ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ

እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ

እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ

እቲ ሓንቲ መጽሓፍ ተጻሒፋትሉ ዘላ ቋንቋ ምስ ዝመውት: እታ መጽሓፍ እውን ከም እትመውት ፍሉጥ ኢዩ። ሎሚ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ጥንታዊ ቋንቋታት ከንብቡ ዝኽእሉ ውሑዳት ሰባት ኢዮም። ገና ግን ህያው ኢዩ። ክሳዕ ሕጂ ክጸንሕ ዝኸኣለ ድማ በቲ ህያው ዝዀነ ቋንቋታት ደቅሰብ “ምዝራብ ስለ እተማህረ” ኢዩ። እቶም ካልእ ቋንቋታት ከም “ዝማሃር” ዝገበርዎ ተርጐምቲ ዘይስገር ዝመስል ዕንቅፋታት ሓሓሊፉ ኣጋጢምዎም ኢዩ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ: ምስቲ ልዕሊ 1,100 ምዕራፋቱን 31,000 ዝኸውን ቍጽርታቱን ክትርጕሞ ኣዝዩ ዓቢ ዕማም ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበናት ውፉያት ተርጐምቲ ነዚ ብድሆ እዚ ብሓጐስ ፈጺሞሞ ኢዮም። መብዛሕትኦም ምእንቲ ስርሖም ክብሉ ሽግራት ከሕልፉ: አረ ክሞቱ እውን ከይተረፈ ፍቓደኛታት ኰይኖም ኢዮም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋታት ደቅሰብ ብኸመይ ከም እተተርጐመ ዝገልጽ ታሪኽ ብሉጽ ዝዀነ ጸብጻብ ናይ ዘይምሕላልን ህርኩትነትን ኢዩ። ካብዚ ሓያል ዝዀነ መዝገብ እዚ ንእሽቶ ክፋል ጥራይ እስከ ርአ።

ነቶም ተርጐምቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ብድሆታት

ሓንቲ መጽሓፍ ናብ ሓደ ብጽሑፍ ዘይግለጽ ቋንቋ ብኸመይ ምተርጐምካያ፧ ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምዚ ዝበለ ብድሆ ኢዩ ኣጋጢምዎም። ንኣብነት: ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ኡልፊላስ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ብጽሑፍ ዘይግለጽ: ሽዑ ግን ዘመናዊ ቋንቋ ዝነበረ​—⁠ጎቲክ​—⁠ክትርጕሞ ሃቀነ። ኡልፊላስ ብቐንዱ ኣብ ናይ ግሪኽን ላቲንን ፊደላት ተመርኲሱ 27 ናይ ጎቲክ ፊደላት ብምምሃዝ ነቲ ዘጋጠሞ ብድሆ ኣሰነፎ። ዳርጋ ንብምልኡ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ቅድሚ 381 ከ.ኣ.ዘ. ናብ ቋንቋ ጎቲክ ተርጒሙ ወድኦ።

ኣብ መበል ታሽዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን: ፍሉጣት ምሁራትን ናይ ቋንቋ ክኢላታትን ዝነበሩ ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረቡ ክልተ ብስጋ ኣሕዋት: ሲሪል (ኣብ መጀመርታ ኮንስታንታይን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ) ከምኡውን ሜቶዲየስ: ነቶም ቋንቋ ስላቭ ዝዛረቡ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርጕምሎም ደለዩ። እንተዀነ ግን: ስላቮኒክ​—⁠ቀቅድሚ እዚ ሕጂ ዘሎ ቋንቋታት ስላቭ ዝነበረ​—⁠ብጽሑፍ ኣይግለጽን ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቶም ክልተ ኣሕዋት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትርጕሙ ፊደላት መሃዙ። በዚ ድማ ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብቲ ቋንቋ ስላቭ ዝዝረበሉ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት “ክዛረቦም” ይኽእል ኢዩ።

