ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንዓኻ ዝኸውን መጽሓፍ ድዩ፧

ንዓኻ ዝኸውን መጽሓፍ ድዩ፧

ንዓኻ ዝኸውን መጽሓፍ ድዩ፧

ገለ 3,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሰሎሞን “መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን ” ኢሉ ገለጸ። (መክብብ 12:⁠12) እቲ ትዕዝብቲ እቲ ምስዚ ሎሚ ዘሎ እዋን ብልክዕ ዝሰማማዕ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ነባር መጻሕፍቲ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸር ሓደስቲ መጻሕፍቲ ይሕተም ኢዩ። ክትመርጾ እትኽእል ብዙሕ መጻሕፍቲ እናሃለወካ: ንመጽሓፍ ቅዱስ እተንብቦ ስለምንታይ ኢኻ፧

ብዙሓት ሰባት ንመዘናግዒ ወይ ትምህርቲ ንኽረኽቡ: ምናልባት ድማ ንኽልቲኡ ዕላማ ኢሎም መጻሕፍቲ የንብቡ ኢዮም። ንመጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ እውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵነታትካ ንምምሕያሽ ወይ ድማ ከም ለውጢ ንምዝንጋዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ። ፍሉይ ዝዀነ ምንጪ ናይ ፍልጠት ኢዩ።​—መክብብ 12:⁠9, 10

መጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ካብ ነዊሕ እዋናት ጀሚሮም ዘስተንትንሉ ዝነበሩ ሕቶታት​—⁠ብዛዕባ ዝሓለፈ ግዜና: ህልዊ ኵነታትና: ከምኡውን መጻኢና ዝምልከት ሕቶታት​—⁠ይምልስ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ካበይ ኢና መጺእና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ህይወት ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣብ ምድሪ ህይወት ኵሉ ግዜ ክህሉ ድዩ፧ መጻኢ እንታይ ሒዙልና ኣሎ፧ ብምባል ይግረሙ ኢዮም።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እተጠቕሰ ኵሉ መርትዖታት ብሓባር መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕን ሓቅን ምዃኑ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ተግባራዊ ምኽሪ ሎሚ ትርጕም ዘለዎን ሕጕስን ህይወት ንምንባር ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ድሮ ርኢና ኣሎና። እቲ ብዛዕባ ህልዊ ግዜ ዝህቦ መልስታት ዘዕግብ ስለ ዝዀነ: ብርግጽ ብዛዕባ ዝሓለፈን ዝመጽእን ሒዝዎ ዘሎ ትንቢታት እውን ጥንቃቐ ዘለዎ ምምርማር ክንገብረሉ ዝበቅዕ ኢዩ።

ነቲ ዝበለጸ ጥቕሚ ብኸመይ ክትረኽቦ ከም እትኽእል

ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ይጅምሩ: ደሓር ግን ክብድ ዝበለ ክፍልታት ምስ ኣጋጠሞም የቋርጽዎ። ኵነታትካ እውን ከምኡ ምስ ዝኸውን ክሕግዘካ ዝኽእል ነገራት ኣሎ።

ብዘመናዊ ቋንቋ እተተርጐመ ክትኣምኖ እትኽእል ከም እኒ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም  a (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ ትርጕም ምረጽ። ገለ ሰባት ታሪኽ ህይወት የሱስ ዝነግር ጸብጻብ: ከምቲ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዘሎ ዝኣመሰለ ኣብ ሰብኣዊ ባህርይ ዘተኰረ: ከምኡውን ናብራ ህይወት ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ዝነግር ጥበብ እተሓወሶ ትምህርትታቱ ብምንባብ ይጅምሩ።​—⁠ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ርአ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምልኡ ኣብ ርእሲ ምንባብ: በብኣርእስቲ ዝግበር ኣገባብ መጽናዕቲ እውን ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓደ እተወሰነ ኣርእስቲ እንታይ ከም ዝብል ምምርማር ዘጠቓልል ኢዩ። ብዛዕባ ነፍሲ: ሰማይ: ምድሪ: ህይወት: ሞት: ከምኡውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃናን እንታይ ከም እትፍጽምን መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ምፍላጥ የገርመካ ይኸውን። b ናይ የሆዋ መሰኻኽር በብኣርእስቲ ንዝግበር መጽናዕቲ ፕሮግራም ኣለዎም: ነዚ ድማ ብናጻ ኢዮም ዝገብርዎ። ነቲ ኣብ ገጽ 2 ተዘርዚሩ ዘሎ ኣድራሻ ብምጥቃም በቲ ዝጥዕመካ ገይርካ ናብቶም ሓተምቲ ብምጽሓፍ ብዛዕባ እዚ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ መርትዖታት ምስ መርመርዎ መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት “የሆዋ” ኢሉ ዝጽውዖ ኣምላኽ ዝመጸ ኢዩ ኢሎም ደምዲሞም ኢዮም። (መዝሙር 83:⁠18 NW ) ምናልባት መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ምንጪ ከም ዘለዎ ኣይኣመንካን ትኸውን። እንተዀነ ግን: ስለምንታይ ባዕልኻ ዘይትምርምሮ፧ ድሕሪ ምምሃርካ: ምስትንታንካ: ከምኡውን ምናልባት ነቲ ናይ ግዜ ሓጹር ዘይብሉ ተግባራውነቱ ባዕልኻ ምስ ተመከርካዮ: መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን​—⁠ካብኡ ንላዕሊ ድማ ንዓኻ ዝኸውን⁠—​መጽሓፍ ምዃኑ ክስማዓካ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

b ንመጽሓፍ ቅዱስ በብኣርእስቲ ንኸጽንዕዎ ንብዙሓት ሰባት ዝሓገዘት እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኢያ።