ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገንዘብ

ገንዘብ

ፍቕሪ ገንዘብ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ፍቕረ ንዋይ” ርአ

ንስድራ ቤትካ ኽትናቢ ኢልካ ገንዘብ ምምእራር ጌጋ ኸም ዘይኰነ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕብር፧

መክ 7:12፣ 10:19፣ ኤፌ 4:28፣ 2ተሰ 3:10፣ 1ጢሞ 5:8, 18

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 31:38-42—ያእቆብ ንስድራኡ ዜድሊ ኼማልእ ኢሉ ንሓሙኡ ላባን ብቕንዕና ኣገልገሎ፣ ላባን ግና ንያእቆብ ዓመጾ፣ ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንያእቆብ፡ ስለቲ ጻዕሩ ባረኾ

    • ሉቃ 19:12, 13, 15-23—የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ዝያዳ ገንዘብ ንምርካብ ተባሂሉ ኣብ ወፍሪ ምስታፍ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ምንባሩ ይሕብር

ብዛዕባ ልቓሕ እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧

ካብ ዘየድሊ ዕዳ ኽንጥቀቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ነህ 5:2-8—ብግዜ ነህምያ ዝነበሩ ገሊኦም ኣለቃሕቲ ነቶም ተለቃሕቲ ይጭክኑሎም ነበሩ

    • ማቴ 18:23-25—የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ፡ ዕዳኡ ዘይከፍል ተለቃሒ ኪቕጻዕ ከም ዚኽእል ይሕብር

ሓደ ሰብ ምስ ዘይኣማኒ፡ ምስ ክርስትያን ብጻዩ፡ ወይ ምስ ቤተ ሰቡ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ፡ እንታይ ጥንቃቐ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧

  • ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦

    • ዘፍ 23:14-20—ኣብርሃም ዘይምርድዳእን ግጭትን ምእንቲ ኼወግድ ኢሉ፡ ነታ ንሳራ ዝቐበረላ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ኣብ ቅድሚ መሰኻኽር ዓደጋ

    • ኤር 32:9-12—ነብዪ ኤርምያስ ካብ ወዲ ሓው ኣቦኡ መሬት ግራት ኪዕድግ ከሎ፡ ሰነድ ውዕል መዝገበ፡ ቅዳሕ እቲ ውዕል ኣዳለወ፡ ነቲ ውዕል እውን ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገበሮ

ገንዘብና ተጠንቂቕና ኸነካውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናት ብሰንኪ ናይ ገንዘብ ዘይምርድዳእ ኣብ ጉባኤ ኽፍፍል ኪፈጥሩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

ንገንዘብና ናይ ሓቂ ሓጐስ ብዜምጽእ መገዲ ኽንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