ግና ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ተረድኣሎም
-
ማቴ 26:69-75፣ ሉቃ 24:33, 34፣ ግብ 2:37-41—ጴጥሮስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ እኳ እንተ ኸሓዶ፡ ንሱ ግና ነዚ እተነስሐ ሃዋርያኡ ይቕረ በለሉ፣ የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ንጴጥሮስ ብውልቂ ተራእዮ፡ ጸኒሑ እውን ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ፍሉይ መሰላት ሃቦ
-
ይቕረታ የሆዋ ደረት ከም ዘለዎ ብኸመይ ንፈልጥ፧
ማቴ 12:31፣ እብ 10:26, 27፣ 1ዮሃ 5:16, 17
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 23:29-33—የሱስ ንጸሓፍትን ንፈሪሳውያንን፡ ብደረጃ ጕጅለ ፍርዲ ገሃነም ከም ዚፍረዶም ወይ ንሓዋሩ ኸም ዚጠፍኡ ኣጠንቀቖም
-
ዮሃ 17:12፣ ማር 14:21—የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ “ወዲ ጥፍኣት” ኢሉ ጸውዖ፣ ብተወሳኺ እውን፡ “እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ” በለ
-
ክርስትያናት ይቕረ ንምባል ብምንታይ ኪልዓዓሉ ይኽእሉ፧