ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ መጽሓፍ እዚ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧

እዚ መጽሓፍ እዚ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧

እዚ መጽሓፍ እዚ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧

“ካብ ዝዀነ ይኹን ዓለማዊ ታሪኽ ንላዕሊ ክእመን ዝኽእል ሓቅነት ዘረጋግጽ መርትዖ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ረኺበ ኢየ።”​—⁠ውሩይ እንግሊዛዊ ሊቅ: ሰር ኣይዛክ ኒውተን።1

እዚ መጽሓፍ እዚ​—⁠መጽሓፍ ቅዱስ​—⁠ክእመን ዝከኣል ድዩ፧ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት: ብሓቂ ዝነበረ ቦታታት: ከምኡውን ብዛዕባ ብልክዕ ዘጋጠመ ፍጻመታት ድዩ ዝዛረብ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ብጥንቁቓት: ሓቀኛታት ጸሓፍቲ ከም እተጻሕፈ ዘርኢ መርትዖ ክህሉ ኣለዎ። መረጋገጺ ኣሎ። ዝበዝሕ ካብኡ ኣብ ምድሪ ተቐቢሩ እተረኽበ ኢዩ: አረ ካብኡ ኣዝዩ ዝበዝሕሲ ኣብ ውሽጢ እቲ መጽሓፍ ዝርከብ ኢዩ።

ነቲ መርትዖታት ንምርካቡ ምዅዓት

ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ቦታታት ናይ ቀደም ብኢድ እተሰርሑ ነገራት ምርካቦም: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ታሪኻውን ጂኦግራፍያውን ልክዕነት ዝድግፍ ኢዩ። ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ ኵዒቶም ዝረኸብዎ ገለ መርትዖታት ርአ።

እቲ ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ተባዕ መንእሰይ ጓሳ: ዳዊት: ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ኢዩ። ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ 1,138 ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ናይ ዳዊት ስርወ⁠-​ንግስነት ዘመልክት “ቤት ዳዊት” ዝብል መግለጺ ድማ 25 ግዜ ይርከብ። (1 ሳሙኤል 16:⁠13፣ 20:⁠16) ይኹን እምበር: ክሳዕ እዚ ቀረባ ግዜ ዳዊት ይነብር ከም ዝነበረ ዝሕብር ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ንጹር መረጋገጺ ኣይነበረን። ዳዊት ናይ ልቢ ወለድ ገጸ⁠-​ባህርይ ድዩ ነይሩ፧

ብ1993 ብፕሮፌሰር ኣቭራም ቢራን ዝምራሕ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ዝሓዘ ጕጅለ: ሓደ ብሉጽ ዝዀነ ነገር ረኸበ: እዚ ድማ ኣብ ናይ ኢዝራኤል ኤክስፕሎረሽን ጆርናል (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ወጸ። ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ቴል ዳን ዝብሃል ጥንታዊ ኵርባ ሓደ ጸሊም እምኒ ረኸቡ። ኣብቲ እምኒ ድማ “ቤት ዳዊት” ከምኡውን “ንጉስ እስራኤል” ዝብል ቃላት ተቐሪጹ ኣሎ።2 እዚ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. እተቐርጸ ጽሑፍ: ክፍሊ ናይቲ እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ዝነበሩ ጸላእቲ እስራኤል: ሶርያውያን: ዝተኸልዎ ናይ ዓወት ሓወልቲ ኢዩ ዝበሃል። እዚ ጥንታዊ እተቐርጸ ጽሑፍ እዚ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብመሰረት እቲ ፕሮፌሰር ቢራንን መሳርሕቱ ዮሴፍ ናቨህን ዝሃብዎ ጸብጻብ: ኣብቲ ቢቢሊካል ኣርኪዮሎጂ ረቪው (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:⁠- “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ኣብ ናይ ጥንቲ እተቐርጸ ጽሑፋት እታ ዳዊት a እትብል ስም ክትርከብ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኢዩ።”3 ብዛዕባ እዚ እተቐርጸ ጽሑፍ እዚ ካልእ ኣቓልቦ ክግበሮ ዝበቅዕ ነገር እውን ኣሎ። እቲ “ቤት ዳዊት” ዝብል ኣገላልጻ ብሓንቲ ቃል ኢዩ ተጻሒፉ ዘሎ። ናይ ቋንቋ ፈላጥ ፕሮፌሰር ኣሰን ሬኔ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ብፍላይ ድማ ፍሉጥ ናይ ብሕቲ ስም ምስ ዝኸውን: . . . መፈላለዪ ቃል ኣይግበሮን ኢዩ። እቲ ‘ቤት ዳዊት’ ዝብል ኣጸዋውዓ ድማ: ኣብ መፋርቕ ናይ ታሽዓይ ክፍለ⁠-​ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ብርግጽ ፖለቲካውን ጂኦግራፍያውን ናይ ብሕቲ ስም ኢዩ ነይሩ።”5 ስለዚ እምበኣር: ዳዊትን ስርወ⁠-​ንግስነቱን ኣብታ ጥንታዊት ዓለም ኣዝዩ ፍሉጥ ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ።