ኣብ መበል 16 ክፍለ⁠-​ዘበን ዊልያም ቴንድል ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ናይ መጀመርታ ቋንቋታት ናብ እንግሊዝኛ ክትርጕሞ ሃቀነ: እንተዀነ ግን: ካብ ቤተ⁠-​ክርስትያንን መንግስትን ብርቱዕ ምጽራር ገጠሞ። እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ እተማህረ ቴንድል “ሓረስታይ ክርድኦ ዝኽእል” ትርጕም ኢዩ ከዳሉ ደልዩ።1 ነዚ ንኽገብር ግን: ናብ ጀርመን ክሃድም ነበሮ: ኣብኡ ድማ ብ1526 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ዘዳለዎ ናይ እንግሊዝኛ “ሓድሽ ኪዳን” ተሓትመ። ቅድሓት ናይዚ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕቡእ ምስ ኣተወ: እቶም ሰበ⁠-​ስልጣን ኣዝዮም ስለ ዝሓረቑ ነቲ ቅድሓት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከንድድዎ ጀመሩ። ጸኒሑ ቴንድል ተኸድዐ። ተሓኒቑ ሬስኡ ብሓዊ ቀቅድሚ ምንዳዱ: ዓው ኢሉ “ጐይታ: ንንጉስ ዓዲ እንግሊዝ ኣዒንቱ ክፈተሉ!” በለ።2

ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ቀጸለ፣ እቶም ተርጐምቲ ድማ ካብ ምትርጓም ኣየቋረጹን። ብ1800: እንተወሓደ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብ68 ቋንቋታት “ምዝራብ ተማህረ።” ድሕርዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበራት​—⁠ብፍላይ እታ ብ1804 ዝቘመት ብሪቲሽ ኤንድ ፎረይን ባይብል ሶሳይቲ​—⁠ምስ ቈማ: መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፉ ካልእ ብዙሕ ሓደስቲ ቋንቋታት “ተማህረ።” ብዙሓት ኣጕባዝ ሚስዮናውያን ኰይኖም ናብ ወጻኢ ሃገራት ንምኻድ ወለንተኛታት ኰኑ: መብዛሕኦም ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምትርጓም ዕላማ ዝነበሮም ኢዮም።

ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ቋንቋታት ምምሃር

ብ1800 ኣብ ኣፍሪቃ ዳርጋ ሓደ ደርዘን ዝኸውን ቋንቋታት ጥራይ ኢዩ ብጽሑፍ ዝግለጽ ነይሩ። ብኣማእታት ዝቝጸሩ ካልኦት ዝዝረቡ ቋንቋታት ግን ገለ ሰብ ናይ ኣጸሓሕፋ ኣገባብ ክሳዕ ዝምህዘሎም ክጽበዩ ነበሮም። ሚስዮናውያን መጹ: ብዘይ ሓገዝ ናይ መጽሓፍቲ ወይ መዝገበ⁠-​ቃላት ድማ ነቲ ቋንቋታት ተማህርዎ። ድሕርዚ ብጽሑፍ ንኸዕብይዎ ጸዓሩ: ካብኡ ቀጺሎም ድማ እቲ ጸሑፍ ብኸመይ ከም ዝንበብ ነቶም ህዝቢ መሃርዎም። ከምዚ ዝገበሩ ድማ: ሰባት ሓደ መዓልቲ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከንብብዎ ኢሎም ኢዮም።3

