ጽድቂ
ቅኑዕ ወይ ፍትሓዊ ዘበለ ንምውሳን ስልጣን ዘለዎ መን ጥራይ እዩ፧
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ዘፍ 18:23-33—የሆዋ ንኣብርሃም፡ ጻድቕ ፈራዲ ምዃኑ ኣርኣዮ
-
መዝ 72:1-4, 12-14—እዛ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈት መዝሙር፡ ነቲ ንጽድቂ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዜንጸባርቕ መሲሓዊ ንጉስ ትውድሶ
-
በቲ የሆዋ ዝሰርዖ መለክዒታት ጽድቂ እንተ ተመላሊስና፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
መዝ 37:25, 29፣ ያእ 5:16፣ 1ጴጥ 3:12
መዝ 35:24፣ ኢሳ 26:9፣ ሮሜ 1:17 እውን ርአ
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
እዮ 37:22-24—ጽድቂ የሆዋ ኣብ ኣገልገልቱ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ስለ ዜሕድር፡ ኤሊሁ ንየሆዋ ወደሶ
-
መዝ 89:13-17—ሓደ ዘማሪ ንየሆዋ፡ ጽድቂ መሰረት ግዝኣቱ ብምዃኑ ወደሶ
-
ጽድቂ ኣምላኽ ምድላይ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ጽድቅና ኣብ ቅድሚ ሰባት ምእንቲ ኽንርአ ኢልና ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኺምስረት ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
ማቴ 6:1፣ 23:27, 28፣ ሉቃ 16:14, 15፣ ሮሜ 10:10
-
ተዛማዲ ዛንታ(ታት) መጽሓፍ ቅዱስ፦
-
ማቴ 5:20፣ 15:7-9—የሱስ ንሰባት ጻድቃን ኪዀኑ መሃረ፣ ነቶም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከይመስልዎም ግና ኣጠንቀቐ
-
ሉቃ 18:9-14—የሱስ፡ ጻድቃን ከም ዝዀኑ ብርእሶም ንዚእመኑን ንኻልኦት ንዚንዕቁን ሰባት ንምእራም ምሳሌ መሰለሎም
-
ሕያውነት ካብ ጽድቂ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧
ክንመጻደቕን ካብ ካልኦት ንላዕሊ ጻድቕ ከም ዝዀንና ኸነርእን ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