ነነዌ​—⁠እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ዓባይ ከተማ ኣሶር​—⁠ብሓቂ ነይራ ድያ፧ ክሳዕ መጀመርታ ናይ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን: ገለ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዝህቡ ሰባት ነዚ ምእማን ኣብዮም ነይሮም ኢዮም። ብ1849 ግን ሰር ኦስተን ሄንሪ ለያርድ ኣብቲ ክፍሊ ናይ ጥንታዊት ነነዌ ከም ዝነበረ እተረጋገጸ ኩዩንጂክ ዝበሃል ቦታ: ናይ ንጉስ ሰናክሬብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ፍርስራሳት ረኸበ። በዚ ድማ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣፎም ሓዙ። እንተዀነ ግን: እዚ ፍርስራሳት እዚ ዝሓዞ ካልእ ዝያዳ ሓበሬታ ኣሎ። ኣብ ሓንቲ ብግቡእ እተዓቀበት ክፍሊ ዘሎ መናድቕ: ቀቅድሚ እቲ ዝወረረ ንጉስ ዝኸዱ ምሩኻት ዘለዎ: ናይ ሓንቲ ኣዝያ እተዓርደት ከተማ ምምራኽ ዘርኢ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንጉስ “ሰናክሬብ ንጉስ ዓለም: ንጉስ ኣሶር: ኣብ ናይ ኒሜዱ -​ዝፋን ኮፍ ኢሉ ነቲ ካብ ላኪሽ (ላ⁠-​ኪ⁠-​ሱ) (እተወሰደ) ምርኮ እናተዓዘበ”6 ዝብል እተቐርጸ ጽሑፍ ኣሎ።

እዚ ኣብ ናይ ብሪጣንያ ቤተ⁠-​መዘክር ክርከብ ዝከኣል ዝርአ ነገርን እተቐርጸ ጽሑፍን ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ነገስት 18:⁠13, 14 ተመዝጊቡ ዘሎ ሰናክሬብ ንላኪሽ እትብሃል ናይ ይሁዳ ከተማ ከም ዝማረኻ ዝገልጽ ጸብጻብ ዝሰማማዕ ኢዩ። ብዛዕባ እቲ እተረኽበ ነገር ሓሳብ ክህብ ከሎ: ለያርድ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እዚ ቅድሚ ምርካቡ: ኣብ ትሕቲ እቲ ነነዌ ዝነበረትሉ ቦታ ዝሕብር ከባቢ ዘሎ ኩምራ ሓመድን ጓሓፍን: ታሪኽ ናይቲ ኣብ መንጎ ህዝቅያስን [ንጉስ ይሁዳ] ሰናክሬብን እተገብረ ውግእ: ሰናክሬብ ምስ ሰዓረ ሽዑ እተጻሕፈ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ደቀቕቲ ዝርዝራት እውን ከይተረፈ ዘረጋግጽ ክርከብ ዝመስል ኢዩ ወይ ዝከኣል ኢዩ ኢሉ ዝኣምን መን ምተረኽበ፧”7

