ጓሂ
ሰባት ኪጐድኡና ወይ ኪጠልሙና ኸለዉ ዚስምዓና ጓሂ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ሳሙ 8:1-6—እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሶም ምስ ጠለቡ፡ ነብዪ ሳሙኤል በዚ ጐሃየ
-
1ሳሙ 20:30-34—ንጉስ ሳኦል ንወዱ ዮናታን ኣመና ምስ ተቘጥዖ፡ ዮናታን በዚ ጐሃየ፡ እተዋረደ ዀይኑ እውን ተሰምዖ
-
-
ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መዝ 55:12-14, 16-18, 22—ንጉስ ዳዊት በቲ ናይ ቀረባ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣሒቶፌል እኳ እንተ ተጠልመ፡ ጾሩ ናብ የሆዋ ደርበየ፡ በዚ ኸምዚ እውን ተጸናንዐ
-
2ጢሞ 4:16-18—ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሰባት እኳ እንተ ሓደግዎ፡ ካብ የሆዋን ካብቲ ንሱ ዝሃቦ ተስፋን ብርታዐ ረኸበ
-
ድኽመትና ወይ ሓጢኣትና ዚፈጥረልና ጓሂ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
መዝ 51:1-5—ንጉስ ዳዊት ብሰንኪ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣመና ተሳቐየ
-
ሮሜ 7:19-24—ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ምስ ናይ ሓጢኣት ዝንባለኡ ዚገብሮ ቐጻሊ ቓልሲ መከረኛ ኸም ዝዀነ ተሰምዖ
-
-
ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዜጸናንዕ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
1ነገ 9:2-5—ንጉስ ዳዊት ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ንጽህናኡ ሓልዩ ኸም እተመላለሰ ገይሩ ረኣዮ
-
1ጢሞ 1:12-16—ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሕሉፍ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበረ፡ ምሕረት ከም እተገብረሉ ግና ርግጸኛ ነበረ
-