ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ መጽሓፍ እዚ ምስ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ ድዩ፧

እዚ መጽሓፍ እዚ ምስ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ ድዩ፧

እዚ መጽሓፍ እዚ ምስ ስነ⁠-​ፍልጠት ዝሰማማዕ ድዩ፧

ሃይማኖት ንስነ ⁠-​ፍልጠት ከም ብጻዩ ገይሩ ዝርእዮ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ -ዘበናት ገለ ናይ ሃይማኖት ምሁራት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተረጓጕምኦም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኰይኑ ክስምዖም ከሎ ነቲ ብስነ -​ፍልጠት እተረኽበ ነገራት ተጻሪሮምዎ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ስነ ⁠-​ፍልጠት ብሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸላኢ ድዩ፧

እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ግዜኦም ብሰፊሑ ተቐባልነት ዝነበሮ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ኣረኣእያ ብዕሊ ተቐቢሎምዎ ነይሮም እንተዝዀኑ: ከም ውጽኢት ናይዚ ሓደ ርኡይ ዝዀነ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ጌጋታት ዝሓዘ መጽሓፍ ምሃለወ ነይሩ። እንተዀነ ግን: እቶም ጸሓፍቲ ከምዚ ዝበለ ዘይስነ⁠-​ፍልጠታዊ ጌጋ ምርድኣት ኣየተባብዑን። ብኣንጻሩ: ብስነ⁠-​ፍልጠታዊ መገዲ ልክዕ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሽዑ ተቐባልነት ዝነበሮ ኣረኣእያታት ብቐጥታ ዝጻረር ብዙሕ ሓሳባት እውን ኢዮም ጽሒፎም።

ቅርጺ ምድሪ ከመይ ኢዩ፧

እዛ ሕቶ እዚኣ ንሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ኣሸጊራቶም ኢያ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ምድሪ ጸፋሕ ኢያ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ባቢሎናውያን ኣድማስ ሳንዱቕ ወይ ክፍሊ ኢዩ መሬት ድማ ምድሪ⁠-​ቤቱ ኢያ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ቨዲክ ዝበሃሉ ናይ ህንዲ ኣቕሽሽቲ: ምድሪ ሓደ ወገና ጥራይ ሰብ ዝነብረላ ጸፋሕ ከም ዝዀነት ገይሮም ይሓስቡ ነበሩ። ኣብ እስያ ዝነበረ ሓደ ድሑር ዓሌት ድማ ምድሪ ዓቢ ሰተታ ከም ዝዀነት ገይሩ ይሓስብ ነበረ።

ኣብ መጀመርታ ናይ ሻድሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: ፓይታጎራስ እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ: ወርሕን ጸሓይን ድንብልቡል ቅርጺ ካብ ሃለወን: ምድሪ እውን ድንብልቡል ክትከውን ኣለዋ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣመጽአ። ጸኒሑ ድማ (ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ.) ኣሪስቶትል ምድሪ ድንብልቡል ቅርጺ ከም ዘለዋ በቲ ሉናር ኢክሊፕስስ ክረጋገጽ ይከኣል ኢዩ ብምባል ምስኡ ተሰማምዐ። እቲ ኣብ ወርሒ ዝርአ ናይ ምድሪ ጽላሎት ክብብ ዝበለ ኢዩ።

ይኹን እምበር: እቲ ምድሪ (ላዕለዋይ ክፋላ ጥራይ ሰብ ዘለዋ) ጸፋሕ ኢያ ዝብል ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣይጠፍአን። ገሊኣቶም ነቲ ምኽንያታዊ ዝዀነ ምድሪ ከባብ ምዃና ዘርኢ​—⁠ብዛዕባ ኣንቲፖደስ  a ዝገልጽ ሓሳ​ባት​—⁠ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። እቲ ኣብ ራብዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ናይ ክርስትና ተጣባቒ ላክታንቲስ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣላገጸሉ። ከምዚ ዝብል ምኽንያት ድማ ሃበ:⁠- “እግሮም ብላዕሊ: ርእሶም ድማ ብታሕቲ ዝዀነ ሰባት ኣለዉ: . . . ዘራእትን ኣእዋምን ንታሕቲ ገጾም ኢዮም ዝዓብዩ፣ ማይ: በረድ: ከምኡውን ውርጪ ንላዕሊ ገጹ ኢዩ ዝወርድ ኢሉ ዝኣምን ዓሻ ሰብ ኣሎዶ ኢዩ፧”2