ናይ ስነ⁠-​ጥንቲ ተመራመርቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕነት ዘረጋግጽ ከም እኒ ስራሓት ዕትሮ: ናይ ህንጻ ፍርስራሳት: ጽላት: ሰናቲም: ሰነዳት: ሓወልትታት: ከምኡውን እተቐርጸ ጽሑፋት ዝኣመሰለ ካልእ ብኢድ ሰብ እተሰርሐ ነገራት እውን ረኺቦም ኢዮም። ኳዓቲ መሬት ብዛዕባ እታ ኣብርሃም ዝነብረላ ዝነበረ ንግዳውን ሃይማኖታውን ማእከል ዝነበረት ከተማ ከለዳውያን: ኡር: እውን ረኺቦም ኢዮም።8 (ዘፍጥረት 11:⁠27⁠-​31) እቲ ኣብ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን እተረኽበ ናይ ናቦኒደስ ዜና መዋእል: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 5 ተተሪኹ ዘሎ ባቢሎን ብ539 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኢድ ቂሮስ ዓቢ ምውዳቓ ይገልጽ።9 ኣብ ጥንታዊት ተሰሎንቄ ኣብ ሓደ ናይ ቀስቲ ቅርጺ ዘለዎ መተሓላለፊ እተረኽበ እተቐርጸ ጽሑፍ (ናይዚ ስብርባር ኣብ ናይ ብሪጣንያ ቤተ⁠-​መዘክር ተዓቂቡ ኣሎ) ኣስማት ናይቶም ኣመሓደርቲ ከተማ ኣብ ትሕቲ “ፖሊታርክስ ” ዝብል መግለጺ ተዘርዚሩ ኣሎ: እዛ ፓሊታርክስ እትብል ቃል ኣብቲ ናይ ቀደም ናይ ግሪኽ ስነ⁠-​ጽሑፍ ዘይትፍለጥ እቲ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ሉቃስ ግን እተጠቕመላ ቃል ኢያ።10 (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠6 NW እግረ⁠-​ጽሑፍ) በዚ ኸኣ ከምቲ ድሮ ኣብ ካልእ ዝርዝራት እውን እተራእየ ናይ ሉቃስ ልክዕነት ተረጋጋጸ።​—⁠ምስ ሉቃስ 1:⁠3 ኣረኣእዮ።

ይኹን እምበር: ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ ይትረፍዶ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ንሓድሕዶም እውን ይኹን ኵሉ ግዜ ኣይኰኑን ዝሰማምዑ። ከምዚ ኢሉ ከሎ እውን መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝኽእል ምዃኑ ዘርኢ ኣብ ውሽጡ ድልዱል መርትዖ ሒዙ ኣሎ።

ብቕንዕና ዝቐረበ ጸብጻብ ኢዩ

ሓቀኛታት ጸሓፍቲ ታሪኽ ዓወታት ጥራይ (ከምቲ ሰናክሬብ ንላኪሽ ከም ዝማረኻ ዝገልጽ እተቐርጸ ጽሑፍ) ዘይኰነስ ሽንፈታት እውን: ጽቡቕ ጐድንታት ጥራይ ዘይኰነስ ጕድለታት እውን: ሓይሊ ጥራይ ዘይኰነስ ድኽመታት እውን ይምዝግቡ ኢዮም። ውሑዳት ጸሓፍቲ ታሪኽ ኢዮም ከምዚ ዝበለ ሓቅነት ዘንጸባርቑ።