ሓደ ካብዞም ሚስዮናውያን እዚኣቶም ሮበርት ሞፋት እተባህለ ወዲ ስኮትላንድ ኢዩ። ሞፋት ወዲ 25 ዓመት ከሎ ብ1821 ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ቋንቋ ትስዋን ዝዛረቡ ሰባት ናይ ሚስዮናውነት ኣገልግሎት ጀመረ። ነቲ ብጽሑፍ ዘይግለጽ ዝነበረ ቋንቋኦም ንኽማሃር: ሓድሓደ ግዜ ናብቲ ርሑቕ ቦታታት ከይዱ ምስቶም ህዝቢ ተሓወሰ። ጸኒሑ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እቶም ህዝቢ ሕያዎት ኢዮም: እቲ ኣብቲ ቋንቋ ዝጋገዮ ዝነበርኩ ድማ የስሕቖም ነበረ። ካልኦት ምእንቲ ክስሕቁ: ንሱ ወይ ንሳ ነቲ ጌጋ ኣበሃህላ ክሳዕ ብልክዕ ዝቐድሕዎ ሓንሳእ እውን ይኹን ቃል ወይ ምሉእ ሓሳባት ዝእርም የለን።”4 ሞፋት ኣይተሓለለን: ኣብ መወዳ​እታ ድማ ነቲ ቋንቋ ብምምላኽ ብጽሑፍ ከም ዝግለጽ ገበሮ።

ሞፋት ኣብ መንጎ ህዝቢ ትስዋን ኰይኑ ንሸሞንተ ዓመታት ምስ ዓየየ: ብ1829 ንወንጌል ሉቃስ ተርጒሙ ወድኣ። ንኸሕትማ ብኣብዑር ዝጕተት ዓረብያ ገይሩ ዳርጋ 960 ዝኸውን ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብቲ ገማግም በጸሐ: ካብኡ ድማ ናብ ኬፕ ታውን ክኸይድ ብመርከብ ተጓዕዘ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣማሓዳሪ: ናይ መንግስቲ ቤት ማሕተም ክጥቀም ፈቐደሉ: እንተዀነ ግን: ሞፋት ነቲ ናይ ማሕተም ፊደላት ባዕሉ ሰሪዑ ባዕሉ ድማ ክሓትም ነበሮ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብ1830 ነታ ወንጌል ኣሕተማ። ህዝቢ ትስዋን ንመጀመርታ ግዜ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ከንብቡ ከኣሉ። ሞፋት ብ1857 ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ትስዋን ተርጒሙ ወድኦ።

ጸኒሑ ሞፋት: ወንጌል ሉቃስ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኸቡ ህዝቢ ትስዋን ዘርኣዮ መልሰ⁠-​ግብሪ ገለጸ። ከምዚ በለ:⁠- “ቅዳሓት ናይ ቅዱስ ሉቃስ ክረኽቡ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዞም ዝመጹ ውልቀ⁠-​ሰባት እፈልጥ ኢየ። . . . ክፋል ናይ ቅዱስ ሉቃስ ክቕበሉ: ኣብ ልዕሊኡ ኰይኖም ክነብዑ: ኣብ ሕቕፍኦም ከእትውዎ: ንብዙሓት ድማ ‘ብንብዓትኩም ንመጻሕፍትኹም ከተባላሽውዎ ኢኹም’ ክሳዕ ዝብሎም ናይ ምስጋና ንብዓት ክነብዑ ርእየ ኢየ።”5

ስለዚ እምበኣር ከም በዓል ሞፋት ዝኣመሰሉ ውፉያት ተርጐምቲ ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን​—⁠መብዛሕትኦም ብጽሑፍ ዝግለጽ ቋንቋ ምንም ኣድላይነት ዘለዎ ዘይመስሎም ዝነበረ​—⁠ንመጀመርታ ግዜ ብጽሑፍ ክረዳድኡ ኣጋጣሚ ከፊቶምሎም ኢዮም። ይኹን እምበር: እቶም ተርጐምቲ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ዝያዳ ክቡር ዝዀነ ህያብ​—ብናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ይህብዎም ከም ዘለዉ ይኣምኑ ነይሮም ኢዮም። ሎሚ መጽሓፍ ቅዱስ: ብምልኡ ወይ ድማ ክፋሉ: ብልዕሊ 600 ዝኸውን ቋንቋታት ኣፍሪቃ ገይሩ ‘ይዛረብ’ ኣሎ።