እዚ ብዛዕባ ኣንቲፖደስ ዝገልጽ ሓሳባት ንውሑዳት ናይ ሃይማኖት ምሁራት ምጥርጣር ኣሕዲሩሎም ኢዩ። ገሊኡ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣብቲ ኣንቲፖደስ (ካልእ ገጽ ምድሪ) ዝነብሩ ሰባት እንተድኣ ኣልዮም ኰይኖም: ብጃልባ ተንሳፊፎም ከይሓልፉ እቲ ባሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ ወይ ድማ ንቕናት ምድሪ ከቢብዎ ዘሎ ክትሓልፎ ዘይትኽእል ምዉቕ ቦታ ስለ ዘሎ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ዘይከኣል ኢዩ ዝብል ነበረ። ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ኣብቲ ኣንቲፖደስ ዝነብር ሰብ ካበይ ዝመጸ ኢዩ፧ ገለ ናይ ሃይማኖት ምሁራት በዚ ስለ እተደናገሩ: ኣብቲ ኣንቲፖደስ ዝነብር ሰብ የለን: ወይ ከምቲ ላክታንቲስ ዝበሎ ምድሪ ፈጺማ ድንብልቡል ክትከውን ኣይትኽእልን ኢያ ምባል እውን ከይተረፈ መሪጾም ኢዮም!

ይኹን እምበር: እቲ ምድሪ ድንብልቡል ኢያ ዝብል ሓሳብ ሰፊኑ ኢዩ: ቀስ እናበለ ድማ ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኸበ። ኣብዚ መበል 20 ክፍለ⁠-​ዘበን: ምስ ምጅማር መዋእል ጠፈር ጥራይ ኢዮም: ሰባት ናብ ጠፈር ተጓዒዞም ብቐጥታ ብምዕዛብ ምድሪ ግሎብ ምዃና ከረጋግጹ ዝኸኣሉ። b

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚኸ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ፧ ኣብቲ ምድሪ ጸፋሕ ኢያ ዝብል ኣረኣእያ ሰፊንሉ ዝነበረ ሻሙናይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: እቲ ግሪኻዊ ፈላስፋ ምድሪ ድንብልቡል ክትከውን ኣለዋ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ቅድሚ ምውጽኡ ዘበናት ይገብር: ሰባት ኣብ ጠፈር ኰይኖም ምድሪ ድንብልቡል ምዃና ቅድሚ ምዕዛቦም ኣሽሓት ዓመታት: እቲ እብራዊ ነብዪ ኢሳይያስ ብኣዝዩ ቅልል ዝበለ ኣገላልጻ “ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዚቕመጥ” በለ። (ኢሳይያስ 40:⁠22 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ ኣብዚ “ኸባብ” ተባሂላ ዘላ ቹግ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል: “ድንብልቡል” ተባሂላ እውን ክትትርጐም ትኽእል ኢያ።3 ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕማት ድማ “ናይ ምድሪ ግሎብ” (ድዋይ ቨርሽን) ከምኡውን “ከባብ ምድሪ” (ሞፋት) ተባሂሉ ይንበብ። c

እቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ: ኢሳይያስ: ነቲ ልሙድ ዝነበረ ብዛዕባ ምድሪ ዝገልጽ ጽውጽዋይ ኣይተቐበሎን። ኣብ ክንድኡስ እናማዕበለ ብዝኸይድ ስነ⁠-​ፍልጠት ዘይንጸግ ሓሳብ ኢዩ ጽሒፉ።