ብዛዕባ እቶም ሶርያውያን ጸሓፍቲ ታሪኽ: ዳንኤል ዲ. ለከንቢል ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ናይ ንጉሳውያን ቤተሰብ ሕማቕ ነገራት ንናይ ታሪኽ ልክዕነት ክትጠዊ ዝግድድ ምዃኑ መብዛሕትኡ እዋን ርዱእ ኢዩ።”11 ከምዚ ዝበለ “ናይ ንጉሳውያን ቤተሰብ ሕማቕ ነገር” ኣብነት: ናይቲ ሶርያዊ ንጉስ ኣሹርናሲርፓል መስርዕ ፍጻመታት ዝሓዘ ከምዚ ኢሉ ተዓበየ:⁠- “ኣነ ክቡር ኢየ: ኣነ ብሉጽ ኢየ: ኣነ ልዑል ኢየ: ኣነ ኵሉ ዝኽእል ኢየ: ኣነ ሕፉር ኢየ: ኣነ ክብሪ ዝለ​በስኩ ኢየ: ኣነ ካብ ኵሉ ዝለዓልኩ ኢየ: ኣነ ሓያል ኢየ: ኣነ ተባዕ ኢየ: ኣነ ኣንበሳ ኢየ: ከምኡውን ኣነ ጐብለል ኢየ!”12 ኣብ ከምዚ ዝበለ ታሪኻዊ መዛግብቲ ዘሎ ጸብጻብ ብምሉኡ ከም ልክዕ ታሪኽ ገይርካዶ ምተቐበልካዮ፧

ኣንጻር ናይዚ: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባህ ዘብል ቅንዕና ኢዮም ኣንጸባሪቖም። እቲ መራሕ እስራኤል ዝነበረ ሙሴ ብግልጺ ብዛዕባ ጕድለታት ናይ ኣሮን ሓዉ: ናይ ሚርያም ሓፍቱ: ናይ ደቂ ሓዉ ናዳብን ኣቢሁን: ናይ ህዝቡ: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ጌጋታት ጸብጻብ ሂቡ ኢዩ። (ዘጸኣት 14:⁠11, 12፣ 32:​1⁠-​6፣ ዘሌዋውያን 10:​1, 2፣ ዘሁልቍ 12:​1⁠-​3፣ 20:​9⁠-​12፣ 27:12⁠-​14) እቲ ከቢድ ጌጋታት ናይ ንጉስ ዳዊት ተሸፊኑ ኣይተረፈን: ኣብ ክንድኡስ ዳዊት ገና ንጉስ ኰይኑ እናገዝአ ከሎ ኢዩ ተመዝጊቡ። (2 ሳሙኤል ምዕራፍ 11 ከምኡውን 12) ማቴዎስ: ነታ ብስሙ ተጸዊዓ ዘላ መጽሓፍ ዝጸሓፈ: እቶም ሃዋርያት (ንሱ እውን ሓደ ካብኣቶም ኢዩ ነይሩ) ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕቤት ብኸመይ ከም እተኸራኸሩ: ከምኡውን ኣብታ እተታሕዘላ ምሸት ንየሱስ ከመይ ኢሎም ጠንጢኖምዎ ከም ዝኸዱ ይነግረና። (ማቴዎስ 20:20⁠-​24፣ 26:56) እቶም ነቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዘሎ መልእኽትታት ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ: ነቲ ዝነበረ ጾታዊ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነትን ፍልልይን ሓዊስካ ኣብ ገለ ካብተን ናይ መጀመርታ ክርስትያን ጉባኤታት ዝነበረ ግድላት ብግልጺ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ግድላት እዚ ንምዝራብ ዕጥይጥይ ኣይበሉን።​—⁠1 ቈረንቶስ 1:​10⁠-​13፣ 5:​1⁠-​13

ከምዚ ዝበለ ሓቅን ግልጽን ዝዀነ ኣወሃህባ ጸብጻብ ንሓቂ ዝነበሮም ቅንዕና ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ ኢዩ። እቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ እቶም ዝፈትውዎም ሰባት: ህዝቦም: ከምኡውን ባዕሎም ዝገበርዎ ባህ ዘየብል ሓበሬታ ክምዝግቡ ፍቓደኛታት ስለ ዝዀኑ: ነቲ ዝጸሓፍዎ ነገራት ንኽንኣምኖ ጽቡቕ ምኽንያትዶ የብልናን ኢዩ፧

