ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ

እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ

እቲ ኣብ ዓለም ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ

“መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እተነበ መጽሓፍ ኢዩ። . . . ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሓት ተዘርጊሑ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ ቋንቋታትን ተተርጒሙ ኢዩ።” —“ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ።”1

ብገለ መዳያት: መብዛሕትኦም መጻሕፍቲ ከም ሰባት ኢዮም። ኣብ መድረኽ ዓለም ይቕልቀሉ: ፍሉጣት እውን ክዀኑ ይኽእሉ: ብዘይካ ገለ በጻብዕ ዝቝጸሩ ብሉጻት ገዲፍካ: ይኣርጉ ድሓር ድማ ይሞቱ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብያተ⁠-​መጻሕፍቲ መካነ⁠-​መቓብር ናይቶም ቍጽሮም እዚ ዘይብሃል ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝዀኑ: ስለ ዘይንበቡ ድማ ዝሞቱ መጻሕፍቲ ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል።

ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መንጎ እቶም ብሉጻት ዝበሃሉ መጻሕፍቲ እውን ከይተረፈ ፍሉይ ኢዩ። ሽሕ’ኳ: ክጽሓፍ ዝጀመረ 3,500 ዓመታት ይገብር እንተዀነ: ገና ግን ኣዝዩ ህያው ኢዩ። ኣብ ምድሪ ብሰፊሑ እተዘር​ገሐ መጽሓፍ ኢዩ። a ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ 60 ሚልዮን ቅድሓት ናይ ምሉእ ወይ ክፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ይዝርጋሕ ኣሎ። ንመጀመርታ ግዜ ካብ ተንቀሳቓሲ ዓይነት ማሕተም ተሓቲሙ ዝወጸ ኣብ ከባቢ 1455 ከ.ኣ.ዘ. ካብ ቤት ማሕተም ናይቲ ጀርመናዊ መሃዚ ዝነበረ ዮሃንስ ጉተንበርግ ኢዩ። ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ብግምት ኣርባዕተ ቢልዮን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ (ብምሉኡ ወይ ድማ ክፋሉ) ተሓትመ። ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ ወይ ካልእ ዓይነት መጽሓፍ ጥቓ እዚ ኣሃዝ እዚ እውን ዝቐረበ የለን።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ታሪኽ እቲ ብብዝሒ እተተርጐመ መጽሓፍ እውን ኢዩ። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ክፋሉ ብልዕሊ 2,100 ቋንቋታት ከምኡውን ድያለክትታት ተተርጒሙ ኣሎ። b ልዕሊ 90 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ዓሌት ሰባት እንተዋሓደ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኣለዎም።2 ስለዚ እዚ መጽ​ሓፍ እዚ ሃገራዊ ዶባት: ከምኡውን ዓሌታውን ቀቢላውን ሓጹራት ሰጊሩ ኢዩ።

ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ንበይኑ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምርምር ዝድርኸካ ምኽንያት ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ገና ግን: ዝርገሐን ትርጕምን ዘርኢ ኣሃዛት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ግዜን ተቐባልነት ከም ዘለዎ ስለ ዘረጋግጽ ዝምስጥ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር: እዚ ኣብ ብምልኡ ሰብኣዊ ታሪኽ ብብዝሒ እተሸጠን እተተርጐመን መጽሓፍ ክትምርምሮ ዝበቅዕ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እታ ቀጺላ ኣዝያ እተዘርግሐት እትብሃል መጽሓፍ እታ ኰተሽንስ ፍሮም ዘ ዎርክስ ኦቭ ማኦ ተሰ⁠-ቱንግ (እንግሊዝኛ) እትብሃል ቀይሕ ዝገበራ ንእሽቶ መጽሓፍ ኢያ: ብግምት 800 ሚልዮን ዝኸውን ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ቅድሓት ተሸይጡ ወይ ድማ ተዘርጊሑ ኢዩ።

b ንብዝሒ ቋንቋታት ዝምልከት ስታትስቲክስ ኣብቲ ብዩናይትድ ባይብል ሶሳይቲስ ዝወጸ ኣሃዝ እተመስረተ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብላቲን እተጻሕፈ ናይ ጉተንበርግ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብ ተንቀሳቓሲ ዓይነት ማሕተም ተሓቲሙ ዝወጸ ናይ መጀመርታ ምሉእ መጽሓፍ