ንምድሪ ደጊፍዋ ዘሎ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ ግዜ ጥንቲ ሰባት ንኣድማስ ዝምልከት: ምድሪ ኣብ እንታይ ተቐሚጣ ኣላ፧ ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ከዋኽብቲ እንታይ ሒዝዎም ኣሎ፧ ዝብል ካልእ ሕቶታት እውን የጨንቖም ነይሩ ኢዩ። እቲ ብኣይዛክ ኒውተን እተወጠነ: ብ1687 ድማ እተሓትመ ብዛዕባ ስሕበት ዝገልጽ ናይ ኣድማስ ሕጊ ምንም ፍልጠት ኣይነበሮምን። ነቲ ሰማያውያን ኣካላት ኣብ ባዶ ሃዋሁ ጠልጠል ኢሎም ከም ዘለዉ ዘርኢ ሓሳብ ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ ብዛዕብኡ ዝህብዎ መግለጺታት ንምድርን ካልኦት ሰማያውያን ኣካላትን ዝርአ ነገራት ኢዩ ደው ኣቢሉ ሒዝዎ ዘሎ ዝብል ኢዩ ነይሩ።

ንኣብነት: ምናልባት በቶም ኣብ ደሴት ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ተጀሚሩ ክኸውን ዝኽእል ሓደ ጥንታዊ ክልሰ⁠-​ሓሳብ ምድሪ ብማያት እተኸበት ኢያ: ኣብ ልዕሊ እዚ ማያት እዚ ድማ ተንሳፍፍ ኣላ ዝብል ነበረ። ሂንዱ ምድሪ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ እተደራረበ ብዙሕ መሰረታት ኣለዋ ኢሎም ይሓስቡ ነበሩ። ምድሪ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ሓራምዝ ተቐሚጣ ኣላ: እቶም ሓራምዝ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣዝዩ ገዚፍ ጎብየ ደው ኢሎም ኣለዉ: እቲ ጎብየ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዓቢ ገበል ደው ኢሉ ኣሎ: እቲ እተጠምጠመ ገበል ድማ ኣብቲ ኣድማሳዊ ማያት ይንሳፈፍ ዝብል ሓሳብ ነበሮም። ኣብ ሓሙሻይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ግሪኻዊ ፈላስፋ ኤምፔዶክለስ: ምድሪ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ዘይንቀሳቐስ ንፋስ (እንግሊዝኛ ዊርልዊንድ) ተቐሚጣ ኣላ: እዚ ድማ ኢዩ ነቶም ሰማያውያን ኣካላት ከም ዝንቀሳቐሱ ዝገብሮም ዘሎ ኢሉ ይኣምን ነበረ።

ካብ መንጎ እቶም ኣዝዮም ጽልዋ ዝነበሮም ኣረኣእያታት ናይ ኣሪስቶትል ኢዩ ነይሩ። ምድሪ ድንብልቡል ኢያ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ እኳ እንተ ኣምጽአ: ብዘይ ገለ ደገፍ ኣብ ባዶ ጠፈር ጠልጠል ክትብል ግን ፈጺማ ኣይትኽእልን ኢያ በለ። ኣብቲ ኦን ዘ ሄቨንስ (እንግሊዝኛ) ዝብል ጽሑፉ: ነቲ ምድሪ ኣብ ማያት ተቐሚጣ ኣላ ዝብል ሓሳባት ክነጽጎ ከሎ: ከምዚ በለ:⁠- “ማይ ብዘይ መትሓዚ ኣብ ኣየር ደው ክብል ኣይክእልን ኢዩ: ገለ መቐመጢ ክህልዎ ኣለዎ: ምድሪ እውን ከምኡ ኢያ።”4 እሞ ምድሪ ደኣ ኣብ እንታይ ኢያ “ተቐሚጣ” ዘላ፧ ኣሪስቶትል ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ከዋኽብቲ ምስ ሓደ ኣሕሊፉ ዘርኢ ድንብልቡል ቅርጺ ዘለዎ ተሪር ነገር ተታሓሒዘን ክህልዋ ኣለወን ኢሉ ማሃረ። ሓደ ኣብ ውሽጢ እቲ ካልእ ዝኣተወ ኰይኑ ምድሪ ኣብ ማእከሉ ከም ዘይትንቀሳቐስ ኰይና እተቐመጠት ኢያ። ኣብ ውሽጢ ንሓድሕዱ ብምዃን ክዘውር ከሎ እቲ ኣብኡ ዘሎ ነገራት​—⁠ጸሓይ: ወርሒ: ከምኡውን ፕላኔታት​—⁠ኣብ ሰማይ ይዘውር።