ልክዕ ዝዀነ ዝርዝር

ኣብ ናይ ቤት ፍርዲ መጋባእያ ቁም ነገር ናይቲ ሓደ ምስክር ዝህቦ ምስክርነት መብዛሕትኡ ግዜ ብመሰረት እቲ ዘቕረቦ ደቀቕቲ ጭብጥታት ኢዩ ዝውሰን። ኣብቲ ደቀቕቲ ነገራት ዘሎ ስምምዕ ነቲ ምስክርነት ልክዕን ሓቀኛን ከም ዝዀነ ከረጋግጽ: ርኡይ ዝዀነ ፍልልይ ምስ ዝህሉ ግን እተኣልመ ነገር ከም ዘሎ ከቃልዕ ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣዝዩ ሓጺር ዝዀነ ጸብጻብ​—⁠ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ብግቡእ እተሰርዐ⁠—​ነቲ ናይ ሓሶት ምስክር ዘቃልዕ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ።

በዚ መዳይ እዚ ክዕቀን ከሎ: እቲ “ምስክርነት” ናይቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢዩ፧ እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጕሉሕ ዝዀነ ስምምዕ ኣንጸባሪቖም ኢዮም። ብዛዕባ ደቀቕቲ ዝርዝራት እውን ይኹን ስምምዕ ኣለዎም። ይኹን እምበር: እቲ ስምምዕ ናይ ምጥርጣር ስምዒት ዘለዓዕል ኰነ ኢልካ እተገብረ ስምምዕ ኣይኰነን። ኣብቲ ጽሑፋቶም ዘሎ ምምስሳል ኰነ ኢልካ እተገብረ ከም ዘይኰነ ግሁድ ኢዩ: መብዛሕትኡ እዋን እቶም ጸሓፍቲ ከይተፈለጦም ኢዮም ኣብቲ ጽሑፋቶም ዝሰማምዑ ነይሮም። ገለ ኣብነታት ርአ።

እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ማቴዎስ “የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ አተወ: ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረአያ” ኢሉ ጸሓፈ። (ማቴዎስ 8:⁠14 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ ማቴዎስ: ጴጥሮስ ተመርዕዩ ምንባሩ ዝገልጽ ዘገድስ ግንከ ዘየድሊ ዝርዝር ሃበ። እዚ ደቂቕ ዝመስል ሓቂ በቲ “ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን . . . ኬፋን b ዝገበርዎ: ክርስትያን ሰበይቲ ምሳይ ኽትህልወንዶ መሰል የብለይን ኢዩ፧” ኢሉ ዝጸሓፈ ጳውሎስ ተደጊፉ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 9:5 ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል [እንግሊዝኛ]) ጳውሎስ: ንገዛእ ርእሱ ካብ መሰረት ዘይብሉ ነቐፋ ይከላኸል ከም ዝነበረ እቲ ትሕዝቶ የርኢ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 9:⁠1⁠-​4) ብግልጺ: እዚ ጴጥሮስ ምርዑው ምንባሩ ዝገልጽ ሓቂ: ጳውሎስ ነቲ ናይ ማቴዎስ ጸብጻብ ንኽድግፍ ኢሉ ዘእተዎ ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡስ ብኣጋጣሚ ዝበሎ ነገር ኢዩ።

ኣርባዕቲኦም ጸሓፍቲ ወንጌል​—ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ: ከምኡውን ዮሃንስ ኣብታ የሱስ እተታሕዘላ ምሸት ሓደ ካብቶም ደቀ መዛሙርቲ ሴፉ መዚዙ ንባርያ ሊቀ ኻህናት እዝኑ ከም ዝቘረጾ መዝጊቦም ኣለዉ። ወንጌል ዮሃንስ ጥራይ ነቲ ዘየድሊ ዝመሰል “ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ” ዝብል ጸብጻብ ሒዛ ትርከብ። (ዮሃንስ 18:⁠10, 26) ዮሃንስ ጥራይ ስም ናይቲ ሰብኣይ ዝጠቐሰ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቁሩብ ቍጽርታት ሕልፍ ኢሉ ድማ እቲ ጸብጻብ: ዮሃንስ ‘ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ነበረ’ ብምባል ኣብ ካልእ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዘይተጠቕሰ ደቂቕ መርትዖ የቕርብ። ኣብታ ስድራቤት ናይቲ ሊቀ ካህናት እውን ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ፣ ምስቶም ኣገልገልቲ እውን ይፋለጥ ነይሩ ኢዩ። (ዮሃንስ 18:⁠15, 16) ስለዚ እምበኣር: ዮሃንስ እቶም ነቲ ሰብኣይ ዘይፈልጥዎ ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል ዘይጸሓፍዎ: ስም ናይቲ እዝኑ እተቘርጸ ሰብኣይ: ምጥቃሱ ዘገርም ነገር ኣይኰነን።

ሓድሓደ እዋን: ካብ ሓደ ጸብጻብ ዝርዝር መግለጺታት ይተርፍ: ኣብ ካልእ ቦታ ግን ካልኦት ንእግረ⁠-​መገዶም ይገልጽዎ። ንኣብነት: ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣይሁዳውያን ሳንሄድሪን ንፍርዲ ምቕራቡ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ጸብጻብ: ገለ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት “ኣብ ገጹ . . . ጸፍዕዎ፤ ዎ ክርስቶስ: መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና ” ከም ዝበልዎ ይዛረብ። (ማቴዎስ 26:⁠67, 68 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ዝወቕዖ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ከሎ ንየሱስ መን ከም ዝወቕዖ ‘ክንበ’ ዝሓተትዎ ስለምንታይ ኢዮም፧ ማቴዎስ ብዛዕባ እዚ ኣይገልጽን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ክልተ ካብቶም ካልኦት ጸሓፍቲ ወንጌል: ከይተወቕዐ ከሎ እቶም ዘሳቕይዎ ዝነበሩ ገጹ ከም ዝሸፈንዎ ብምዝራብ ነዚ ዝጐደለ ዝርዝር መሊኦምዎ ኣለዉ። (ማርቆስ 14:⁠65፣ ሉቃስ 22:⁠64) ማቴዎስ ነፍሲ ወከፍ ዝርዝር ተገሊጹዶ ኣይተገለጸን ከይተገደሰ ኢዩ ጽሑፉ ኣዳልዩ።

