ግፍዒ
ግዳያት ግፍዒ እንተ ዄንና፡ እንታይ እዩ ዚስምዓና፧
መዝ 69:20፣ ምሳ 18:14፣ መክ 4:1-3፣ ሚል 2:13-16፣ ቈሎ 3:21
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
2ሳሙ 10:1-5—ገሊኦም ናይ ንጉስ ዳዊት ተዋጋእቲ ኣካላዊ ጕድኣት እኳ እንተ ዘይወረዶም፡ ሕሱማት ጸላእቲ ኣዋረድዎም፣ ዳዊት ድማ ንሰቡ ፍሉይ ነገር ገበረሎም
2ሳሙ 13:6-19—ኣምኖን ንታማር ምስ ዓመጻን ምስ ኣዋረዳን፡ ታማር በኸየት፡ ክዳና እውን ቀደደት
የሆዋ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዚወርድ ግፍዒ ኣጸቢቑ ኸም ዚፈልጦ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብዛዕባኡኸ እንታይ ኪገብር እዩ፧