ነቲ ናይ እስያ ቋንቋታት ምምሃር

ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ተርጐምቲ ናይቲ ዝዝረብ ቋንቋታት ጽሑፍ ከማዕብሉ ክጽዕሩ ከለዉ: ኣብቲ ኻልእ ሸነኽ ናይ ዓለም ድማ ካልኦት ተርጐምቲ ኣዝዩ እተፈልየ ዕንቅፋት​—⁠ናብቲ ድሮ እተሓላለኸ ናይ ጽሑፍ ኣገባብ ዘለዎ ቋንቋታት ምትርጓም​—⁠ኣጋጠሞም። ነቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ናይ እስያ ቋንቋታት ዝተርጐሙ እምበኣር ከምዚ ዝበለ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥሞም ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን: ዊልያም ካሬ ከምኡውን ጆሽዋ ማርሽማን እተባህሉ ሰባት ናብ ህንዲ ከዱ: ንመብዛሕትኡ ካብቲ ኣብኡ ዝርከብ ብጽሑፍ ዝግለጽ ቋንቋታት ድማ መለኽዎ። ብሓገዝ ዊልያም ዋርድ እተባህለ ሓታሚ ድማ ዳርጋ ብ40 ዝዀኑ ቋንቋታት እንተወሓደ ክፋል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ኣሕተሙ።6 ብዛዕባ ዊልያም ካሬ: ጀይ. ሃርበርት ኬን እተባህለ ደራሲ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ነቲ ናይ ቀደም ኣገባብ ዝትክእ ጽቡቕን: ኣብ መዓልታዊ ዘረባ ዝዝውተር ቀሊል ዝዀነ ኣገባብን [ናይ ቋንቋ ቤንጋሊ] መሃዘ: እዚ ድማ ነቲ ቋንቋ ንዘመናውያን ኣንበብቲ ዝያዳ ዝርዳእን ዝስሕብን ገበሮ።”7

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣደኒራም ጀድሰን: ናብ በርማ ተጓዕዘ: ብ1817 ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ በርማ ክትርጕሞ ጀመረ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክትርጕም ንሓደ ካብቲ ናይ ደቂ ምብራቕ ቋንቋ ንኽመልኽ ዝነበሮ ጸገም ክገልጽ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- ‘ቋንቋ ናይቶም ኣተሓሳስብኦም ካብ ናትና እተፈልየ: እቲ ዝጥቀምሉ ኣገላልጻ ሓድሽ: ዝጥቀምሉ ፊደላትን ቃላትን ድማ ካብቲ እንፈልጦ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ በቲ ሓደ ወገን ናይ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ክንማሃር ከሎና፣ መዝገበ⁠-​ቃላት ወይ ድማ ተርጓሚ ስለ ዘየለ: ነቲ ወዲ ዓዲ መምህር ክንሕግዝ ቅድሚ ምፍታንና ብዛዕባ እቲ ቋንቋ ገለ ነገር ክንርዳእ ክንጽዕር ይግብኣና ነበረ​—⁠እዚ ድማ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓትት ማለት ኢዩ! ’8

ናይ ጀድሰን ዕዮ: 18 ዓመታት ዝወስድ ጻዕሪ ዝሓትት ዕማም ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይ ቋንቋ በርማ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1835 ተሓትመ። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ በርማ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ ኢዩ። እናተርጐመ ከሎ: ሰላዩ ኢኻ ተባሂሉ ተኸሰ: ኣብ ሓደ ጣንጡ ዝመልኦ ቤት ማእሰርቲ ድማ ዳርጋ ክልተ ዓመት ተኣስረ። ምስ ተፈትሐ ብዙሕ ከይጸንሐ: ሰበይቱን ንእሽቶ ጓሉን ብሕማም ረስኒ ሞታ።

