ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ

ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ

ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ

ሓደ ናይ ዩኒቨርሲቲ ፕሮፌሰር ንሓንቲ ብግልጺ እትዛረብ መንእሰይ ሰበይቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ኣርዚንካ ክርአ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን ” በላ።

ንሳ ድማ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካዮዶ ትፈልጥ፧ ” ኢላ ሓተተቶ።

እቲ ፕሮፌሴር ብምግራም ከም ዘየንበቦ ተኣመነ።

“ብዛዕባ ሓደ ፈጺምካ ኣንቢብካዮ ዘይትፈልጥ መጽሓፍ: ከመይ ኢልካ ጽኑዕ ተቓውሞ ከተስምዕ ትኽእል፧ ”

ተቐባልነት ዘለዎ ሓሳባት ኢያ ሂባ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢቡ ብዛዕብኡ ሓሳባት ክህብ ድማ ወሰነ።

እቲ 66 መጻሕፍቲ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ምናልባት እቲ ዝለዓለ ጽልዋ ዘለዎ እኩብ መጻሕፍቲ ክኸውን ከም ዝኽእል” ኢዩ ዝግለጽ።1 ብርግጽ: ንገለ ካብቲ ናይ ዓለም ዝዓበየ ስነ⁠-​ጥበብ: ስነ⁠-​ጽሑፍ: ከምኡውን ሙዚቃ ይጸልዎ ኢዩ። ኣብ ሕጊ ርኡይ ዝዀነ ጽልዋ ኣለዎ። በቲ ስነ⁠-​ጽሑፋዊ ኣገባቡ ናእዳ ረኺቡ ኢዩ: ኣዝዮም እተማህሩ ብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ድማ ዝለዓለ ግምት ሂቦምዎ ኢዮም። ኣብ ኵሉ ደረጃታት ናብራ ንዘለዉ ሰባት ዝገብሮ ጽልዋ ብፍላይ ዓሚቝ ኢዩ። ንብዙሓት ኣንበብቱ ርኡይ ዝዀነ ተኣማንነት ከም ዝህልዎም ገይሩ ጸልይዎም ኢዩ። ገሊኣቶም ንኸንብብዎ ጥራይ ህይወቶም እውን ከይተረፈ ኣጥፊኦም ኢዮም።

በቲ ሓደ ወገን ድማ: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ጥርጣረታት ኣሎ። ዋላ እኳ ብብሕቶም ፈጺሞም ኣንቢቦምዎ ዘይፈልጡ እንተዀኑ: ኣንጻሩ ጽኑዕ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ስነ⁠-​ጽሑፋዊ ወይ ድማ ታሪኻዊ ቁም ነገር ኣፍልጦ ይህቡሉ ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ እተጻሕፈ መጽሓፍ ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም ከመይ ኢሉ ክጠቅም ይኽእል፧ ኢሎም ይሓቱ። ኣብ “ናይ ሓበሬታ መዋእል” ኢና ንነብር ዘለና። ብዛዕባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዘሎ ፍጻመን ቴክኖሎጂን ሓበሬታ ብቐሊሉ ክንረክብ ንኽእል። ዳርጋ ንዅሉ ኣብ ዘመናዊ ህይወት ዘጋጥም ግድላት መፍትሒ ዝኸውን ናይ “ክኢላ” ምኽሪ ብቐሊሉ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እዋን እዚ ተግባራዊ ክኸውን ዝኽእል ሓበሬታ ብሓቂ ክርከቦ ይኽእል ድዩ፧

እዛ ብሮሹር እዚኣ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እትጽዕር ኢያ። ኣብ ልዕሌኻ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ንምስራጽ ወይ ናይ እምነት ተጽዕኖ ንምግባር ኣይኰነትን ተዳልያ: ኣብ ክንድኡስ: እዚ ብታሪኻዊ መገዲ ክርአ ከሎ ጽልዋ ዘለዎ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ: ክትምርምሮ ዝበቅዕ ምዃኑ ንምርኣይ ኢያ ተዳልያ። ብ1994 ዝወጸ ጸብጻብ: ገለ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ናይ ምዕራባውያን ባህሊ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ብምዃኑ “ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታትን ጸብጻባትን ሌላ ዘይብሉ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ኣማኒ ይኹን ዘይኣማኒ: ብባህሊ ዝመጸ መሃይም ኢዩ ዝኸውን” ዝብል ጽኑዕ ኣረኣእያ ከም ዘለዎም ገለጸ።2

ምናልባት ነዚ ኣብዚ ተጻሒፉ ዘሎ ምስ ኣንበብካዮ: ሓደ ሰብ ሃይማኖታዊ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ: መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ወሓደ ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ ምዃኑ ክትሰማምዓሉ ትኽእል ትኸውን።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“መንፈሳዊ ምስትውዓል ክረክብ ዝኸኣልኩ ብሓቂ ካብቲ ዘንበብክዎ መጽሓፍ ጥራይ ኢዩ። መጽሓፍ፧ እወ: ሓደ ንምርድኡ ቅልል ዝበለ ጥንታዊ መጽሓፍ: ልክዕ ከም ተፈጥሮ ብዙሕ ግምት ዘይወሃቦ: ሕልኽላኽ ዘይብሉ መጽሓፍ ኢዩ። . . . ስም ናይዚ መጽሓፍ እዚ ድማ ብቐሊሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።”​—⁠ሄንሪክ ሄን: ናይ መበል 19 ክፍለ⁠-​ዘበን ጀርመናዊ ጸሓፊ።3