ናይ ኣሪስቶትል መግለጺ ምኽንያታዊ ይመስል ነበረ። ሰማያውያን ኣካላት ምስ ሓደ ነገር ኣጸቢቖም እንተ ዘይተታሓሒዞም ከመይ ኢሎም ልዕል ኢሎም ደው ክብሉ ይኽእሉ፧ ኣረኣእያ ናይቲ ዓቢ ግምት ዝዋሃቦ ዝነበረ ኣሪስቶትል: ንገለ 2,000 ዝኸውን ዓመታት ከም ሓቂ ዀይኑ ተቐባልነት ረኸበ። ብመሰረት እቲ: ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ዝበሎ ኣብ መበል 16ን 17ን ክፍለ⁠-​ዘበናት ናይ ኣሪስቶትል ትምህርትታት ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን “ናብ ሃይማኖታዊ ሰረተ⁠-እምነት ተቐየረ።”5

ተለስኮፕ ምስ ተማህዘት: ብዛዕባ ከዋኽብቲ ዝመራመሩ ሰባት ነቲ ናይ ኣሪስቶትል ክልሰ⁠-​ሓሳብ ኣብ ሕቶ ከእትውዎ ጀመሩ። ክሳዕ እቲ ሰር ኣይዛክ ኒውተን ፕላኔታት በቲ ዘይርአ ሓይሊ ስሕበት ተታሒዘን ኣብ ባዶ ቦታ ከም ዘለዋ ዝገለጸሉ እዋን ገና እቲ መልሲ ኣይተረድኦምን ነበረ። እዚ ዘይሕሰብ ኢዩ ዝመስል ነይሩ: ገለ ካብቶም መሳርሕቲ ኒውተን ጠፈር ጥርሑ: ባዶ ኢዩ ኢሎም ንኽኣምኑ ከበዶም። d6

ብዛዕባ እዚ ሕቶ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧ ዳርጋ 3,500 ዓመታት ይገብር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ንጹር ብዝዀነ መገዲ ምድሪ “ኣብ ገለ ዜብሉ” ጠልጠል ኢላ ከም ዘላ ገለጸ። (እዮብ 26:⁠7) ኣብቲ በዅሪ እብራይስጢ እታ ኣብዚ ኣትያ ዘላ “ገለ ዜብሉ” እትብል ቃል (ቤሊ⁠-​ማህ ʹ ) ቃል ብቓሉ: “ብዘይ ገለ ነገር” ማለት ኢያ።7 እቲ ኮንቴምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) “ኣብ ባዶ ቦታ” ዝብል ኣገላልጻ ይጥቀም።

ሓንቲ ፕላኔት “ኣብ ባዶ ቦታ” ጠልጠል ክትብል ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሰባት ብዛዕባ ምድሪ ፈጺሞም ዘይርድእዎ ዝነበሩ ነገር ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ኣብቲ ግዜኡ ዘይፍለጥ ዝነበረ ነገር: ብስነ⁠-​ፍልጠት ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ጸሓፈ።

መጽሓፍ ቅዱስን ሕክምናዊ ስነ⁠-​ፍልጠትን ይሰማምዑ ድዮም፧

ዘመናዊ ሕክምናዊ ስነ⁠-​ፍልጠት ብዛዕባ ምትሕልላፍን ምክልኻልን ሕማም ብዙሕ ነገር ምሂሩና ኢዩ። ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ዝነበረ ሕክምናዊ ምዕባለ ጸረ⁠-​ረኽሲ​—⁠ምትሕልላፍ ሕማማት ንምንካይ ምጽራይ​—⁠ናብ ዝብሃል ሕክምናዊ ሞያ መርሐ። እቲ ዘምጽኦ ለውጢ ርኡይ ኢዩ ነይሩ። ርኡይ ዝዀነ ምንካይ ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ኣብ ዘይግዜኻ ሙማትን ድማ ኣምጸአ።

ይኹን እምበር: ናይ ጥንቲ ሓካይም ሕማም ብኸመይ ከም ዝመሓላለፍ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድእዎን: ወይ ድማ ጽሬት ኣብ ምክልኻል ሕማም ዘለዎ ኣድላይነት ኣይተገንዘብዎን ኢዮም ነይሮም። እቲ ዝነበሮም ሕክምናዊ ሞያታት ብዘመናዊ መለክዒታት ክርአ ከሎ ዘይስልጡን እንተመሰለ ምንም ዘገርም የብሉን።