ወዲ 25 ዓመት ሮበርት ሞሪሰን ብ1807 ኣብ ቻይና ምስ ኣተወ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ሓደ ካብቶም ኣዝዮ እተሓላለኸ ብጽሑፍ ዝግለጽ ቋንቋታት ዘለዎም: ቋንቋ ቻይና: ናይ ምትርጓም ከቢድ ዝዀነ ስራሕ ጀመረ። እተወሰነ ፍልጠት ቋንቋ ቻይና ኢዩ ነይርዎ: ነዚ ድማ ክልተ ዓመት ኣቐዲሙ ኢዩ ክማሃሮ ጀሚሩ። ሞሪሰን ምስቲ ቻይና ፍልይቲ ክትከውን ዝደሊ ናይታ ሃገር ሕጊ እውን ክቃለስ ነይርዎ ኢዩ። ቻይናውያን ቋንቋኦም ንወጻእተኛታት ምስ ዝምህሩ ብሞት ይቕጽዑ ነበሩ። ሓደ ወጻእተኛ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ቻይና ክትርጕም ምስ ዝርከብ ናይ ሞት ፍርዲ ዘስዕብ ገበን ኢዩ ነይሩ።

ሞሪሰን ከይፈርሀ: ግን ተጠንቂቑ ብቕልጡፍ እናተማህረ ነቲ ቋንቋ ምጽናዕ ቀጸለ። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ናይ ኢስት ኢንድያ ኩባንያ ተርጓሚ ኰይኑ ክሰርሕ ተቘጽረ። ቀትሪ ነታ ኩባንያ ይሰርሓላ: ግናኸ ብስቱርን ከይርከብ ብቐጻሊ እናፈርሀን ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ይትርጕም ነበረ። ኣብ ቻይና ምስ ኣተወ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት: ብ1814 ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንኽሕተም ኣዳለዎ።9 ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ: ብሓገዝ ዊልያም ሚለን ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ተርጒሙ ወድኦ።

እዚ ዓቢ ዓወት ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ካብ ካልእ ኣብ ዓለም ዘሎ ቋንቋታት ንላዕሊ ብዙሓት ሰባት ዘዘውትርዎ ቋንቋ “ክዛረብ” ከኣለ። ነቶም ክኢላታት ተርጐምቲ ምስጋና ይዅኖም: ናብ ካልኦት ናይ እስያ ቋንቋታት እውን ምትርጓም ቀጸለ። ኣብዚ እዋን እዚ: ክፋላት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብልዕሊ 500 ዝኸውን ናይ እስያ ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

ከም እኒ ቴንድል: ሞፋት: ጀድሰን: ከምኡውን ሞሪሰን ዝኣመሰሉ ሰባት ንዘይፈልጥዎም ህዝቢ: ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ድማ ብጽሑፍ ዝግለጽ ቋንቋ ንዘይብሎም ህዝቢ መጽሓፍ ክትርጕሙሎም ኢሎም ንዓመታት ዝጸዓሩ: አረ ገሊኣቶምሲ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብርግጽ: ንኽብሪ ወይ ገንዘብ ንምርካብ ኢሎም ኣይኰኑን ገይሮምዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ: ስለዚ ኸኣ ንዅሎም ሰባት​—⁠ብቛንቋኦም​—⁠“ክዛረቦም” ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ እመን ኣይትእመን ብዘየገድስ: እቲ በቶም ውፉያት ተርጐምቲ እተራእየ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ኣዝዩ ሳሕቲ ዝርከብ ምዃኑ ትሰማምዓሉ ትኸውን ኢኻ። ከምዚ ዝበለ ስስዐ ዘይብሉ መንፈስ ዘለዓዕል መጽሓፍ ክትምርምሮ ዝበቅዕዶ ኸይኰነ፧

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሰሌዳ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ካብ 1800 ኣትሒዙ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ እተተርጐመሉ ብዝሒ ቋንቋታት

68 107 171 269 367 522 729 971 1,199 1,762 2,123

1800 1900 1995

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ቴንድል መጽሓፍ ቅዱስ እናተርጐመ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት ሞፋት

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ኣደኒራም ጀድሰን

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት ሞሪሰን