ወንጌል ዮሃንስ የሱስ ክምህር ከሎ ክሰምዕዎ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እተኣከብሉ ሓደ ኣጋጣሚ ይዛረብ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ: የሱስ ነቶም ብዙሓት ሰባት ምስ ረኣዮም: “ንፊልጶስ፤ እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ።” (ዮሃንስ 6:⁠5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ካብ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ: እንጌራ ኣበይ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ ንፊልጶስ ዝሓተቶ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ጸሓፊ ምኽንያት ኣይዛረብን ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ: ሉቃስ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ገሊላ ዝነበረት ቤተ⁠-​ሳይዳ ከም እተፈጸመ ይዛረብ: ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ናይ ዮሃንስ ጸብጻብ ድማ “ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ⁠-​ሳይዳ . . . እዩ” ይብል። (ዮሃንስ 1:⁠44፣ ሉቃስ 9:⁠10) ስለዚ የሱስ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝዓዱ ሰብ ከም ዝሓተተ ርዱእ ኢዩ። እቲ ኣብ መንጎ ዝርዝራት ዘሎ ምስምማዕ ብሓቂ ፍሉይ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኰነ ኢልካ እተገብረ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት: ገለ ዝርዝራት ምጕዳሉ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ ዋጋ ዘውህቦ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ናይ 1 ነገስት ጸሓፊ ኣብ እስራኤል ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝነበረ ይዛረብ። ኣዝዩ ብርቱዕ ብምንባሩ እቲ ንጉስ ነፍራሱን ኣባቕሉን ብህይወት ከጽንሕ ዝኽእል እኹል ማይን ሳዕርን ክረክብ ኣይከኣለን። (1 ነገስት 17:⁠7፣ 18:⁠5) እንተዀነ ግን: ኣብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ነብዪ ኤልያስ ንሓደ 1,000 ትርብዒት ሜትሮ ዝኸውን ስፍሓት ዘለዎ ጕድጓድ ክመልእዎ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ (ምስ መስዋእቲ እተተሓሓዘ ንኽጥቀምሉ) እኹል ማይ ከምጽኡ ኣዘዘ። (1 ነገስት 18:⁠33⁠-​35) ድርቂ እናሃለወ ከሎ እዚ ዅሉ ማይ ካበይ ኢዩ መጺኡ፧ እቲ ናይ 1 ነገስት ጸሓፊ ነዚ ንኽገልጽ ኢሉ ኣይተሸገረን። ይኹን እምበር: ዝዀነ ይኹን ኣብ እስራኤል ዝነብር ሰብ ከረን ቀርሜሎስ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሜዲተራንያን ከም እትርከብ ይፈልጥ ኢዩ: እዚ ድማ ዳሕራይ ኣብቲ ጸብጻብ ብኣጋጣሚ ተነጊሩ ኣሎ። (1 ነገስት 18:⁠43) ስለዚ እምበኣር: ናይ ባሕሪ ማይ ነይሩ ኢዩ። እዚ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ መጽሓፍ ከም ሓቂ ኰይኑ ዝቐረበ ልቢ ወለድ እንተ ዝኸውን ነይሩ: እቲ ጸሓፊኡ: ኣብዚ ጕዳይ እዚ ከም ወሓለ ዘቝጽሮ: ከምዚ ዝበለ ዘይተመልአ ነገር ዝገደፈ ስለምንታይ ኢዩ፧

ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧ ተመራመርቲ ስነ⁠-​ጥንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ዝነበሩ ሰባት: ብሓቂ ዝነበረ ቦታታት: ከምኡውን ብልክዕ እተፈጸመ ፍጻመታት ከም ዝጠቅስ ንምርግጋጽ እኹል ዝዀነ ብኢድ እተሰርሐ ነገራት ረኺቦም ኢዮም። ይኹን እምበር: ዝያዳ ዘእምን ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መርትዖ ኢዩ። እቶም ቅኑዓት ጸሓፍቲ ነቲ ዘጋጠመ ነገር ከምቲ ዘለዎ ኣብ ምጽሓፍ ንዝዀነ ይኹን ሰብ: ንገዛእ ርእሶም እውን ከይተረፈ ኣይነሓፉን። ነቲ ብኣጋጣሚ ዝዀነ ምስምማዕ ሓዊስካ: ውሽጣዊ ውህደት ናይቲ ጽሑፍ እቲ “ምስክርነት” ሓቂ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። ነዚ ከምዚ ዝበለ “ርግጽ ዝዀነ ናይ ሓቅነት ምልክት” ብምርኣይ እምበኣር መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ክትኣምኖ ዝከኣል መጽሓፍ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ነዚ ነገር እዚ ድሕሪ ምርካቡ: ፕሮፌሰር ኣንድረ ላሜር ኣብቲ ብ1868 እተረኽበ ናይ ሜሳ ሓወልቲ (እምኒ ሞኣብ እውን ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ዘሎ ዝዓነወ ክፍሊ ናይቲ ጽሑፍ ምስ ተጸገነ: ን“ቤት ዳዊት” ዘመልክት ትሕዝቶ ከም ዝጸንሖ ጸብጻብ ሃበ።4

b “ኬፋ” ብሴማዊ ቋንቋ “ጴጥሮስ” ማለት ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 1:⁠42

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ቴል ዳን ስብርባር

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእሊ]

ናይቲ ኣብ 2 ነገስት 18:⁠13, 14 ተጠቒሱ ዘሎ: ብዛዕባ ምኽባብ ላኪሽ ዝገልጽ ናይ ኣሶራውያን ሓወልቲ ዘርኢ መንደቕ