ሓደ ካብቲ ናይ ጥንቲ ዝዀነ ብዛዕባ ሕክምናዊ ነገራት ዝሓዘ ጽሑፍ: ኣብ መበል 1550 ቅ.ኣ.ዘ. እተጻሕፈ ናይ ኤብርስ ፓፒረስ: ናይ ግብጻውያን ሕክምናዊ ፍልጠት ዝሓዘ ሰነድ ኢዩ። እዚ ጥቕላል እዚ ንእተፈላለዩ ሕማማት: “ካብ መንከስቲ ሓርግጽ ክሳዕ ቃንዛ ጽፍሪ እግሪ:” ንዘሎ ሕማማት ዝኸውን 700 መድሃኒታት ዝሓዘ ኢዩ።8ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ (ኢንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ሕክምናዊ ፍልጠት ናይዞም ሓካይም እዚኣቶም ብዓቢኡ ካብ ተመክሮ ዝመጸ ኢዩ: ዝበዝሕ ድማ ናይ ሽሕርን ምሉእ ብምሉእ ካብ ስነ⁠-​ፍልጠት ዝረሓቐን ኢዩ ነይሩ።”9 መብዛሕትኡ ካብቲ መድሃኒት ጥቕሚ ዘይብሉ: አረ ገለ ካብኡስ ኣጸቢቑ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ቁስሊ ንምሕካም ሓደ ካብቲ ዝእዘዝ መድሃኒት: ካብ ናይ ሰብ ቀልቀልን ካልእ ነገራትን ተሓዋዊሱ እተሰርሐ ፈውሲ ምልካይ ኢዩ ዝእዝዝ ነይሩ።10

እዚ ናይ ግብጻውያን ሕክምናዊ መድሃኒት ዝሓዘ ጽሑፍ ኣብቲ ሕጊ ሙሴ እውን ሓዊስካ እተን ናይ መጀመርታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ እተጻሕፋሉ እዋን እተጸሕፈ ኢዩ ነይሩ። እቲ ብ1593 ቅ.ኣ.ዘ. እተወልደ ሙሴ: ኣብ ግብጺ ኢዩ ዓብዩ። (ዘጸኣት 2:⁠1⁠-​10) ኣባል ስድራቤት ፈርኦን ከም ምዃኑ መጠን: “ኵሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠22) ምስቶም ናይ ግብጺ “ፈዋሶ” ይፋለጥ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 50:⁠1⁠-​3) እቲ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ውጽኢት ዘይነበሮ ወይ ድማ ሓደገኛ ዝዀነ ሕክምናዊ ሞያታት ነቲ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ጸልይዎዶ ኢዩ፧

ኣይጸለዎን። ብኣንጻሩ ሕጊ ሙሴ ኣብቲ እዋን እቲ ፍሉጥ ዘይነበረ ስርዓታት ናይ ጽሬት ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ንወተሃደራዊ መዓስከር ዝምልከት ሓደ ሕጊ: ነቲ ውጽኣቶም ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ኲዒቶም ክቐብርዎ ዝእዝዝ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 23:⁠13) እዚ ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀነ ናይ ምክልኻል መገዲ ኢዩ። ማይ ካብ ብከላ ናጻ ዝገብር: ካብቲ ገና ኣብተን ሕማቕ ናይ ጽሬት ኵነታት ዘለወን ሃገራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት ህይወት ዝቐትል ዘሎ: ሃመማ ብዝስከምዎ ባክቴርያ ዝመጽእን ካልእ ናይ ውጽኣት ሕማማትን ዝከላኸል ኢዩ።

ሕጊ ሙሴ: ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንኸየስፋሕፍሕ ንእስራኤላውያን ዝከላኸል ዝነበረ ናይ ጽሬት ስርዓታት እውን ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ተመሓላላፊ ሕማም ምስ ዝህልዎ ወይ ከም ዘለዎ ምስ ዝጥርጠር ንበይኑ ይዕጾ ነበረ። (ዘሌዋውያን 13:⁠1⁠-​5) ንሓደ ሕሉቕ እንስሳ (ምናልባት ብሕማም) ዝተንከፈ ክዳን ወይ ድማ ኣቕሓ እንደገና ኣብ ጥቕሚ ቅድሚ ምውዓሉ ክሕጸብ ወይ ድማ ከጐሓፍ ነበሮ። (ዘሌዋውያን 11:⁠27, 28, 32, 33) ዝዀነ ይኹን ምዉት ዝተንከፈ ሰብ ከም ርኹስ ይቝጸር ነበረ: ክዳውንቱን ኣካላቱን ምሕጻብ ዘጠቓለለ ናይ ምንጻህ መስርሕ ድማ ክከታተል ነበሮ። ኣብተን ርኹስ ዝዀነለን ሸውዓተ መዓልትታት: ምስ ካልኦት ሰባት ብኣካል ክተናኸፍ ኣይነበሮን።​—⁠ዘሁልቍ 19:⁠1⁠-​13

እዚ ናይ ጽሬት ሕጊ እዚ: ሓካይም ናይቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ህዝብታት ዘይነበሮም ጥበብ ዝገልጽ ኢዩ ነይሩ። ሕክምናዊ ስነ⁠-​ፍልጠት ሕማማት ከመይ ኢሉ ከም ዝመሓላለፍ ከይፈለጠ ከሎ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሕማም ክከላኸል ዝኽእል ምኽንያታዊ ዝዀነ ስጕምትታት ይእዝዝ ነበረ። ሙሴ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብሓፈሻ 70 ወይ 80 ዓመታት ይነብሩ ምንባሮም ምዝራቡ ዘገርም ኣይኰነን። e​—⁠መዝሙር 90:⁠10

እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ብስነ⁠-​ፍልጠት ክርአ ከሎ ሓቂ ምዃኑ ኣፍልጦ ትህበሉ ትኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብስነ⁠-​ፍልጠት ክረጋገጹ ዘይክእሉ ካልኦት ሓሳባት ኣለዉ። እዚ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ⁠-​ፍልጠት ይጋጮ ኢዩ ከብሎ ይኽእልዶ ኢዩ፧

ነቲ ክረጋገጽ ዘይክእል ሓሳባት ምቕባሉ

ሓደ ክረጋገጽ ዘይክእል ሓሳባት ግድን ሓሶት ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መረጋጋጺ ኣብቲ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል እኹል ዝዀነ መርትዖታትን ነቲ ጭብጥታት ብልክዕ ኣብ ምትርጓምን እተመርኰሰ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ገለ ሓቅታት እተዓቀበ መርትዖታት ስለ ዘይብሎም: እቲ መርትዖ ንጹር ብዘይምዃኑ ወይ ስለ ዘይተረኽበ: ወይ ድማ ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ዓቕምታትን ክኢላታትን ኣብ ሓደ ርጡብ ዝዀነ መደምደምታ ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም ከተረጋግጾም ዘይከኣሉ ኢዮም። ንገለ ካብቶም ዝርአ መርትዖታት ዘይብሎም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት እቲ ዝቐርብ ምኽንያት እዚዶ ዀን ይኸውን፧

ንኣብነት: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መንፈሳውያን ኣካላት ዘለውዎ ዘይርአ ግዝኣት ዝጠቕሶ ነገር ብስነ⁠-​ፍልጠታዊ መገዲ ክረጋገጽ​—⁠ወይ ድማ ክንጸግ⁠—​ኣይከኣልን ኢዩ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ ትእምርቲ ፍጻመታት እውን ተመሳሳሊ ነገር ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ እተፈጸመ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ዝገልጽ ንገለ ሰባት ከዕግቦም ዝኽእል ንጹር ዝዀነ ናይ ስነ⁠-መሬት መርትዖታት የሎን። (ዘፍጥረት ምዕራፍ 7) እሞ ኣየጋጠመን ኢልና ክንድምድም ይግብኣናዶ ኢዩ፧ ታሪኻዊ ፍጻመታት ብሰንኪ ንውሓት ግዜን ለውጥን ክሃሱ ይኽእሉ ኢዮም። ንኣሽሓት ዓመታት እተገብረ ናይ ስነ⁠-መሬት ንጥፈታት ንብዙሕ መርትዖታት ናይ ማይ ኣይሂ ከም ዝሃስስ ገይርዎ ክኸውንዶ ኣይክእልን ኢዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: በቲ ክርከብ ዝኽእል መርትዖታት ገይርካ ሓቂ ወይ ድማ ሓሶት ብምባል ከተረጋግጾ ዘይትኽእል ሓሳባት ከም ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን ከገርመና ኣለዎዶ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ስነ⁠-​ፍልጠት መጽሓፍ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ሓቂ ዝሓዘ መጽሓፍ ኢዩ። ጸሓፍቱ ንጽህንኦም ዝሕልዉን ሓቀኛታትን ሰባት ከም ዝነበሩ ድሮ ድልዱል መትርዖታት ርኢና ኢና። ንስነ⁠-​ፍልጠት ዝምልከት ነገራት ክጠቕሱ ከለዉ ድማ: እቲ ዝብልዎ ቃላት ልክዕ: ካብቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ “ስነ⁠-​ፍልጠታዊ” ዝበሃል ዝነበረ ደሓር ግን ጽውጽዋይ ኰይኑ እተረኽበ ክልሰ⁠-​ሓሳባት ናጻ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ስነ⁠-​ፍልጠት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸላኢ ኣይኰነን። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ነገራት ብኽፉት ኣእምሮ ክንምርምረሉ እንኽእል እኹል ዝዀነ ምኽንያታት ኣሎና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a “ኣንቲፖደስ . . . ኣብ ግሎፕ ልክዕ ፊት ንፊት ዝርከቡ ክልተ ቦታታት ማለት ኢዩ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ቀጥ ዝበለ መስመር ብማእከል ምድሪ ኢዩ ዝሓልፍ። ብቛንቋ ግሪኽ ኣንቲፖደስ ማለት እግሪ ንእግሪ ማለት ኢዩ። ኣብ ኣንቲፖደስ ዝዀነ ቦታ ደው ኢሎም ዘለዉ ክልተ ሰባት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርሕቀት ካብ ኣእጋሮም ምስ ዝዕቀን እቲ ዝሓጸረ ኢዩ።”1​—⁠ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ።

b ብርቕቕ ዝበለ ኣዘራርባ: ምድሪ ድንቡልቡል ኰይና: ኣብቲ ዋላቱ ቁሩብ ጽፍሕ ዝበለት ኢያ።

c ኣብ ርእሲ እዚ: ድንብልቡል ዝዀነ ነገር ጥራይ ኢዩ ብዅሉ ኵርናዓት ምስ እትዕዘቦ ከቢብ ኰይኑ ዝረኣየካ። ሰተታ: መብዛሕትኡ እዋን: ከቢብ ኰይኑ ዘይኰነስ: ዝያዳ ሽልሕ ኢሉ ኢዩ ዝርአ።

d ኣብ ግዜ ኒውተን ኣድማስ ፈሳሲ ነገር​—⁠ኮስሚክ “ሱፕ ”​—⁠ዝመልአ ኢዩ: ኣብቲ ፈሳሲ ዘሎ ንፋስ ድማ ነተን ፕላኔታት ከም ዝዞራ ይገብረን ዝብል ግኑን ኣረኣእያ ነበረ።

e ብ1900: ኣብ ብዙሓት ናይ ኣውሮጳ ሃገራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝነበረ ንውሓት ዕድመ ሰብ ካብ 50 ዓመት ዝውሕድ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንድሓር ብዘገርም መገዲ እቲ ንውሓት ዕድመ ሰብ ወሲኹ ኢዩ: እዚ ድማ ሕማማት ኣብ ምክልኻል ሕክምናዊ ምዕባለ ስለ እተገብረ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምኽንያት ዝሓሸ ናይ ጽሬትን ናይ መነባብሮ ኵነታትን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ሰባት ኣብ ጠፈር ኰይኖም ምድሪ ግሎብ ምዃና ቅድሚ ምርኣዮም ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ: መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብታ ኸባብ ምድሪ” ብምባል ይጠቅስ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰር ኣይዛክ ኒውተን: ፕላኔታት ኣብቲ ዝዞራሉ ዓንኬላት ኰይነን ብስሕበት ከም እተተሓሓዛ ተዛረበ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእልታት]

ሓደ ክረጋገጽ ዘይክእል ሓሳባት ግድን ሓሶት ኢዩ ማለት ኣይኰነን